“ከም ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ ይሰምዓና’ዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ’ዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ኻብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 5፡14,15።
እዚ መበል 14 ሰንበት ናይ 2014 ዓ.ም.ግ፡ ናይ መወዳእታ ሰንበት’ዚ ናይ’ቲ “ኣስተምህሮ” ዝተሰምየ ካብ ሕዳር 6 ክሳዕ ታሕሳስ 7 ዘሎ ቕንያት’ዩ። ሓደ ኻብ’ቶም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ዝሰርዓቶም ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ከኣ፡ እዚ ናይ 1ዮሃ 5፡11-ፍጻመ ንባባ’ዩ። ኣብ’ዚ ኽፍሊ ንባብ’ዚ ተጠቒሶም ካብ ዘለዉ ብዙሓትን ዓበይትን ኣርእስታት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ንፍቓዱ መሰረት ዝገበረን ንፍቓዱ ዜኽብርን ንልማኖ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዚርከብ ኣርእስቲ’ዩ። ብዓብዩ እቲ ልማኖ ናይ እግዚአብሔር ፍቓድ’ዩ። እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ናብኡ ኽንጽልይን ንእኡ ኽንልምንን’ዩ ዚደልይ። እዚ ንርእሱ ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ልማኖ ግና፡ ንኣና ደስ ከም ዝበለና ኸም ቃሕታና ጌርና ዘይኰነስ፡ ከም’ቲ እግዚአብሔር ዚፈቕዶ ጌርና ኸነቕርቦ’ዩ ዚግባእ። ናይ ስጋ ነገር ኰይኑ ግዳ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ኸም ፍቓዱ ጌርና ዘይኰነስ፡ ከም ፍቓድና ጌርና ኢና እንጽልይ። በዚ ኣካይዳና’ዚ ኸኣ፡ ነቲ ቕቡል ጊዜን ቦታን ናይ ጸሎት፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ናብ እንግህሰሉን እንዳፍኣሉን መድረኽ ንልውጦ ማለት’ዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ዘየኽብር ጸሎት ከኣ፡ ሓጥእን ንጹግን ጸሎት’ምበር፡ ቅቡል ጸሎት ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኸውን። ከመይሲ፡ ሓጢኣት ዚግበረሉ ግዜን ቦታን ከም ዝተሳእነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ቈምካ ከለኻ ምሕጣእ፡ ሰኣን ኣፍልጦን ብዘይ ምስትውዓልን ንገብሮ ዄንና’ምበር፡ ዓንቃፊ ምርጫ’ዩ።
ኣብ ህይወት ሓደ ክርስትያን፡ ጸሎት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ኣብ’ቲ “ፍኖተ ህይወት” ዘርእስቱ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና መሰረተ እምነት ዜስተምህር መጽሓፍ፡ ጸሎት፡ ካብ’ቶም ኣገደስቲ ክርስትያናዊ ስነ ምግባራት ሓደ ምዃኑ ብስፍሓት ተገሊጹ ኣሎ። ዘይጽልይ ክርስትያንን ኣየር ዘየተንፍስ ሰብን፡ ክልቲኦም ሓደ’ዮም፡ ምዉታት ከኣ’ዮም። ሰብ ምስትንፋስ ዜቋርጽ፡ ህይወት እንተ ዘይብሉን እንተ ሞተን ጥራሕ’ዩ። ክርስትያን ክነሱ ዘይጽልይ ሰብ እንተ’ልዩ ኸኣ፡ ብርግጽ መንፈሳዊ ህይወቱ ዝሞተ ሰብ’ዩ። መንፈሳዊ ሞት ዜስዕብ ሓጢኣት’ዩ። ዘይምጽላይ መንፈሳዊ ሞት ዜስዕበሉ ምኽንያት ከኣ፡ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ’ዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኸም እንረኽቦ፡ ዘይምጽላይ ማለት ንእግዚአብሔር ዘይምድላይ፡ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ምርሓቕ፡ ንእግዚአብሔር ምንዓቕ ማለት’ዩ። እዚ ኸኣ ናይ ትዕቢትን ትርሪ ልብን ነጸብራቕ’ዩ። “ሃብታምን ፈሳስን’የ፡ ዋላ ሓንቲ ዚጐድለኒ የብለይን” ኢሉ ዚሓስብ ሰብ፡ ትዕቢተኛ ሰብ’ዩ። እቲ ኣተሓሳስባኡ ኸኣ፡ ናይ ጸሎት ኣድላይነት ከም ዘይረኣዮ ገይሩ ዜጸልምቶ’ዩ። ሓያል፡ ጥዕና ዘለዎ፡ ጥበብን ክእለትን ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ናይ ምውካል ከቢድ ፈተና ኣለዎ። ስለ’ዚ ኣብ እግዚአብሔር ኪውከልን ንትውክልቱ ብጸሎት ኪገልጽን ሕመቕ ኰይኑ ስለ ዚረኣዮ፡ ምጽላይ ዓቕሊ ጽብበት ዚፈጥረሉ ጭንቀቱ’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ በዚ ቅዱስ ናይ ጸሎት ስነ-ምግባር ድኻ ዀይኑ ይነብር ማለት’ዩ።
