S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ባዕላዊ ማሕለኻ! ቊ.2 (20 መስከረም 2026 ፈ | መስከረም 10, 2019 ግዕዝ)

"ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። ንኣዛዚኡ ኼሐጉስ ዚደልይ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ዓቀይታይ፡ ብኻልእ መነባብሮ ኣይሕለኽን’ዩ።" 2ጢሞ2፡4 ካ.ት

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ መበል 12 ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ኽሳዕ መስከረም 15 ዘሎ ቕንያት፡ ታሽዓይ ንኡስ ዘመን ናይ ዘመነ ክረምት ኰይኑ፡ "ዘመነ ፍሬ" ይብሃል። ብሓቂ ድማ እዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ሃገርና እቲ ኣብ ክራማት ተዘሪኡ ዝበቘለ ዘራእቲ ፍሪኡ ዚስውተሉ ቕንያት’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ "እኩት አንተ ወስቡሕ ስምከ" ዘርእስቱ’ዩ። ትሕቶኡ ድማ፦ "ንስኻ ምስጉን ኢኻ፡ ስምካ’ውን ምስጉን (ክቡር)’ዩ። ሓይልኻ ዓብዪ’ዩ። ኣብ ኣርያም እትነብር፡ ብትሑታት እትምስገን (ኣምላኽ) ኢኻ። ንስኻ ንዕረፍቲ ሰንበት ሰራዕካ፡ ንዅሉ ድማ ብጽድቂ ሲሳይ ሃብካዮ። ኦ ጐይታ፡ ፍረ ምድርና ባርኽ። ከማኻ መሓርን ጻድቕን መን’ዩ፧ ብጸጋኻ ክረምቲ ተዳልው (ትኸፍት)፡ ነፍሲ ድኻን ዝጠመየት ነፍስን ጸጊባ ተመስግነካ።

ኣብ መዓልቲ ሰንበት ኢየሱስ ንኣርድእቱ ከም’ዚ ብምባል መሃሮም። ዘራኢ ኣብ ጽብቕቲ ምድሪ ኺዘርእ ወጸ። ሚእትን ሱሳን ሰላሳን ድማ ፈረየ። ዘራኢ፡ እቲ ካህን’ዩ። ግራቱ ድማ ዓለም’ያ። ቃለይ ስምዑ፡ ትእዛዘይ’ውን ሓልው። (ኣቱም) ትሕቲ ሰማይ እትነብሩ ህዝቢ፡ ብፍቕርን ብሰላምን (ንበሩ)፡ ንሰናብተይ ድማ ብጽድቂ ኣኽበሩ።"

ማለት’ዩ። "ዘመነ ፍረ" ስለ ዝዀነ፡ "እግዚኦ ባርክ ፍሬሃ ለምድር" ኢልና ንኣምላኽ ብጸሎት ክንልምኖ ይግባእ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክና’ውን፡ "እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ኪህበና’ዩ፡ ሃገርና’ውን ፍርያታ ኽትህብ’ያ" ኢሉና’ሎ (መዝ85፡12)። ስለ’ዚ እዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን ብዛዕባ’ቲ እግዚኣብሄር በዚ ወቕቲ ኽራማት ገይሩ ዝሃበና ሲሳይን ፍረን እነመስግነሉ ቕንያት’ዩ። እግዚኣብሄር በቲ መሓርን ሕያዋይን ባህርዩ ተደሪኹ፡ ንምድርናን ንዘራእትናን ንዅሉ ጻዕርናን እንተ ዘይባርኽ፡ ደቂ ኣዳም ኣብ ገጽ ናይ’ዛ ምድሪ ኽንነብርን ክንስስንን ኣይምኸልኣናን። ስለ’ዚ ይብዛሕ ይውሓድ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ነቲ ፍረ ብምሃብ ህላውነትና ዘውሓሰ ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኸነመስግኖን ክንውከሎን፡ ሰብኣውን መንፈሳውን ሓላፍነትና’ዩ።

