S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንታይ ንግበር፧! ቊ.1 (13 መስከረም 2026 ፈ | መስከረም 3, 2019 ግዕዝ)

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና። እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ቐዳማይ ሰንበት ናይ’ዚ ሓድሽ ዓመተ ግእዝን መበል 11 ሰንበት ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘመነ ክረምትን’ዩ። እዚ ብምሕረቱን ብመጋቢነቱን ንዅሉ ፍጥረት ሰብን እንስሳን ዜናብር ሕያዋይ ኣምላኽ፡ በቲ ሰናይን ልኡላውን ፍቓዱን ብዅሉ ኸኣልነቱን ነዛ ዝሓለፈት ናይ ዘመነ ማርቆስ ዓመት ብህይወት ሰጊርና፡ ነዛ ሓዳስ ናይ ዘመነ ሉቃስ ዓመት ክንርእያ ስለ ዘብቅዓና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን። ነታ ዝሓለፈት ዓመት ኪዘልቅዋን ኪሰግርዋን ዘይተዓደሉ ሰባት፡ ምቝጻሮም ክሳዕ ዚኸብድ እምብዛ ብዙሓት’ዮም። ነታ ዓመትና ዀነ ንህይወትና ብሳህሉ (ብምሕረቱ) ኸሊሉ ሳላ ዘስገረና ግን፡ ገና ብህይወት ኣለና።

ብዛዕባ’ዚ ሕያውነቱ’ዚ ኸመይ ዝበለ ሓቀኛን ልባውን ምስጋና ኸም ዘቕረብና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ንፈልጥ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እቲ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር፡ ብምስጋናና’ውን ዚኸብር ኣምላኽ ይፈልጦ’ዩ። "ንኣምላኽ ዝፈልጥ፡ ብክርስቶስ ዝኣምን ክርስትያን’የ" እናበልና፡ ዕዳ ምስጋና ኣብ ዝባንና ተሰኪምና ዕድመና ንጽንቅቕ ከይንህልው ኽንጥንቀቕ ይግብኣና’ዩ። ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ ከም ዝተሳገርና ምፍላጥና፡ ነቲ ዝተዋህበና ዓመታት "ሓደን ክልተን" እናበልና ምቝጻርና ጥራሕ፡ ምስ ቍም-ነገር ኪቝጸረልና ኣይክእልን’ዩ።

ቅዱስ ዳዊት፦"ዎ እግዚኣብሄር፡ ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፡ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ።" ኸም ዝበለ፡ ነብዪ ሙሴ’ውን፡ "ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሃረና።" ኢሉ ኸም ዝጸለየ፡ ንኣና’ውን እዚ ምስትውዓል’ዚ ኣዝዩ የድልየና’ዩ (መዝ 39፡4 ፣ 90፡12)። ነቲ እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ዝለገሰልና ዓመታት፡ መወዳእታና እናሓሰብና ብጥበበኛ ልቢ ነመሓድሮ፡ ጽድቂ ንፈርየሉ፡ ንኣምላኽ ነኽብረሉ ኸም ዘለና ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣሎና። እታ ’ንነብረላ ዘለና ህይወትን ’ንነብረሉ ዘለና ጊዜን ናይ ኣምላኽ’ምበር ናትና ኣይኰነን። ብሕድሪ ዝተዋህበና ናይ ኣምላኽ መክሊት (ገንዘብ)’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ኣብ’ታ ዘይትተርፍ መዓልቲ ፍርዲ፡ ጸብጻብ ክንህበሉን ክንሕተተሉን ኢና። እምበኣር ነቲ ጸሓይ ብዝበረቐት መጠን ’ትውሃበና ነፍሲ ወከፍ ሓዳስ መዓልቲ ዀነ ነቲ ወቕትታት ብዝሓለፈ መጠን ዚውሃበና ሓድሽ ዓመት፡ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ሓጐስን ዕረፍትን ከም ’ንረኽበሉ ጌርና ንነብሮ ምህላውና ነረጋግጽ። 