እግዚአብሔር፡ ጸሎት ህዝቡ ኸም ዜፍቅር ኣምላኽ መጠን፡ ብዘይጽልይ ሰብ ኣዝዩ’ዩ ዚጒህይ። ኣብ ምጒሃይ ጥራይ ከይተደረተ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዘይጽልዩ’ውን ይፈርድ’ዩ። ቅዱሳን ነብያት፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ስለ ዘስተውዓሉ እግዚአብሔር ቍጥዓኡ ናብ’ቶም ናብኡ ዘይምህለሉ ኣህዛብ ኪኽዕዎ ኢሎም፡ ፍቓድ ኣምላኽ መሰረት ዝገበረ ቕቡል ጸሎት ይጽልዩ ነበሩ (መዝ 79፡6 ካ.ት ፣ ኤር 10፡25)። እግዚአብሔር ነቶም ናብኡ ዘይጽልዩ ኽሳዕ ምጽናት ከም ዚቐጽዕ’ውን ብነብዪ ጸፎንያስ ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“ነቶም ካባይ ዚርሕቑን ንኣይ ንእግዚአብሔር ዘይስዕቡን፡ ኣነ ኽመርሖም ዘይጽልዩን ከጽንቶም’የ።” ጸፎ 1፡6 ካ.ት
“ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንን፡ ኣታ እስራኤል፡ ፋዕራይ (ግደይ) ኣይገበርካን። .... እኳ ደኣ ብሓጢኣትካ ኣትዓብካኒ፡ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምካኒ።” ኢሳ 43፡22,24
ኣበሳኛ ምዃንካ እናፈለጥካ፡ እንተ ወሓደ፡ እግዚአብሔር ንኣበሳኻ ይቕረ ኺብለልካ ዘይምጽላይ፡ ንዕቀትን ትዕቢትን’ምበር፡ ካልእ መግለጺ ኽትረኽበሉ ኣጸጋሚ’ዩ። መፍቀር ጸሎት ስለ ዝዀነ፡ እግዚአብሔር ናብኡ ኽንጽልይ ይእዝዘናን የተባብዓናን’ዩ። ብጸሎት ንዚጽውዕዎ ኸኣ፡ ይምልሰሎምን የናግፎምን የኽብሮምን’ዩ።
“ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፡ ከናግፎ፡ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎ’የ። ኪጽውዓኒ ኣነ’ውን ክመልሰሉ፡ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፡ ከናግፎን ከኽብሮን’የ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፡ ምድሓነይ’ውን ከርእዮ’የ።” መዝ 91፡14-16
“ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ፡ ኣነ ኸናግፈካ’የ፣ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ።” መዝ 50፡15
ንነብዪ ኤልሳእን ንንጉስ ሰለሞንን’ውን፡ “እንታይ ከም ዝህበካ ለምን” ብምባል ንጸሎት ኣተባቢዕዎም’ዩ (1ነገ 3፡5-12፣ 2ነገ 2፡9,10)። ጐይታና፡ ብኣካለ-ስጋ ኣብ ማእከልና ምስ ተገልጸን ምስ ሓደረን ከኣ፡ ከየቋረጽና ኽንጽልይ ኣዚዙናን ኣተባቢዑና’ዩ።
“ዝለመነ ኹሉ ይቕበል’ዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለ’ውን ይኽፈተሉ’ዩ’ሞ፡ ለምኑ ይውሃበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ፡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም’ዩ።” ማቴ 7፡7,8
“ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከም’ዚ ኢሉ፡.....ጐይታ በለ “እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምን’ዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧ ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም፡ እብለኩም ኣለኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ’ዩ።” ሉቃ 18፡1,6-8
