S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ተወራሲ ጽድቂ! ቊ.52 (25 ሓምለ 2026 ፈ | ሓምለ 19, 2018 ግዕዝ)

 ""ኖህ ብዛዕባ’ቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት’ዩ ንምድሓን ቤቱ ‘ትኸውን መርከብ ዘዳለወ፡ (በታ መርከብ) ገይሩ ንዓለም ኰነና። ናይ’ቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ።"እብ11፡7

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣቦና ኖህ ብግብሩ ኸም ዝጸደቐዶ ኣይኰነን ዚነግረና፧ ጻድቕ እንተ ነይሩ ደኣ፡ ንምንታይ ካልእ ጽድቂ ኺወርስ ኣድለዮ፡ ናይ መን ጽድቂኸ ወረሰ፧ ብርግጽ መጽሓፍ ቅዱስና ብዛዕባ ናይ ኣቦና ኖህ ጻድቕ ህይወት ኣብነታዊ ብዝዀነ ኣገባብ ገሊጹልና’ዩ። እቲ ኣብ ዘፍ6፡8-9 ዘሎ፦ "ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መጐስ ረኸበ። ኖህ ኣብ’ዮም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዘይብሉ ሰብን ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ።" ዚብል ምስክርነት፡ ኖህ ኣብ ማእከል’ቲ ብርኽሰት ዝተበላሸወ፡ እግዚእብሄር ሰብ ብምፍጣሩ ኽሳዕ ዚጥዓስ ዝገበረ ክፉእ ወለዶታት ኰይኑ፡ ኣበር ብዘይወጾ ጽድቂ ኸም ዝተመላለሰ ኣረጋጊጹልና’ዩ። እዚ ጻድቕ ናብራኡ ግን ናይ’ቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዝወረሶ ጽድቂ ውጽኢት ምዃኑ ድማ፡ እዚ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ዝዀነ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ዚ መሪሕ ጥቕስና ብመንፈስ ቅዱስ ኣረጋጊጹልና እንሆ። ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሉይ ኪዳን ኰነ ሓድሽ ኪዳን፡ ሰብ ባዕሉ ብግብሩ ኺጸድቕ ከም ዘይክእል ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና’ዩ።

"አረ ኸምኡ ምዃኑስ ኣርጊጸ እፈልጥ’የ፡ ከመይ ኢሉ ደኣኸ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምጸደቐ፧ . . . ኣነ ጻድቕ እንተ ዝኸውን’ኳ። ኣፈይ "በደለኛ ኢኻ" ኢሉ ምፈረደኒ ፍጹም እንተ ዝኸውን ከኣ፡ ሕሱም ገበረኒ ነይሩ።" እዮ9፡2,20

"ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ፧ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ኢሉ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧ ኣሽንኳይ ሰብ፡ እዚ ሓሰኻ፡ ወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ፡ እንሆ ወርሒ’ኳ ደሚቓ ኣይትበርህን፡ ከዋኽብቲ’ውን ኣብ ቅድሚኡስ ጽሩያት ኣይኰኑን።" እዮ 25፡4-6

"ህያስ ዘበለ ኣብ ቅድሜኻስ ሓደ’ኳ ጻድቕ የልቦን’ሞ ምስ ባርያኻ ኣብ ፍርዲ ኣይትእተው።" መዝ143፡2

"‘ንልበይ ኣጽርየዮ፡ ካብ ሓጢኣተይ ነጺሀ’ ኺብል ዚኽእል መን’ዩ፧ . . . ርኽሰቱ ዘይተሓበሰ፡ "ኣነ ንጹህ’የ" ዚብል ወለዶ ኣሎ።" ምሳ20፡9 ፣ 30፡12

"ብርግጽ፡ ሰናይ ዚገብር’ሞ ዘይሓጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ፡ የልቦን።" መክ7፡20