እዚ ብሕያውነቱ ዝረኸብናዮ ፍረ-ምድሪ ግን፡ ንኸስዐና ዜዐንግል ምግቢ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዓብይ መንፈሳዊ ትምህርቲ’ውን የቕስመና’ዩ። ብልዒ ስጋ ሓላፊ’ዩ። ናይ ሒደት ሰዓታት ኣገልግሎት ጥራሕ’ዩ ዘለዎ። ቃል እግዚኣብሄር ንዚሰምዕን ብምስትውዓል ንዚሓስብን ሰብ ግን፡ ነባሪ መንፈሳዊ ትምህርቲ’ዩ ዚህቦ። ጐይታና ነቲ ምስ ዘርእን ፍረን ዝተዛመደ ምስላታቱ ዝገደፈልና ድማ፡ ካብ ፍረ ምድሪ ብዙሕ ክንምሃር ስለ ዝደለየና’ዩ። ናይ ሰብ ግራት፡ እዛ ምድሪ’ዚኣ’ያ፡ ናይ ኣምላኽ ግራት ድማ ንሕና ኢና (1ቈረ3፡9)። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ንሕና እታ ዝሓረስናያን ዝዘራእናያን ግራት ብርኩት ፍረ ኽትህበና ኸላ ኣዚና ‘ንሕጐስ፡ እግዚኣብሄር ድማ ካባና ኻብ ግራቱ ብዙሕ ፍረ ኺረክብ ከሎ’ዩ ዚሕጐስ። ስለ’ዚ ኣብ "ዘመነ ፍሬ" ብዛዕባ ፍረ ምድርና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ፍረ ህይወትና’ውን ክንሓስብ’ዩ ዚግባእ። ጐይታና፡ "ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም" ከም ዝበለ፡ መን ምዃንና ዚገልጸና፡ እቲ ’ንፈርዮ ናይ ፍረ ዓይነትን መጠንን’ዩ (ማቴ7፡16,20)። እግዚኣብሄር ብፍሬና ዚመዝነናን ዚፈርደናን ካብ ኰነ፡ ንሕና’ውን ንህይወትና ብመንጽር ፍረና ኽንርእያን ክንመዝናን’ዩ ዚግባእ። ናይ ዘይምፍራይ ሳዕቤን እምብዛ መሪርን ዘለኣለማውን ስለ ዝዀነ፡ ከም ኣማራጺ ኺርኣይ፡ ከም ተኽእሎ’ውን ፈጺሙ ኪኽሰት ዘይግብኦ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክና ዀነ ንባባትና፡ ኵሎም ንፍረ ዘማእከለ ትሕዝቶ ዘለዎም’ዮም። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ ኣብ’ቲ ናይ 2ጢሞ2፡1-13 ንባብና መሰረት ዝገበረ ዀይኑ፡ ፈረይቲ ኸይንኸውን ካብ ዚዕንቅፉና ባዕላውያን ጠንቅታት ክንጥንቀቕን ርእስና ኸነንጽህን ዜኽእለና’ዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ንህይወት ዓቀይታይ (ወተሃደር) ምስ ህይወት ክርስትያን ኣዛሚዱ ኺገልጽ ዝደለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ናይ ዓቀይታይ ሞያ፡ ካብ ኵሉ ኻልእ ሞያታት ኣዝዩ ዝተፈልየ’ዩ። ህይወትካን ህላወኻን ናብ ሓደጋ እተእትወሉ ሞያ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ዝተዋህበካ ትእዛዝን ብዛዕባ’ቲ ኣዛዝን’ምበር፡ ብዛዕባ ርእስኻ፡ ስድራኻ ወይ ዋኒንካ ኽትሓስብ ዘይፈቅድ ሞያ’ዩ። "እንተ ሞትኩኸ፡ እንተ ሰንከልኩኸ፡ እንተ ሓሰመኒኸ፡ ደቀይ ብዓልቲ ኺዳነይ ንብረተይ ዋኒነይከ እንታይ ኪዀኑ’ዮም፧" ወዘተ ዚብል ሓልዮታት ኪሓልይ ኣይፍቀዶን’ዩ። እዚ ሓልዮት’ዚ ተልእኾኻ ብዓወት ከይትፍጽም ስለ ዚዕንቅፈካ፡ ዓቀይታይ ቅድሚ ምዃንካ ክትስዕሮ ዚግብኣካ’ዩ። ዓቀይታይ ኴንካ ኣጽዋር ድሕሪ ምዕጣቕካ፡ ልብኻ በዚ ማሕበራዊ ሓልዮታት’ዚ እንተ ተሳዒሩ፡ ኣብ’ቲ ናይ ዓቀይታይ ተልእኾኻ’ውን ገና ናብ ውግእ ከይኣተኻ ድሮ ስዑር ኢኻ። ነቲ ዝዓሰበካ መንግስትን ኣዛዝን፡ ስዑራት ክትገብሮም ኢኻ። ነቶም መተዓቕይትኻ’ውን ከተግድዖም ኢኻ። ብዝተመቕለ ልቢ ስለ ዝወፈርካ፡ ትሰዓር ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናይ ሙማትን ናይ ምቝሳልን ምምራኽን ተኽእሎኻ ብዕጽፍታት’ዩ ዚዓብይ። ስለ’ዚ መሪሕ ጥቕስና ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ንኣዛዚኡ ኼሐጕስ ዚደልይ እሙን ዓቀይታይ፡ ብናይ ማሕበራዊ መነባብሮኡ ጕዳያት ኪዕንቀፍን ኪሕለኽን ኣይግብኦን’ዩ። ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ነእጋሩ ብማሕለኻ ኣሲርዎ ኼብቅዕ፡ ኪጐይይ ዚህቅን ሰብ ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። ዓቀይታይ ኰይኑ ኼብቅዕ፡ ብምኽንያት መነባብሮኡ ዚሕለኽ ሰብ ድማ፡ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ኣለዎ ኺብሃል ኣይክኣልን’ዩ።

