ከም ልማድ ዝኾነ ሰብ ወይ ሕዝቢ፣ ሓዲሽ-ዓመት ክመጽእ ከሎ፣ ኮይኑ ክርእዮ ዝደሊ ብዓይኒ-ተስፋ`ውን ዝጥምቶ፣ ብዙሕ ጽቡቕ ሕልምታት ክህሉ ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ። እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ግና፣ “-ወለዶ ይሓልፍ ወለዶ ከኣ ይመጽእ፣ ምድሪ ግና ከይተለወጠት ንሓዋሩ`ያ ትነብር-” ብምባል`ዩ ገሊጹዎ ዝርከብ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ “-ኣብ ዓለም ሓዲሽ ነገር የልቦን-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ጠቢብ ዝኾነ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት ዝድምድም። (መክ-1/4)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ኣብ ውሽጥን ወጻእን።
ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ 2025: ካብ ሓምለ 31 ክሳብ 3 ነሓሰ (July 31- August 3) 2025 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ላስ ቬጋስ ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም።
አብ ከተማ ላስ ቨጋስ ሆተል ብርትዓዊ ዋጋ ምርካብ ከቢድ ብምዃኑ፡ ኣቐዲምኩም አብዚ ዝስዐብ ሳጹን መአከቢ ሓሳባት ክንደይ ሰባት ካብ ቤተ ክርስቲያንኩም ከም እትመጹ ኪትሕብሩና ንምሕጸን-> Online Form
ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ 2026: ካብ ሓምለ 30 ክሳብ 2 ነሓሰ (July 30- August 2): ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ምሳና ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም።
ሆተል ብርትዓዊ ዋጋ ምርካብ ከቢድ ብምዃኑ፡ ኣቐዲምኩም አብዚ ዝስዐብ ሳጹን መአከቢ ሓሳባት ክንደይ ሰባት ካብ ቤተ ክርስቲያንኩም ከም እትመጹ ኪትሕብሩና ንምሕጸን-> Online Form
ክንዝክርዶ ክንትርኽ ክንዝቲ፡
ብዛዕባ ኣደ እታ ለባም ሰበይቲ፡
ኽፋእ ዘይብላ ቅንጣብ ሓንቲ፡
ጽያፍ ዘይወጻ ሓላል ብርኽቲ፡
ገዛኣ ዝመጸ ዋላ ፍርቂ ለይቲ፡

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና። እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ቐዳማይ ሰንበት ናይ’ዚ ሓድሽ ዓመተ ግእዝን መበል 11 ሰንበት ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘመነ ክረምትን’ዩ። እዚ ብምሕረቱን ብመጋቢነቱን ንዅሉ ፍጥረት ሰብን እንስሳን ዜናብር ሕያዋይ ኣምላኽ፡ በቲ ሰናይን ልኡላውን ፍቓዱን ብዅሉ ኸኣልነቱን ነዛ ዝሓለፈት ናይ ዘመነ ማርቆስ ዓመት ብህይወት ሰጊርና፡ ነዛ ሓዳስ ናይ ዘመነ ሉቃስ ዓመት ክንርእያ ስለ ዘብቅዓና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን። ነታ ዝሓለፈት ዓመት ኪዘልቅዋን ኪሰግርዋን ዘይተዓደሉ ሰባት፡ ምቝጻሮም ክሳዕ ዚኸብድ እምብዛ ብዙሓት’ዮም። ነታ ዓመትና ዀነ ንህይወትና ብሳህሉ (ብምሕረቱ) ኸሊሉ ሳላ ዘስገረና ግን፡ ገና ብህይወት ኣለና።
ሎሚ፥ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ምህላዋ ናይ ዕዳጋ ምስጢር እዩ። ልክዕ ከምቲ ይሁዳ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንማእሰርትን ሞትን ኣሕሊፉ ዝሃቦ፥ ካብኡ ብዘይፍለ፥
ብመሠረቱ ክርአ ከሎ፣ ቈልዑት ክልተ ዓይነት ወለዲ`ዮም ዘለዉዎም። ቀዳሞት እቶም ብኣካለ-ሥጋ ዝወልዱዎም ወለዲ ክኾኑ ከለዉ። ካብዚ ብምቕጻል ብኻልኣይ ደረጃ እትመጽእ ድማ፣ እታ ብጸጋ-ጥምቀት እትወልዶም ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያን`ያ። ንኣተዓባብያኦም ብዝምልከት ድማ ክልቲኦም-ወለዲ ነናቶም ሓላፍነት ክህልዎም ግድን`ዩ። እዞም ዝተባህሉ ክልተ ወለዲ፣ ዘለዎም ሓላፍነት ብዝግባእ ክሠርሑሉ እንተ-ዘይክኢሎም ግና፣ ኣብ መጻኢ ሕይወት እቶም ቈልዑ፣ ዝኾነ ጸገም ከጋጥም ከም-ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ዝውሰድ እዩ።
ፍቕረይ ደሪኽዎ እቲ ዘይሓምም ሓመመ፣ ዘይተሓዝ ተሰቕለ፣ ዘይመውት ሞተ። ኣየ ፍቕሪ!
ቀዳም 27 መስከረም 2025 ዓ.ም በዓል መስቀል እዩ። ኣምላኽ ቅዱስን ብሩኽን በዓል መስቀል ይግበረልና፡
መሰቀል ጽንእነ
መሰቀል ቤዛነ
መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ
ንሕነስ ኣመነ በኅይለ መስቀሉ ድኀነ።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