“ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ ኣብ’ዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ፡ ብእኡ’ውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና።” እብ 1፡1,2።
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ካብ ታሕሳስ 7 ክሳዕ ታሕሳስ 13 ዘሎ ቕንያት “ስብከት”’ዩ ዚበሃል ቃል ብቃሉ ስብከት ማለት ምስባኽ ንምስትምሃር ማለት’ዩ። ሊቓውንቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ስብከት ካብ ካልእ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ኣለዎም። እዚ ድማ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ልደት ዳዊት ዘሎ ዘመን 14 ወለዶታት ሙሴ ኦሪት ጽሒፉ “ንወልድ ንሰብክ፡ ኣብ ኦሪት ተሰቢኩ” ኢሉ ስለ ዝመሃረ ንእኡ ንምዝካር’ዩ ሰብከት ተባሂሉ። ኣብ’ዚ ናይ “ስብከት” ቅንያት ኪንበቡ ተሰሪዖምልና ዘለዉ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ኸኣ፡ እዚ ናይ “እብራውያን” መልእኽቲ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ናብ እብራውያን ዝጸሓፎ መልእኽቱ፡ በዚ ኸም መሪሕ ጥቕስና ተጠቒምናሉ ዘለና ጥቕሲ’ዩ ጀሚርዎ። “እብራውያን” ማለት “እስራኤላውያን” ማለት’ዩ። እዚ እብራውያን ዚብል መጸውዒ፡ ካብቲ “ዔበር” ዚበሃል ኣቦኦም ዝተወርሰ’ዩ። ዔበር ካብ ኣዳም መበል 13፡ ካብ ሴም ከኣ ሳልሳይ ወለዶ’ዩ። ኣብርሃም ከኣ ካብ ዔበር ሻድሻይ ወለዶ’ዩ (ዘፍ 10፡21 ፣ 11፡10-27)። ስለ’ዚ እብራውነቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወርሰ ኪኸውን ከሎ፡ እስራኤላውነቶም ግን ካብ’ቲ ብእግዚአብሔር “እስራኤል” ዝተሰምየ ኣቦኦም ያእቆብ ዝተወርሰ’ዩ (ዘፍ 32፡24-30)። እዞም “እብራውያን” ተባሂሎም ዘለዉ ኣበየናይ ሃገር ከም ዚነብሩ ኣይተገልጸን፡ ኣይሁድ ክነሶም፡ ብክርስቶስ ኣሚኖም ብዙሕን ከቢድን መከራ ዝተቐበሉ ክርስትያን ነበሩ።
እዞም እብራውያን ክርስትያን፡ ብምኽንያት’ቲ ዝወረዶም መከራ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ተኽእሎን ሓደጋን ምስ ኣንጸላለዎም፡ ኣብ እምነቶም ኪጸንዑ ዜበርትዖም ምሕጽንታን ምስጢራትን ገለጸሎም። ከም ናይ መጀመርታ ነጥቡ ገይሩ ዘልዓሎ ኸኣ፡ ብናይ መን ዘረባ ናብ እምነት ከም ዝኣተዉ ምዝኽኻር ኰነ፡ ባዕሉ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“እምነት ካብ ምስማዕ’ያ፡ ምስማዕ’ውን ብቓል ክርስቶስ’ዩ።”
ከም ዝበለ፡ ምስማዕ ኪህልውን እምነት ክትህነጽን እንተ ዀይና፡ ዚዛረብ፡ ድምጹ ዜስምዕ ኣካል ኪህልው ናይ ግድን’ዩ (ሮሜ 10፡17)፡፡ ነቶም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምግላጹ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣቦታት፡ ብመገዲ ነብያት ገይሩ ይዛረቦም ነበረ። ብመገዲ ነብያት ደኣ ይዛረቦም’ምበር፡ እቲ ቓል ግና ናይ ባዕሉ ናይ እግዚአብሔር’ዩ ዝነበረ። ኣብ ውጽኢታውነትን ክብርን ናይ ሓደ መልእኽቲ፡ መንነት ናይ’ቲ ዚዛረብ ኣካል ኣዝዩ ዓብዪ ተራ ኣለዎ። ሰብ ጥራሕ ኰይኑ ዚዛረብ፡ መለኮታውነት ዘለዎ ሰብ ኰይኑ ዚዛረብን ሓደ ዓይነት መልእኽትን ውጽኢታውነትን ኪህልዎ ኣይክእልን’ዩ። ይትረፍ ክንድ’ዚ ዚኣክል ናይ ባህርይ ፍልልይ ሃልዩ፡ ብዓይኑ ዝረኣየን ዘይረኣየን ኴንካ’ኳ ኣብ መንጐ ሰባት ምዝራብ’ውን ኣዝዩ ዓብዪ ለውጢ ኸም ዜምጽእ ርዱእ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅዱሳን ነብያት ነቲ ብትንቢት ዚዛረቡሉ ዝነበሩ ነገር ናይ ምርኣይ ብርቱዕ ባህጊ ነበሮም። ጐይታና ባዕሉን ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣረጋጊጾምልና’ዮም።
“ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ’ሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘለኹም ኪሰምዑ’ውን ከም እተመነዩ’ሞ ኸም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩም’ውን ዚሰምዓ’የን’ሞ፡ ብጹኣን’የን።” ማቴ 13፡16,17።
“እቶም ብዛዕባ’ቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት፡ ብዛዕባ’ዚ ምድሓን’ዚ ደለዩን መርመሩን። እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፡ (ብዛዕባ) ስቓይ ክርስቶስን (ብዛዕባ’ቲ) ድሕሪኡ ዘሎ ኽብርን ቀዲሙ ኸም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡ ንኣኻትኩም’ምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። (ብዛዕባ’ዚ ምድሓን’ዚ) በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግረኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ’ዮም።” 1ጴጥ 1፡10-12።
ኵላቶም ነብያት ብዛዕባ ክርስቶስን ብዛዕባ’ቲ ብእኡ ዚፍጸም ምድሓንን ተነብዮም ክነሶም፡ ኪርእይዎ ግን ኣይተዓደሉን። ስለ’ዚ’ዮም ብዛዕባኡ ብዙሕ ዝመርመሩ። ነዚ ባህጊ ነብያት ክንርእዮን ከነገልግለሉን ክንግልገለሉን ዝተዓደልና፡ እዞም ኣብ’ዚ “ዳሕሮት መዓልትታት፡ ዳሕራይ ዘመን፡ ዳሕረይቲ ሰዓት፡ ናይ መወዳእታ ዘመን” ዝተሰምየ ዘመናት ዝተፈጠርና ኢና። ብዛዕባ’ዚ ዳሕሮት መዓልታት ኣብ ቃል እግዚአብሔር ብብዝሒ ተጻሒፉ ኣሎ (ኢሳ 2፡2 ፣ ኤር 23፡18 ፣ 30፡24 ፣ ዮኤ 2፡28,29 ፣ ሚል 4፡1 ፣ ግብ 2፡17 ፣ 1ጢሞ 4፡ 1 ፣ 2ጢሞ3፡1፣ እብ 1፡1,2 ፣ 2ጴጥ 3፡3፣ 1ዮሃ 2፡18 ፣ ይሁ 17,18)። ቀዳማይ ዘመን እቲ ቕድሚ ልደትን ኣገልግሎትን ናይ ጐይታ ዝነበረ ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ዳሕራይ ዘመን ከኣ ድሕሪ ልደት ጐይታና ዘሎ ጊዜ’ዩ።
እግዚአብሔር ኣቦ፡ ብወዱ ስለ ዝተዛረበና ዝረኸብናዮ ረብሓ እንታይ’ዩ፧
1ይ ኵላቶም ነብያት ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ምድራውያን’ዮም። እታ ኺዛረብዋ ዝተዋህበቶም ቃል ጥራሕ’ምበር፡ ካልእ ዋላ ሓንቲ ዚፈልጥዎ የብሎምን። ዋላ ነቲ ዝተገልጸሎም ቃል’ውን ስለ ዘይፈልጥዎ’ዮም ብዛዕባኡ ብዙሕ ዝደለዩን ዝመርመሩን። ካብ’ታ ኺዛረብዋ ዝተዋህበቶም ቃል ወጻኢ ዚፈልጥዎ ስለ ዘይብሎም እቲ ሰማዒ ህዝቢ እንተ ሓተቶም ኪምልስዎ ዚኽእሉ ኣይነበሮምን።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ዝወረደ ስለ ዝዀነ፡ ነታ ዝዛረባ ዘሎ ጥራሕ ዘይኰነስ ንዅሉ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ዚፈልጥ’ዩ። ምስ ኒቆዲሞስ ኪዘራረብ ከሎ፡ ጐይታና ባዕሉ፡ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ’ለኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝረኣናዮ’ውን ንምስክር ኣለና። ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ ኸመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ ብጀካ’ቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ’ኳ የልቦን።” ዮሃ 3፡11-13።