ብክርስቶስ ዝኣመነ ዅሉ ክርስትያን ድማ፡ ናይ’ቲ ዝኣመኖ ክርስቶስ ዓቀይታይ’ዩ። ስለ’ዚ ክርስትያን ዘበለ ዅሉ፡ ብምኽንያት ናይ ማሕበራዊ መነባብሮኡ ሓልዮት ኪሕለኽን ኪዕንቀፍን ኣይግባእን’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ብመነባብሮኡ ንዘይሕለኽ ዓቀይታይ "ንፉዕ" ከም ዝበሎ፡ እቲ ብማሕበራዊ ሓልዮት ዘይሕለኽ ክርስትያን ድማ፡ ኣብ ዓይኒ’ቲ ኣዛዚኡ ክርስቶስ "ንፉዕ ክርስትያን"’ዩ ዚብሃል። ማሕበራዊ ሓልዮት፡ ባዕላትና እንመርጾን እንኣትዎን’ምበር፡ ባዕሉ መጺኡ ዚጠብቀና ናይ ናብራ ግዴታ ኣይኰነን። ኵላትና ሰባት ክነስና፡ ዘሎና ማሕበራዊ ሓልዮት ግና ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ብዙሕ ፍልልያት ዘለዎ’ዩ። እቲ ሓልዮት ዜብዝሕ፡ እቲ ነእጋሩ ኣጸቢቑን ኣጽኒዑን ዚሓልኽ መንገደኛ’ዩ። ስለ’ዚ ናብ’ቲ ዚጽበዮ ዘሎ ሓድሽ ዓለምን መንግስትን ገጹ፡ ሓንቲ ስጕምቲ’ኳ ፍሕት ኪብል ዘይክእል ክርስትያን’ዩ ዚኸውን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብማሕበራዊ ሓልዮትና ርእስና ኸይንሓልኽ ዝመዓደሉ ምኽንያት’ምበኣር፡ ካብ’ቲ ክርስትያናዊ ጕዕዞና ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ’ዩ።

ማሕበራዊ ሓልዮት ወይ ከኣ ናይ መነባብሮ ሓልዮት፡ ሓጢኣት’ዩ ማለትና ዲና፧ ማሕበራዊ ናብራ እናነበርካስ፡ ብዘይ ማሕበራዊ ሓልዮት ክትከውን ይክኣል ድዩ፧ ማሕበራዊ ሓልዮት ከም ዘለዎ ብጥሪኡ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን። ማሕበራዊ ሓልዮት ማለት’ኮ፡ ብዛዕባ ‘ትበልዖን ’ትሰትዮን ’ትኽደኖን ተጽልለሉን ምሕላይ፡ ብዛዕባ መውስቦን ውላድን ምሕላይ፡ ብዛዕባ ስራሕካን ብእኡ እተጥርዮ ገንዘብን ንብረትን፡ ብዛዕባ ናይ ቀረባን ርሑቕን ዝምድናታትካ፡ ብዛዕባ ዜጋጥመካ ዝተፈላለየ ዅነታት ምሕሳብ፡ ምሕላይ፡ ምስራሕ፡ ጸገማት ምፍታሕ ወዘተ ማለት’ዩ። እዚ ሓልዮታት’ዚ፡ ብባህርዩ ሓጢኣት ኣይኰነን። ሓጢኣት ዚኸውን ናይ’ቲ ፈጣሪኻን ኣዛዚኻን ትእዛዝ ከይተኽብር ምስ ዚዕንቅፈካን ጽድቂ ኻብ ምፍራይ ምስ ዜብኵረካን’ዩ። ኣብ’ታ መገዲ ጽድቂ ኸይትጐዓዝ ማሕለኻ ዀይኑ ፈጺሙ ምስ ዚዓግተካ፡ ወይ’ውን ንስጕምትኻ ኣሕጺሩ ኣብ’ቲ ዝተመደበልካ ቦታ ኣብ ጊዜኡ ኸይትበጽሕ ጐተት ዜብለካ እንተ ዀይኑ፡ ናይ ብሓቂ ሓጢኣት’ዩ ዚኸውን። ብባህርዩ’ኳ ሓጢኣት እንተ ዘይነበረ፡ ባዕልኻ ሓጢኣት ትገብሮ ኣለኻ። 

