ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ቤት ማርያም ኣደ ማርቆስ ዮሃንስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብሚያዝያ 6 ሓሙስ ምሸት ብ30 ዓ.ም ሓቢሮም ከለዉ። ብዛዕባ ርኽክቡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ከመይ ከም ዝዀነ ክገልጸሎም ከሎ ከምዚ በሎም።
“ኣነ ናይ ሓቂ ጒንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኣ ኸኣ ኣቦይ እዩ። 2- ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዂሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ። 3- ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም። 4- ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጒንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። 5- እቲ ጒንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ። 6- ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። 7- ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። 8- ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኺም። 9- ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም ኣሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። 10- ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። 11- ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኺጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ኪፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም። 12- ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ።” እናበለ መሃሮም።
ቀንዲ ሓሳባት ናይዚ ትምህርቲ እዚ
ክርስቶስ ንሰዓብቱ ፍረ ዝፈርዩ ክርስቲያናት ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም። ናይ ሎሚ ሕቶና እምብኣር፡ ፍረዶ ክፈሪ ይኽእል እየ፧ ዘይኰነስ፡ ፍረ ክፈሪስ ፈቓደኛዶ እየ፧ ሰራውረይከ ኣበይ ክዝርግሖ ይግብኣኒ፧ ኢልና ምስ እንሓትት፡ ሕቶና መልሲ ክረክብ ግድን እዩ። ጨንፈር ብዘይ እቲ ጉንዲ ወይኒ ብገዛእ ርእሳ ክትፈሪ ከም ዘይከኣላ፡ ንሕና’ውን ክንፈሪ እንተድኣ ደሊና ኣብ ክርስቶስ ክንጸንዕ ግድን እዩ። እንተዘይኰነስ ከምቲ ኣብቲ ጉንዲ ጠቢቑ ከሎ ዝነቅጽ ጨንፈር ክንከውን ንኽእል ኢና። መውዳእታና ድማ ብሓዊ ምንዳድ ድኣምበር ዘለምልመና ሓይሊ የብልናን።