እዚ ብህልውናኡ ኣብ ኵሉ ምሉእ ዝዀነ፡ ጐይታ፡ ኵሉ ዚፈልጥን ነቲ ሓቂ ብምልኣት ኪነግር ዚኽእልን ንሱ በይኑ’ዩ። እንተ ዀነ ሰባት ብሓጺር ቍመትን ብጸቢብ ደረትን ፍጹም ሰብ ኰይኑ ስለ ዝረኣይዎ፡ ነቲ መለኮታውነቱን ሰማያዊ ህልውናኡን ኪርድእዎ ኣጸገሞም። ስለ’ዚ ኸኣ ነቲ ምስክሩ ኪቕበልዎን ኪኣምንዎን ኣይከኣሉን። ዮሃንስ መጥመቕ ብዛዕባ’ዚ ኺምስክር ከሎ ከም’ዚ ዚስዕብ፡ በለ፦
“እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ’ዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ’ዩ፡ ናይ ምድሪ’ውን ይዛረብ። ... ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን’ምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን’ዩ ዚምስክር። እቲ ነታ ምስክሩ ዝተቐበላ ግና ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሓተመ።” ዮሃ 3፡31-33። ኵሎም ነብያትን ጻድቃንን ካብ ምድሪ ስለ ዝዀኑ ምድራውያን’ዮም። ጐይታና ግና ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ዝወረደ መለኮታዊ ስለ ዝዀነ፡ ልዕሊ ዅሉ’ዩ። ስለ’ዚ እግዚአብሔር ኣቦ በቲ ልዕሊ ዅሉ ዝዀነ ወዱ ኺዛረበና ብምፍታዉ ንኣና ዓብይ ክብርን ረብሓን’ዩ። ባዕሉ ብዓይኑ ዝረኣየ፡ በእዛኑ’ውን ዝሰምዐ ስለ ዝዀነ እሙንን ሓቀኛን ምስክር’ዩ (ራእ 3፡14 ፣ 19፡11)። ምድራዊ ሰብ ግና፡ ዋላ ኣዝዩ ብዙሕ እንተ ፈለጠ’ኳ፡ ገና እቲ ፍልጠቱ ንእሽቶ ምቃል ናይ’ቲ ምሉእ ፍልጠት’ዩ። ዋላ ብዓይኑ እንተ ረኣየ’ውን፡ ነቲ ዝረኣዮ ዅሉ ብምልኣት ኪግንዘቦ ስለ ዘይክእል፡ ካብ’ቲ ዝረኣዮ ኪብሎን ኪገልጾን ዚኽእል ውሑድዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም’ዚ ዚስዕብ ብምባል ተኣመነ።
“ማለት ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና’ሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበይ። ..... ሕጅስ ብመረጸን (ብመስትያት) ዋግዋጎ ንርእይ ኣለና፡ ሽዑ (ድሕሪ ምጽኣቱ) ግና፡ ገጽ ንገጽ ክንርእይ ኢና’ሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ ኣለኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ (ብኣምላኽ) እተፈለጥክዎ ኽፈልጥ’የ።” 1ቈረ 13፡9,12
“ሓደ’ኳ ገለ ዚፈልጥ (እንተ መሰሎ)፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸም’ቲ ዚግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን’ዩ።” 1ቈረ 8፡2። ጐይታና ግና “ኵሉ ይፈልጥ” ወይ “ምሉእ ፍልጠት ኣለዎ” ዚበሃል ጥራሕ ኣይኰነን። ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “ነቲ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ክትፈልጡ” ኢሉና ዘሎ፡ እቲ ንክርስቶስ ዝፈለጠን ካብ ክርስቶስ ዝሰምዐን’ዩ፡ ፍልጠቱ ናብ ምልኣት ገጹ ዚዓብይ (ቈሎ 2፡2 ካ.ት)። ምኽንያቱ፦“ብዘሎ (ኵሉ) መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ተሰዊሩ ኣሎ።”