ብዘይ ምግቢ ብህይወት ኪንበር ስለ ዘይከኣል፡ ምግቢ ኽትደልይ ብዛዕባ ምግቢ ኽትሓልይ ባህርያዊ’ዩ። እዚ ሓልዮትካ’ዚ ነቲ መጋቢ ኣምላኽ ከይትኣምኖ፡ ከይትውከሎ እንተ ዓንቂፉካ፡ ካብኡ ሓሊፍካ’ውን ናብ ስርቅን ሓሶትን ስሰዐን እንተ ደፊኡካን እንተ ጽዲፉካን፡ ሓልዮት ካብ ምዃን ሓሊፉ ናብ ደረጃ ኣምላኽ ኣዕቢኻ፡ ጣኦትካ ጌርካዮ ኣለኻ ማለት’ዩ። ካብ ከም’ዚ ዝበለ ዜሕጥእ ሓልዮት ምእንቲ ኼድሕነና፡ ጐይታና ኣብ’ቲ ናይ ከረን ስብከቱ፡ ሓያል ትምህርቲ ሂቡና ኣሎ (ማቴ6፡21-34)። ብዛዕባ መሰረታዊ ድልየታቱ ኽሳዕ ምጭናቕ ዚሓልይ ክርስትያን፡ ንኽልተ ጐይቶት ዚግዛእ ሰብ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ሕሱም ጐይታ ብጭንቀት’ዩ ዚግልገል፡ እቲ ሓቀኛን ካልኣይን ጐይታ ግን ብእምነት’ዩ ዚግልገል። እቲ ብዛዕባ ሓልዮቱ ዜጭነቕ ሰብ፡ ናብ’ቲ ሓቀኛ ጐይታ ብጭንቀቱ ዜመሓላልፈሉ መልእኽቲ፡ "ንስኻ ነቶም ዚስዕቡኻ ክትምግብ፡ ከተልብስ፡ ክትናብይ ዘይትኽእል፡ ድኹም፡ ዘይእሙን፡ ግዲ ዘይብልካ ዘይትእመን ኣምላኽ ኢኻ። ንኣኻ ኣሚነ ቐሲነ ኽነብር ኣይክእልን’የ። ካባኻ ንላዕሊ ንርእሰይ ክሓልየላን ከነባብራን ዝኽእል፡ ኣነ ባዕለይ’የ" ዚብል’ዩ። ካብ’ዚ ዚኸፍእ መልእኽቲ ኺህልው ዚክኣል ኣይኰነን። እቲ ንውላዱ ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ዜፍቅርን ውላድ ዝሃቦ ኣምላኽ ምዃኑ ዝኸሓደን፡ ካብ’ቲ ወሃቢ ንላዕሊ ነቲ ዝተዋህቦ ውላድ ዜኽብርን ዜፍቅርን ክርስትያን ድማ፡ "ካባኻ ንላዕሊ ነቲ ህያብካ’የ ዝመርጽን ዘፍቅርን፡ ንስኻ ካብ’ቲ ህያብካ ኣዚኻ ዝነኣስካ ኢኻ። ዓይነይ እናረኣየ፡ ነቲ ህያብካ  ገዲፈ ንኣኻ ዝመርጽ ዓሻ ኣይኰንኩን። ውላደይ ንኣይ ቀዳማዊ’ዩ። ንስኻ ግን ካልኣዊ ኢኻ" ዚብል መልእኽቲ’ዩ ዜሕልፍ። "ብልብኹም ከም’ዚ ዚብል ሓሳብ ትሓስቡ ዲኹም፧" እንተ ንብሃል፡ ኣዚና ምሰንበድና፡ "ኣይፋለይን" ኢልና ድማ ምመሓልና። እቲ ኣባህላና ድማ ሓቂ’ምበር፡ ሓሶት ኣይኰነን። ነስተውዕሎ ኣይነስተውዕሎ ግን፡ ማሕበራዊ ሓልዮት ናብ ኣምላኽ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ "ማሕበራዊ ሓልዮት፡ ናይ መንፈሳዊ ህይወት ማሕንቖን ማሕለኻን’ዩ" ዚብሃል። ንማሕበራዊ ሓልዮት በቲ ሓቀኛ መልክዑ ኽንፈልጦን ከነለልዮን ስለ ዝደለየ ድማ፡ ጐይታና ነዚ ፈዋሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ሓቂ’ዚ ኣፍለጠና።

"እቲ ኻባይ ነቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር፡ ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ። (እቲ) ካባይሲ ንወዱ ወይ ንጓሉ ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ፡ ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ።" ማቴ10፡37,38

"ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ (እንተ’ሎ)፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል’ሞ፡ ይስዓበኒ። እቲ ንህይወቱ (ኻባይ) ኬድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ’ዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ’ዩ። ሉቃ9፡23,24 (ማቴ16፡24,25)

"ናባይ ዚመጽእ እንተ’ሎ’ሞ፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱ’ውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልአ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። መስቀሉ ዘይጸውር’ሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። . . . ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ።" ሉቃ14፡26,27,33