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ መስከረም 1 ኽሳዕ መስከረም 7 ዘሎ ቕንያት "ዘመነ ዮሃንስ" ይብሃል። እዚ ብስም ቅዱስ ዮሃንስ ተሰምዩ ዘሎ ዕለትን ንኡስ ዘመንን’ዚ፡ ንቕዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ንምዝካርን ብዛዕባኡ ንኽንምሃርን ከነስተንትንን፡ ኣርኣያኡ ንኽንስዕብን ዝተሰርዓልና’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መወዳእታ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ናይ መጀመርታ፡ መላግቦ ኽልተ ኺዳናት ዝዀነ ቕዱስ ነብዪ’ዩ። ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ቕዱሳን ነብያት ቅድሚ ኣማእት ዓመታት ዝተነበዩሉ፡ ብዛዕባ ልደቱን ኣገልግሎቱን መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል’ውን ዝተዛረበሉ፡ ዓብዪ ናይ ኣምላኽ ሰብ’ዩ (ኢሳ 40፡3-5 ፣ ሚል 3፡1 ፣ 4፡5,6 ፣ ሉቃ 1፡11-20)። ንሱ ናይ ኣምላኽ ኣዋጅ ኪነግር፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መገዲ ኺጸርግ ዝተላእከ፡ ብመንፈስ ቅዱስ፡ "ነብዪ ናይ’ቲ ልዑል" ዝተሰምየ ቕዱስ ሰብ’ዩ (ሉቃ 1፡76,77)። በቲ ነብዪ ኤልያስ ዘገልገለሉ መንፈስን ሓይልን ዘገልገለ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኤልያስ’ዩ (ሉቃ 1፡17 ፣ ማቴ 11፡ 13-15 ፣ 17፡11-13)። ኣብ’ቲ ህዝቢ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ርሒቑሉ ዝነበረ ኽፉእ ዘመን፡ ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ፡ ህዝቢ ናብ’ቲ ንሱ ዘለዎ ኣጻምእ በረኻ እናወሓዘ ይሰምዕን ይንሳሕን ይጥመቕን ነበረ (ማቴ 3፡5,6)። በቲ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ድማ፡ ነቲ ህዝቢ ሕድገት ሓጢኣት ኪረክብ ዜብቅዖ ፍልጠት ምድሓን የስንቖ ነበረ (ሉቃ 1፡76፡77)። ጐይታና ኺጥመቕ ናብኡ ኺመጽእ ምስ ረኣዮ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ ብመለኮት ቅድሚኡ ዝነበረ ብስጋ ግና ድሕሪኡ ዝመጸ ስግው-መለኮት፡ ካብኡ ዚዓብይን ዚብርትዕን፡ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ መድሓንን ፈራድን ምዃኑ ብዓውታ መስከረሉ (ዮሃ 1፡26-34 ፣ ማቴ 3፡10-12)። ነቲ ፍጹም ኣምላኽ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኢዱ ስለ ዘጥመቖ ድማ፡ ብኣገላልጻ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ "መጥምቀ መለኮት" ተባህለ (ማቴ 3፡13-17)። ኵሉ ኣገልግሎቱ፡ ንርእሱ ኣንኢሱ ንክርስቶስ ንምዕባይ ዝተወፈየ ነበረ (ዮሃ 3፡29,30)። በቲ ዚህቦ ዝነበረ ትብዓት ዝመልኦ ኣገልግሎት ንንጉስ ሄሮድስ ስለ ዝገሰጸ ድማ፡ ንማእሰርትን ንሰማእትነትን ዝበቕዐ፡ ቅዱስ ነብዪ’ዩ (ሉቃ 3፡19,20 ፣ ማቴ 14፡1-12)።

ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር ሰንበት፡ "ዮሐንስ አኅድኣ" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ኣብ ማቴ 3፡13-17 ፣ ዮሃ 1፡29-34 መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ’ዩ። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ ናይ ዮሃ 1፡19-37 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ካብ ፈሪሳውያን ዝተላእከ ንቕዱስ ዮሃንስ ዝቐረበሉ ፈታኒ ሕቶታት ብምግላጽ ዚጅምር’ዩ። ነዚ ሕቶታት’ዚ ምስ’ቲ ኣብ ሉቃ 3፡7-14 ተጠቒሱ ዘሎ ቕኑዕን ሃናጽን ሕቶታት ኣዛሚድና ኽንምሃረሉ ኢና። 