መብዛሕትኡ ኻብ’ዚ ሓቀኛ ተኣምኖ’ዚ በቶም እግዚኣብሄር ብጽድቆምን ፍጹምነቶምን ዝመስከረሎም ቅዱሳን ኣቦታት ዝተዋህበ’ዩ (እዮ1፡1,8 ፣ 2፡3 ፣ መዝ18፡20-24 ፣ ግብ13፡22,36)። እዞም ብጽድቆም ዝተመስከረሎም ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን፡ ኢየሱስ ብሞቱ ናብ ሲኦል ወሪዱ ማሪኹ ኽሳዕ ዜውጽኦም፡ ድሕሪ ሞቶም ከም ኵሎም ሓጥኣን ሰባት ኣብ ሲኦል ኣትዮም ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ሰይጣን ይነብሩ ነበሩ። ሞት፡ ናይ ሓጢኣት ዓስቢ ስለ ዝዀነ ብግብርኻ ኪድሓንን ኪጽደቕን ዚኽእል እንተ ዚኸውን፡ ዋላ ነቲ ናይ ስጋ ሞት’ኳ ኪሞትዎ ኣይበሮምን፡ ገዛእ ጽድቆም ኬድሕኖም ከም ዘይከኣለ፡ ዓብይ መርትዖ’ዩ።

እቲ ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ዝስበኹልና ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ሰብ ብግሩ ኺጸድቕን ኪድሕንን ከም ዘይክእል ብንጹር ገሊጹልና’ዩ። ብፍላይ’ቲ መጋቢነት ምስጢር ኣምላኽ ዝተዋህቦ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኣጽንዖት ደጋጊሙልና ኣሎ።

"ሕግስ ሓጢኣት’ዩ ዜፍልጥ’ሞ፡ ስለ’ዚ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣብ ቅድሚ (ኣምላኽ) ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን።" ሮሜ3፡20

"ሰብ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ’ምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኵሉ (ሰብ) ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸድቕ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና።" ገላ2፡16