ማሕበራዊ ሓልዮት ኽንዲ’ዚ ኸቢድ መንፈሳዊ ሓደጋ ዜስዕበሉ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ፧ እዚ ዝተጠቕሰልና ቓል ጐይታ ዀነ እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ሓሳባት፡ ነቲ መልሲ ድሮ ገሊጹልና ኣሎ። ምኽንያቱ ንሕና፡ ከም እንስሳታት፡ ማሕበራውያን ፍጡራት ጥራሕ ኣይኰንናን። ስጋ ዝለበስና ፍጡራት ስለ ዝዀንና፡ ምስ እንስሳታት ዜመሳስለና ማሕበራዊ ሓልዮታት ከም ዘለና ከቶ ዘይከሓድ’ዩ። ግን ከኣ ብኣርኣያ ቕድስት ሥላሴ፡ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጠርና፡ መንፈሳውያን ፍጡራት ምዃንና’ውን ክንዝንግዖን ክንስሕቶን ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚ ማሕበረ-መንፈሳዊ ወይ ከኣ ምድረ-ሰማያዊ ፍጥረት ዘሎና ኢና። ክልቲኡ ፍጥረትና ተመጣጣኒ ኽብሪ ዘለዎ ኣይኰነን። እቲ ኻብ ምድሪ ዝተኻፈልናዮ ሓመድ ወይ ጸብሪ፡ ምስ’ቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተኻፈልናዮ መንፈስ ብማዕረ ዓይኒ ኽንርእዮ ከቶ ኣይግባእን’ዩ። ኣብ’ቲ ናብራና’ውን ካብ ነቲ ማሕበራውን ስጋውን ህይወትና ንላዕሊ፡ ናብ’ቲ መንፈሳዊ ህይወትና ዝዛዘወ ህይወት ኪህልወና’ዩ ዚግባእ። እቲ ለቢስናዮ ዘለና ስጋን ዘሎና ማሕበራዊ ህይወትን፡ ነቲ መንፈሳዊ ህይወትና ንምግልጋልን ንምግላጽን ዝተዋህበና’ምበር፡ ንእኡ ቐዳምነትን ልዕልናን ክንህቦ ዝተዓደለና ኣይኰነን። 

መንፈሳውነትን ዓለማውነትን ድማ፡ በቲ ንኽልቲኡ ተፈጥሮና እንህቦ ሚዛን’ዩ ዚልካዕ። እቲ ንመንፈሳዊ ተፈጥሮኡ ጸቒጡን ረጊጹን፡ ንስጋዊ ተፈጥሮኡን ንማሕበራዊ ሓልዮታቱን ልዕልናን ቀዳምነትን ዚህብ ሰብ፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ፡ ዝወጻሉ ዓለማዊ ይኸውን። ብኣንጻሩ እቲ ንመንፈሳዊ ተፈጥሮኡ ዝለዓለ ቐዳምነትን ክብርን ዚህብ ብልሂ ሰብ ድማ፡ ኣምላኽ ዚኸብረሉን ዚሕጐሰሉን መንፈሳዊ ሰብ ይኸውን። ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ፡ ካብ ዓለማዊ ሰብ ንላዕሊ፡ እንስሳ ኣዝዩ ኸም ዚበልጽ’ዩ። ምኽንያቱ ንእንስሳ እንስሳ ምዃን ባህርያዊ ትዕድልቱ’ዩ። ብኣርኣያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ኽቡር ሰብ፡ ናብ ደረጃ እንስሳ ለጠቕ ኪብል ግን፡ ብምርጫ ዚግበር ዘይጽወር ባዕላዊ ውርደት’ዩ። እቲ ውርደት ባዕላውን ምድራውን ኰይኑ ጥራሕ እንተ ዚተርፍ ቀሊል ምዀነ ነይሩ። ዘለኣለማዊ ውርደትን ሕፍረትን ስቓይን ዚፍደይ ምዃኑ ግን፡ ንኽብደት ናይ’ቲ ዝተገብረ ስሕተትን ኣበሳን ብትኽክል ዚገልጾ’ዩ። እምበኣር ሚዛን ተፈጥሮኻ ዘይምሕላው፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ሓደገኛን ኣነዋርን ኣበሳ’ዩ። 

ኣብ ጽቡቕ ሚዛን ምህላውናን ዘይምህላውናን ዜመልክተና ድማ፡ መጠንን ዓይነትን ናይ’ቲ ዘሎና ማሕበርዊ ሓልዮት’ዩ። ማሕበራዊ ሓልዮታትና፡ ብመገዲ ጽድቂ ኸይንጐዓዝን ናይ ጽድቂ ፍረ ኸይንፈርይን ይዓግተና እንተ’ልዩ፡ እንስሳነትና እምብዛ ረዚኑ፡ መንፈሳውነትና ግን ከም ጨርቂ ኸም ዝፈዀሰ የመልክተና ኣሎ። ሓልዮት፡ ፈቲናን መሪጽናን እነልዕሎ’ምበር፡ ባዕሉ መጺኡ ዚጥምጠመና ኣራዊት ኣይኰነን። ሓልዮት ልክዕ ከም ስራኽ (ላቺ) ናይ ሳእንና፡ ባዕላትና ኣብ መንፈሳውነትና እንኣስሮ ማሕለኻ ወይ ማሕንቖ’ዩ። ጐይታና ነቶም ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም ፍረ ምፍራይ ዝሰኣኑ ሰባት ኪገልጽ ከሎ፡ ብእሾዅ ከም ዝተሓንቀ ዘራእቲ ገይሩ ዝገለጸሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ማቴ13፡18-23፣ማር10፡10-20፣ሉቃ8፡9-15)። ብፍላይ ከኣ፦ "ብሓልዮት ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣን (ጥበራ) ሃብትን ጣዕሚ ናብራን ካልእ ትምኒትን ይሕነቑ’ሞ ፍረ ኣይፈርዩን።"