ነዚ ንቕዱስ ዮሃንስ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ቀሪቡሉ ዘሎ በብዓይነቱ ሕቶታት፡ ንምንታይ’ዩ ብልዑል ተገድሶ ኽንርእዮን ክንምሃረሉን ዜድልየና፧ እዚ ሕቶታት’ዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ምህላዉ ጥራሕ፡ ናይ ኣገዳስነቱ ዓብይ መርትዖ’ዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ዘይጠቕመናን ዘይንምሃረሉን ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየስፈረን። ሕቶታት ድማ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ርድኢትን ኣተሓሳስባን’ዩ ዜንጸባርቕ። እቲ ኣብ ውሽጥና ዚልዓለና ዓይነት ሕቶታት፡ ንሰባት ንሕተቶ ኣይንሕተቶ ብዘየገድስ፡ እንታይ ዓይነት ልቢ ኸም ዘሎና ዜመልክት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሕቶታትና መግለጺ መንነትና’ዮም። ነዚ ሓቂ’ዚ ዝዀነ ዓይነት ትንተናን መግለጽን ከይተወሰኾ፡ ካብ መሪሕ ጥቕስና ጥራሕ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ጽቡቕ ጌርና ኣቕሊብናሉን ኣስተውዒልናዮን እንተ’ሊና፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት፡ ኣብ ክልተ ምድባት ኪኽፈሉ ዚኽእሉ’ዮም። ኣብ’ቲ ቐዳማይ ምድብ ዚርከቡ መራሕትን ኣገልገልትን ናይ ሃይማኖት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ኣብ’ቲ ኻልኣይ ምድብ ድማ ሰብ ሞያ ዚርከብዎም ተራ (ሓፋሽ) ህዝቢ’ዮም። ከም’ቲ ብሃይማኖታዊ ኣቃውማኦም፡ ብዓይነት ናይ ሕቶኦም’ውን ኣብ ክልተ’ዮም ዚኽፈሉ። ናይ’ቲ ሃይማኖታዊ ጒጅለ ሕቶታት፡ ናብ ርእሶም ምድሃብ ገዲፉ፡ ናብ’ቲ ዚዛረብ ዘሎ ኣካል ዘትኰረ ነግራም ሕቶታት’ዩ። ናይ’ቲ ተራ ህዝቢ ሕቶታት ግን፡ ብመሰረቱ ናብ ገዛእ ርእሶም ዘድሃበ፡ ናብ ለውጢ ዝዓለመ፡ ቅንዕናን ንጽህናን ዝመለለዪኡ ግብራዊ ሕቶታት’ዩ። እዚ ግሁድን ዘይተዓረቕን ፍልልያት’ዚ፡ ካብ’ቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶምን ብዛዕባ’ቲ መምህሮምን ዝነበሮም ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ዝበቘለ’ዩ። እቶም ንርእሶም ከም ናይ ኣምላኽ ሰባት ዚቘጽሩ ፈሪሳውያን፡ ንሳቶም ከም መወዳድርቲ ዘይርከቦም፡ መተካእታ ዘየድልዮም ፍጹማት ሰባት፡ ካብኣቶም ወገን ንዘይኰነ ሓድሽ መምህር ግን ከም ዘይእመን ስሑትን ዜስሕትን ገይሮም ዚርእዩ፡ ዚጻብኡ፡ ክሳዕ ንምጥፍኡ ዚህንደዱ፡ "ውሉድ ኣትማን" ዚስመዩ ሓደገኛታት ሰባት’ዮም። እቲ ሓደ ጒጅለ ግን ሓጢኣተኛታት ምዃኖም ብዚእመኑ፡ ካብ’ቲ ድኻሞምን ሓጢኣቶምን ኬናግፎም ንዚኽእል ኵሉ ብገርህነትን ብቕንዕናን ብዚሰምዑን ዚቕበሉን ሰባት ዝቘመ’ዩ። እዚ ንቕዱስ ዮሃንስ ዝቐረበሉ ሕቶታት፡ ንመንነትን ኣተሓሳስባን ናይ’ቶም ሓተትቲ ብስእላዊ መገዲ ዜርእይ ምዃኑ’ምበኣር ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚ ንሕና’ውን፡ ዋላ ንሕቶታትና ኣፍና ኸፊትና ኣይንዛረበሉ፡ እቲ ኣብ ልብና ዚልዓለና ሕቶታት ብዛዕባ መንፈሳዊ ጥዕናና ዜመልክት ስለ ዝዀነ፡ ገዛእ ርእስና ንኽንምርምርን ንኽንርዳእን ከም ዚሕግዘና ኸነስተውዕል ይግባእ’ዩ።

እቶም ብዘይ ቅንዕና ዚሕተቱ ሕቶታት፡ ብባህርዮም ውዲታውያንን ኣፈንጠርትን’ዮም። እዚ ሓቂ’ዚ ኸኣ፡ ካብ ቀደም፡ ቀዳሞት ወለድና ኣብ ገነት ኤድን ከለዉ ኣትሒዙ ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ። ድያብሎስ ንኣዳምን ሄዋንን ኬውድቕ ምስ ተላዕለ፡ "ኣምላኽሲ ‘‘ኻብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’’ ኢሉዶ ኣዚዙ’ዩ፧" ብ’ትብል ሕቶ’ዩ ዝጀመረ (ዘፍ 3፡1)። እዞም ብባህርዮም ደቂ ድያብሎስ፡ ውሉድ ናይ’ቲ መንደላይ ተመን ዝዀኑ ሰባት ድማ፡ "ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ" ዀይንዎም፡ ኪጻረርዎ ንዝተላዕልዎ ዅሉ ሰብ ብእልፊ ሕቶ ዜጨንቑ ሰባት ነበሩ (ዮሃ 8፡33-44 ፣ ማቴ 12፡34 ፣ 23፡30-33)። ንጐይታና’ውን ኣብ ኵለን’ተን ዘገልገለለን ዓመታት እልቢ ዘይብሉ ሕቶታት እናደርበዩ ይፈታተንዎ ነበሩ (ማቴ 12፡2,10,38 ፣ 15፡2 ፣ 16፡1 ፣ 19፡3 ፣ 21፡16,23 ፣ 22፡15-17,23-28,34 ፣ 26፡62,63 ፣ ሉቃ 10፡25,29 ፣ ዮሃ 6፡28-30,42,52 ፣ 7፡15,20 ፣ 8፡19,33,53 ፣ 10፡24 ፣ 12፡34 ፣ 18፡19)። ናይ’ዚ ዅሉ ሰንካም ሕቶታቶም ዕላማ ድማ፡ ኣብ’ቲ መልሱ ገለ ኣበር ኪረኽቡሉ’ሞ፡ ብእኣ ኣመኽንዮም ካብ ገጽ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍእዎ’ዩ። ንእኡ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንደቀ መዛሙርቱ’ውን ብሕቶታቶም ብዙሕ ተፈታቲኖምዎም’ዮም (ማቴ 9፡11 ፣ 17፡24 ፣ ግብ 4፡9 ፣ 5፡27,28 ፣ 6፡9,10 ፣ 13፡45 ፣ 23፡15)። ብቕንዕና ደኣ’ዩ’ምበር፡ ጐይታና ብደቀ መዛሙርቱ ዀነ ብኻልኦት ሰማዕቱ ብዙሕ ሕቶ ተሓቲቱ’ዩ ( ማቴ 9፡14 ፣ 15፡12 ፣ 17፡10,19 ፣ 18፡21 ፣ 19፡16,20,25,27 ፣ 24፡3 ፣ 26፡17,22 ፣ ሉቃ 13፡23 ፣ 17፡37 ፣ ዮሃ 3፡4,9 ፣ 4፡9,12 ፣ 6፡25 ፣ 9፡2 ፣ 13፡25 ፣ 14፡5,22)፡ ስለ’ዚ ብቕንዕና ዚሕተቱ ሕቶታት፡ መገድኻ ዚጸርጉን ዜቕንዑን ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቶም ብሰይጣናዊ ድርኺት ዚልዓሉ፡ ንሰብ ክትጻረርን ናብ ወጽመድ ከተእትውን ኢልካ ዚሕተቱ ሕቶታት ድማ፡ መገዲ ጥፍኣት ዚጸርጉ፡ ነቲ ናብ ገሃነም ዜእትወካ ጐደና ዜግፍሑ ኣጋንንታውያን ኣጽዋር’ዮም።

