“ገለ ሰብ ግና፡ ‘ምዉታት ከመይ ኢሎም’ዮም ዚትንስኡ፧ ከመይ ዝበለ ሰብነትከ’ዩ ኺህልዎም፧” ዚብል ይህክው ይኸውን። ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን’ዩ። . . . ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና’ያ ‘ትነብር፡ እንተ ሞተት ግና ብዙሕ ፍረ ኸም `ትፈርይ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”1ቈረ 15፡35,36 ፣ ዮሃ 12፡24 ካ.ት
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል ሎሚ ዓመትውን ብቀዳም ዕለት 20 ሕዳር 2021 ኣ.ፈ (፲፩ ሕዳር ፳፻፲፬ ዓ.ም) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን ንመበል 12ተ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።
ንሕና ከም ሕዝቢ፣ ማለት ከም ሕዝቢ-ሓበሻ መጠን፣ ናይ ሞት መጸዋዕታ ክመጸና ከሎ፣ ምቕባሉ ዝኸብደና ሕዝቢ ምዃንና ኢና እንፍለጥ። ኣብ ዝኾነ ግዜ እቲ “መርድእ” ዝበሃል ዜና ክመጽእ ከሎ፣ እቲ ክግበር ዝርአ ናይ ኣበኻኽያ ባህልና፣ መግለጺ ክርከበሉ ይኽእል`ዩ ክበሃል`ውን ኣይከኣልን። ብሓጺሩ ሞት ኣብ ሕዝብና፣ ዳርጋ ከም መወዳእታ ዓለም ኮይኑ`ዩ ዝርአ እንተ-ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ልማድ`ዚ ከኣ ግዜ ክቕይሮ ዘይከኣለ፣ ዳርጋ ኣብ ደምና ከም-ዝተወሃሃደ ውርሻ ኮይኑ`ዩ፣ ኃቢሩና ክጎዓዝ ዝርከብ ዘሎ።
መልሲ ነቲ ኣብ ኣሥመራ ብዝነብሩ ጳጳሳት ኤርትራ ዝተዋህበ ውሳኔ፡
“እስከ ትበጽሕ ለሞት ተበአስ በእንተ ጽድቅ፥ ወእግዚኣብሔር አምላክከ ይትበአስ በእንቲአከ።”|“ምእንቲ ሓቂ [ጽድቂ] ክሳብ ሞት ተቓለስ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ድማ ምእንታኻ ክቃለስ እዩ።”ሲራክ 4:28፡፡
ሒደት ጳጳሳትን ልኡኻት መንግሥትን ዝመሃዝዎ፥ ካብ ጥሪ ፲፱፻፺፯ |January 2005 ዓ. ምሕረት፥ ዝጀመረ ግህሰት ቤተ ክርስቲያን፥ ካብ ምእሳር ካህናት፥ መነኮሳት ሕሉፍ ሓሊፉ ክሳብ ሞት ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ስደት ምእመናንን ካህናትን፥ ዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎ መከራን፥ ካብ ዓይኒ ኩሉ ሕዝቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ኩነታት ካብ ዝጀመረሉ፥ ዓገብ ክንብልን፥ ብዝከኣለና ኣብ ስደት ዘሎ ሕዝብና ከነጸናንዕን ክንጓስን ጸኒሕና ኢና፡፡
“መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። ነቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። . . . ‘(ስለ`ዚ) ናብ ቀራና መገድታት (Cross roads) ኪዱ`ሞ፡ ንዝረኸብኩምዎ (ዅሉ) ናብ መርዓ ጸውዑ’ በሎም። እቶም ባሮት ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዅሉ፡ ንሕሱማትን፡ ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልአ። እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርእይ ናብ`ቲ ዳስ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረኣየ`ሞ ፡ ‘ኣታ ዓርከይ፡ ክዳን መርዓ ኸይተኸደንካ ኸመይ ኢልካ ናብ`ዚ ኣተኻ፧” በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። ሽዑ`ቲ ንጉስ ንገላዉኡ፡ ‘ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽንያት ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። ጽውዓትሲ ብዙሓት`ዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት`ዮም’። በሎም” ማቴ 22፡2,9,14
ሰንበት 20 የካቲት 2022 ዝካየድ ጸሎተ ፍትሓት (2ይ ቀብሪ) ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ: ካብ ሰዓት 7:00 - 11:30 ቅድሚ ቀትሪ ብምብራቓዊ ዞባ ኣሜርካ) በዚ ኣገባብዚ ክትከታተሉ ብኣኽብሮት ንሕብር።
ዕድመ ጸሎተ ፍትሓት (2ይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ
ዝርዝር ትሕዝቶ መደብ ጸሎተ ፍትሓት (2ይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ
ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘኤርትራ።
"ዝኽሪ ኣቡነ እንጦንዮስ" "ሥርዓተ ማኅሌት" ካብ ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ" የካቲት ፲፬, ፳፻፩፬
ስርዓተ ቅዳሴ ዝኽሪ-ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ የካቲት ፲፫, ፳፻፲፬፣ Feb 20,2022
ከም-ዝፍለጥ ሞት ክበሃል ከሎ፣ ዝፍቶ ሞት ስለ-ዘየሎ፣ ውጽኢት ሞት ኩሉ ግዜ ሓዘንን ብኽያትን እዩ። ዓይነት ሞት ግና ብዙሕ`ዩ። ከመይሲ ዘይንቡር ሞት ዘጋጥመሉ ኣጋጣሚ`ውን ስለ-ዘሎ`ዩ። ስለዚ ከኣ`ዩ “ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፣ ሞታ ለማርያም ይኣጽብ እም ኩሉ” ተባሂሉ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ “ሞትሲ ነቲ ዝመውት ግቡእ ሞት`ዩ፣ እቲ ናይ ቅድስቲ ማርያም ሞት ግና ካብ ኩሉ ዜገርም`ዩ” ከም ምባል`ዩ ዜስምዕ። ስለዚ`ውን እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ሞት መርድእ`ውን፣ ፍሉይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ`ዩ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