ሰብ ብገዛእ ግብሩ ዀነ ብገዛእ ሞቱ ናይ ሓጢኣቱ ዋጋ ኸፊሉስ፡ ካብ ናይ ሓጢኣት ተሓታትነት ሓራ ኺወጽእ ኣይክእልን’ዩ።

ሰብ ብግብሩ ኺጸድቕ እንተ ዘይክኢሉ ደኣ ብኸመይ’ዩ ኺጸድቕ ዚኽእል፧ ጽድቂ ሰብ፡ ብሕድገት ሓጢኣት ጥራሕ’ዩ ዚርከብ። እግዚኣብሄር ንሓጢኣቱ ሓዲጉሉስ ከም ሓጢኣት ዘይገበረ ንጹህ ሰብ ገይሩ እንተ ረኣዮን እንተ ተቐበሎን፡ ሽዑ’ዩ ሰብ ጻድቕ ዚኸውንን ዚብሃልን። እግዚኣብሄር ጻድቕን ፍትሓውን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ነቲ ሓጢኣት ግቡእ ዓስቡ ኸይሃበ፡ ብኸምኡ ኺሓድጎ፡ እቲ ቕዱስ ባህርዩ ኣየኽእሎን’ዩ። ነቲ ጻድቕ ፍርዱ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓጥእ ሰብ እንተ ፈጺምዎ ድማ፡ ዘለኣለማዊ ሞት ስለ ዚኸውን፡ ኪድሕን ዚኽእል ሰብ ኣይህልውን’ዩ። ስለ’ዚ ንሰብ ምእንቲ ኺድሕን፡ ነቲ ሓደ ናይ ባህርይ ወዱ፡ ሰብ ኪኸውንን ሓጢኣት ናይ ኵሉ ሰብ ጸዊሩ ሞት ኪመውትን ፈቐደ። ንሓጢኣት ኵሉ ሰብ፡ ኣብ ወዱ ጸዓኖ፡ ንወዲ ኸም ገዛእ ሓጢኣቱ ገይሩ ኣውረሶ። ንጽድቂ ናይ’ቲ ቕዱስ ወዱ ድማ፡ ነቲ ጽድቂ ዘይብሉ ሓጥእ ሰብ ኣውረሶ። ስለ’ዚ ሓጢኣት ኰነ ጽድቂ፡ ኵሉ ብምውራስ’ዩ። ብዘይካ ክርስቶስ ጐይታና፡ ኣዳማዊ ሓጢኣት (ጥንተ ኣብሶ) ዘይወረሰ ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ’ዚ ሓደ ሰብ ኣበር ዘይወጾ ጻድቕ ኰይኑ ኪነብር እንተ ዚኽእል’ኳ፡ እንተ ወሓደ ብምኽንያት’ቲ ኻብ ኣዳም ዝወረሶ ሓጢኣት፡ ሓጥእ ካብ ምዃንን እቲ ንሓጥኣን ዝተበየነ ሞት ካብ ሙማት ኪድሕንን ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ተሓታትነቱን ሓራ ወጺኡ ንጹህን ጻድቅን ኪኸውን ዚኽእል፡ ጐይታና ኢየሱስ ሓጢኣቱ ጸዊሩ ምእንትኡ ኣብ መስቀል ከም ዝሞተ ኣሚኑ፡ ንሓጢኣቱ ብንስሓ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ኣንቢሩ፡ ጽድቅን ንጽህናን ናይ ኢየሱስ ኪቕበልን ኪወርስን ከም ዚኽእል ምስ ዚኣምንን ምስ ዚፈቅድን’ዩ። ሰብ ብግብሪ ኣምላኽ’ምበር፡ ብገዛእ ግብሩ ኺጸድቕ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ንኣና ንምጽዳቕ ዝተገብረ ዝዓበየ ግብሪ ኣምላኽ ድማ፡ እቲ ኣብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ምፍሳስ ደምን መስዋእትን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ጐይታና፡ ሓደ ጊዜ ብኣይሁድ፡ "ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፧" ምስ በልዎ፡ "ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ’ዩ" ኢሉ መለሰሎም (ዮሃ6፡28,29)። ስለ’ዚ በቲ ቕዱስ ወዱ ብኢየሱስ ምስ ‘ንኣምን፡ ነታ እተጽድቕ ግብሪ ኣምላኽ ረኺብናያን ተግቢርናያን ኣለና ማለት’ዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዀነ ኣብ ካልእ ብዙሕ ጥቕስታት ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ ነቲ እንወርሶ ጽድቂ "ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ" ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ‘ንረኽቦን ‘ንቕበሎን ጽድቂ ድማ፡ ናይ ኣምላኽ ጽድቂ’ዩ። ጽድቂ ኣምላኽ፡ ሓጢኣት ብዘይ ምፍጻሙን ግብሪ ጽድቂ ብምግባሩን’ዩ ዚፍጸምን ዚግሃድን። ጽድቂ ሰብ ግን ብሕድገት ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ንኣምላኽ ኬዕግብ ዚኽእል ኣይኰነን። እግዚኣብሄር በቲ ዓብይ ሗውነቱ ምሕረቱን ከመይ ገይሩ ንሰብ ኸም ዜጽድቖ እቲ ኣብ ህዝ16፡1-14 ዝሃቦ ስእላዊ መግለጺ ጥራሕ’ዩ ኺገልጾ ዚኽእል። ነዚ "ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ’ዩ ንኣና ሂቡና ዘሎ። ኣዚና ሓጥኣን ስለ ዝዀንና ኻብ ሓጢኣትና ኽንነጽሃሉ ንኽእል ዝዀነ ዓይነት ተኽእሎ ኣይነበረን። ስለዚ እግዚኣብሄር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ መጺኡ፡ ብደሙ ኻብ ሓጢኣትና ኣጽረየና፡ ንዕርቃን ሓጢኣትና በቲ ናቱ ልብሱ (ብጽድቁ) ኣልቢሱ፡ ነውርና ኸደነ። ስለ’ዚ በዚ ተግባሩ’ዚ ንኣና ንሓጥኣን፡ ጽድቂ ኣምላኽ ዝለበስና ጻድቓን ገበረና።

"ኵሎም ሓጢኦም፡ ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም። በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ። ንእኡ ኸኣ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ ዝተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሓደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርእይ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። ንሱ (ኣምላኽ) ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት ኢየሱስ ንዘበለ’ውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ጽድቁ ኺገልጽ’ዩ። ሮሜ3፡23-27