እቲ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ ክርስቶስ እዩ (ጥ 1ን 5ን)። “ኣነ ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ እየ”። ኢሉ ጐይታ ንገዛእ ርእሱ ብተምሳል ናይ ጉንዲ ወይኒ ገይሩ ይምስለልና። ተምሳል ናይ ጉንዲ ወይኒን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ከምዚ ዚስዕብ እዩ። - ሓንቲ ጉንዲ ወይኒ ብሰራውራ ገይራ፡ ካብ ጥልቀት ምድሪ መግቢ ኰነ ማይ እናሰሓበት ንጨናፍራ ትምግቦ። በቲ ጉንዲ ወይኒ ከይሓለፈ ናብ ጨናፍር ዝሓልፍ መግቢ ይኹን ማይ ፈጺሙ የልቦን። ከምኡ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብኡ ዝጸንዑ ሰዓብቱ፡ ምንጪ ናይ ኵሉ ሓይሎም ዝዀነ ጸጋኡ ስለ ዝዀነ፡ በብእዋኑ ብዘድልዮም ዘበለ ይምግቦምን የርውዮምን። ንሱ መራሒኦምን መምህሮምን ስለ ዝዀነ ድማ ይምህሮም። ፍረ ቅድስና ምእንቲ ኪፈርዩ ከኣ፡ እቲ ዜድልዮም ጸጋዊ ሓይሊ ይህቦም።
ኣምላኽ ዋና ኣታኽልቲ እዩ (ጥ 1)። “ተኻሊኡ ከኣ ኣቦይ እዩ”። ነቶም ጨናፍር ዝግብኦም ፍረ ክፈርዩ ዝገብሮም እቲ ዋና ኣታኽልቲ ዝዀነ ኣቦ ባዕሉ እዩ። እዞም ጨናፍር እዚኣቶም ድማ፡ ኩላቶም እቶም ብቓሎም ተኣሚኖም፡ ብግብሪ ንክርስቶስ ዝኽተልዎ እዮም። እቶም ሓቀኛታት ፈረይቲ፡ እቶም ሓቀኛታት ኣመንቲ ድማ እዮም። ናይ ኣምላኽ ፍቕርን ጥበብን ምንጪ ናይ ኩሉ መደብ-ምድሓን ስለ ዝዀነ፡ ነታ እተመርጸት ጨንፈር ጉንዲ ወይኒ፡ ምእንቲ ፍረ ክትፈሪ፡ ይሓልየላን ይምግባን ብርሃን ናይ ፍቕሩ ይሰደላን ዝናም ናይ ጸጋኡ ኸኣ የውርደላ። ይኵስኩሳን የንጽሃን፡ ኵሉ ዘድልያ ዘበለ’ውን ይገብረላ። ከምቲ ንእስራኤል እታ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝበላ ከምኡ ድማ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ኣታኽልቲ ወይነይ ኢሉ ይኵስኩሰና ኣሎ።
ጨንፈር ተምሳል ናይ ኩላቶም ሓቀኛታት ክርስቲያናት እዩ (ጥ2-5) ።
“ጨንፈር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም” ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓቂ ክርስቲያን ዘበለ ምስ ክርስቶስ እተላገበ ጨንፈር እዩ። ሕይወት ናይ ኢየሱስ ብሕይወቱ ይውሕዝ። መንፈስ ናይ ክርስቶስ ይመልኦ። ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን እምበር ኣብቲ ኦም ሕይወት ዝሓበረ ጨንፈር እዩ። እዚ ኣብነት ናይ ጉንዲ ወይኒ እቲ ዘገርም ዝዀነ ምስጢራዊ ኣካል ናይ ክርስቶስ ዚገልጽ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣካል ናይ ክርስቶስ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህርን ኣመልን ኣለዎ። ግናኸ ከም ጨናፍር ናይ ሓንቲ ኦም እዩ። ኣብቲ ሓደ ጉንዲ ማለት ኢየሱስ ክርስቶስ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ሕብረት ኣለዎ። ካብቲ ጉንዲ ዝመጽእ ሓደ ዓይነት መግቢ ናብ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ይውሕዝ። ስለዚ ድማ እዮም ኩላቶም ሓደ ዓይነት ሕይወት ዘሎዎም።
ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር (ጥ2ን 6ን)። “ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኹሉ ጨንፈር የርሕቆ”። ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ኣብ ክርስቶስ ጠቢቑ ዘሎ፡ ምስኡ ዝሓበረ እዩ። ብእምነት ከም መድሓኒኡ ጌሩ ምስ ዚቕበሎ፡ ብግብሪ ድማ ዝነብረሉ ዘበለ፡ ምስኡ ሓቢሩ ኣሎ ማለት እዩ። ፍሪ ዘይፈሪ እንተድኣ ኰይኑ ግና፡ ግብሪ ኣልቦ ስለ ዝዀነ፡ እምነቱ ነዊሕ ኪጸንሕ ኣይክእልን እዩ። ክርስቲያን ንኻልኦት ናብ ክርስቶስ ክመርሕን ክኣልን ሓላፍነቱ እዩ። እዚ ድማ እዩ እቲ ፍረ ዝበሃል። እቲ ዘይፈሪ ግና፡ ልክዕ ከምቲ ሓረስታይ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ነቲ ዝሓረረ፡ ዝነቀጸ፡ ዝመኸነን ፍረ ኪፈሪ ዘይክእልን ጨናፍር ጐደፋ ዝገብሮ፡ ከምኡ ኸኣ ኣምላኽ ካብታ ቤተ ክርስቲያኑ ነቶም ክርስቲያናት ኢና ዚብሉ ሕይወቶም ግና ዝነቐጸ፡ ናይ ሓቂ ሕብረት ክርስቶስ ዘየብሎም ክድርብዮም እዩ። ንኣብነት ንኸም ይሁዳ ዝኣመሰሉ ክሒዶም ዘኽሕዱን ዓልዮም ዘዕሉዉን ንይምሰል ዝነብሩን፡ ንኹላቶም ብስም ጥራይ ክርስቲያናት ኢና እናበሉ ዝምክሑን እግዚኣብሔር ነቲ ዘለላ ወይኒ ክደሊ ምስ መጸ፡ ፍረ ስለ ዘይረኸበሎም ጎደፋ ክገብሮም እዩ። ከመይሲ እቲ ሓረስታይ ኣታኽልቲ ወይኒ ንኸምዚ ዝበለ ጨንፈር ጐደፋ ገይሩ ብሓዊ እዩ ዘቓጽሎ። ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ብኸምዚ ዝስዕብ መገድታት ጌሩ ነቶም ፍረ ዘይፈርዩ ጐዶፋ ይገብሮም።
ምኹስኳስ ነቲ ፍረ ዚፈሪ ጨንፈር (ጥ.2-3)። “ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና የጽርዮ”። ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቓል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም።” ኣምላኽ ምእንቲ ነቲ ወይኒ ከየበላሽዉዎ ኢሉ ነቶም ዓለወኛታት ማለት ፍረ ዘይፈርዩ ጨናፍር የርሕቆም። ነቶም ፍረ ዚፈርዩ ጨናፍር ማለት ሓቀኛታት ኣመንቲ ግና፡ ምእንቲ ኣዝዮም ኪፈርዩ ኢሉ ይሕድሶምን የጽርዮምን።
1.ስለምንታይ ድኣ እዩ ”ድሮ ንጹሃት ኢኹም” ዝበሎም። ርግጽ እዩ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ በዚ እዋን’ዚ ዝገበርዎ ናይ ወጻኢ ሓጥያት ኣይነበሮምን። ጌና ግና ከምቲ ቓሉ ዝብለና ፍጹም ጽርየት ከምቲ ኣብ በዓላት ሓምሳ ዝተቐበልዎ ዘጽርዮም መንፈስ ቅዱስ ጐዲልዎም ነበረ። ኩሎም ብዘይ ይሁዳ፡ ናይ ሓቂ ክርስቲያን ፍረ ዚፈርዩ ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ፍረ ዚፈርዩ ጨናፈር፡ ምልክት ናይ ኩሎም ሓቀኛታት ክርስቲያናት እዮም። ፍረ ምፍራይ ማለት ሃይማኖት ክርስቶስ ብኣና ኣቢሉ ኪስልጦ ዚግብኦ ምስ ዜስልጥ ጥራይ እዩ። ንክርስቲያናዊ ፍልጠትካ ኣብ ጠቕሚ ካልኦት ምውዓል ማለት እዩ። ከምቲ ሓንቲ ወይኒ እንተ ዘይፈረየት፡ ንሰብ ዘይትጠቅም ኰይና እትርከብ፡ ከምኡ ከኣ ክርስቲያናት እንተድኣ ብኣርኣእያኦምን ብጻዕሮምን ቅዱሳትን ሕጉሳትን ዘይኰይኖም፡ ንዓለም ከኣ ናብ መስቀል ክርስቶስ ዘይመርሑ ኰይኖም፡ ክርስትናኦም ገፈል እዩ። እታ ፈታኒት መዓልቲ ጐይታ ምስ መጸት ድማ ሕፈረትን