ክቡር ክርስቲያን ኣስተብህል፡ ነዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ትርጉሙ ብምግንዛብ ብጥንቃቔን ብጸሎትን ብምስትውዓልን ኣንብቦ። እንተ ኺኢልካ ድማ ነዛ ኣብ መጀመርታ ወይ መእተዊ ዘላ ጥቕሲ፡ ደጋጊምካ ኣንብባ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣንብራ። ከመይሲ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌኻ እንታይ ከም ዝዀነ ከተስተውዕል ምእንቲ።
ሓዋርያ ጰጥሮስ ካብ ቤተ ማእሰርቲ ወጸ
5- ጴጥሮስ ከምዚ ዀይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፡ እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት። 6- ሄሮድስ ኬቕርቦ ምስ ሓሰበ፡ በታ ቕድሚኣ ዘላ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሞቚሕ ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓቀይቲ ደቂሱ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ይሕልዉ ነበሩ።7- እንሆ ኸኣ፡ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብርሃን በርሄ፡ ንጴጥሮስን መሰንገሉኡ ተንከዮ፡ ቀልጢፍካ ተንስእ፡ ኢሉ ኣበራበሮ። እቲ መቓውሕ ድማ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ። 8- እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ተዓጠቕ፡ ኣሳእንካውን ኣእቱ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዓበኒ፡ በሎ። 9- ንሱውን ወጺኡ ሰዓቦ። ግናኸ ራእይ ዚርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ ብመልኣኽ ዝዀነ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣየስተውዓለን። 10- ነቶም ቀዳማይን ካልኣይን በሪ ዚሕልዉ ምስ ሓለፈ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዜእቱ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፡ ባዕሉውን ተኸፍተሎም። ወጺኦም ከኣ ሓደ ኣደባባይ ምስ ሓለፉ፡ ሽዑ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተሰወረ። 11- ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ፡ እግዚኣብሔር መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ዂሉን ከም ዘድሓነኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። 12- ነቲ ነገር ምስ ኣስተውዓለ፡ ናብ ቤት ማርያም፡ ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ። 13- ጴጥሮስ ነቲ ማዕጾ ደገ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ሮዳ እትብሃል ግዝእቲ ኽትሰምዕ መጸት። 