ብምባል ኣነጺርዎ ኣሎ (ማር4፡19፣ሉቃ8፡14)። "ሓልዮት ስጋ፡ ማሕበራዊ ሓልዮት፡ ሓልዮት ዓለም" ሓደ ዝትርጕሙ መለሳ ቓላት (Synonms)’ዩ። ስለ’ዚ ናይ ሓልዮት ናይ መወዳእታ ምዕራፍ፡ ፍረ-ኣልቦ መኻን ምዃን’ያ። ኣብ ሉቃ21፡34,35 ድማ፡ "ሓልዮት ሓዳር (ሓልዮት ናብራ) ንልብኹም ከይከብዶ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ፡" ኢሉና’ሎ። ስለ’ዚ ሓልዮት ስጋ እናበዝሐን እናሓየለን ኪኸይድ ከሎ፡ መንፈሳዊ ህይወትናን ዘለኣለማዊ መጻኢናን ግን፡ ናብ ዘይነምልጠሉ ሓደጋ’ዩ ዚኣትው።

እሞ ነዚ ሓልዮትና’ዚ እንታይ ንግበሮ፧ ንምዃኑኸ ብዘይ ሓልዮት ኪንበር ይክኣል ድዩ፧ ብኸመይ ኢና ሓልዮት ከነርሕቕ ወይ ከነወግድ ‘ንኽእል፧ ኣቦታትና እንኪምስሉ፡ "ባዕላ ሰቒላቶ ‘ረሓቐ’፡ ባዕላ ሰንኪታቶ ‘በሓቘ’" ኸም ዚብሉ፡ ንሕና ድማ ነቲ ባዕላትና ዘዕበናዮን ዘገበልናዮን ሓልዮትና፡ ከነወግዶ ዘይንኽእልን ብዘይ ብእኡ ኺንበር ዘይክኣልን ኰይኑ’ዩ ዚስምዓና። ሓልዮት ስጋ፡ ልክዕ ከም ሓሽሽን ከም ኣልኮላዊ መስተን፡ ሓያል ወልፊ ይፈጥር’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ብዘይ ብእኡ ኽንነብር ዘይክኣል ኰይኑ ዚስምዓና። እዚ ኸም ታኼላ ኸም ሰልሚ (Swamp) ውሒጡና ዘሎ ሓልዮት (ዊንታ፡ ባህጊ) ክሳዕ ዝተሓተ ደረጃኡ ኪጐድልን ክንመልኮን ’ንኽእል ኢና። ካብ’ዞም ነዛ ትምህርቲ’ዚኣ ’ንምሃራ ዘለና ሰባት፡ ነዛ ብህይወት ንኺነብርን ንኺሰርርን ጥራሕ ዚሓልይ፡ ዳርጋ የለን ኪብሃል ይክኣል’ዩ። ዝሓሸን ዝበለጸን ንኽንበልዕ፡ ንኽንክደን፡ ንኸነጥርይ፡ ንደቅና ዝበለጸ ትምህርቲ፡ ዝማዕረገ ጽንብል መርዓ ንምግባር፡ ዝበለጸ ስራሕ፡ ዝበለጸ ትምህርቲ፡ ዝበለጸ ስልጣን፡ ዝለዓለ ማሕበራዊ ኽብሪ ምርካብ፡ ካብ ሰብካ ዘይትንእስ ጥራሕ ዘይኰነ ዝበለጽካ ምርኡይ ኴንካ ምንባር’ዩ፡ ንሓልዮትናን ጻዕርናን ዜብዝሖ፡ ንጊዜናን ሓይልናን ዚበልዖ ዘሎ። ስለ’ዚ ማሕበራዊ ሓልዮታትና ምእንቲ ኸነማልእ፡ ዳርጋ ዅሉ ጊዜናን ጕልበትናን ገንዘብናን፡ በዚ ኽሳዕ መቓብር’ኳ ዘየሰንየና ነገራት ይብላዕ። 