"ገና ድኹማት ከለና፡ ክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። . . . ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ’ዩ’ሞ፡ ኣምላኽ ነታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርእይ ኣሎ። እምበኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብ’ቲ ቝጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን። ጸላእቱ ኸለና፡ ምስ ኣምላኽ ብምት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን።" ሮሜ5፡6-10

"ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም።" ኤፌ2፡13

ስለ’ዚ ጽድቅና ኣብ’ቲ ደም ክርስቶስ ዚገብረልና ምንጻህ’ምበር፡ ኣብ ናትና ግብሪ ዚምርኰስ ኣይኰነን። እቲ ብግብሩ ኸም ዚጸድቕ ዚኣምን ሰብ ነዚ መለኮታዊ ሓቂ’ዚ’ዩ ዚኽሕድን ዜስተናዕቕን።

 

ካብ ኣበሳናስ ሕራይ ብደሙ ተሓጺብና ንጸድቕ ካብ ኰንና፡ ነቲ ብግብሪ ዚፍጸ ጽድቂ ኣምላኽከ ብኸመይ ኢና ንረኽቦን ንቕበሎን፧ ልክዕ ከም’ቲ ብደሙ ንንጽህና ክርስቶስ ብእምነት ‘ንረኽቦ፡ ነቲ ግብራዊ ጽድቂ ናይ ኣምላኽ’ውን ብእምነት ኢና ‘ንረኽቦን ንቕበሎን፡ ሓጥኣን ዝገበረና፡ ነቲ ዝተዋህበና ዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምልኣት ክንፍጽሞ ብዘይምኽኣልና’ዩ። ክርስቶስ ጐይታና፡ ነዚ ድኻምና’ዚ’ውን፡ በቲ ናቱ ፍጹም ምእዛዝ ኣሕውይዎ’ዩ። ነቲ ናቱ ንጽህና (ሓጢኣት ኣልቦነት) ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ናቱ ፍጹም ምእዛዝ’ውን ንኣና ምእንቲ ኪቝጸረልናን ኬውርሰናን ገበሮ።

"ሞት፡ ብሰሪ ሓጢኣት ሓደ (ኣዳም) ማለት ብሰሪ’ዚ ሓደ ሰብ’ዚ ኻብ ነገሠት፡ እቶም ብዙሕ ጸጋ ኣምላኽን ውህበት ጽድቅን ዝረኸቡ ደኣ፡ በቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣብሊጾም ዘይነግሡ። እምበኣር ከም’ቲ ብሓንቲ ሓጢኣት (ናይ ኣዳም) ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ (ናይ ኢየሱስ) ግብሪ ጽድቂ፡ ንዅሉ ሰብ ህይወት እትህብ ጽድቂ መጸት። ከመይ ብዙሓት (ሰባት) ብዘይምእዛዝ (ናይ’ቲ ሓደ ኣዳም) ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ (ናይ’ቲ ሓደ ኢየሱስ)፡ ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ’ዮም።" ሮሜ5፡17-19 ካ.ት

እዚ ሃዋርያዊ ምስጢ’ዚ ብምእዛዝ ኢየሱስ ንሕና ብኸመይ ጽድቂ ኸም ‘ንቕበልን ከም ‘ንወርስን፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኣብሪሁልናን ኣነጺሩልናን ኣሎ። ስለ’ዚ ዋላ ባዕላትና ማእለያ ዘይብሉ ግብሪ ጽድቂ ንገብር እንተ’ሎና’ኳ በታ ብምእዛዝ ናይ ኢየሱስ እንቕበላ ጽድቂ ኣምላኽ’ምበር፡ በቲ ናትና ግብሪ ጽድቂ ኽንእመንን ክንውከልን ኣይግባእን’ዩ። እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ብገዛእ ጽድቁ’ምበር፡ ብጽድቂ ሓጥኣን ሰባት ኣይዓግብን፡ ኣይሰምሮን ከኣ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ጽድቅና ምእንቲ ኪዀነልና ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ናይ ባህርይ ወዱ ሰብ ገይሩ ዝወፈየልና። እቲ ብግብሩ ኺጸድቕ ዚደልይ ሰብ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዜኽብሮን ዚቕበሎን ጽድቂ ኢየሱስ ንዒቑ፡ በቲ ኸም ጽዩቕ ክዳን ከም ጨርቂ መርገም ዝዀነ ሰብኣዊ ጽድቁ ዚተኣማመን ንጥፍኣቱ ዝዓሸወ፡ ንድሕነቱ ዘይለበመ ክርስትያን’ዩ። ንኣይሁድ ዘጥፍአ ዕሽነት ድማ ንሱ’ዩ።

". . . እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ። እዚ ኸኣ እቲ ካብ እምነት ዚመጽእ (ናይ ክርስቶስ) ጽድቂ’ዩ። እስራኤል ግና ንሕጊ ጽድቂ እናደለይዎስ፡ ናብ’ቲ ሕጊ ጽድቂ ኣይበጽሑን። ስለምንታይ፧ ከመዮ፡ '፣እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ መንሳተትን አንብር ኣለኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይሓፍርን’ዩ።" ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፡ ካብ ግብሪ’ምበር፡ ካብ እምነት ስለ ዘይደለይዎ ብእምኒ መዓንቀፊ (ብክርስቶስ) ተዓንቀፉ።"

"ክርስቶስ ነቲ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ፡ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ’ዩ’ሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምሲ፡ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን።" ሮሜ9፡30-31 ፣ 10፡3,4

ኣይሁድ "ባዕላትና ኢና ንጸድቕ" ዚብል ትዕቤተማን ክሕደታውን ምርጫ ስለ ዘልዓሊ ነቲ ንኼጽድቖም ዝተላእከ ኢየሱስ ነጸግዎን ቀተልዎን። እቲ ንድሕነቶም ዝተጋህደ ህያው እምኒ፡ መዓንቀፊኦምን መንሳተቲኦምን ኰኖም። ተዓንቂፎም ወደቑን ተሰብሩን። ብጽድቂ ኣምላኽ ክትጸድቕ ናይ ዘይምድላይ መሪር ሳዕቤን እዚ’ዩ።

ብግብርና ኽንጸድቕ ዘይንኽእል እንተ ኼንና ደኣ፡ እግዚኣብሄር ንምንታይ ግብሪ ጽድቂ ኽንገብር ዚእዝዘና፧ ንኽንጸድቀሉ ኢሉ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኻብኡ ዝወረስናዮ ጽድቂ ብተግባር ንኽንገልጸሉ ኢሉ’ዩ። ንሕና ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርናሉ ምኽንያት፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ መልክዕን ባህርይን ኣብ’ዛ ሰይጣን ዚገዝኣ ሓጢኣት ዚነብረላ ዓለም፡ ነቲ ናቱ ጽድቂ ምእንቲ ኸነንጸባርቕ’ዩ። ጽድቂ ኣምላኽ ዘይወረስካ ኽነስኻስ ጽድቂ ኽትገብር ምፍታን፡ ልክዕ ተክሊ እሾኹ ኽነስኻስ፡ ፍረ ወይኒ ከተፍርይ ከም ምፍታን’ዩ። ዘይናትካ ዘይናይ ኣቦኻ ኽትገብር ከም ምፍታን ዚቝጸር’ዩ። ብዙሕ ምስሉይ ተግባራት ከተዘውትር ይክኣል’ዩ፡ ንኣምላኽ ኪጥበረልካን ኪቕበለልካን ኢልካ ምሕሳብ ግን ዝኸፍአ ዕሽነትን ኣበሳን’ዩ። ጽድቂ ኣምላኽ ምውራስና ግን፡ ኣብ ውሽጥና ሓያል ናይ ሓጢኣት ጽልኣትን ናይ ጽድቂ ጽምኣትን ከም ዚፈጥረልና ኸነስተውዕል ይግባእ። ጽድቂ ዘየብህጎን ሓጢኣት ዘየጽልኦን ጻድቕ ሰብ ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። ዋላ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ናብራና እንተ’ስተውዓልናዮ’ውን፡ ንርስሓት ኣዝዩ ዚጽየፎ ሰብ፡ እቲ ጽሩይ ሰብነት ዘለዎን ጽሩይ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድነን ሰብ’ዩ። እቲ ረሳሕ ሰብ ግን፡ ድሮ ነቲ ርስሓት ኣብ ሰብነቱን ክዳውንቱን ይርእዮ ስለ ዘሎ፡ "ከይረስሕ" ዚብል ስክፍታ’ኳ ኣይህልዎን’ዩ። ርስሓት፡ ካልእ ርስሓት’ዩ ዚዕድም። ጽድቂ ኣምላኽ ድማ ጽድቂ ኸነዘውትርዩ ዚዕድምን ዚድርኽን። ስለ’ዚ’ዩ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ህይወትና ጽድቂ ኽንፈርየሉ ብኣጽኖኦት ዚእዝዘና።

