Regarding the installation of Aba Basilios as patriarch of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church
ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይኄሉ! መዝ ፻፲፩፡፮
ኣብ ዓለም አብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘይቋርጽ ሓያል ረጽሚ አሎ። መጽሓፈ ስንክሳር ከምዝምህረና እቶም አብ ሓቂ ጸኒዖም ከቢድ ዋጋ ዝኸፍሉ፡ በቲ “ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ” ዮሓ. 14፡6 ዝበለና መድኃኔ ዓለም ረዚን ዓስቢ፡ ብታሪኽውን ሰናይ ዝኽሪ ይረኽቡ። ጻማ ሰማእታት ንሱ እዩ። በዚ መሠረት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ ደም፥ ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርት ተዓጊሶም፥ እምነቶም ኣጽኒዖም፥ መንፈሳዊ ገድሎም ወዲኦም፥ ካብ ምድራዊ ሰማያዊ፥ ካብ ጊዚያዊ ዘለዓለማዊ፥ ካብ ሥጋዊ መንፈሳዊ ክብርን ኣኽሊልን መሪጾም ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም፥ ብ9 የካቲት 2022 ዓ/ፈ እዮም ዓሪፎም።
“ነፍሰይ ደሃይ መለኸትን ሕማም ውግእን ትሰምዕ ኣላ እሞ፥ ትም ኣይብልን።” ኤርምያስ 4:19
“ድሕሪ ነዊሕ እዋን ከኣ ጐይታና ናይ’ቶም ገላዉ መጺኡ ምሳኣቶም ኪጸባጸብ ጀመረ፡ እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝተቐበለ ኸኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሃብካኒ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ’ እናበለ ኻልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአ፡ ጐይታኡ ድማ፡ ‘ጽቡቕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ’የ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው።’ በሎ።” ማቴ 25፡19-21 ካ.ት (መዝ 12፡1)
“ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ….” (መዝ 73:28) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 25 ዓመት ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ባፍሎ ኒውዮርክ ካብ ሓሙስ 3 ነሓሰ ክሳብ ሰንበት 6 ነሓሰ 2023 ዓ.ም እዩ ተኻይዱ። እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።
ኣብ 2013 ዓ.ም (ኣብዚ እዋን’ዚ ) ስለ እቶም ኣብ ጻዕዳ ቀላይ ዝሃለቑ ግዳያት ኣብ ዝተገብረ ጸሎተ ፍትሓት ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ንህዝቢ ዝመሓላለፍዎ ብንብዓት ዝተሰነየ መጸናንዒ መልእኽቲ - ካብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ኣትላንታ ብቀጥታ ዝተመሓላለፈ መንፈሳዊ ኣገልግሎት።
እዚ ቃላት`ዚ በዓለ-ትንሣኤ ብዝመጸ ቁጽሪ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያናትና ብጣዕመ ዜማ ተሰንዩ ክበሃል ዝስማዕ ቃል`ዩ። ብርሃንን ሰላምን ቅሳነትን ዘለዎ በዓል ንክኸውን፣ ብምምናይ ወይ ተስፋ ብምግባር ዝበሃል ቃል ምዃኑ ከኣ፣ ከም ርዱእ ክውሰድ ዝከኣል `ዩ። ከመይሲ ካብ ብርሃንን ሰላምን ንላዕሊ፣ ዝምረጽ ካልእ ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብመሠረቱ`ውን ናይ ጎይታና ምምጻእ፣ ነታ ኣብ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ኣትያ ትርከብ ዝነበረት ዓለም፣ ብርሃን ንምዃን ከም-ዝነበረ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተነጊሩ ኣሎ። (ሉቃ-1/79)
መልሲ ነቲ ኣብ ኣሥመራ ብዝነብሩ ጳጳሳት ኤርትራ ዝተዋህበ ውሳኔ፡
“እስከ ትበጽሕ ለሞት ተበአስ በእንተ ጽድቅ፥ ወእግዚኣብሔር አምላክከ ይትበአስ በእንቲአከ።”|“ምእንቲ ሓቂ [ጽድቂ] ክሳብ ሞት ተቓለስ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ድማ ምእንታኻ ክቃለስ እዩ።”ሲራክ 4:28፡፡
ሒደት ጳጳሳትን ልኡኻት መንግሥትን ዝመሃዝዎ፥ ካብ ጥሪ ፲፱፻፺፯ |January 2005 ዓ. ምሕረት፥ ዝጀመረ ግህሰት ቤተ ክርስቲያን፥ ካብ ምእሳር ካህናት፥ መነኮሳት ሕሉፍ ሓሊፉ ክሳብ ሞት ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ስደት ምእመናንን ካህናትን፥ ዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎ መከራን፥ ካብ ዓይኒ ኩሉ ሕዝቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ኩነታት ካብ ዝጀመረሉ፥ ዓገብ ክንብልን፥ ብዝከኣለና ኣብ ስደት ዘሎ ሕዝብና ከነጸናንዕን ክንጓስን ጸኒሕና ኢና፡፡
ፖለቲካ ኣንታ ፖለቲካ፡
በል እስኪ ፍቐደለይ ከዕልለካ:
ፖለቲካ'ዶ ክብለካ ፖለቲካ:
ዘይጥዑም እቲ ስምካ:
ካብ መን ተፈጢርካ:
ካብ ምንታይ ፋብሪካ:
ፍጥረት ሰብ ዘይብልካ:
“ሓደ’ኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ‘ኣነ ክርስቶስ’የ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጽ’ዮም፡ ንብዙሓት’ውን ኬስሕቱ’ዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ኣስተውዕሉ፡ (ግናኸ) ኣይትሰምብዱ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። እንተ ዀነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኰነን። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ’ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺለዓል’ዩ። ኣብ ኵሉ ቦታታት ከኣ (ጥምየትን ፌራን) ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን’ዩ። እዚ ዅሉ መጀመርታ ቕልውላው’ዩ።” ማቴ 24፡4-8 ካ.ት
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