“ስለ’ዚ ካብቲ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።” ሉቃ 21፡36
እቲ ዝዓበየ ኣስተምህሮኡ ግና፡ እቲ ግብራዊ ኣርኣያኡ’ዩ። ዝደለዮ ኺገብር ዚኽእል ፍጹም ኣምላኽ ክነሱ፡ ከም ፍጹም ሰብ መጠን ከኣ፡ ግልል ኣብ ዝበለ ስፍራን ኣኽራንን እናደየበ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ነቒሑ ይሓድር ነበረ (ሉቃ 6፡12፣ 21፡37፣ ማር 1፡35)። ነዚ ዅሉ ኸኣ ነርኣያና ኢሉ ይገብሮ ነበረ። “ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ’ሎ” ኢሉና ኽነሱ፡ ጸሎት ግና ፈጺሙ ኣይገደፈን (ማቴ 11፡27፣ 28፡19,20)። እዚ ዅሉ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ጐይታ፡ ከየቋረጸ ይልምን እንተ ነይሩ፡ እዞም ብዘይካ ድኹም ስጋ ኻልእ ዋላ ሓንቲ ዘይብልና’ኸ ደኣ ማዕረ ኽንደይ ክንጽልይ ይግብኣና ማለት’ዩ፧
ከም’ቲ ነቲ ቕዱስ ወዱ ዝሃቦ፡ ንኣና’ውን ከምኡ ዅሉ እንተ ዚህበና’ኳ፡ ጸሎት ክንገድፍ ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ጸሎት፡ እንደልዮ መርከቢ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ’ቲ ምስ እግዚአብሔር ዘለና ሕብረትን ኣካልነትን፡ ከምኡ’ውን ናይ ውልድነትና መረጋገጺ’ዩ። እትደልዮ ስለ ዘይብልካ ጸሎት ምቑራጽ ማለት፡ ከም ናይ’ቲ ጥፉእ ወዲ፡ ካብ ንብረትን ገንዘብን ናይ ኣቦኻ ብጽሒትካ ሒዝካ ኸም ምዅብላል ዚቝጸር ግብሪ ዓመጻ’ዩ (ሉቃ 15፡11-24)።
ቅዱሳን ሃዋርያት’ውን ብግብርን ብቓልን ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ምጽላይ ብኣጽንዖት ኣዚዞምናን ምዒዶምናን’ዮም። እቲ “ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ከየባተኽኩም ጸልዩ” ዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ኺርሳዕ ኰነ ሸለል ኪበሃል ፈጺሙ ዘይግብኦ’ዩ (ሮሜ 12፡12፣ 1ተሰ 5፡17)። ጸሎት ሓደ ኻብ’ቶም ክንዕጠቖም ዚግብኣና ኣጽዋር ኣምላኽ ምዃኑ’ውን ተነጊሩና’ዩ (ኤፌ 6፡1-20)። ብዛዕባ ርእስና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ብዙሓት ካልኦት’ውን ክንጽልይ ስለ ዝተነግረና፡ ጸሎት ይትረፍ ክንውድኦ፡ ከነፋርቖ’ኳ ኽሳዕ ዘይንኽእል ክሳዕ ክንድ’ዚ ዓብይን ብዙሕን’ዩ። ቅዱሳን ኣቦታትና ሃዋርያት፡ “ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት ናይ’ዚ ቓል’ዝን ከየብኰርና ንሓዝ” ምባሎም፡ ነቲ ናይ ጐይታኦም ኣርኣያ ብምልኣት ከም ዝወረስዎ ዜመልክተና’ዩ (ግብ 6፡2,4)። እቲ፡ “ንጽልየልኩም ኣለና፡ ብጸሎት እናዘከርኩኻ.... ወዘተ” ዚብል ቃላት፡ ናይ ጸሎት ህይወቶም ኣዝዩ ንኡድን ኣርኣያውን ከም ዝነበረ ዜረጋግጸልና’ዩ (ሮሜ 1፡9 ፣ ኤፌ 1፡11-17 ፣ 3፡14-19 ፣ ቈሎ 1፡3,4,9 ፣ 1ተሰ 1፡2,3 ፣ 3፡9,10)። ንኣና’ውን ብዛዕባ ዅሉ ነገርና ብጸሎት ክንተግህ ከም ዚግብኣና ብንጹር ኣዚዞምናን ተማሕጺኖምናን’ዮም።
“ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ’ምበር፡ ብገለ’ኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎ’ዩ።” ፊሊ 4፡6,7
“ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም፡ ምስ’ናይ እዚ’ውን ብዅሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡ ..... ብዛዕብኡ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ’የ’ሞ፡ ከም ዚግብኣኒ ዀይነ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ።” ኤፌ 6፡18,20
“ግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎት’ውን ንቕሑ።” 1ጴጥ 4፡7
እምበኣር ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሰረትና፡ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዳግም ዝተወለድና፡ ኣካል ስብነት ክርስቶስ ዝዀንና ሓቀኛታት ክርስትያን ምዃንና ንእመን እንተ ዄንና፡ ጸሎት መሰረታዊ መንፈሳዊ ድልየትና (Basic spiritual need) ምዃኑ ብግብርን ብቓልን ከነረጋግጽ ናይ ግድነት’ዩ። ዘይጽልይ ሰብ፡ ክርስትያን ኣይኰነን። ክርስትያን ዝዀነ እንተ መሰሎ ኸኣ፡ ብቓሉ ዚእመን ብግብሪ ግና ዚኽሕድ ውዱቕ ክርስትያን’ዩ። ካብ’ዚ ንደሓር ዘሎ መልእኽቲ፡ ነቶም ጸሎት፡ ኣካል መንፈሳዊ መንነቶምን መርኣያ ውልድነቶምን ዝዀነ ሰባት ዚምልከት’ዩ።
መሰረትን ክብርን ናይ ጸሎት እንታይ’ዩ፧ ነዚ ሕቶ’ዚ፡ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። መሰረት ናይ ጸሎትና፡ ድልየታትና ዘይኰነስ ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ። ንፍቓድ ኣምላኽ መሰረቱ ዝገበረ ጸሎት፡ ክቡርን ቅቡልን ጸሎት’ዩ። ንድልየታትና መሰረት ናይ ጸሎትና እንተ ጌርናዮም ግና፡ ልክዕ ከም’ቲ ንቤቱ ኣብ ሑጻ ዚስርት ዓሻ ሰብ ኢና እንኸውን። ሰብኣዊ ድልየት ዝመሰረቱ ጸሎት፡ “ዕንደራ”’ምበር “ጸሎት” ኢልና ኽንሰምዮውን ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ ንሰብ ልዕሊ ኣምላኽ ዚሰርዕን፡ ንፍቓድን ልኡላውነትን ናይ ኣምላኽ ዜቃልልን ዜዋርድን ስለ ዝዀነ’ዩ። ጸሎት፡ ፍቓድና ንኽብሪ ፍቓድ ኣምላኽ እንስውኣሉ መሰውኢ’ዩ። ብኣንጻሩ ምእንቲ ፍቓድና ንፍቓድ ኣምላኽ መስዋእቲ ኺገብር ዘንቀደ ጸሎት እንተ ዀይኑ ግና፡ ጸሎት ዘይኰነስ ፍትወት ስጋ ወይ ትምኒት ስጋ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ፍትወት ስጋ ድማ ይትረፍ ኣብ ዘይቦትኡ ኣብ ጸሎት ቀሪቡ፡ ኣብ ውሽጥኻ እንተ’ልዩ’ውን ፍንፉንን ጽዩፍን’ዩ (ቲቶ 3፡3፣ 1ጴጥ 2፡11፣ ኤፌ 2፡3)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ “ድልየትን ፍቓድን ኣይሃሉኻ” ዜስምዕ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ፡ “ንፍቓድካን ድልየትካን ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣግዝኣዮም” ማለት’ዩ። ንድልየታትካ መሰረት ጌርካ ዚጽለይ ጸሎት፡ ንኣምላኽ ምፍትታን’ዩ። ንፍቓድ ኣምላኽ መሰረት ጌርካ ዚጽለይ ጸሎት ግን፡ ንኣምላኽ ምግልጋልን ምምላኽን’ዩ። ናይ እስራኤላውያን ህይወትን ኣካይዳን፡ ንኣምላኽ ዚፈታተን’ዩ ዝነበረ። ቃል እግዚአብሔር ነዚ ሓቂ’ዚ ብስእላዊ መገዲ’ዩ ዜርእየና።
“ንተግባሩ ቐልጢፎም ረስዕዎ፣ ንምኽሩ ኣይተጸበይዎን። አብ በረኻ ኣዝዮም ተመነዩ፡ ኣብ’ቲ ጽምዋ ንእግዚአብሔር ፈተኑ። ንሱ ኸኣ ዝለመንዎ ሃቦም፣ ግናኸ ንነፍሶም ዕብራን ለአኸሎም። ኣብቲ ሰፈር ንሙሴን ንኣሮን፡ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስን፣ ቀንኡሎም።” መዝ 106፡13-14
“ብመከራን ሓጺንን ተአሲሮም፣ ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ነበሩ። ንቓል ኣምላኽ ስለ እተሃላለኽዎ፡ ንምኽሪ ናይ’ቲ ልዑል ከኣ ስለ ዝነዓቕዎ፣ ንልቦም ብጻዕሪ ኣዋረዶ፡ ወደቑ፡ ዚረድእውን ሓደ’ኳ ኣይነበረን።” መዝ 107፡10-12
“ግናኸ ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም፡ እናቐጸሉ በደልዎ። ንትምኒቶም ዚብላዕ እናደለዩ፡ ብልቦም ንአምላኽ ፈተንዎ።....ብኣምላኽ ኣይአመኑን፡ ብምድሓኑውን ኣይተወከሉን’ዮም’ሞ፡ እግዚአብሔር እዚ ሰሚዑ ተቘጥዐ፡ ኣብ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፣ ኣብ እስራኤልውን ቊጥዓ ወጸ።...ክንደይ ሳዕ’ዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፡ ኣብ ጽምዋ’ውን ዘጕሃይዎ።” መዝ 78፡17,18,21-22,40,41
