ኤሪትራዊ ኣቦ እንዲኻ፡ ኣንታ ምዕሩግ ሰብኣይ
በዓልቲ ቤትካ ትብለካ፡ ዓይኒ ብርከይ
ደቅኻ ይብሉኻ፡ ተናፋቒ ኣቦይ
ኣሕዋትካ ይብሉኻ፡ ተፈታዊ ሓወይ
ኣዝማድካ ይብሉኻ፡ ሓወቦይ ኣኮይ
ገሊኦም'ውን ይብሉኻ፡ ዝኸበርካ ኣያይ
ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ-እግዚኣብሔር! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ (ዳዊት 116:15) ።
ዜና ዕረፍቲ መምህር ትሕትናን ትዕግሥትን መምህር ተስፋን ለውሃትን ኣቦና ዘውገ ምሁራን መሪጌታ ይትባረክ በርሀ ምስ ሰማዕኩ ሞት መሪር ስለዝኾነ ብጣዕሚ ስንባደን ዓሚቕ ሓዘንን ተሰሚዑኒ፥
ግናኸ ነቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ዮሃንስ 5:24 ''ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ዝብል ክርስቶሳዊ ቃል ዘኪረ በል ፍቓድካ ይኹን ጎይታ ኢለ ሃዲአ።
"ናብ ኢየሱስ ምስ መጹ ግና፡ ድሮ ኸም ዝሞተ ርእዮም መሓዅልቱ ኣይሰበርዎን። ሓደ ኻብ’ቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዅናት ወግኦ። ብኡንብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። (መሓዅልቱ ዘይሰበርዎ) ኸኣ፡ እቲ "ኻብኡ ሓደ ዓጽሚ’ኳ ኣይኪሰብሩን’ዮም" ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም’ዩ። "እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ’ዮም" ዚብል ካልእ ጽሑፍ’ውን ኣሎ።" ዮሃ19፡33,34,36,37 ካ.ት እ
ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ወርሓዊ እትሕተም ወግዓዊት ልሣን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ እያ።
vነሓሰ 2022 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 519 - New
vሓምለ 2022 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 518
vሰነ(ኔ) 2022 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 517
vግንቦት 2022 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 516
vሚያዝያ 2022 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 515
vሚያዝያ 2022 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 515
vመጋቢት 2022 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 514
vየ(ለ)ካቲት 2022 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 513
vጥሪ(ር) 2022 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 512
2021
v ታኅሣሥ 2021 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 511
v ሕዳር 2021 [፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 510
v ጥቅምቲ 2021 [[፳፻፲፬ ዓ.ም ግእዝ] መበል 67 ዓመት ቍ 509
ካካብ መስከረም 1- 3 203 ንሰለስተ መዓልታት፡ ብመሪሕነት ብፅኣን ጳጳሳት አቡነ መቃርዮስን አቡነ ሲኖዳን ዝተመርሐ፡ ብዙሓት ውሉደ ክህነት ዝተሳተፍዎ፡ ዝተፈላለየ መደባት ሓቕፉ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ምዕራፈ ቅዱሳን ደብረ ሊባኖስ ወተክለሃይማኖት ሳንታ ኣንቶንዮ ቴክሳስ፡ ክካየድ ዝቀነየ መንፈሳዊ ጉባኤ ብፍሱህን ውዕውዑን መንፈስ ተዛዚሙ። ብተወሳኺ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብኣካል ኪሳተፍ ዘይከአለ ውሉደ ክህነት ብናይ ርሕቀት መራኸብ ብዙሓን (zoom) ኪከታተሎ ቀንዩ።
ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ፥
ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ፥
እንቋዕነይ ኣብዙ ኣብጻሓኩመ
ኣበባሕቲ ወርኂ መስከረመ፥
ፈቐዶኡ ዘሎኹም ኵላትኩመ
እትምነየልኩም ራህዋ ሰላመ
ቅሳነትወ ክርስቶሳዊ ሰላመ
ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይኄሉ! መዝ ፻፲፩፡፮
ኣብ ዓለም አብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘይቋርጽ ሓያል ረጽሚ አሎ። መጽሓፈ ስንክሳር ከምዝምህረና እቶም አብ ሓቂ ጸኒዖም ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉ፡ በቲ “ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ” ዮሓ. 14፡6 ዝበለና መድኃኔ ዓለም ረዚን ዓስቢ፡ ብታሪኽውን ሰናይ ዝኽሪ ይረኽቡ። ጻማ ሰማእታት ንሱ እዩ። በዚ መሠረት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም፥ ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርት ተዓጊሶም፥ እምነቶም ኣጽኒዖም፥ መንፈሳዊ ገድሎም ወዲኦም፥ ካብ ምድራዊ ሰማያዊ፥ ካብ ጊዚያዊ ዘለዓለማዊ፥ ካብ ሥጋዊ መንፈሳዊ ክብርን ኣኽሊልን መሪጾም ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም፥ ብ9 የካቲት 2022 ዓ/ፈ እዮም ዓሪፎም።
ንጾም ዘበርትዕ ሓይልን ሰውነትን፡
ንጸሎት ዝተግህ ቀልብን ክፉት ልብን፡
ሰናይ ዝገብር ሕልናን ትግሃትን፡
ጽቡቕ ዝሪኢ ብርሃን ዓይንን ባህግን፡
ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ 2026: ካብ ሓምለ 30 ክሳብ 2 ነሓሰ (July 30- August 2) 2026 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም። ክንደይ ሰባት ካብ ቤተ ክርስቲያንኩም ከም እትመጹ ኪትሕብሩና ንኽንፈልጥ ኣብዚ ቅጥዒ ክትምዝገቡ ብኣኽብሮት ንሕብር-> Online Form
ጉባኤ ዝካየደሉ ዕለት - Conference Date:- ሓምለ 30 ክሳብ 2 ነሓሰ (July 30- August 2) 2026
ጉባኤ ዝካየደሉ ቦታ - Conference Venue:- ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ
St Mary Eritrean Orthodox Church: 301 Dowling Blvd, San Leandro, CA 94577 Map
መዐርፎ ነፈርቲ - Airport Info:- Oakland San Francisco Bay Airport
መዕረፊ ኣጋይሽ - Hotel Information - Reservations must be made by July 2, 2026
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
Coming soon
"ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። ንኣዛዚኡ ኼሐጉስ ዚደልይ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ዓቀይታይ፡ ብኻልእ መነባብሮ ኣይሕለኽን’ዩ።" 2ጢሞ2፡4 ካ.ት
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