14- ንሳ ኸኣ ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ነገረት እምበር፡ ነቲ ማዕጾ ኣይከፈተቶን። 15- ንሳቶም ግና፡ ተጸሊልኪ ኢኺ፡ በልዋ። ንሳ ኸኣ ከምኡ ምዃኑ ኣርገጸት። ሽዑ መልኣኹ ዀን ይኸውን፡ በሉ። 16- ጴጥሮስ ግና ኳሕኳሕ የብል ነበረ። ምስ ከፈቱ ኸኣ ረኣይዎ እሞ ተገረሙ። 17- ንሱ ግና ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ እግዚኣብሔር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ፡ ኣዘንተወሎም እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም፡ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ስፍራ ኸደ። 18- ምስ ወግሔ፡ እቶም ዓቀይቲ፡ ንጴጥሮስሲ እንታይ ኰን ረኺብዎ ይኸውን፧ ኢሎም ብዙሕ ተጨነቑ። 19- ሄሮድስ ድማ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኪቐትልዎም ኣዘዘ እሞ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ኣብኣ ቐነየ (ግብ12፡5-17)።
ተውሳኺ ሓበረታ
1.እዚ ታሪኽ ዝተፈጸመሉ ግዜ ብ44 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም እዩ።
2.በዚ ግዜ እዚ ሓዋርያ ያእቆብ ኣብ ኢየሩሳሌም ጳጳሳ ኰይኑ የገልግል ነበረ፡ እንተዀነ ንሱ’ውን ሓዋርያ ጰጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምውጽ ኡ፡ ሄሮዶስ ክሳዱ ዝቖረጸሉ እዋን እዩ ዝነበረ። ጰጥሮስ ግና ሓዋርያ ያእቆብ ከም ዝተሰውኤ ኣይፈለጠን።
3.እዛ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ማርያም ኣደ ቅዱስ ማርቆስ (ወይ ዮሃንስ ዝበሃል) እያ። ማርቆስ፡ እቲ ንወንጌል ማርቆስ ዝጸሓፈ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ግብጺ ኣብ ኣለክሳንደርያ ተሰዊኡ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ግብጺ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንበሩ ዝመሓደራ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያናት እየን።
4.ጎይታ’ውን ኣብዚ ቤት ማርያም’ዚ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዕለተ ሓሙስ ዘኽበረላ ቦታ እያ።
እዚ ምዕራፍ’ዚ (ግብ 12) ሓዋርያት ነታ ማሕበር ከመይ ጌይሮም ከም ዘቖምዋ እዩ ዚገልጽ። ካብዛ ምዕራፍ እዚኣ ክሳዕ መውዳእታ ናይ ግብሪ ሓዋርያት፡ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ናይታ ማሕበርን ብዛዕባ ሓዋርያ ጳውሎስን ዝነገር እዩ።