እግዚአብሔር ባዕሉ’ውን “ዓሰርተ ሳዕ ፈተኑኒ” ኢሉ ኣሎ (ዘሁ 14፡22)። ኣብ’ቲ “ማሳን መሪባን” ዝተሰምየ ቦታ፡ ጽምኢ ማይ ምስ ኣጋጠሞም ብኸቢድ ምጒርምራም ንነብዪ ሙሴን ንእግዚአብሔር ተፈታተንዎም (ዘጸ 17፡1-7)። እግዚአብሔር ነቲ ብዛዕባ ማይ ዘቕረብዎ ኣብ ድልየቶም መሰረት ዝገበረ ልማኖኦም፡ ካብ ደረቕ ከውሒ ማይ ብምውሓዝ ንፍቓዶም መሊኡሎም’ዩ፡ ናብ’ታ ዘተስፈዎም ዕረፍቲ ኸይኣትው ግና ብዅራኡ ፈረዶም።
“ንሱ ኣምላኽና’ዩ፡ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡ፡ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ’ና’ሞ፡ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ከም አብ መሪባ፡ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ አብ በረኻ፡ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፡ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፡ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ። በቲ ወለዶ እቲ አርብዓ ዓመት ተመነወኒ፡ መገደይ ዘይፈለጡ፡ ብልቦም እተጋገዩ ህዝቢ’ዮም፡’ በልኩ። ስለ’ዚ፡ ‘አብ ዕረፍተይ ኣይኪአትዉን’ዮም፡’ ኢለ ብዅራይ መሓልኩ።” መዝ 95፡7-11
ስለ ዝጸማእካ ማይ ኪወሃበካ ምልማን፡ ዋላ ሓንቲ ኣበሳ ዘይብሉ ባህርያውን ቅቡልን ጸሎት’ዩ። ንማይን ንጽምኣትካን ካብ እግዚአብሔርን ካብ ፍቓዱን ንላዕሊ ኣኽቢርካ ምርኣይ ግን ርእሲ ዅሉ ኣበሳታት’ዩ። እግዚአብሔር በዚ ሕሱም ጥምየትን ጽምኣትን ውርደትን ኪሓልፉ ዝፈቐደሉ ንጹር ምኽንያትን ጽቡቕ ፍቓድን እንታይ ምዃኑ ኣብ ዘዳ 8፡2-5, 12-19 ኣብሪሁ ገሊጽዎ ኣሎ። ንሳቶም ግና ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ንላዕሊ ንድልየታቶም ዜኽብሩ ስለ ዝነበሩ፡ ንእግዚአብሔር ኪእዘዝዎን ኬኽብርዎን ዘይኰነስ፡ ኪፈታተንዎን ኬጕህይዎን መሪጹ። ከም’ቲ ኣብ መዝ 106፡ 15 ዘንበብናዮ፡ ድልየቶም ኣማሊኡ፡ ካብ’ቲ ብቕዱስ ፍቓዱ መኺሩሎም ዝነበረ ሰናይ ምኽሪ ግን ፈለዮም። ንስጋኦም መጊቡ፡ ንነፍሶም ግን ዕብራን ለኣኸሎም። እቲ በስባሲ ስጋ ሰቢሑስ፡ እታ ነባሪት ነፍሲ እንተ ዓበረት፡ “መልሲ ጸሎተይ ረኺበ” ክንብል የኽእለናዶ፧ ንፍቓድ ስጋ ኣንጊስካ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ግሂስካ ዚርከብ መልሲ ጸሎት፡ ፍርዳዊ (ቅጽዓታዊ)’ምበር፡ ብኻልእ ክትሰምዮ ኣይግባእን’ዩ።
ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ጸሎት ብኸመይ ኢና ንፈልጦ፧ እቲ ቐዳማይ ምንጭና ቃል እግዚአብሔር’ዩ። ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ንፈልጦን ኬስተምህረና ዝተጻሕፈ’ዩ። ብሰበኽቲ ወንጌል ዚወሃብ ትምህርቲ፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዚዳለው ጽሑፋት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዝገበረ ስለ ዝዀነ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዜፍልጠና’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምኽባር ዚግደስን ዚጥንቀቕን ክርስትያን፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንባብን ኣብ ምጽናዕን ዕዙዝ ትግሃት ኬርእይ ይግብኦ። ነቲ ናብ ኣምላኽ ዜቕርቦ ጸሎት ብመንጽር ቃል እግዚአብሔር እናመዘነ እንተ ጸለየ፡ ናብ ፍቓድ እምላኽ ቀረባ’ምበር ርሑቕ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። እግዚአብሔር ነቶም ናይ ብሓቂ ንፍቓዱ ዜፍቅሩን ዜኽብሩን፡ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ብርሃን ነቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ ምስጢራት ይገልጸሎም’ዩ።