ተባሂሉልና ኣሎ (ቈሎ 2፡3)። እምበኣር እግዚአብሔር ኣቦ ብወዱ ብኢየሱስ ተዛሪቡና ማለት፡ ብዓብዩ ኣብ’ቲ ዓይኒ ማይን ኣብ’ቲ መኽዘን ናይ ጥበብን ፍልጠትን ኣቲና ማለት’ዩ። እዚ ተስፋ’ዚ ብነብያት ብብዝሒ ተገሊጹ ስለ ዝነበረ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ከይተረፈት፡ “ክርስቶስ ዚብልዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ ኣለኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ኪነግረና’ዩ።” ኢላ ትጽቢታ ነገረቶ (ዮሃ 4፡25)። ስለ’ዚ ኸም’ቶም ምድራውያን ነብያት ነቲ ምቃል ጥራሕ ዘይኰነ ንዅሉ ምእንቲ ኺነግረና፡ እግዚአብሔር ኣቦ በቲ ሓደ ወዱ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪዛረበና ፈቐደ።
2ይ ወዱ ምስ ዚዛረበና፡ ይትረፍ ንሓጢኣት፡ ዋላ ንህይወትናን ንዅሉ ምድራዊ ረብሓታትን ከይተረፈ ኽንንዕቅን ክንጽየፍን’ዩ ዜኽእለና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እግዚአብሔር ኣቦ ብወዱ ገይሩ ብዙሕ ዝተዛረቦ ሰብ ነበረ። ብዛዕባ’ቲ እግዚአብሔር ወልድ ዝተዛረቦን ዝገለጸሉን ምስጢራት ፍልጠትን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ከም’ቲ ኣቐዲመ ብሓጺሩ ጽሒፈልኩም ዝነበርኩ፡ እግዚአብሔር ነቲ ምስጢር ብራእይ ኣፍለጠኒ። ነቲ ዝጸሓፍክዎ ኣንቢብኩምዎ እንተ ዄንኩም፡ ነቲ ብዛዕባ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም።” ኤፌ 3፡3,4 ካ.ት
እዚ ኸም’ዚ ዝበለ ምግላጽ ዝረኸበ ሃዋርያ ግና፡ በቲ ዝተገልጸሉ ፍልጠት ሕጉስ’ኳ እንተ ነበረ፡ ዕጉብ ግን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ኻብ ናይ ካልኦት ዚበዝሕ ፍልጠት ደኣ ይሃልዎ’ምበር፡ እቲ ፍልጠቱ ገና ምቃል ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ንኻልእ ኵሉ ረብሓን ንገዛእ ህይወቱን ዜንዕቕ ማእለያ ዘይብሉን ብሉጽን ፍልጠት ገና ተሰዊርዎ ኸም ዘሎን ንእኡ ኸም ዚናፍቕን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ተኣሚኑ ኣሎ።
“ነዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ከም ክሳራ (ወጽዓ) ቘጸርክዎ። እወ! ምእንቲ’ቲ መዘና ዘይብሉ (ብሉጽ) ፍልጠት ናይ’ቲ ጐይታይ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢለ ንዅሉ ነገር ከም ክሳራ እቘጽሮ ኣለኹ። ምእንትኡ ኽብል ኵሉ እስእን ኣለኹ። እዚ ኸኣ..... ንክርስቶስ ንስልጣን (ሓይሊ) ትንሳኤኡን ክፈልጥ፡ ኣብ ስቓዩ ኽካፈል፡ ብሞቱ ኽመስሎ’ሞ፡ ኣብ ትንሳኤ ሙታን (ክካፈል) እንተ ኸኣልኩ ኢለ’የ።” ፊሊ 3፡7,8,10 ካ.ት
ነቲ መዘና ዘይብሉ ብሉጽ ፍልጠት ብኸም’ዚ ዝበለ ዓይኒ ንዚርእይ ሰብ’ዩ፡ ናይ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ዚዛረቦ። ብመንጽር’ዚ ፍልጠት’ዚ ንኻልእ ኵሉ ምድራዊ ረብሓታት ከም ጐሓፍን ከም ወጽዓን ኽትርእዮ እንተ ዄንካ ምእንትኡ ኽትብል ንዘሎካ ዅሉ ኽትስእን ድሉውን ፍቓደኛን እንተ ዄንካ፡ ብወዱ ኺዛረበካ ንእግዚአብሔር ኣቦ ሓጐሱ’ዩ።