ተኽሊ ወይኒ ኽነሳስ ፍረ-ወይኒ ዘይተፍርይ እንተ’ልያ ግን፡ ሽዑ ኣብ’ታ ተኽሊ ገለ ሰራም ጠንቂ ኣሎ ማለት’ዩ። ሓጥእ ሰብ፡ ጽድቂ ምግባር ስለ ዝሰኣነ እግዚኣብሄር ደንጊጹሉስ፡ ንሓደ ወዱ መስዋእቲ ብምግባር ተበጀዎ። ብጽድቂ ኣምላኽ ናይ ምጽዳቕ ሓለፋ ዝረኽብ ሰብ፡ ጽድቂ ምፍራይ እንተ ኣበየ ግን፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ማሕጸ (ፋስ)’ዩ ዜልዕል (ማቴ7፡19 ፣ 3፡10 ፣ 21፡19 ፣ ሉቃ13፡6-9 ፣ ዮሃ15፡2,6 ፣ እብ6፡7,8)። ምኽንያቱ ቕዱስ ወዱ መስዋእቲ ገይሩ ኻብ ምኽፋል ንላዕሊ ኪኸፍሎ ዚኽእል ዋጋ የለን።

እምበኣር ርእስና ንመርምር። ካብ’ቶም ጽድቂ ኣምልኽ ንዒቖምን ተጸዪፎምን ጽድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ዚደልዩ ዓለወኛታት ዲና፡ ወይስ ካብ’ቶም ንጽድቂ ኣምላኽ ዜኽብሩን ብእምነት ድማ ዚርስተይዎ ብልህታት ኢና፧ ነቶም ብጽድቂ ኣምላኽ ዚኣምኑን ዚነብሩን፡ ርስቶም እታ ጽድቂ ዚነብረላ መንግስተ ሰማያት’ያ። እቶም ጽዩቕ ጽድቂ ናይ መርገም ጽድቂ ዝመረጹ ዓያሱ ግና ዘለኣለማዊ ማሕደሮም ኣብ’ቲ ሃልሃልታ ናይ ገሃነም’ዩ። እምበኣር እቲ ጒዳይ ኣብ ምርጫና’ዩ ዚወድቕ። በቲ ረሳሕ ጽድቅና ኣይንተኣመን፡ ኣይንጠበር ከኣ። ነታ ንኣምላኽ ዘስመረት ጽድቂ ክርስቶስ ደኣ ንረስተያን ኣብ ናብራና ንንበራን።       

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

25 ሓምለ 2026 ሓምለ 19, 2018 ግዕዝ (መበል 46 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: ፻፴፬(፻፴፭)፡፮-፯ "በባሕርኒ ወብኵሉ ቀላያት። የዓርግ ደመናተ እምአጽናፈ ምድር። ወገብረ መብረቀ ለጊዜ ዝናም።"

ዓዲ፡ መዝ.፸፮(፸፯)፣፲፯-፲፰ "ቃለ ወሀቡ ደመናት አሕፃከ ይወፅኡ። ቃለ ነጐድጓድከ በሠረገላት። አስተርአየ መባርቅቲሁ ለዓለም።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 10፡1-14

ዲያቆን

ያእ 3፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 27፡27-34

ንፍቅ ካህን

ማቴ 8፡16-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴዘኤጲፋንዮስ | መዝሙር፦ በሰንበት ቦአ ኢየሱስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div