ናይ ሎሚ ትምህርትና፡ ኣብዛ ናብ መውዳእታ ዛንታ ሓዋርያት ክተኣቱ እተብቅዕ ትምህርቲ ኢና ሒዝና ዘሎና። ቀንዲ ሓሳባት ናይ ሎሚ ትምህርትና፡ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክሕግዘና ምጽላይን ምልማንን ክኸውን ከሎ፡ ምላሽ ናይ ልማኖና ድማ ብእምነት ምጽባይ እዩ። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ጸሎት እቶም ብልቢ ዝልምንዎ ምስ መለሰ እዩ።
መግለጺ
1.ናይ ጸበባ እዋን፡ መስጐግቲ፡ ያእቆብን ጰጥሮስን (ጥ 1-4)።
ንጉሥ ሄሮድስ ኤዶማዊ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሃጸይ መንግሥቲ ሮማ ኪዓዩ ከሎ፡ ብዘይ ጥርጥር ብኣይሁድ ተደሪኹ፡ ንሓዋርያ ያእቆብ ኣሰየፎ። እዚ ንኣይሁድን ነቶም መራሕቲ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ፡ ነቲ ምስ ኣህዛብ ብምኻዱ ንኣይሁድ ኣዝዩ ዘቑጥዖም ዝነበረ፡ ካብ ሓዋርያ ያእቆብ ዝዓቢ ሓዋርያ ማለት ንሓዋርያ ጰጥሮስ ኪቐትሎ ሓሳብ ሓሲቡ ከይመልአ ከሎ፡ ፋስጋ ኣይሁድ ኣተዎ እሞ፡ በዘን መዓልታት እዚኣተን ዝዀነ ሰብ ምቕታል ኣንጻር ሕጊ ኣይህድ ስለ ዝነበረ ኪቐትሎ ኣይከኣለን።
ስለምንታይ እግዚኣብሔር ንሓዋርያ ያእቆብ ካብ ቅትለት ዘየናገፎ፧ ከመይ ድኣ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንሓዋርያ ጰጥሮስ ካብ ቅትለት ኣናገፎ፧ ኢሉ ዝሓተተ ኣይሰኣንን ይኸውን። ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያ ጰጥሮስ ክብሎ ጥራይ ኢልና ክንምልስ ንኽእል፡ መልሱ ግና ሓደ እዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ እንተለኹ ንክርስቶስ እንተመትኩ ንክርስቶስ ከም ዝበለ፡ ዕዮ ሓዋርያ ያእቆብ ኣብ ምድሪ ተወሊዱ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ሰማይ ተወስደ። እግዚኣብሔር ኣብቶም ናቱ ብበበይኑ ዝዀነ መገዲ እዩ ዝዓዪ። ንገሊኦም ብዘገርም ምንጋፍ የናግፎም፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ዝጥንጥኖም ይመስል። ንኣብነት እቶም ሰለስተ እብራውያን ገለ ከይተተንከፉ ካብቲ ሸውዓተ ዕጽፊ ዝነድድ ሓዊ ከናግፎም ከሎ፡ ንገሊኦም ከኣ ብሓዊ ሓሪሮም ክመቱ ፈቀደሎም። ሓዋርያ ጰጥሮስ ካብቲ ብደም ሓዋርያ ያእቆብ ዝተዓለሰ ሴፍ ደሓነ። ሓዋርያ ዮሃንስ ካብ ፍሉሕ ዘይቲ ገለ ከይኰነ ወጸ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ከኣ ብሓንቲ ሳዕሳዒት ጓል ርእሱ ተሰየፈ። ስለዚ ኣምላኽ ንገሊኦም የናግፎም፡ ንገሊኦም ግና ኣየናገፎምንዶ ክንብል፧ ኣይፋልናን፡ ንገሊኦም ካብ ሥጋዊ ድንገት ኣናገፎም፡ ንገሊኦም ከኣ ካብዚ ኹሉ ክፍኣት ናይ ምድሪና ናብታ ሰማያዊት ቤቶም ብምውሳዱ ብዝበለጸን ብዘለኣለማዊ ምንጋፍን ኣናገፎም ድኣ ክንብል ይበልጸና።