ብኽያትን ኰይንካ ምትራፍ ከም ዘሎ ምዝካር የደሊ። ኣምላኽ ግና ብዙሕ ፈረ ምእንቲ ኪፈርዩ ኢሉ ንኹላቶም ክርስቲያናት የጽርዮምን ይሕድሶምን። ነቲ ኣብ መገዶም ዝዕንቅፎም ዘበለ ይኣልየሎምን ይምህሮምን የነቓቕሖምን፡ ንህይወቶምን ንዕላምኦምን ከኣ ኣዝዩ ቅዱስ ይገብሮ። ከምዚ ጌሩ ንህይወቶምን ሓሳባቶምን ሓይሎምን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምስ ቀደሰን ኣንጽሄን ጥራይ እዩ ፈረይቲ ክገብሮም ዝኽእል። እቲ ሓረስታይ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ እቲ ዝመኸነን ዘይፈርን ክሳዕ ክንደይ ዓብን ጐርፋዕን ምኳኑ ብዘየገድስ፡ ምእንቲ ነቲ ጽቡቕ ፍረ ዚፈሪ ከየበላሽዎ ኢሉ፡ ነቲ ዘይፈሪ ዘበለ ጨናፍር ጐደፋ ገይሩ ብሓዊ የቓጽሎ።
ሓቀኛ ፍረ፡ ፍረ ማለት ካህን ወይ ጳጳስ ኰንካ ንነፍሳት ናብ ክርስቶስ ኣብ ምምራሕ ጥራይ ዝተደረተ ማለት ኣይኰነን። ምእመን ኰይንካ ንብዙሓት ኣብነት ምዃን እቲ ዝዓበየ ተግባር ፍረ እዩ። ንኣብነት ጸሎት፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ትዕግሥቲ፡ ምእዛዝ ማለት እቲ ኹሉ ናይ መንፈስ ግብሪ ኣብ ገላትያ 5፡22-23 ኣብ 2 ጰጥሮስ 1፡5-8 ተጻሒፉ ዘሎ ምፍጻሙ እዩ። ከምኡ’ውን እቲ ኹሉ ዓሰርተ ትእዛዛትን፡ ሽዱሽተ ትእዛዛትን ኣብ ማቴዎስ 5፡7 ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘጠቓለለ እዩ። እቲ ንበረኸትን ንድሕነትን ዝዀነና ኹሉ’ውን ኣብኡ ተጠቒሱ ኣሎ። ብዝሒ ናይ ፍሬና ግና፡ በቶም ናብቲ መገዲ ዝመራሕናዮም ነፍሳት ወይ ብብዝሒ ህያባት ገንዘብና ኣይኰነን ዝዕቀን። እንታይድኣ፡ በቲ እንገብሮ ናይ ነፍስና ምውፋይን ምእዛዝን እዩ ዚዕቀን። ልክዕ ከምቲ ጐይታና ብዛዕባ እታ ካብተን ዘለውኦ ክልተ ለብጦን (ክልተ ሳንቲም) ዝሃበት ሰበይቲ ዝሃቦ ኣብነት እዩ።
ኣብ ጕንዲ ወይኒ ምስ እንጸንዕ ጥራይ ኢና ፍረ ክንፈሪ እንኽእል (ጥ.4-5)። “ኣባይ ጽንዑ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም።” ልክዕ ከምቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ምስ ከድኩ ኸኣ ከምኡ ኣባይ ጽንዑ። ኹሉ ሓይልኹምን ጥበብኩምን መደብኩምን ተስፋኹምን ኣባይ ይጽናዕ። ምስ መንፈስ ክርስቶስ ኣዚና ምስ እንሓብር፡ ኣዚና ክንዓቢ ንኽእል። ልክዕ ከምቲ ካራ ንኻራ ዝስሕሎ ወይ ፍቕሪ ንፍቕሪ ዜባራብሮ ወይ ትብዓት ንትብዓት ዜናቓቕሖ ወይ ሓሳባት ንሓሳባት ዜስፍሖ ንሓድሕድኩም ተባላልሑ ድኣምበር ንሓድሕዱኩም ኣይትተሓራረዱ፡። ስለዚ ከም ኣብ ክርስቶስ ምጽናዕ ዝኣመሰለ ንነፍስና ከዕብዮ ዚኽእል ካልእ ነገር የልቦን። ንኣብነት ካብቶም ክንገብሮም ዝግባኣና ነገራት ገለ ክፋል እስከ ንርኤ።