እቲ ኻልኣይ ንፍቓድ ኣምላኽ እንፈልጠሉ ምንጭና ኸኣ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ነዚ ናይ መንፈስ ቅዱስ ግደ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝፈለጦ፦
“.....ጸሎተይ ናባኻ አዕርግ ኣለኹ’ሞ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ።....ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ’ሞ፡ ምግባር ፍቓድካ መሃረኒ፡ ሰናይ መንፈስካ ብቕኑዕ መገዲ ይምርሓኒ።”
ብምባል ንኣምላኹ ተማሕጸነ (መዝ 143፡8,10 ካ.ት)። ብዘይ ምርሒት መንፈስ ቅዱስ፡ ቅቡል ጸሎት ኪጽልይ ኰነ ጥዑይ ህይወት ኪመርሕ ዚኽእል ክርስትያን የልቦን። ስለ’ዚ ብዛዕባ ዅሉ ነገር፡ ብፍላይ ግን ብዛዕባ ጸሎት፡ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ክንውከል ናይ ግድን’ዩ። ንኣና ቤት መቕደሱ ገይሩ ኣባና ዝሓደረ ምእንቲ ኺመርሓና’ዩ (1ቈረ 3፡16,17 ፣ 6፡19,20 ፣ 2 ቈረ 6፡16 ፣ ኤፌ 2፡19-22 ፣ እብ 3፡6)። ጐይታና’ውን ናይ’ቲ እግዚአብሔር ኣቦ ብስሙ ዚልእኾ መንፈስ ቅዱስ ግደ ኣመልኪቱ ገሊጹልና’ዩ።
“ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም’ዩ፡ ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር ኣባኻትኩም’ውን ኪነብር’ዩ’ሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። .... እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ኬዘክረኩም’ዩ።” ዮሃ 14፡16,17,26
“ግናኸ እንተ ኸድኹ ኸም ዜሕሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም አለኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን’ዩ’ሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም’የ። ..... እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ’ዩ ዚዛረብ’ምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን’ዩ’ሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂ’ውን ኪመርሓኩም’ዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን’ዩ’ሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ’ዩ።” ዮሃ 16፡7,13,14
ነቲ ዝተሰወረና እናገለጸ ናብ ፍቓድ ኣምላኽ ዜብጽሓና’ውን ንሱ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኰነ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኽንፈልጥ፡ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ብምግላጽ ከም ዜገልግለና ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ንኣና ግና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና፡ ከመይ እቲ መንፈስ ንዅሉ፡ ንመዓሙቝ ኣምላኽ’ውን ከይተረፈ፡ ዚምርምር’ዩ። እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ዚፈልጥከ መን ኣሎ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ’ኳ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና ነቲ ኣምላኽ ብኸምኡ ዝሃበና ጸጋ ምእንቲ ኽንፈልጥሲ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ’ምበር መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።” 1ቈረ 2፡10-12 ካ.ት