"እንታይ ንግበር፧" ዚብል ሕቶ ብኸመይን ብመንን’ዩ ዚልዓል፧ ንምንታይ’ዩኸ ከም ጠቓምን ሃናጽን ሕቶ ዚውሰድ፧ ካብ’ዚ መሪሕ ጥቕስናን ካብ ካልእ ክፍልታት ቅዱስ ወንጌልን ከም ’ንግንዘቦ፡ ግብራውያን ሕቶታት፡ ነቲ ዝሰምዖ ዘሎ ትምህርትን ስብከትን ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ብኽብሪ ኻብ ዝተቐበሎን ልቡ ኻብ ዝተረትዐን ለውጢ ኺገብር ከም ዚግብኦ ኻብ ዝኣመነሉ ሰብን ዚልዓል’ዩ። እዚ ’ንምሃረሉ ዘለና ኽፍሊ ወንጌልን መሪሕ ጥቕስን ነዚ ሓቂ’ዚ ብግብሪ ኣረጋጊጾምልና’ዮም። መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ነቲ ዚውለድ ህጻን ኣመልኪቱ፦ 

"(ዮሃንስ) ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪመልሶም’ዩ፡ . . . ንዘይእዙዛት ናብ ጥበብ ጻድቃን (ናብ ምእዛዝ) ኪመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ’ዩ።" 

ዝበሎ ቓል ይትግበር ከም ዘሎ ዜመልክተና ቓል’ዩ (ሉቃ 1፡16,17)። ሓደ ግብሩን መገዱን ኣበላሽዩ ዝጸንሐ ሰብ፡ ናብ’ቲ ጥበብ ጻድቃን ዝዀነ ተኣዝዞ ኺምለስ ዚኽእል፡ "እንታይ ግብሩ’የ ኽገብር ዝጸናሕኩ፧" ኢሉ ብግብሩ ብምጥዓስን፡ "ሕጂኸ እንታይ ክገብር’ዩ ዚግብኣኒ፧" ኢሉ ምስ ዚሓትትን’ዩ። ኣብ ግጉይ መገዲ ኸም ዝጸንሐ፡ እቲ ዝሰምዖ ቓል ምስ ረትዖ፡ ናይ ግብሪ ናይ ህይወት ለውጢ ኺገብር ይድረኽ። እቲ ዝተነግረ ቓል፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተደረኸ ሓቀኛ ቓል ኣምላኽ ምስ ዚኸውን፡ ኣብ ልቢ ሰማዕቱ ብርቱዕ ስራሕ’ዩ ዚዓይይ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፦

"ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩምዎ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ፡ ከም’ቲ ኣባኻትኩም ኣብ’ቶም ኣመንቲ ዚዓይዮ ዘሎ፡ ከም’ቲ (ዀይንዎ ዘሎ) ከም ቃል ኣምላኽ’ምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየቋረጽና ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣለና።"

