S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዋናዊ ዜና

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሓላፊ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ካብ ዝምደቡ ንደሓር፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ሓዋርያዊ

ዑደት ብምግባር፡ ንኤርትራውያን ምእመናን ተዋህዶ መንፈሳዊ ቡራኬን ሰፊሕ ትምህርቲ ሃይማኖትን ይህቡ ኣለዉ። ብፁዕ ኣቦና ኣብዚ ቅንያት’ዚ ድማ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ ተረኺቦም ንውሉደ ክህነት ዝግባእ ትምህርትን ኣገዳሲ ምኽርን ሂቦም። ከምኡውን ብዘለዎም ጸጋ ኣምላኽ ንሕጻናት ቀዳምነት ብምስራዕ ኣባታዊ ሕድሪ እምነት ምሂሮም። ካብ ሕዝብን መንእሰያትን ንዝቐረበሎም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ከኣ ቅኑዕ ዝርዝራዊ መልሲ እናሃቡ ብዕምቆት ኣረዲኦም። ኣብዚ ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ኣሰር ኣቡነ እንጦንዮስ ተኸቲሎም ዝመርሑ እሙን ጓሳ ህዝብን ምሁር ኣቦን ምርካብና ድማ ንብዙሓት ኣመንቲ ዘሓጉስን ባህ ዘብልን ሠናይ ነገር እዩ። እዚ ከኣ ‘’ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፥ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይበላ’’ (ማቴ 26፡31) ዝብል ዝነበረ ውዲት ሰይጣን፥ ብደገፍ እግዚኣብሔር ከንቱ ኮይኑስ፡ ‘’ጥራሽ ዘይጠፋእናስ ሳላ ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ’’ ዝብል መዝሙር ምስጋና ክስማዕ ከሎ፥ ንኹሉ ደላዪ ሓቅን ጽድቅን ዝኾነ ህዝቢ ኣምላኽ ልቢ ዘረስርስን ኣብ ሓዋርያዊ እምነቱ ተስፋ ዘስንቕን ኮይኑ ይርከብ።

 

ብተወሳኺውን ከምቲ ኣቦታትና ‘’ጠስሚ ኣብ ልዕሊ ሽሮ እንተ ፈሰሰ መሊሱ ጠዓመ’’ ዝብልዎ፥ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዝሠርሕ ዝነበረ ዲያቆን ተኽለማርያም ምርካጽዮን ድማ ብምትሕብባር መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ኤውሮጳ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ መጺኡስ ምዱብ ሥርሑ ጀሚሩ ይርከብ። እዚ ዘሐጉስ እዋናዊ ዜና ምምጻእ ዲያቆን ተኽለማርያም ናብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ዝነበሮ ሓላፍነት፡ ኣብ ምድላው ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ተመዲቡ ኣሎ። ከምኡውን ብመንፈሳዊ ኣገልግሎትን ዝተፈላለየ ጽሑፋት ብምብርካትን ኣብ ሓፈሻዊ ዕዮ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን  ልዑል ተሳትፎ ክህልዎ ትጽቢት ይግበር። መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ንዘለዎ ዓቕሚ ሰብ ብምምዕባልን ውፉያት ኣገልገልቲ ውሉደ ክህነት ብምትእኽኻብን ንዝዓበየ ሓዋርያዊ ዕላማ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሕያው ንምግባር መደባት ሓንጺጹ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መጠን ይጽዕር ኣሎ።

 

ከም ዝፍለጥ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ሠናይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኮይኑ፥ ብልዑል ተገዳስነት መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን፡ ብፍሉይ ጻዕሪ ክፍሊ ትምህርትን ስብከትን ዳግማይ ተንሢኣስ ድሮ እኳ ኣብ ቅነ ልደትን ኣብ በዓለ ትንሣኤን ክልተ ጊዜ ተሓቲማ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሓ ኣላ። እዛ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ወግዓዊት ልሳን ዝኾነት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ መንፈሳዊ ቅንኢ ብዝደረኾም ደቂ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ 58 ዓመት ዝጀመረት ታሪኻዊት ሃብትን ቅርስን ናይ ምእመናን እያ። ንልዕሊ 8 ዓመታት ከቢድ ናይ ጸልማት ጊዜ ብድሕሪ ምስጋራ ከኣ፡ እንሆ ሎሚ ብዝበለጸ መገዲ ምስ www.tewahdo.org ተወሃሂዳ ንዝሰፍሐ ዕዮ ወንጌል ኣብ ምዝርጋሕ ትርከብ ኣላ። ‘’ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፥ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ክትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ሓደገልኩም’’ ክብል ሓዋርያ ጴጥሮስ ከም ዝጸሓፈልና፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ድሕነትን ዕቤትን ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን እጃምና ከነበርክት ልዑል እግዚኣብሔር ጸጋ የብዝሓልና። 1ጴጥ 2፡21።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div