ጐይታና ብዛዕባ ምግላጽ ፍልጠት ኣመልኪቱ ንኣቦ ዘመስገነሉን ንኣና ዘስተምሃረሉን ኣጋጣሚታት ኣብ ወንጌል ተገሊጹልና ኣሎ። ጐይታና ኼስተምህር ከሎ፡ ትርጕም ዜድልዮም ምስላታት የዘውትር ስለ ዝነበረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣዝዩ ገረሞም’ሞ፡ ኪሓትትዎ ናብኡ ቐረቡ። “ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም፧” ኢሎም ከኣ ሓተትዎ። ምፍላጥ ንዅሉ ኸም ዘይወሃብን ንመን ከም ዚግብኦን ብኸም’ዚ ዚስዕብ መለሰሎም።
“ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተዋሂቡኩም ኣሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን፡ ንዘለዎ ይወሃቦ’ዩ’ሞ፡ ኣዝዩ’ውን ይውሰኾ’ዩ። ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ’ኳ የግድፍዎ’ዮም። እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉን’ዮም፡ ስለ’ዚ ብምስላ እዛረቦም ኣለኹ።” ማቴ 13፡11-13
ምስማዕ ማለት፡ ድምጺ ቓላት ናብ እዝንኻ ኺኣትው ምፍቃድ ማለት ጥራሕ ኣይኰነን። ትርጕሙ ኸምኡ እንተ ዚኸውን፡ እቶም ድምጺ ጐይታ ናብ እዝኖም ዝኣተወ ዅሎም፡ ንምስጢራት መንግስተ ሰማያት ከም ከብዲ ኢዶም ምፈለጥዎ ነይሮም። እዞም ዚበዝሑ ግና፡ ነቲ መልእኽቲ፡ ሰጢሙ ብዝተዓጽወ ተሪር ልቢ ይሰምዑ ስለ ዝነበሩ፡ ኣዒንቶም ዝዓመቱ ረኣይቲ፡ ኣእዛኖም ዘጽመሙ ሰማዕቲ ዀይኖም ነበሩ (ማቴ 13፡14,15)። እዚ ኸኣ ንእግዚአብሔር ኣዝዩ ስለ ዜጕህዮ፡ ነቲ ዝመረጽዎ ናይ ዘይምስማዕ ምርጫ ከም ፍርዲ ኣብ ልዕሊኦም ኣጽደቖ (ኢሳ 6፡9,10)። ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ኸኣ ነቶም እዚ ዝምርጫኦም ሰባት፦
“ኣታ ልቢ ዘይብሉ፡ ዓይኒ ኸለዎ ዘይርእይ፡ እዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ።..... ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ዕዉራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ.....ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሓለኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ’ኳ ኣይሰማዕካን፡......ዓላዊት ቤት እዮም’ሞ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፡ (ግናኸ) ዘይርእዩ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም (ግናኸ) ዘይሰምዑ’ዮም።” ብምባል ገኒሕዎም ኣሎ (ኢሳ 42፡18,20 ፣ ኤር 5፡21 ፣ ህዝ 12፡2)። ጐይታና ብዛዕባ’ቶም ምስጢራቱ ዝተገለጸሎም ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ዘመስገኖ ምስጋናን ዝገለጾ ሓቅን፡ እግዚአብሔር ንመን ብወዱ ገይሩ ኸም ዚዛረቦ ዚገልጽ’ዩ።
“ዎ ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ (ነዚ ምስጢር’ዚ) ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንህጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ፡ አመስግነካ ኣለኹ፡ እወ ኣቦየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ከምኡ ስምረትካ ዀይኑ። ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ’ኳ ዚፈልጦ የብሉን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈትው (ሰብን)፡ ዚፈልጦ የልቦን።”