እምበኣር እቲ ብምስጢረ ሜሮን ኣባና ዝሓደረን ዳግም ዝወለደናን መንፈስ ቅዱስ’ዩ፡ ነቲ ዝተሰወረና ፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጦን ከነኽብሮን ዜኽእለና። ስለ’ዚ ኸኣ “ብመንፈስ ቅዱስ ጸልዩ” ዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ ተዋህበና (1ቈረ 14፡15 ፣ ኤፌ 6፡18 ፣ ይሁ 20)። ኣብ እግዚአብሔር ቅቡል ጸሎት ዚኸውን፡ ጸሎትና’ውን ከም መስዋእትን ከም ኣገልግሎትን፡ ከም ኣምልኾን ዚቝጸረልና፡ ብረድኤትን ምርሒትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስ እንጽልይ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኸም ዘሎ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ቅቡል ጸሎት ክንጽልይ ካብ ምድጋፍ ሓሊፉ፡ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ብዘይንገር እህህታ ምእንታና ይጽልይ’ዩ።
“መንፈስ ቅዱስ ድማ ንድኻምና ይድግፎ’ዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽልይ ከም ዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና፡ ግና እቲ መንፈስ ባዕሉ’ዩ ብዘይንገር እህህታ ዚጽልየልና። እቲ ልቢ ዚምርምር እግዚአብሔር፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓሳብ እንታይ ከም ዝዀነ ይፈልጦ’ዩ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ’ቶም ቅዱሳን ዚጽልዮ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ’ዩ።” ሮሜ 8፡26-27 ካ.ት
ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንጽልይ ምህላውናን ዘይምህላውናን ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧
1ይ ብዛዕባ ጸሎትና ልብና ዘይነቕፈናን ህድኣትን ሰላምን ዘሎና ምስ እንኸውን፦ እቲ ንኣምላኽ ዜኽብር ጸሎት፡ ኣብ ልብና ሰላምን ህድኣትን ዜስፍን’ዩ። ከም ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ልብና ይነቕፈና፡ ብዛዕባ ጸሎትና ድማ ትብዓት ኣይስምዓናን’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዜረጋግጸልና። እቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ ፊሊ 4፡6,7 ጥቕሲ’ውን ነቲ ኣብ መንጎ ቕቡል ጸሎትን ኣብ መንጎ’ቲ ብሉጽ ሰላም ኣምላኽን ዘሎ ዝምድና ብንጹር ኣመልኪቱና’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ’ውን፡ ንጸሎትን ንኻልእ ኵሉ መንፈሳዊ ህይወትናን ዚምልከት ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ።
“ምንም’ኳ ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዓብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ’ሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና።” 1ዮሃ 3፡19-21
ብኸም’ዚ ዝዓይነቱ ጸሎት ንኣምላኽ ዘኽበረት ኣደ ኸኣ፡ ቅድስቲ ሃና፡ ኣደ ነብዪ ሳሙኤል’ያ። ውሉድ ኪወሃባ ንብዙሕ ዓመታት ዝጸለየት ኣደ’ያ። ኣብ’ቲ ቐዳሞት ዓመታት፡ ጸልያ ኽነሳ ብብኽያትን ብጓህን ትነብር ነበረት። እቲ ጸሎታ ንልባ ኼህድኦን ሰላም ኪህቦን ኣይከኣለን። እታ ናይ መወዳእታ ጸሎታ ግና ፍልይቲ ነበረት። ነቲ ዚወሃባ ውሉድ ጡብ ኸይሓደገ’ኳ ተመሊሳ ንእግዚአብሔር ከም እትውፍዮ ተመባጺዓ ምስ ተመልሰት ግና፡ ልባ ብሰላም ተመሊኡ ሃድአ። ከም’ዛ ድሮ ውሉድ ዝተዋህባ ዀይና፡ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን። እቲ ነዚ ኺጽበይ ዝጸንሐ እግዚአብሔር ከኣ፡ ፍቓዱ ምስ ተማልኣሉ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ካብ ሾብዓተ ዚበልጽ ተባዕታይ ውሉድ ኣሕቘፋ (1ሳሙ 1፡1-27 ፣ 2፡5)።