ብምባል ነዚ ሓቂ’ዚ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ተሰ 2፡13 ካ.ት)። ነቲ ዚስበኸልና ዘሎ ቓል፡ ናይ ብሓቂ ኸም ቃል ኣምላኽ እንተ ተቐቢልናዮን እንተ ኣሚንናዮን፡ ሽዑ’ቲ ቓል ኣብ ውሽጥና ኺዓይይ ይጅምር። ብዛዕባ ሓጢኣትና ይረትዓናን ክንጽየፎ ይገብረናን። እዚ ድማ ናብ ዘየጣዕስ ሓቀኛን ግብራውን ንስሓ ይድርኸና። ስለ’ዚ ኣብ ህይወትና ርኡይን ኣሉ ዘይብሃሎን ለውጢ ይኽሰት። ቅድሚ ሕጂ ንዝተዋህበና ትእዛዝ ንዘይምግባር "ከመይ ገይረ ኸም’ዚ ኽገብር፡ ኣይክእልን’የ፡ ነዚ ዜግብር ዓቕሚ የብለይን" ንብል ዝነበርና፡ እቲ ልቢ ምስ ተረትዐን ምስ ተለወጠን ግና፡ ክንገብሮ ዚግብኣና ንምግባር ተወሳኺ ትእዛዝን መምርሕን ንምቕባል ድሉዋት ንኸውን። እዚ ፍሉይን ብቑዕን መንፈሳዊ ድሉውነት’ዚ ኸኣ’ዩ ነቲ "እንታይ ንግበር" ዚብል ሃናጺ ሕቶ ዚወልዶ። ነዚ መንፈሳዊ ድሉውነት’ዚ እንተ ዘይበጺሕናዮ ግን፡ ንቓላት ናይ’ቲ ዚዛረብ ዘሎ ሰባኽ ወንጌል ከም ቓል ኣምላኽ ከም ዘይተቐበልናዮን ከም ዘይኣመንናዮን ብግብራዊ መገዲ ንገልጾ ኣለና። ስለ’ዚ ኸኣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቅድሜና ዀይኑ ዚዛረብ ዘሎ ሰብ’ምበር፡ ብዛዕባ ርእስና ዝዀነ ዓይነት ሕቶ ኣይልዓለናን’ዩ። ካብኡ ዝተላዕለ ኸኣ ንኣምላኽ ኰነ ንቤተ ክርስትያን ብኣካል ቀረባ፡ ብልብን ብመንፈስን ግን እምብዛ ርሑቓት ኴንና ንነብር። ኣብ ቤተ ክርስትያን እናሃለና፡ ምሉእ ዕድመና ባርያ ሓጢኣት ኴንና ንነብር ማለት’ዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ (በዓል ሓምሳ)፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ነቲ በዓል ኬኽብሩ ንዝተኣከቡ በሽሓት ዚቝጸሩ ኣይሁድ ይሰብኽ ነበረ። ስብከቱ ወዲኡ ስቕ ምስ በለ ግን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ብብዝሒ ኸም ዝቐረበሉ፡ ወንጌላዊ ሉቃስ፦

"ሽዑ፡ ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግአ’ሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን ‘ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፧’ በልዎም።"

ብምባል ተሪኹልና ኣሎ (ግብ 2፡37)። ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ኪንስሑ’ሞ ተጠሚቖም መንፈስ ቅዱስ ኪቕበሉ፡ ካብ’ቲ ቔናን ወለዶኦም ርእሶም ኬድሕኑ ነገርዎም (ግብ 2፡38-40)። ነቲ ብድሕሪኡ ዝተረኽበ ውጽኢት ድማ ወንጌላዊ ሉቃስ፦ 

"እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም ዝተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ’ቲኣ ኣስታት 3000 ነፍሳት ናብ’ታ (ቤተ ክርስትያን) ተወሰኻ። ንሳቶም ከኣ ብትምህርቲ ሃዋርያትን ሓቢሮም ብምንባርን ብምቝራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።"

ብምባል መስኪሩልና ኣሎ (ግብ 2፡41,42 ቀ.ት + ካ.ት)። ናይ’ቶም ቃል ኣምላኽ ኣብ ልቦም እቲ ዚግብኦ ስፍራን ክብርን ዝረኸበ ሰባት ግብረ መልሲ፡ ዅሉ ጊዜ ሓደ ዓይነትን ተመሳሳልን’ዩ። እቲ መምህሮም ዚገብርዎ ኽሳዕ ዚነግሮም ኪጽበዩ ኣይኰነሎምን’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ዜስተምህር ጽቡቕ መንፈስን እቲ ዚምህርን ዜንጽህን ቅዱስ ቃልን ኣብ ልቦም ሓዲሩ ስለ ዘሎ፡ ንሓጢኣቶም ኣርሒቖም ብግብሪ ጽድቂ ኺትክእዎ ድሕር ኣይብሉን’ዮም (ዮሃ 6፡63፣ 15፡3)። ኣብኣቶም ልክዕ ከም’ቲ ቕዱስ ዳዊት፦ "ዎ እግዚኣብሄር፡ መገዲ ስርዓታትካ ምሃረኒ፡ ክሳዕ መወዳእታ’ውን ክሕልዎ’የ። ምስትውዓል ሃበኒ’ሞ፡ ንሕግኻ ኽሕልዎ፡ ብምሉእ ልበይ’ውን ክገብሮ’የ። . . . ጐይታየ፡ ‘ምሕላው ቃልካ ግደይ’ዩ’ በልኩ። ንመገደይ ሓሰብኩ (መርመርኩ)፡ ነእጋረይ’ውን ናብ (ቓላትካ) መለስኩ። ትእዛዛትካ ንምሕላው ቀልጠፍኩ’ምበር፡ ኣይደንጔኹን።" 