እቲ ንብልህታትን ኣስተውዓልትን ምስጢሩ ምሕባኡ፡ እቲ ብልህነቶምን ኣስተውዕሎኦምን ንኽፍኣት’ምበር ንጽድቂ ኣይነበረን ማለት’ዩ። ከም’ቲ ንነብዪ ዳንኤል፡ ራእይ ኪግለጸሉ ኸሎ፡ “ሓደ ጨካን ዝገጹን ተንኰል ዜስተውዕልን ንጉስ ኪትንስእ’ዩ” ዝተባህሎ፡ ናይ ሓጢኣትን ዓመጻን ጥራሕ’ምበር፡ ናይ ጽድቂ ነገር ኬስተውዕልን ኪቕበልን ዘይኰነሉ ሰብ ብዙሕ’ዩ (ዳን 8፡23)። ነብዪ ኤርምያስ፦
“ደድሕሪ ፍትወትኪ ንምጕያይሲ መገዲ ንምርካብ ክንደይ ኰታ ጮለ (ጨለ) ኢኺ!! ስለ’ዚ ድማ ብመገዲ ኽፍኣት መልመዲት ኢኺ።.... ህዝበይ ዓሻ’ዩ’ሞ ኣይፈልጠንን፡ ድንዙዛት ደቂ’ዮም’ሞ፡ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታት’ዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡን’ዮም።”
ዝበሎ’ውን ነዚ’ዩ ዜረጋግጸልና (ኤር 2፡33 ፣ 4፡22)። ስለ’ዚ ኸም ህጻን ኰይኑ ኪመሃር ድሉውን ክፉትን ልቢ ንዘለዎ ዅሉ፡ እግዚአብሔር፡ ነቲ ኻብ ብልህታት ናይ’ዛ ዓለም ዝሓብኦ ምስጢሩ ኸም ዚገልጸሉ ተነጊሩና ኣሎ። ቀደሙ’ውን ጐይታና ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፦
“እንተ ዘይተመለስኩም፡ ከም ቈልዓ’ውን እንተ ዘይኰንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እቲ ኸም’ዚ ቘልዓ’ዚ ርእሱ ዜትሕት ንሱ’ዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ።” ኸም ዝበሎም ኽንዝንግዕ ኣይግባእን (ማቴ 18፡3,4)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ህጻናት ኩኑ።” ኢሉና’ሎ (1ቈረ 14፡20)። እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፦
“እግዚአብሔር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከም’ቶም ሕጂ እተወልዱ ህጻናት (ኴንኩም) ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።”
ዝበሎ ቓል’ውን ኪዝንጋዕ ዘይግባእ’ዩ (1ጴጥ 2፡23)። እቲ ናብ ምድሓን ዜዕብየና ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ኸኣ እቲ ብወዱ ዝተዘርበ ቓል ቅዱስ ወንጌል’ዩ። ነቲ ኻብ ኣፍ ወዱ ዝወጸ ቓል ወንጌል እንብህግን እንጸምእን እንተ ዄንና እግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ብወዱ ኺዛረበና’ዩ። እቲ ወዱ ዝተዛረቦን ንሱ’ውን ዚሰምዕ ሰብ’ዩ ካብ’ዚ መፈንጠራ ዚበዝሖ ኽፉእ ዘመን ብዓወት ኣምሊጡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣትው። ንነብያትን ንመላእኽትን ምስማዕ ንዝኣበዩ ዝተዋህበ ፍርዲ ኸቢድን ኬምልጡሉ ዘይክእሉን’ዩ ዝነበረ። ወዲ ኣምላኽ ተዛሪብዎ ኼብቅዕ ንዘይሰምዕ ግን ዝተዓጻጸፈ ፍርዲ’ዩ ዚዀኖ። ነብዪ ሙሴ ዀነ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብሪሆም ኣርእዮምና’ዮም።
“እምበኣር ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፡ ከመይ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ካብ ፍርዲ ካብ ዘይመለቑ፡ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ምስማዕ ምስ እንኣቢ ኸመይ ኢልና ክንመልቝ ንኽእል፧” እብ 12፡25
