S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

‘ባህርይ ክርስቶስ’ ፖፕ ሽኖዳ 3ይ፣ ሊቀ ጳጳሳት ቤተ ክርስትያን ምስሪ ዝተጻሕፈ፣ ትርጉም ዶር ሽሞንዲ ሃይለ
ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ (1 ጢሞ 3:16) Read More...

ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ይካየድ ድሕሪ ምቕናዩ  ብጸሎተ ቅዳሴ ብሰላም ተዛዚሙ።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

ናይ ዝሓለፈ ሰሚስተር፡ ዓመተ ትምህርቲ 2022/23፡ ብረዲኤት እግዚኣብሔር ብዓወት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ተዛዚሙ። 

ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምምሕያሽ እንዳተገብረሉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ሰሙናዊ ብማንዛ (zoom) ስሩዕ ትምህርቲ ይወሃብ ኣሎ። ናይ ካልኣይ ሰመስተር ትምህርቲ ድማ ካብ 1 የካቲት 2023 ክጅምር እዩ። ቀዳማይ ሰሙን መእተዊ ናይዚ ሰመስተር ኮይኑ፡ እቲ ትምህርቲ ክሳብ ግንቦት 2023 ክቅጽል እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ዝነበርኩምን ሓደስትን ተመሃሮ  በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ኣቲኹም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

1) ነባራት ተመሃሮ፡ ነባራት መምዝገቢ ቅጥዒ

2) ሓደቲ ተመሃሮ፡ ሓደስቲ መምዝገቢ ቅጥዒ

ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።

ብመሠረቱ ክርአ ከሎ፣ ቈልዑት ክልተ ዓይነት ወለዲ`ዮም ዘለዉዎም። ቀዳሞት እቶም ብኣካለ-ሥጋ ዝወልዱዎም ወለዲ ክኾኑ ከለዉ። ካብዚ ብምቕጻል ብኻልኣይ ደረጃ እትመጽእ ድማ፣ እታ ብጸጋ-ጥምቀት እትወልዶም ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን`ያ። ንኣተዓባብያኦም ብዝምልከት ድማ ክልቲኦም-ወለዲ ነናቶም ሓላፍነት ክህልዎም ግድን`ዩ። እዞም ዝተባህሉ ክልተ ወለዲ፣ ዘለዎም ሓላፍነት ብዝግባእ ክሠርሑሉ እንተ-ዘይክኢሎም ግና፣ ኣብ መጻኢ ሕይወት እቶም ቈልዑ፣ ዝኾነ ጸገም ከጋጥም ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ።

በስመ አብ  ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን።

“ድምጺ ደም ኃውኻ ካብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።” ዘፍጥረት 4:10

መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ምሻም ዘይሕጋዊ 6ይ ፓትርያርክ።

ክንዝክረኪ ዝኸበርኪ ወላዲት ንስኺ ብርኽቲ አደ:

ኩሉ ዝፈትወኪ ዘፍቅረኪ ካባኺ ዝተወልደ:

ህጻን ቆልዓ ብኣኺ ዝዕንገል ፍቕርኺ ዝለመደ:

ምዕባለ ምስ ማዕርነት ኣብ ገለ ሰባት ገና ዘይተዛመደ:

ንማዕርነት ዝጻረሩ አለናዮ ገለ ሰባት በዓል ዳንደ:

"እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን’ሞ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ።" እብ 11፡13 (ሮሜ 4፡18-20)

ንስኻትኩም ግና እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ; ቀሺ ዲበ። ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን; ቀሺ ቴድሮስ ኣባይ ጽንዑ  ኣነውን  ኣባኻትኩም; ቀሺ ሓለፎም Read More...

መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ስያትል ካብ 14 ክሳብ 17 ሓምለ 2022 (July 14 to July 17 2022) ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ። በመገዲ ፍኖተ ብርሃን Facebook https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch ክትከታተሉ ንሕብር።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 3 መስከረም 2022 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ ክትምዝገቡ ኣቲኹም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div