ዝበሎ’ዩ ዚኸውን (መዝ 119፡33,34,57.59,60)። ተኣዝዞ፡ መለለዪ ናይ ህይወቶም’ዩ።

ካልእ ዝዓበየ ኣርኣያና ድማ ቅዱስ ጳውሎስ’ዩ። ገና "ሳውል" እናተሰምየ ኸሎ፡ ሕሱም ናይ ቤተ ክርስትያን ኣሳዳዲ’ዩ ዝነበረ (ግብ 9፡2 ፣ 22፡3-5,19,20 ፣ 26፡9-12 ፣ 1ቈረ 15፡9 ፣ ገላ 1፡13,14 ፣ 1ጢሞ 1፡13-16)። እቲ ልብን ዅላሊትን ዚምርምር ኣምላኽ ግና፡ ብቕንኣት ኣይሁድነት ዘይኰነ ብቕንኣት ኣምላኽ ይገብሮ ኸም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ፡ ካብ’ቲ ግጉይ መገዱ ብጸዳል ብርሃኑ ዓጊቱ "ንምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧" ኢሉ፡ ባዕሉ ኢየሱስ ምዃኑ ምስ ኣፍለጦ፡ "ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደልይ ኣለኻ፧ ኢሉ ነታ ዓዲ እተእትው ቅንዕትን እተዐውትን ሕቶ ሓተተ (ግብ 9፡3-6)። ድሕሪ’ዛ ሕቶ’ዚኣ ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ ዀነ ኣብ ኵሉ ኣገልግሎቱ፡ መግለጽን መዳርግትን ዘይርከቦ ዕዉት ሃዋርያ ዀነ (1ቈረ 15፡10 ፣ 2ቈረ 11፡5,6,23-30 ፣ 12፡11)። ነዛ ሕቶ’ዚኣ ስለ ዝሓተትና ጥራሕ ኣብ ህይወትና ፍሉይ ተኣምራዊ ለውጢ ይኽሰት’ዩ ማለት ኣይኰነን። ንቓል ኣምላኽ ክንእዘዝ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ከነገልግል፡ ኣብ ባህርይናን ኣብ ኵሉ ኣካይዳናን ርኡይ ናይ መኣዝን ለውጢ ኽንገብር፡ ፍቓደኛ ሕልና ዝተዳለወ ልቢ ኣጥሪና ኸም ዘለና ዜመልክት ምዃኑ ግን፡ ኻብ’ዚ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ኣብነታት ክንድምድም ንኽእል ኢና።

እዚ "እንታይ ክገብር፧" ዚብል ወርቃዊ ሕቶ’ዚ፡ መዓስን ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታትን እንተ’ልዓልናዮ’ዩ ዚጠቕመና፧ ይሕመቕ ይጸብቕ፡ ብህይወት ክሳዕ ዘለና ኻብ ምግባር ኣይነዕርፍን ኢና። ምግባር ዜቋርጽ፡ ህይወት እንተ’ቋሪጻ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ምንባርን ምግባርን ክሳዕ ዘየቋረጽና፡ ነዛ "እንታይ ክገብር፧" ’ትብል ሕቶ’ውን ብህይወት ክሳዕ ዘለና ምሉእ ዕድመና ኸነቋርጻ ኣይግብኣናን’ዩ። ነቲ ዕለታዊ ናይ ህይወት ተመክሮታትና ምልስ ኢልና እንተ ረኣናዮን እንተ መርመርናዮ ግን፡ ነዛ ሕቶ’ዚኣ ዳርጋ ኣይንጥቀመላን ኢና። ብፍላይ’ዚ ምስ ጽድቅን ሓጢኣትን ዝተዛመደ ናይ መንፈሳዊ ህይወት ጒዳያት፡ ዚበዝሕ ጊዜ፡ አረ ዅሉ ጊዜ’ውን ኪብሃል ዚኽእል’ዩ፡ ብሃውሪ፡ ብደመ-ነፍሲ፡ ብስምዒት ኢና ንገብሮ። ዚበዝሕ ጊዜ ናይ ዋኒን (ቢዝነስ) ጒዳያት፡ ሳሕቲ ኸኣ ንዝምድናዊ ጒዳያት፡ ብዓይኒ መንፈስ ዘይኰነስ፡ ብዓይኒ ስጋ "እንታይ እንተ ገበርኩ ይሕሸኒ፧" ኢልና ‘ንሓስበሉ እዋናት ኣይስኣነናን’ዩ። ከም’ቲ ተደጋጊሙ ዚንገረና፡ ኣብ ህይወት ወዲ ሰብ ንኣምላኽ ዘይምልከቶን መንፈሳዊ ዘይኰነን ጒዳያት ፈጺሙ የለን። ስለ’ዚ ንዅሉ ተግባርና፡ ዋላ ነቲ ‘ንምገቦን ‘ንለብሶን ከይተረፈ፡ ብዓይኒ ኣምላኽን መንፈሳውነትን እናረኣና፡ "ብዛዕባ’ዛ ጒዳይ’ዚኣ እንታይ እንተ ገበርኩ’ዩ ኣምላኽ ዚኸብርን ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ መጐስ ረኺበ ቅቡል ክርስትያን ዝኸውን፧" ኢልና ብርጉእ መንፈስ ህድእ ኢልና ብጥንቃቐ ኽንገብሮ’ዩ ዚግብኣና። ምኽንያቱ፦

"እምበኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ እንተ ሰተኹም ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ፧"

ዚብል ጽኑዕን ዘይስገርን ሃዋርያዊ ምርሒት ተዋሂቡና ኣሎ (1ቈረ 10፡31)። ኣቐዲሙ’ውን፡ 

"ብዋጋ (ብኽቡር ደም ክርስቶስ)፡ ተዓዲግኩም ኢኹም። ናይ (ገዛእ) ርእስኹም ኣይኰንኩምን፡ ስለ’ዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።" ዚብል ቃል ተዋሂቡና’ዩ (1ቈረ 6፡19,20)። እቲ ኸምኡ ዝበለና ቕዱስ ሃዋርያ ድማ ገዛእ ርእሱ ኣርኣያ ብምግባር፦

"ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ’ዩ፡ ሙማት’ውን ረብሓይ’ዩ’ሞ፡ . . . ከም’ቲ ዅሉ ሳዕ (ዝገብሮ) ሕጂ’ውን ብትብዓት፡ ብህይወት ይኹን ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ኪኸብር’ዩ።"ኢሉና’ሎ (ፊሊ 1፡20,21)። ስለ’ዚ ስጋዊ ኣካላትና ዀነ ስጋዊ ጒዳያትና ንኽብሪ ኣምላኽ ኪውዕሉ፡ ብደም ክርስቶስ፡ ፈጺሙ ብዘይምጥኖም ክቡር ዋጋ፡ ተዓዲጎም’ዮም። ስለ’ዚ’ዩ ኸም ዝመሰለካ፡ ቅኑዕ መሲሉ ኸም ዝተራእየካ፡ ከም ደስ ዝበለካ፡ ከም ቃሕታኻ ምግባር ከቢድ ከቢድ መንፈሳዊ ገበን ዚኸውን። ናይ ገዛእ ርእስኻ እንተ ዘይኴንካ፡ ከም ፍቓድ ርእስኻ ዝመሰለካ ኽትገብር ዝዀነ ዓይነት ሕጋዊ መሰል የብልካን ማለት’ዩ። እቲ ዚዝረበሉ ዘሎ ሕጊ፡ እዚ ሰብኣውን ዓለማውን ሕጊ ዘይኰነስ፡ እቲ ኻብኡ ኣዝዩ ዝዓበየን ዝኸበረን ናይ ኣምላኽ ሰማያውን መለኮታውን ሕጊ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ መሰረት ብምግባር’ምበኣር’ዩ፡ እቲ "እንታይ ክገብር፧ እንታይ ንግበር፧" ዚብል ሕቶ፡ ኣዝዩ ኣገዳስን ግድነታዊ ኣድላይነትን ዘለዎ ሕቶ ዚኸውን። እዚ ሕቶ’ዚ ንግብራውያን ፍጻመታት ጥራሕ ዚምልከት ኣይኰነን። "እንታይ ክሓስብ፡ እንታይ ክዛረብ፡ ብምንታይ’የ ኽሕጐስ፡ ብምንታይከ’የ ኽሓዝን፡ ወዘተ" ዚብል ሕቶታት’ውን ዜጠቓልል’ዩ። ምኽንያቱ ብግብሪ ጥራሕ ዘይኰነ ብሓሳባትናን ስምዒታትናን ቃላትና’ውን ኢና ህይወትና ’ነበላሽው፡ ንኣምላኽን ንሰባትን ንብድል። ስለ’ዚ ኸኣ ንቓላት ኣፍና ኽንጥንቀቐሉ፡ ንኣፍና ስዲ ኸይንሓድጎ፡ ልሳንና ኽንገትእ ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ተኣዚዝና ኣለና (መዝ34፡11-13 ፣ ምሳ8፡8 ፣ 10፡11,21,31 ፣ 12፡6 ፣ 14፡3 ፣ 15፡4 ፣ 23፡16 ፣ 31፡26 ፣ ቈሎ4፡6 ፣ ኤፌ4፡29 ፣ ያእ3፡1)። ካብ ክፉእ ሓሳብ ክንእደብ፡ ጽቡቕ ክንሓስብ፡ ሓሳብ ክርስቶስ ኣባና ኺርከብ’ውን ተነጊሩና’ዩ (ማቴ12፡33-35 ፣ ፊል2፡2,5 ፣ 3፡18, ኤፌ4፡17-20)። ጻድቕ ሓጐስ ከም ዘሎ፡ ሞት ዚወልድ ሓጥእ ሓጐስ’ውን ስለ ዘሎ፡ ብዛዕባ ዅሉ ኻልእ ስምዒታት’ውን እቲ ሓቂ ኸምኡ ስለ ዝዀነ ንእኡ’ውን ክንጥንቀቐሉ ኸም ዚግብኣና ተኣዚዝና ኢና (2ቈረ7፡8-11 ፣ ሉቃ6፡21-25)። ስለ’ዚ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጒዳይ፡ "እንታይ ክሓስብ፡ እንታይ ክዛረብ፧ እንታይ ክገብር፡ ወዘተ" ዚብል ሕቶ እናሓተትና፡ ናይ ለባማትን ብልህታትን ናብራ ኽንነብር፡ ከነምልጠሉ ዘይንኽእል፡ ክንዝንግዖ ድማ ዘይግባእ ናይ ህይወት ሓላፍነትና’ዩ።

ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ ኣድላይነትሲ ብሩህ ኰይኑ’ሎ። እዚ ሕቶ’ዚ ግን ንመን ኢና ኽንሓትቶ፧ መን’ዩ ንሕቶታትና ኺምልሰልና ዚኽእል፧ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ፡ በቲ ዘለናዮ መንፈሳዊ ሃለዋት’ዩ ዚውሰን። እቶም ንቕዱስ ዮሃንስ ዝሓተትዎ ሰባት ዝዀነ ኺጥቀስ ዚኽእል መንፈሳዊ ድሕረ-ባይታ ዘይነበሮም’ዮም። ንሕና ግን፡ ክርስትያን ህዝቢ ኢና። ናይ ብሓቂ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ቝመና እንተ’ሊና፡ እዚ ሕቶ’ዚ መባእታዊ ኸም ዚዀነና ርዱእ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ተሓታቲ እግዚኣብሄር ብዓብዩ’ዩ። እንሓትቶ ኸኣ ብጸሎት’ዩ። "ክገብሮ ዚግብኣኒ ግለጸለይ፡ ምርሓኒ" ኢልና ኸየቋረጽና ሓቀኛን ልባውን ጸሎት ‘ነዘውትር እንተ ዄንና፡ በቲ መቕደሱ ዝገበረና ቕዱስ መንፈሱ ገይሩ እናመሃረን እናመርሐን ናብ’ታ እንብህጋ መንግስቱ ኼእትወና’ዩ። እዞም ለባማት ሓተትቲ ነቲ ዝመሃሮም ቅዱስ ነብዪን ሃዋርያን ሓቲቶም መልሲ ኸም ዝረኸቡ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ንሕና’ውን ነቶም ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ተረኪቦም ዜገልግሉ ዘለዉ ኣገልገልትና ኽንሓትት ይግባእ። ብኣካል፡ ብቴሌፎን፡ ብኻልእ መራኸቢ ሜላታት ክንሓትቶም ይክኣልን ይግባእን’ዩ። ሳልሳይ ተሓታቲ ድማ እቲ ኣብ ኢድናን ኣብ ቤትናን ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፦ 

"ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፡ ኣዒንተይ ክፈተለይ። . . . ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን`ዩ። . . . ምኽፋት ቃልካ የብርህ፡ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።" ከም ዝበለ፡ ንኣና’ውን ብርሃንን ኣእምሮን እናሃበ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ኺምህረናን ኬርእየናን’ዩ (መዝ 119፡18,105,13)። ራብዓይን ካባና ፈጺሙ ዘይፍለይን ተሓታቲ ግን ሕልናና’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሕልናና ዝተጻሕፈ ሕጊ ኣምላኽ ኣሎና (ሮሜ 2፡14,15)። ርግእ ኢልና ንሕልናና ዕድል ሂብና መርሚርና ንገብር እንተ ዄንና፡ ንመብዛሕትኡ ቕኑዕ መልሲ ኣይንስሕቶን ኢና። ናይ መብዛሕትና ጸገም ንሕልናና ኣጓኒና፡ ዓሚትና፡ ረጊጽና ’ንነብር ምዃንና’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሕልናና (ንመንፈስና)’ዩ ዚዛረቦ። ብመስዋእቲ ክርስቶስ ንሕልናና ህያው ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ፡ ብእኡ ስለ ዚመርሓና’ዩ (እብ 9፡13,14 ካ.ት)።

እምበኣር ኣብ’ዚ ናይ ዘመነ ዮሃንስ ቅንያት’ዚ፡ እቲ ብኣገልግሎት ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ዝተወልደ ቕኑዕ ሕቶ፡ ኣባና’ውን ከም ዘሎን ብግብሪ ድማ የማእዝነና ኸም ዘሎን ነረጋግጽ። ብዛዕባ ዝገጠመና ዅሉ ጒዳያት፡ ንእግዚኣብሄርን ንሕልናናን "እንታይ ክገብር ትደልየኒ ኣለኻ፧" ኢልና ንሕተት። በዚ ሕቶ’ዚ ብዝተገልጸልና ሓቂ ድማ ብግብሪ ንመራሕን ንገዛእን። ምኽንያቱ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ፍረ ዘይብልካስ፡ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ምብዓል፡ ናይ ግብዝነት መርኣያ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ!!

 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

13 መስከረም 2026 | መስከረም 3, 2018 ግዕዝ (መበል 1 ሰንበት)

 ምስባክ

መዝ: "ሣህል ወርትዕ ተራከባ።  ጽድቅ ወሰላም ተሰዓማ። ርትዕሰ እምድር ሠረጸት።"

"ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡ ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቍል፡ ጽድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት’ያ።"

ንባባት

ኣንባቢ

 1ቈረ 11፡17-23

ዲያቆን

ያእ 2፡1-13

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 18፡24-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 1፡19-37

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ ዮሐንስ ኣኅድአ (አይድዓ)

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div