2ይ ዋላ ጸሎትና እንተ ዘይተመለሰ’ኳ፡ ንፍቓዱ ዘሎና ኽብሪ ዘይጐድል ምዃኑ፦ እግዚአብሔር፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብምኽንያት’ቲ ዝርኣዮ ብሉጽ ራእያት ናይ ትዕቢት ፈተናን መፈንጠራን ተዳልዩሉ ኸም ዘሎ ምስ ረኣየ፡ ካብኡ ዚሕልዎ ግራጭ (ሕማም) ስጋ ሰዅዓሉ። በቲ ባዕሉ ኣብ ገላ 4፡13,14 ካ.ት ገሊጽዎ ዘሎ መሰረት፡ እቲ ሕማሙ ንሰባት ፈተና ዚኸውንን ኪጽየፍዎ ዚገብርን ነበረ። በቲ ቕቡል ጸሎቱ ድማ እግዚአብሔር ኪፍውሶ ሰለስተ ሳዕ ለመነ። ጐይታ ግና ንእኡ ዜጽውር ጸጋን ሓይልን ኪህቦ’ምበር ኪፍውሶ ኣይፈቐደን። ካብ ፍቓድ ርእሱ ንላዕሊ ንፍቓድ ኣምላኽ ዜኽብር ቅዱስ ሰብ ስለ ዝነበረ ግና ብዛዕባ ሕማሙ ዀነ ኻልእ ኵሉ ፈተናኡ፡ ብዙሕ ሓጐስን ትምክሕትን ተሰምዖ (2ቈረ 12፡7-10) ንፍቓድ ርእሱ ዜኽብር ዘይለባም እንተ ዚኸውን ግን፡ “ጥዕና ጥራይ ሃበኒ’ምበር፡ ጸጋስ እቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ” ኪብል ምደፈረ ነይሩ። ሕማም ስጋ ብሰባት’ዩ ጽዩፍ ዚገብረካ፡ ኣቲ ዝኸፍአ ሕማም ነፍሲ ዝዀነ ትዕቢት ግና ብእግዚአብሔር ዜፈንፍነካ መንፈሳዊ ሕማም’ዩ። ስጋዊ ክርስትያን ንስጋዊ ባህግታቱ’ዩ ዜኽብር፡ መንፈሳዊ ክርስትያን ግን ንባህግታቱ መስዋእቲ ገይሩ ንፍቓድ ኣምላኽ ዜኽብር ብልሂ ሰብ’ዩ። ንጉስ ህዝቅያስ፡ ንዝዀነ ሰብ ዘይተዋህበ ዕድል ተዋሂብዎ ኼብቅዕ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ነጺጉ ንፍቓዱ ኣኽበረ። ጸሎቱ ተመሊሱሉ ኸኣ ኣብ ዕድሚኡ 15 ዓመታት ተወሰኸሉ። ገና ጸማልያ ኸሎ፡ ሓንቲ ዓመት’ኳ ኸይመልአ ምስ ኣምላኹ ተባኢሱ፡ ንዘርኡ ዜዋርድ መርገም ተቐበለ (ኢሳ 38፡1-5 ፣ 39፡1-8)። ሳዕቤን ናይ’ቲ ንፍቓዱ ዘየኽብር ልማኖ፡ ካብ ሞት-ስጋ’ኳ ዚመርር ስለ ዝዀነ፡ ንጸሎትና ፍቓድ ኣምላኽ ዚኸብረሉ ምሹእ መድረኽ ንግበሮ።
ደጊም ዚተርፈና እንተ’ልዩ፡ ንጸሎትና ብዘይ ቃልዓለም ምምርማር’ዩ። ንምዃኑ ንጽልይዶ ንኸውን፧ ጸሎትናኸ ልማዳውን ባህላውን ድዩ ወይስ ብመንፈስ ቅዱስ ንጽልይ ንኸውን፧ ጸሎትና ንኣናን ንባህግታትናን ዜኽብር ድዩ፧ ወይስ ንኣምላኽን ነቲ ሉኣላዊ ፍቓዱን ዜኽብር’ዩ፧ ኣብ ህይወትና ዚንጸባረቕ ፍረ ጸሎት እንታይ ይመስል፧ ሰላምን ህድኣትን ትብዓትን ድዩ፧ ወይ ከኣ ጓህን ምርረትን ጥርጥርን፧ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ዀይኑ፡ ኣንጻር ልማኖናን ትጽቢትናን እንተ ዚምልሰልናኸ፡ መልሰ- ግብርና እንታይ ኰን ምዀነ፧ ልማኖና ንሉኣላዊ ፍቓድ ናይ’ቲ ልዑል ኣምላኽ ዜኽብር ምዃኑስ፡ ወርትግ ደኣ ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ታሕሳስ ፫, ፳፻፲፬ ግዕዝ (12 ታሕሳስ 2021 ፈረ). መበል 14 ሰንበት: ቊ.21/፳፩ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
2ቈረ 4፡1-12 | 1 ዮሃ 5፡11-ፍጻመ | ግብ 4፡14-23 | ዮሃ 9፡13-25 | ዘእግዚእነ |
መዝ.፮፡፫-፬ "ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሐ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።" ዓዲ፡ መዝ.፬፡፪፣፫:"ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልበኩሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።" |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