“ሽዑ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም ይጸንዕ።” ሓይለይን ፍልጠተይን መሪሕነተይን ብኣኻትኩም ይውሕዝ እሞ ንምህናጽ መንግሥቲ ኣምላኽ ዝጠቅም ፍረ ትፈርዩ ይብለና። ርግጽ በቲ ናይ ኹሉ ሓቂ ዝመርሕን ኣባና ዚነብርን ዚምህርን መንፈስ ቅዱስ እዚ ኹሉ ክንቅበሎ ንኽእል። “ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።” ሰብ ንዝዀነ ይኹን ተኽሊ ወይስ ካልእ ብሓይሉ ከዕብዮ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ዚዓቢ ነገር ብምክንኻንን ብምኹስካስን ብምድኳዕን ማይ ብምስታይን ንኽለምዕ ክድግፎ ይኽእል። ግናኸ ኹሉ ናይ ምጽዳቕ ስራሕ ናይ ኣምላኽ እዩ። ማይ ብዘድልዮ እዋን ማይ ይሰደሉ። ፀሓይ ብዘድልዮ እዋን ፀሓይ ይሰደሉ። ነታ ደቓቕ ዝነበረት ዘርኢ ብዘይ ምቁራጽ ስለ ዝምግባ ንባዕላ ዓምቢባን ኣሽሓት ፈርያን ንኻልእ ዝምግብን ዘርኢ ዝኸውን ተትርፍ። ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ግና፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ወፈዩ ኣብቲ ግራት ናይ ኣምላኽ ኣተዩ ንባዕሉ እናተዀስኰሰ ንኻልኦት ምስ ዝኹስኩስ ጥራይ እዩ ዝባረኽ።
ኣብ ጕንዲ ወይኒ ብምጽናዕ ዝርከብ በረኸት (ጥ.7-11)
•ምላሽ ጸሎት፡ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቓለይ’ውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይኰነልኩም።” ኪግለጽ ዘይክእል በረኸት ዝመልኦ ተስፋ ኣብዚ ንርኢ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዚጸንዕ ክርስቶስ’ውን ኣብኡ ይጸንዕ። እቲ ዝልምን ድማ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝልምን፡ ይወሃቦ። እቲ ኣብ ጉንዲ ወይኒ ዘይጸንዕ ግና፡ ብዙሕ ነገራት ይልምን ከም ፍቓድ-ኣምላኽ ጌሩ ስለ ዘይልምን ገለ እኳ ኣይረክብን።
•ክብሪ ኣምላኽ፡ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኽብር።” ነፍሳት ናብ ኣምላኽ ምስ ዚምለሳ ኣምላኽ ብእኡ ይኸብር። ፍረ ጽድቂ ንዘለዓለም ንስሙ ክብሪ ይህብ።
•“ደቀ መዛሙርተይ’ውን ክትኰኑ ኢኹም።” መዓስ ኢና ደቀ መዛሙርቱ እንኸውን፧ ክርስቲያን ዝብል ስም ስለ እተሰየምና ደቀ መዛሙርቱ ኢና ማለት ኣይኰነን። ብግብርና ትእዛዙ እንተ ኣኽበርና፡ በቲ ዝሃበና መገዲ እንተ ተመላለስና፡ ብስሙ ዘይንሓፍር እንተ ዀይና፡ ደቀ መዛሙርቱ ኢና።
•ኣምላኽ በቲ ጕንዲ ጌይሩ እቲ ዝበለጸ ፍሬኡ ይህበና። እታ ኣብ መሬት ዝወደቐት ፍረ፡ ብሓደ መዓልቲ ማይ ሰትያ፡ ዱኹዒ ተደኪዓ ኣይትዓብን። ብሓደ መዓልቲ እንተ ትዓቢ፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ትሓርር። ስለዚ ኣምላኽ ነታ ክትፈሪ ኢሉ ዝተኸላ ዘራኢ፡ በብእዋኑ እናተኻናኸነ፡ ብብቑሩብ የዕብያ። ንዓና’ውን ብሓደ መዓልቲ ኣየዕብየናን፡ ኣእምሮና ክጸሮ ብዝኽእል መገዲ፡ በቲ ጕንዲ ወይኒ ዝዀነ ክርስቶስ ጌሩ፡ ቀስ እናበለ የዕብየና። ምስ ዓበና ድማ ጽቡቕ ፍረ ንፈሪ።
•ፍቕሪ ክርስቶስ። “ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም ኣሎኹ።” ኣቦ ንወዱ ብዘይ ተጕላባ እዩ ዘፍቅሮ። እቲ ወዲ’ውን ንኣና፡ በቲ ካብ ኣብኡ ዝረኣዮ ሕፍቲ ዘይብሉ ፍቕሪ ጌሩ ከም ዘፍቕረና፡ ክገልጽ ከሎ፡ “ከምቲ ኣቦይ ዘፍቀረኒ” ብምባል ጥልቀት ፍቕሩ ይእምተልና።
ሕቶታት
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