ኣነ መንእሰይ ኢየ፡ ካብ ሃገረይ ዝወጻእኩ፡
ናብ ስደት ኣምሪሐ፡ ከርፋሕ ናብራ ምስ ጸላእኩ፡
ቅድስቲ፡ ድንግል ማርያም ኣደይ፡ ተለመንኒ:
ብጸሎትኪ፡ ናብታ ዝናፍቓ ሃገረይ፡ በጃኺ ምለስኒ፡
ምቅርቲ ቤትና፡ ጠርናፊት ናይ ምሉእ ስድራና፡
ብሕልመይ ትራኣየኒ፡ ቀያሕ ማዕጾ ናይ ገዛና፡
ጥዑም ግዜ ነይሩ፡ ኣሕዋት ብሓባር ክንጻወት፡
ኣይርከብን ኣብ ስደት፡ እቲ ናይ ገዛና ሰናይ ሂወት፡
ይዝከረኒ፡ ንቤተ ክርስቲያን ክንከይድ ኣንጊህና፡
በዓላት ልደት ምስ ትንሳኤ፡ ከነብዕል ኩላትና፡
ይዝከረኒ ሸዊት ክንበልዕ፡ ካብቲ ገደና ግራውቲ፡
ጥሪትና ከነባልዕ፡ ኣብቲ ልሙዕ ናይ ዓድና ሕዛእቲ፡
ይዝከረኒ፡ ሓዲሽ ዓመት ኮይኑ ሆያሆየ ክንውልዕ፡
ከምኡ'ውን ጥሪ መጸ፡ ኣብ ፈቖዶ ጓይላ ክንስዕስዕ፡
ይዝከረኒ፡ ኩላትና ስድራ፡ ኣብ ሕርሻ ከነገልግል፡
ገሌና ንጉሆ ተሲእና ንወፍር ክንጽሂ ክንጉልጉል፡
ይዝከረኒ ሸሓኒ ፉል ምስ ማዓመር ሻሂ ጠሊብና ክንቆርስ፡
ገሌና ከኣ ክረምቲ ኮይኑ ኣቡዑር ጸሚድና ክንሓርስ፡
ይዝከረኒ ሉስትሮ ጸዊዕና ዘለና ሳእንታትና ክውልውሉ፡
ገሌና ግን ኣጣልና ኣባጊዕና ከብትና ኣእዱግና ክንሕሉ፡
ይዝከረኒ ካራሜላ ማስቲካ ሓለዋት ብሽኮቲ ከነቃላውጥ፡
ገሌና ኣብ እንዳ ሻሂ ጸኒሕና ናብ እንዳ ስዋ ክንልውጥ፡
ይዝከረኒ ገሌና ናብ ቤት ትምህርቲ ክንከይድ፡
ገሌና ቀውዒ ኮይኑ፡ እኽሊ ዓጺድና፡ ኣብ ዓውዲ ከነኽይድ፡
ይዝከረኒ፡ ኣብ ደምበ ገዛና፡ ክንጸርግ ናይ ከብትና ዒባ፡
ገሌና ዝስተ ማይ፡ ብጅርባ ከነምጽእ ካብቲ ሩባ፡
ይዝከረኒ፡ ኣዴታትና ከብልዓና፡ እንጀራ ምስ ጸብሒ ዱባ፡
ላምና ተሓሊባ፡ ክንሰቲ ዝፈልሐ ጓጉድ ጸባ፡
ይዝከረኒ፡ ሻኵ-ቃርሳ ክንጻወት ኣብቲ ለምለም ሸኻ:
ገሌና ኵቦ-ዕንጨይቲ፡ ክንኣሪ ካብቲ ጎቦ በረኻ፡
ይዝከረኒ፡ ኣደራራስ ክንጻወት ኣብ እንዳ መርዓውቲ፡
ገሌና ሓንዳይ-ገበጣ፡ ክንጻወት ምስ ደቂ ገዛውቲ፡
መሓዙተይ ኣበይ ኣለዉ፡ ምሳይ ዝዓበዩ፡
ስግረ-ዶብ ዝወሰዶም፡ ኣብ ስደት ክበልዩ፡
ፋሕ ኢልና ተበታቲና ከም ደቂ ተመን:
ንዝርኢ ዘሕዝን ንዝሰምዕ ዘይእመን:
ኣብ ስደት ካብምንባር፡ ጸጊብካ ተኸዲንካ፡
ኣብታ ዓድኻ ይሐይሽ: ጠሚኻ ዓሪቕካ፡
መዓስ ኮን ይኸውን፡ ናብታ ዓደይ ዝምለስ፡
ብርሃነ ሰላም ኮይኑ ሂወተይ ክትሕደስ፡
መንእሰይ ኩሉ ናብ ሃገሩ ክኣቱ፡
ሰላም ኮይኑ ክነብር ኣብ መረበቱ፡
ተመስገን ፈጣሪ ምስጋና ንዓኻ፡
ኩሉ ዝከኣሎ ንስኻ እንዲኻ
ንምህለል ንሰግድ ኣሎና፡ ጸገምና ክእለ፡
ኣብ መላእ ህዝብና፡ ንሱ'ዩ እቲ ኣዝዩ ዝድለ:
ዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን
ጥሪ 2026
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