S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 "ኣምላኽናስ ኣብ ሰማይ ኣሎ፡ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር’ዩ። ...እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፡ ኣብ ባሕርን መዓሙቝን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር’ዩ።" መዝ 115፡3 ፣ 135፡6።

ኣብዚ ቕንያት’ዚ ካብ ሥርዓት ኣሥመራ ተላኢኾም ዝመጹ ክልተ ጳጳሳት፡ በቲ ከሕልፍዎን ክገብርዎን ዝቐነዩ ውዱቕ ፕሮፖጋንዳ ንብዙሓት ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ኣጉህይዎም ዝቐነየ ዓብይ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ንተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን፡ ወኪልና ኢና መጺና እናበሉ፡ መሳርሒ ናይቲ ሥርዓት ኮይኖም ምርካቦም፡ ንቤተ-ክርስቲያና ምስ ክብራን ዕቤታን ዘይከይድ ኣነዋሪ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ፡፡ ሓደ ካብቶም ዝመጹ ጳጳሳት ኣባ ቄርሎስ፡ ሃገር ብምልእታ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ወዲቓን ሓሲራን እናሃለወት፡ ናይ ዕድጊ ወኪል ኮይኖም ዝተሸሙ ክመስሉ ብምሕሳር ማሸላን ተንዲኖን ጣፍን ክዛረቡ ምርኣዮም ንቡዙሓት ሰዓብቶም ከይተረፈ ልቦም ዝሰበረ ትዕዝብቲ ኮይኑ ኣሎ። ኣባ ቄርሎስ በዚ ኣየብቅዑን፡ "ዋሓጥዮ እንተ-በልኩዋስ ትጎስሞ" ከም እተባህለ፡ ነቲ ብናይ ብዙሓት ደም ንጹሃት ደቂ ሃገር ተሓታቲ ዝኾነ ጨኳኒ ሥርዓት ኢሳይያስ ክውድስዎ ምርኣዮም ከየንዓቆም ኣይተረፈን።

ርእይቶ ካብ ምእመናን ቤተክርስትያን ተዋህዶ:

ናብ ክቡር ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስን ኩልኹም ኣብ ከባቢኦም ዘለኹም ኣቦታት ካህናትን ኣሕዋትን።

ንቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ሃገረ ሽወደን ተኻይዱ። እቲ “ንሕና ምስ ኣቦና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብቀዳም 3 ነሓሰ 2019 ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ውሉደክህነት ናይ ዝተፈላለያ ከተማታትን ምእመናን ዝተሳተፍዎ እዩ ኔሩ። ብተወሳኺ፥ ኣመንትን ወከልትን ካልእ እምነታትን'ውን ተረኸቢቦም ኔሮም። እቲ ሰልፊ ብስም ቅዱስ እንጦንዮስ እኳ እንተተኻየደ፣ ንኹሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ስለ እምነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ወገናት ዝውክል’ዩ ክብሉ እቶም ኣዳለውቲ ገሊጾም።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

"ብተስፋ ተሓጎሱ፥ ብጸበባ ተዓገሱ፥ ጸሎት ኣዘውትሩ" (ሮሜ 12:12) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጠቕሲ፥ ቀኖናዊ ሃገረ ስብከትና መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤኡ ካብ ሓሙስ  30 ሓምለ ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ 2020 ኣ.ፈ ((ካብ ፳፫ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብመራኸቢ ብዙኃን ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (virtual) ብረድኤት እግዚኣብሔር ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ ኣሎ።

 "እምበኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እዚ ዚንገረኩም ዘሎ መልእኽቲ፡ "ሕድገት ሓጢኣት ብኢየሱስ’ዩ" ዚብል ከም ዝዀነ ፍለጡ። እቲ ብሕጊ ሙሴ ኺጸድቕ ዘይተኻእሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ብኢየሱስ ዚኣምን ዘበለ ይጸድቕ።" ግብ 13፡38,39 ካ.ት

ብመጀመርያ ሰላምታ የቐድም፣ ብምቕጻል ድማ ነዘን ሕቶታተይ ክትምሉሱለይ ብትሕትና እሓትት።

1. “ኣብ የማን ኣቦ ኮይኑ ስሌና የማልድ” ማለት እንታይ ማለት እዩ?

2. “መጋረጃ ቤት መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ“ ማለትከ? ቀንዲ ትርጉሙን ታሪኹን ኣስፍሕ ኣቢልኩም ክትገልጹለይ ብትሕትና እሓትት።

እግዚኣብሄር ጸግኡ የብዝሓልና ኣብ ዓለም ድማ ሰላም የውርደልና። ኣሜን።

የቐንየለይ!

ተኪኤ

ሰንበት 28 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ኦስሎ, ኖርወይ: ንኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ዓዲ ቀይሕን ኣባ ሉቃስን "ኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ" ዝብል ብመንእሰያት፥ ውሉደ ክህነትን ህዝብን ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝህብዎ መልሲ ስኢኖም ኣብ ጓል-መገዲ ኮለል ይብሉ።

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 17 - ክፋል

ከምዚ ኢለ ድማ፥ ምስቶም ካህን ዝነበረኒ ምዝርራብ ወዲአ፥ ተሳናቢተዮም ምስ ከድኩ። ብዙሓት መልሲ ዘይረኸብኩሎም ሓሳባት እናመጹ የጨንቑኒ ነበሩ። እቲ ዝዓበየ ዘጨንቐኒ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ግብጺ ክሳብ ዘሎኹ ንሕይወተይ ውሕስነት ክህልወኒ ስለ-ዘይክእል፥ ልበይ ወዲቑለይ ደቂሰ ክሓድር ዝኽእል ኣይነበርኩን። ስለዚ’ውን ምዩቕ እናበልኩ፥ ብጽላሎተይ እናተዳሃልኩ ምንባር፥ ከም-ዘየወጻጽኣኒ ብምርዳእ፥ ብኸመይ ካብ ሃገረይ ክወጽእ ከም-ዝኽእል ከሰላስል ግድነት’ዩ ነይሩ።

"ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ 5፡9) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 21 ዓመት ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጂያ ካብ ሓሙስ 25 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 28 ሓምለ 2019 ዓ.ም እዩ ተኻይዱ። እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div