“ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ብመጋዝ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ”፡ (ዕብ 11:37) ከምዝተባህለ፡ እቶም ንሓቅን ቀኖናዊ ሕግን ብዙሕ ጸዋትወ መከራ ክበጽሖም ዝጸንሐ ባሕታውን እንኮ ናይ ቅኔ መምህርን የነታ እዝራ ዘደብረ ድማኅ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ የካቲት 15/2023 ብግፍዒ ዓሪፎም። ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ብዕረፍቲ ሰማእት ዘደም የነታ እዝራ ዝተሰምዖ ሓዘን ይገልጽ።
ንኽብሪ ንዘክር ማዓልቲ ቅዱስ ዮውህንስ
ውላድ ካብ ኤልሳቤጥ ምስ ካህን ዘካርያስ
ቀረባ ቤተሰብ ንጎይታና እየሱስ ክርስቶስ
ህዝቢ ከጥምቕ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ
ብግፍዒ ተቐትለ ብንጉስ ሄረዶትስ።
ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ ሓደራትኩመ፥
ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ ከመዓላትኩመ፥
እንቋዕነይ ኣብዙ ኣብጻሓኩመ
ኣበባሕቲ ወርኂ መስከረመ፥
ፈቐዶኡ ዘሎኹም ኵላትኩመ
እትምነየልኩም ራህዋ ሰላመ
ቅሳነትወ ክርስቶሳዊ ሰላመ
“ከም’ቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና’ዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ’ዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 5፡14,15 (ግብ 10፡2,4)
ማርያም ከኣ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።
በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት።
ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።
እዚ ጉባኤ`ዚ ሕጂ ዝተጀመረ ሓዲሽ ጉባኤ ኣይኮነን። የግዳስ መቐጸልታ ናይ`ቲ ካብ ነዊሕ ዓመታት በብእዋኑ ክካየድ ዝጸንሐ ጉባኤታት`ዩ። ከም-ዝፍለጥ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ወኪሉ ክርከብ ዝነበሮ ሓላፍነት፣ ዘይምጥን ኮይኑ ብምርካቡ ምኽንያት፣ ህልውና ቤተ-ክርስቲያን ንሓደጋ ተጋሊጹ ምስ-ተረኽበ፣ ነቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ንምዕቃብ ተባሂሉ`ዩ፣ እዚ ጉባኤ`ዚ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ህልውናኡ ንከረጋግጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝተረኽበ።
ከም ልማድ ዝኾነ ሰብ ወይ ሕዝቢ፣ ሓዲሽ-ዓመት ክመጽእ ከሎ፣ ኮይኑ ክርእዮ ዝደሊ ብዓይኒ-ተስፋ`ውን ዝጥምቶ፣ ብዙሕ ጽቡቕ ሕልምታት ክህሉ ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ። እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ግና፣ “-ወለዶ ይሓልፍ ወለዶ ከኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ከይተለወጠት ንሓዋሩ`ያ ትነብር-” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዝርከብ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ “-ኣብ ዓለም ሓዲሽ ነገር የልቦን-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ጠቢብ ዝኾነ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት ዝድምድም። (መክ-1/4)
መግለጺ ፋልማይ ውሁድ ዓመታዊ ጉባኤ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ/ክ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ናይ ሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ቅድስና ተኸቲለን ኣብ ትሕቲ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን፥ ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያናት ብ29 ሚያዝያ 2023 ብመሪሕነት ክልቴኦም ብፁኣን ጳጳሳት፡ ሓያለ ጳጳሳት ናይ ኣሓት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ብመስዋእቲ ቅዳሴ ዝተዛዘመ ውህደት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ድሕሪዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (ሕብራት ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን) ሕጉ ኣጽፊፉ፡ ውሁድ ምምሕዳር ተኺሉ፡ ክሳብ ሕጂ መሠረት ኣብ ምንጻፍ እዩ ጸኒሑ፡ ብኣብዝሓ ሸነኹውን ብጽቡቕን ተስፋ ብዝህብን መንፈሳዊ ጎደና ይጉዓዝ ኣሎ።
ትምህርቲ ትምህርቲ ስማ ጥዕምቲ:
መብልዒት እንጀራ ቀለብ ሊቃውንቲ:
መጥፊኢት ድንቁርና ኣጽዋር ናይ መሃዝቲ:
ህያብ ናይ ፈጣሪ ምርኩስ ናይ መራሕቲ:
ብርሃን ናይ ነበርቲ ሻቁሎት ናይ ዓመጽቲ:
ጉዝጓዝ ናይ ደቂ ሰብ ናይ ስድራ ሕብስቲ:
ማሕበራዊ ክብረ-ጸጋ ቁጠባዊ ርስቲ:
ናይ ሓሳር መፍትሒ ዘይጠፍእ መብራህቲ:
ናይ መነባብሮ ብልሓት ናይ ስራሕ ናውቲ:
ናይ ፖለቲካ ልሳን ንሓቂ መማጎቲ:
ናይ መንእሰይ ተስፋ ናይ ሂወት ስጉምቲ:
ናይ ቁሩብ ዓመት ሽግር ንሓዋሩ ሃብቲ:
ተማሃሩ መንእሰያት ኩልኹም ናእሽቲ:
ዕድመ ኣይውስንን እንተላይ ዓበይቲ:
ክማሃር ኣለዎ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ:
ነጋዳይ ሓረስታይ ሓዊስካ ሹማምንቲ:
እርጋን ከየርከበ ከይከደ መዓልቲ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