ነዚ ጊዝያውን ከንቱን ሓልዮታት ንምምላእ መስዋእቲ ‘ንገብሮ ኸኣ፡ ነቲ መንፈሳዊ ህይወትና’ዩ። ሓልዮትና ብዝበዝሐ መጠን፡ ሓጢኣትና’ውን ማዕሪኡ ስለ ዚበዝሕ፡ ብእኡ ተዋሒጥናን ተሓኒቕናን፡ ጥር ’ትብል ናይ ጽድቂ ባህርይ ወይ ናይ ጽድቂ ፍረ ዘይትርከበና ሰባት ንኸውን። ከምኣ ኢልና ኸለና ወይ ሞት ወይ ምጽኣት ተርክበና’ሞ፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ደው ኢልና፡ ካብ’ቲ ኻብ ሓልዮታትና ንታሕቲ እምብዛ ኣንኢስና ዝረኣናዮ ጻድቕን ፍትሓውን ዳኛ፡ እታ ‘ትግብኣናን ‘ትምጥነናን ዘለኣለማዊ ዓስቢ ንቕበል ማለት’ዩ። 

ካብ’ዚ ጥፍኣት’ዚ እንድሕነሉ መዋጽኦ ብግልጺ ተነጊሩና’ዩ። ንክርስቶስ ቅድሚ ዅሉን ልዕሊ ዅሉን ሓልዮታትና፡ ትሕዝቶና፡ ረብሓታትናን ክብርታትናን ዝምድናታትናን ውልቃዊ ህይወትናን ምስራዕ’ዩ። ነዚ ኸኣ ልዕል ኢልና ኣብ ዘንበብናዮ ናይ ጐይታ ቓል፡ ብንጹር ተገንዚብናዮ ኣለና። ነዚኣ ኺገብራ ዚኽእል ድማ፡ እቲ ርእሱ (ወይ ነፍሱ) ዝቐበጸን፡ ዕለት መጸ ንትምኒቱን ሓልዮታቱን ኣብ ገዛእ መስቀሉ ዚሰቅል ሰብ ጥራሕ’ዩ (ገላ5፡24፣ ሮሜ6፡6,7፣ ገላ6፡14,15፣ ቈሎ3፡5-10)። ናይ መንፈሳውነት ምስጢር፡ ኣብ’ዛ ትእዛዝ ጐይታ’ዚኣ ዘላ። ነተን ቃላቱ ደጋጊምና ብምንባብ ነስተውዕለን። ነቲ ነዚኣ ኽገብር ዘይክኣለ ሰብ፡ "ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ" ብምባል ኣቕቢጹና’ዩ። ንክርስቶስ ዘይንበቅዕ እንተ ዄንና ድማ፡ ብቕዓትና ንሰይጣንን ንገሃነምን ጥራሕ’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ ኢና ንክርስቶስ ብቑዓት ካብ ምዃን ንዚሓልከና ዅሉ ማሕለኻታት፡ ተዋጊእና ኽንስዕሮ፡ ተጋዲልና ኸነርሕቖ ዚግብኣና። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦ "ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ’ምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።" ብምባል ዝመዓደና (ሮሜ13፡14)። እልፊ ሓልዮት ዝለበሰ ሰብ፡ ንክርስቶስ ኪለብሶ ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ክልቲኦም መኻይድቲ (መላብስቲ) ኣይኰኑን። ንክርስቶስ ኪለብሶ ዝመረጸ ሰብ፡ ነቲ ለቢስዎን ዘይምሱል ኣምሲልዎን ዘሎ ሓልዮትን ትምኒትን ካብ ሰብነቱ ኪቕንጥጦ ይግባእ። ስለ’ዚ ድማ ቅዱስ ጴጥሮስ፦

"ንሱ ይሓልየልኩም’ዩ’ሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ፡ ኢሉ መዓደና (1ጴጥ5፡7፣ መዝ55፡22፣ 68፡19፣ ኢሳ46፡3,4፣ 63፡9፣ ዘዳ32፡10-4)።