እቶም ክልተ ኣሕዋት ደቂ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስን ያእቆብን ንእግዚኣብሔር ብበበይኑ ብዝዀነ መገዲ ጌሮም ኣገልገልዎ። ብፍላይ እቲ ሓደ ዕዮኡ ቐልጢፉ ብምስውኡ ፈጸሞ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብ ኩሎም ሓዋርያት እቲ ዝበዝሔ ዓመታት ኣብ ምድሪ ብምንባር ዕዮኡ ፈጸመ። እቲ መንእሰይ ሰማእት ኸኣ ልክዕ ከምቲ ዓቢ ሓዉ፡ ዓቢ ኣሳልጦ ገበረ። እቲ ዝተሰርሔ ስራሕ ድኣ እምበር ምንዋሕ ዕድሜ ኣይኰነን ኣሳልጦ ዘምጽእ። ገለ ሰባት፡ ስቓይን ድንገትን ሞትን ምስ በጽሖም ኣዝዮም ስለ ዝስውዱ፡ ድሕሪኡ ዘርኣይዎ እምነትን ዓቕልን ፍቕርን ንኣምላኽ ብምሉእ ሓይሎም እዮም ዘገልግልዎ። ብሞቶም ከኣ ልክዕ ከም ኣብ ከረን ዝተሰርሔት ከተማ ብዙሕ ዘመናት ድሕሪ ሞቶም ጌና ይረኣዩ።
ሄሮድስ ንያእቆብ ኣብቲ መውዳእታ ናይ መጋቢት ብ44 ድ.ል.ክ. ኣሰሮ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ ብዘሰክሕ ሞት ሰውኦ። ዮሴፋስ ዝብሃል ጸሓፋይ፡ ሄሮድስ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናይ መንግሥቱ፡ ንኽብሪ ሃጸይ መንሥቲ ሮሜ ኢሉ፡ ኣብ ቂሳርያ ዓቢ በዓል ገበረ። ብዘገርም ኣሰራርሓ ካብ ብሩር ዝተጠልፈ ክዳን ጌይሩ ኸኣ ናብቲ በዓል ከደ። ጸሓይ ናብቲ ክዳኑ ምስ ሃረመ እቲ ክዳኑ ኣዝዩ ብርቱዕ ነጸብራቕ ብርሃን ሃቦ እሞ፡ እቶም ህዝቢ፡ ቅድሚ ሕጂ ከም ሰብ ጥራይ ኣኽቢርናካ እንተ ኼንና ይቕረ በለልና፡ ድሕሪ ሕጂ ግና ካብ መዋቲ ሰብ ክብ ከም ዝበልካ ጌርና ከም እንርየካ ሎሚ ፍለጥ በልዎ። ሄሮድስ ግና ኣይገንሖምን፡ ነቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ጸርፊ ከኣ ጌጋ ምኳኑ ኣይነገርምን። ስለዚ ቅድሚ ካብቲ በዓል ምውጻኡ ከብዱ ሓመመ፡ ኣነ፡ እቲ ኣምላኽና ዝበልኩምኒ፡ ይመውት ኣሎኹ፡ ክሳዕ ዝብል ኰነ። ብኡብኡ ኸኣ ናብ ኣዳራሹ ወሰድዎ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ስቅያት ከኣ ሞተ። እዚ ዝበጽሖ ንኣምላኽ ሰለ ዘየኽበረ ነበረ። ሓደ ካብቲ ፍረ ናይ ዘይኣኽብሮቱ ኸኣ ምቕታል ያእቆብ ነበረ። ካብ ከም ያእቆብሲ ከም ሄሮድስ ኪመውት ዝደሊ መን ኣሎ። ኣብ ክንዲ ብርሃንሲ ንስምዕታ ወይ መጠንቀቒ ኪኸውን ዚደሊ መን ኣሎ።
1.ምእንቲ ሓዋርያ ጰጥሮስ ዝተገብረ ኣኼባ ጸሎት (ጥ.5-6)። ብዓይኒ ሰብ ሓዋርያ ጰጥሮስ ካብ ቤተ ማእሰርቲ ኪወጽእ ዘይክእል ነበረ። ከምቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያ ምዕራፍ ኣርባዕተ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ እቶም ዋዕላ ወጺኡ ከም ዝነበረ ዝተፈልጠ እዩ (5፡19) ሕጂ ግና ይወጽእ ኢሎም ኣይሓሰቡን። ከመይሲ በርባዕተ ጭፍራ ወተሃደራት ይሕሎ ስለ ነበረ።
እታ ማሕበር ግና ስሌኡ ኩሉሳዕ ከየባተኸት ናብ እግዚኣብሔር ትጽሊ ነበረት። እቲ ኣኼባ ኣብ ቤት ማርያም ኣደ ማርቆስ (ዮሃንስ) ነበረ። እዚ ናይ ጸሎት ኣኼባ እዚ፡ በቲ ናይ ፋሲጋ ሰሙን ይፍጸም። እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ሰባት ምእንቲ ኣብ ሰስራሖም ኪኸዱ በብታራ ይእከቡ ነበሩ። ግና ኣብ ቤቶም ኰነ ኣብ ስራሖም ብልቦም ብዘይ ምቁራጽ ምእንቲ ሓዋርያ ጰጥሮስ ጸሎት የዕርጉ ነበሩ።