“ሙሴ ድማ፡ "እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኻብ ኣሕዋትኩም ኬተንስኣልኩም’ዩ’ሞ፡ ንሱ ዚብለኩም ዘበለ ዅሉ ስምዑ። ኪኸውን ከኣ’ዩ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ’ያ፡" በለ። ኵላቶም ነብያት ድማ ካብ ሳሙኤል ሒዞም ክሳዕ እቶም ድሕሪኦም እተዛረቡ ዅላቶም፡ እዘን መዓልትታት እዚኣተን’ዮም ዘበሰሩ።” ግብ 3፡22-24
ብወዱ ተዛሪቡና ማለት፡ ክንዲ’ቲ ሓለፋ ዝዀነልና፡ ዝኸበደ ተሓታትነት’ውን ዜስዕበልና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ኪዛረበና ኸሎ፡ ብኣካል ተገሊጹ ወይ ድምጺ ገይሩ ኸይዛረበና ይኽእል’ዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡
“እቲ እትደልይዎ መረድኢ፡ ማለት ክርስቶስ ኣባይ ሓዲሩ ኸም ዚዛረብ ክትፈልጡ ኢኹም።” ከም ዝበለ፡ በቶም ኣገልገልትና ገይሩ ዚዛረበና ንሱ ምዃኑ ኽንፈልጥ ይግብኣና (2ቈረ 13፡3 ካ.ት)።
“እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ’ዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ’ሞ፡ በደሎም ኣይሕዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ። ስለ’ዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና’ሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። "ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡" እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣለና።” 2ቈረ 5፡18-21
እምበኣር በቶም ኣብ ክንዳኡ (ኣምባሳደራቱ) ዝገበሮም ገይሩ ኺዛረበና ኸሎ፡ ነቲ ዘረባኡ ምስማዕን ምእዛዝን ከይንኣብይ ክንጥንቀቕ ይግባእ። እግዚአብሔር ኣቦ ብወዱ ገይሩ ዚዛረበና ኣብ መንግስቱ ዚኣትዉ ብሉጻት ኪገብረና ንምድሓን ኬዕብየናን ስለ ዚደልይ’ዩ። ነቲ ዚዛረበና ዘሎ ወዱ ምስማዕ ምእባይ ማለት ከኣ፡ ስቓይ ገሃነም ምምራጽ ማለት’ዩ። ኣቦ’ውን “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ’ዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ።” ኢሉና’ዩ’ሞ፡ ብምሉእ ፍቓድና ፈቲና ንስምዓዮን ንተኣዘዞን (ማቴ 17፡5)። ከመይ’ሲ፡
“ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብ’ተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ።” ተባሂሉልና’ዩ (ዮሃ 10፡26,27)። እቲ ሕጂ ንምድሓንና ኢሉ ዚዛረበና ወዱ፡ ኣብ መወዳእታ ንፍርድና ዚዛረብ’ውን ንሱ’ዩ። ነቶም ዚሰምዕዎ ዀነ ዘይሰምዕዎ እንታይ ከም ዚፈርድ ከኣ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ’ዩ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ ታሕሳስ ፲, ፳፻፲፬ ግዕዝ (19 ታሕሳስ 2021 ፈረ). መበል 15 ሰንበት: ቊ.22/፳፪ |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
እብ 1፡1-ፍጻመ | 2ጴጥ 1፡19-ፍጻመ | ግብ 3፡19-ፍጻመ | ዮሃ 1፡38-ፍጻመ | ወልደ ነጐድጓድ |
መዝ.፻፵፫(፻፵፬)፡፯,፰ “ፈኑ እዴከ እምአርያም። አድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ። ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር።” “ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ። ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