S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ወ/ሮ ጽገወይኒ መኮነን: በዓልቲ ቤቶም ንኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ፡ ብቀዳም 4 ሰነ 2022 ዓሪፈን። ወ/ሮ ጽገወይኒ፥ ኣደ ጽንዓት ናይ ጸሎት ኣደ ከምዝነበራ ብዙሓት ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። በዓል ቤተን ኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ ካብ ዝእሰሩ 18 ዓመታት እኳ እንተቕጸረ፡ ንሰን ግን ንኣምላኽ እናለመና፡ ብጽንዓትን ብጸሎትን “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ክርስቶስ፡ ንዅሉ እኽእሎ እየ።” (ፊሊጲ 4.13) እናበላ ብትዕግስቲ ክጽበያ ጸኒሐን እየን። ንደቀን ክንዲ ኣደን ኣቦን ኮይነን እናዕበያኦም፡ ን18 ዓመታት ገጽ በዓል ቤተን ክርእያ ሃረር እናበላ እንከለዋን እየን ብሞት-ስጋ ተፈልየን።

እግዚኣብሔር ንስድራቤት ምጽንናዕ ይሃቦም። ንኣዴና ወ/ሮ ጽገወይኒ ድማ ኣብቲ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ዝኾነ መንግስቲ ብርሃን የዕርፈን። “ኦ እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ዓመትከ  ጽገወይን” 

ነቶም ን18 ዓመታት ብዘይ ፍትሒ ተኣሲሮም ዘለዉ ድማ ሓርነት ይኣውጀሎም ኣምላኽ።

መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ

ቀኖናዊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

በስመ አብ  ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን።

“ድምጺ ደም ኃውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።” ዘፍጥረት 4:10

መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ምሻም ዘይሕጋዊ 6ይ ፓትርያርክ።

ክዝክረኩም ደቂ ሃገረይ ኩቡራት መኳንንቲ:

ዛንታኹም ኣለኒ ኣያታት ኣቦታት ዓበይቲ:

ዘርዚረ ኣይውድኦን ሞያኹም በብሓንቲ:

እስኪ ፍቐዱለይ ቁሩብ ክዝርዝር ክዝቲ:

ገሌኹም ሰብ ሕጊ ንደቂ ሰባት ተጣበቕቲ:

ገሌኹም ፖሮፌሰራት ሰብ ሰፊሕ ትምህርቲ:

 "መንግስቲ ናይ ገበርቲ ፍቓዱ!! "ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ’ምበር፡ ጐይታይ! ጐይታይ! ዚብለኒ ዅሉ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይኣትውን’ዩ።" ማቴ 7፡21 እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ 3ይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሓምለ 11-16 ዘሎ ቕንያት፡ ናይ’ዚ "ዘርእ፡ ደመና፡ ጠል" ዝተባህለ ንኡስ ዘመን ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ሰንበት’ዩ።

ከም-ዝፍለጥ ሞት ክበሃል ከሎ፣ ዝፍቶ ሞት ስለ-ዘየሎ፣ ውጽኢት ሞት ኩሉ ግዜ ሓዘንን ብኽያትን እዩ። ዓይነት ሞት ግና ብዙሕ`ዩ። ከመይሲ ዘይንቡር ሞት ዘጋጥመሉ ኣጋጣሚ`ውን ስለ-ዘሎ`ዩ። ስለዚ ከኣ`ዩ “ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፣ ሞታ ለማርያም ይኣጽብ እም ኩሉ” ተባሂሉ ዘሎ። እዚ ማለት ድማ “ሞትሲ ነቲ ዝመውት ግቡእ ሞት`ዩ፣ እቲ ናይ ቅድስቲ ማርያም ሞት ግና ካብ ኩሉ ዜገርም`ዩ” ከም ምባል`ዩ ዜስምዕ። ስለዚ`ውን እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ሞት መርድእ`ውን፣ ፍሉይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ`ዩ።

እቲ ካብ ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ኣስታት 280 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሓምለ 01  ክሳብ ሓምለ 04፣ 2022 ኣብ ይጅን ኦረገን ዩኒቨርሲትይ ኦፍ ኦረገን (University of Oregon, Eugene, OR) ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርትታት፥ ሰሚናራት፥ ዘተን ዎርክሾፕን ሓጸርቲ ድራማታትን ዝሓቖፈ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ነግህን ጸሎተ ሰርክን ዝተዛዘመን ነይሩ።

Press Release on the Claim of Electing a 6th Patriarch in Violation of Church Canon

 PDF | Text Format | Tigrigna |

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div