እታ ሓንቲ ዝዓበየት መሳርሒ ንሳቶም ኪጥቀሙላ ዝኽእሉ ዝነበሩ ጸሎት ጥራይ ነበረት። ኣብዚ ውግእ እዚ ብሓደ ወገን ሄሮድስ ምስ ኰሉ ሓይሊ መንግሥቲ ሮሜ ነበረ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እታ ብሥጋዊ ሓይሊ ኣዝያ ደቃቕ ማሕበር ክርስቶስ ነበረት፡ ሓይላ ድማ ጸሎት ዝነበረ። ሄሮዶስ ነዞም ቅዱሳን ብብርኮም ተምበርኪኾም እንተ ዝረኽቦም፡ ኣንጻረይ እዮም ዝጽልዩ ዘለዉ እሞ ብኣታቶም ክጅምር እየ ክብል ይኽእል ነይሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና፡ ንፈቓድ ኣምላኽ ድኣ ይጽልዩ ነበሩ እምበር፡ ንሄረዶስ ከምዚ ግበሮ ወይ ከምዚ ድገሞ ኢሎም ኣይጸለዩን። ከመይሲ እቲ ዝልምንዎ ዘለዉ ክርስቶስ እንተላይ ንሄሮዶስ ከም ዝሞተ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ። ሓዋርያ ጰጥሮስ ነቶም ክልተ ወተሃደራት ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ይርእዮም ነይሩ። ነቶም ብሕቡእ ኣበርቲዖኦም ዝጽልይሉ ዝነበሩ ግና ክርእዮም ኣይከኣለን። እዞም ዘይረኣዩ ሓገዝቲ ግና ስርሖም ኣስለጡ እሞ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቤት ማእሰርትን ኰነታትን ከሎ፡ ሓዋርያ ጰጥሮስ ጽቡቕ ድቃስ ክድቅስ ከኣለ። እዛ ማሕበር እዚኣ፡ ነቶም ኣብቲ ከውድቖም ዝኽእል ፈተናን መከራን ክወድቁ ከለዉ ክትጽሊ እንተ ትኽእልሲ፡ ከምቲ ንጉሥ ዳዊት ወዱ ክሰጎ ከሎ ብሰላም ዝደቀሰ፡ እሱራትና ሕይወቶም ኣብ ኢድ ኣምላኾም ኣንቢሮም ብሰላም ምደቀሱ ነይሮም (መዝ፡3፡5)።
ሓዋርያ ጰጥሮስ ብመስተንክር ዝዀነ መገዲ ተናገፈ(ጥ.7-11)። ሓዋርያ ጰጥሮስ፡ ቅድሚ’ታ ሄሮድስ ኪቐትሎ ዝመደበላ ለይቲ ኣብ መንጐ ክልተ ዓቀይቲ ተኣሲሩ ከሎስ በጥ ኢሉ ደቀሰ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ለይትስ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ፍጹም ዕረፍቲ ረኺቡ ነይሩ እንተ ዘይከውን ክድቅስ ኣይምኸኣለን ነይሩ። እቶም ክልተ ወተሃደራት ምስኡ ዝነበሩን እቶም ኣብ ደገ ዝሕልዉዎ ዝነበሩን፡ የዒንቶም ሰለም ኣየበላን። መልኣኽ እግዚኣብሔር መጺኡ ግና ነቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብርሆ፡ ነቲ ኣብ መንጐ እቶም ክልተ ዓቀይቶት ተኣሲሩ ዝነበረ፡ ንመቑሑ ካብ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ፈትሓሉ። ብዝስማዕ ቃላት ከኣ ተዓጠቕ፡ ኣሳእንካ’ውን ኣእቱ፡ ክዳንካ ተኸደን እሞ ሰዓበኒ፡ በሎ። እቶም ዘይደቀሱ ወተሃደራት ምስ ሓዋርያ ጰጥሮስ ዝነበሩ ግና፡ ነቲ ብርሃን ኰነ ነቲ ምፍታሕ ናይቲ መቑሕ ወይ ከኣ ምንቅስቓስ ናይ ሓዋርያ ጰጥሮስ ብፍጹም ኣይረኣዩን ኣይሰምዑን ኣይተፈለጦምን። ኩሎም እቶም ብወጻኢ ዝነበሩ ከኣ ብመንጐኦም እኳ ሓሊፉ ክነሱ፡ ጌና ዝሕሎ ኣብ ዘየብሉ፡ ምሉእ ለይቲ ኣብ ባዶ ነቒሖም ክሕልዉ ሓደሩ።