ንምዃኑ ነዚ ሓልዮትካ ቐንጢጥካ ንክርስቶስ ምልባስ ዝኸኣሎን ብግብሪ ዝፈጸሞን፡ ብኣብነት ኪጥቀስ ዚኽእል ሰብ ኣሎዶ፧ እግዚኣብሄር ይመስገን፡ ኣርኣያስ ኣይተሳእነን። ኣቦታትና ቅዱሳን ሃዋርያት፡ እቶም ዝበለጹ ኣብነትና’ዮም። ጐይታና ኺስዕብዎ ኺጽውዖም ከሎ፡ እቲ ዕለታውን ንቡርን ማሕበራዊ ሓልዮቶም ይፍጽሙ ነበሩ። ዚናብይዎ ስድራ ዝነበሮም፡ ሰብ ንብረት፡ ሰብ ትካል፡ ሰብ ሞያ፡ ከም ኵሉ ሰብ፡ ሰፊሕ ማሕበራዊ ዝምድናታት ዝነበሮም ሰባት’ዮም ዝነበሩ። ጐይታና "ስዓቡኒ" ምስ በሎም፡ ንብረቶም ከየመሓደሩ፡ ስድራ ቤቶም ከይተሰናበቱ፡ ዚትክኦም ሓልፋይ ከይሓደጉ፡ ብዛዕባ ውሳነኦም ከይተማትኡ ብድድ ኢሎም ንዅሉ ሓዲጎም ሰዓብዎ (ማቴ4፡18-22፣9፡9፣ዮሃ1፡43)። እዞም ኣብ ታኼላ ሓልዮት ዝጠሓልና ሰባት፡ እዚ ዝዓይነቱ ግብረ መልሲ ናይ ጥዕና ዀይኑ’ውን ኣይስምዓናን’ዩ። ጸኒሑ በብኽልተ ኪልእኮም ከሎ ድማ፡ ኣብ ቅናውቶም ሳንቲም’ውን ገንዘብ ከይቋጽሩ፡ ስንቂ ከይማልኡ፡ ቅያር ክዳን ወይ ቅያር ሳእኒ ኸይማልኡ፡ ንዘጓነፎም ኣራዊት’ኳ ዚከላኸሉላ በትሪ ኸይማልኡ ጽኑዕ ትእዛዝ ምስ ሃቦም ድማ፡ ብሓልዮት ባዶ ዀይኖም፡ ንዅሉ ሓልዮቶም ኣብኡ ኣብ ክርስቶስ ኣውዲቖም ወፈሩ (ማቴ10፡9,10)። ነቲ ሓልዮቶም ደኣ መስዋእቲ ገይሮምዎ’ምበር፡ በጃ ሓልዮቶም ኪኸውን ንፍቓድ ጐይታኦም መስዋእቲ ኣይገበርዎን። "ስዓበኒ" ምስ በሎም፡ ንሓልዮቶም ምስዋእ ከቢድዎም፡ "ቅድም ኣቦይ ሞይቱ ምስ ቀበርክዎ ኽስዕበካ’የ፡ ቅድም ንስድራ ቤተይ ኣነባቢረን ተሰናቢተን ድሕሪኡ ኽስዕበካ’የ" ዝበልዎ’ውን ነይሮም’ዮም። ጐይታ ድማ ንመንግስቱ ኸም ዘይበቕዑ ነጊሩ ተፋነዎም (ሉቃ9፡59-62)። ቅዱስ ጳውሎስ ንዅሉ ሓልዮቱ ከም ውጽዓን ጐሓፍን ክሳዕ ምቝጻር ዝበጽሐ ዝለዓለ ኣርኣያና’ዩ (ፊል1፡20,21፣3፡7-11፣1ቈረ8፡13፣9፡19-23፣10፡33)። ሰዓቢ ደኣ’ዩ ተሳኢኑ’ምበር፡ ኣምላኽ ይመስገን፡ ኣርኣያስ ኣይተሳእነን። ነዚ ውሳነ’ዚ ንኽትወስድ ናይ ግድን ንሃዋርያነት ክትጽዋዕ ኣየድልይን’ዩ። ኣብ’ታ ዘላትካ ማሕበራዊ ናብራ፡ ንሓልዮትካ መስዋእቲ እናገበርካ ንፍቓድ ኣምላኽ ከተንግስ ይክኣል’ዩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናይ ግድን’ዩ።

እምበኣር፡ ምልስ ኢልና ህይወትና ንመርምር፡ ንስጋናን ነፍስናን ብናይ ሓልዮት ባዕላዊ ማሕለኻ ሓሊኽናዮን ሓኒቕናዮን እንተ’ሊና፡ ትንሳኤን ሕውየትን ናብ ዘይርከቦ ሞት ከይበጻሕና ኸለና፡ ተቐላጢፍና ንፍትሓዮ። ብዘይካ ፍቓድ ኣምላኽ ካልእ ገዛኢ ኣይሃልወና። ስጋና ንዝወለደልና ሓልዮታት መስዋእቲ ምግባር፡ እቲ ዝለዓለ ጥበብናን ተልእኾናን ንግበሮ። ሓልዮት ምብዛሕ፡ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት’ዩ። ባዕላዊ ሓልዮትና፡ ንጐይታና ኻብ ምምሳል ዓንቂፉ፡ ነቲ ለካሚና ድያብሎስ ኣምሲሉ ኸየበላሽወና፡ ንነፍስና ንጠንቀቐላ!! 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

20 መስከረም 2026 | መስከረም 10, 2018 ግዕዝ (መበል 2 ሰንበት)

 ምስባክ

መዝ: ፹፬(፹፭)፡፮,፯ "እግዚአብሔርኒ ይሁብ ምሕረቶ።ወምድርኒ ትሁብ ፍሬሃ።ጽድቅ የሐውር ቅድሜሁ።"

"ህዝብኻ ብኣኻ ኺሕጐስሲ፡ መሊስካዶ ህይወት ኣይክትህበናን ኢኻ፧ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጸጋኻ ኣርእየና፡ ምድሓንካውን ሃበና።"

ንባባት

ኣንባቢ

2ጢሞ 2፡1-13

ዲያቆን

ያእ 5፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 14፡14-19

ንፍቅ ካህን

ማቴ 12፡1-8

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ | መዝሙር፦ እኩት አንተ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div