እዚ ተግባር እዚ ምንም እኳ ምድሓን ሓዋርያ ጰጥሮስ ብተኣምራት ዘመልክት እንተ ዀነ፡ በቲ ኻልእ መገዲ (ስምና ወርቅ ወይ allegorical) እንተ ረኤናዮ ግና ኣምላኽ ነታ ማሕበሩ ክወስድ ፍርቂ ለይቲ ምስ መጸ ኸኣ ከምዚ ኪኸውን እዩ። እቶም ምዉታት ህያውያንን ቅዱሳንን ንድምጺ ጐይታ ሰሚዖም ናብ ሰማይ ኪዓርጉ እዮም። እታ ሓጥእ ዓለምን ዝዓለወት ማሕበርን ግና፡ ንመለኸት ጐይታን ንናይ ትንሣኤ ሙታን መጸዋዕታን ኣይኪትሰምዖን እያ። ምስ ወግሔ ኸኣ እታ መርዓት ጐይታ፡ ዘየላ ክትጸንሕ እያ።
ሓዋርያ ጰጥሮስ ሕልሚ ወይ ራእይ ዝርኢ ዘሎ መሰሎ። ክሳዕ ኣብቲ ጐደና ናይታ ከተማ ዝበጽሕ ብሓቂ ካብታ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጸ ከስተውዕል ኣይከኣለን። እቲ ዘገርም ድማ ንሕና ንባዕልና፡ ብዙሕ ግዜ ጸሎትና ምስ ተመለሰ፡ ሓቂ ድዩ እናበልና ንድነቕን ንግረምን ኢና። ኣምላኽ ግና ካብቲ ንሕና እንሓስቦን እንሓቶን ዝበዝሔን ዝጸበቐን ጌይሩ እዩ ዝምልሰልና።
ሓዋርያ ጰጥሮስ ብሃንደበት ኣብቲ ኣኼባ ናይ ጸሎት ተረኽበ (ጥ.፡12)
ሓዋርያ ጰጥሮስ ብኡብኡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ ናብ ቤት ማርያም ኣደ ማርቆስ (ዮሃንስ) ከደ። ኣጋ ወጋሕታ ነበረ እሞ፡ ምስቶም ቅዱሳን ክጽልዩ ዝሓደሩ ክመስል ኣብ ኣፍደገ ኰይኑ ኳሕኰሔ። ከምቲ ልማድ ከኣ ሮዳ ቅድሚ ነቲ በሪ ምኽፋታ፡ መን ከም ዝዃሕኰሔ ክትርኢ ናብ ማዕጾ ከደት። ንሳ ኸኣ ድምጺ ሓዋርያ ጰጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየቶ፡ ብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ጐያ፡ ጰጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ነገረት እምበር፡ ነቲ ማዕጾ ኣይከፈተቶን። ንሳቶም ግና ተጸሊልኪ ኢኺ በልዋ። ንሳ ኸኣ ከምኡ ምዃኑ ኣረጋገጸት። ሽዑ መልኣኹ ዀን ይኸውን፡ በሉ። ሓዋርያ ጰጥሮስ ግና ኳሕኳሕ የብል ነበረ። ማዕጾ ምስ ከፈቱዎ ኸኣ ረኣይዎ እሞ ተገረሙ። ስለቲ ጸሎቶም እተመለሰ ኣይኰነን ዝተገረሙ፡ በቲ ዝተመለሰሎም መገዲ ድኣ እምበር። ክምለሰሎም እንተ ዘይኣምኑስ ኣይምጸለዩን ነይሮም። በዛ መገዲ እዚኣ ጥራይ መልሰልና ኢሎም ኣይለመኑን። ጸሎቶም ብዝዀነ ፍቃድ ኣምላኽ ክምለሰሎም ድኣ ይጽልዩ ነበሩ እምበር። ኣምላኽ ከኣ ብመገዱ ንጸሎቶም መለሰሎም።
ብዙሕ ግዜ ኣምላኽ ብዘይ ሓሰብናዮ መገዲ ይምልስ። ምስ መለሰ እንተ ተገረምና ኸኣ ጉድለት ናይ እምነት ኣይኰነን። ጉድለት ናይ እምነትሲ በዛ መገዲ እዚኣ መልሰልና ኢልና ምስ እንልምን እዩ። ኣምላኽ ንሓዋርያ ጰጥሮስ ኣናገፎ፡ ብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ሄሮዶስ ከኣ ብሕይወት ይነብር ነበረ።
ኣብ መዛዘሚ ክብሎ ዝደሊ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍርን፡ የናግፎምን ከኣ እዩ ከም ዝበለ ንጉሥ ዳዊት፡ እዚ ቓል እዚ ብልብኻ እንተ ኣመንካዮ ብብርክኻ እንተ ኣተግበርካዮ መልሲ ክትረኽበሉ እኻ እሞ፡ ብልብኻ ናብኡ ተማሕጸን፡ ንሱ ድማ መልኣኹ ልኢኹ ከናግፈካ እዩ (መዝ፡ 34፡7)።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