S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

" . . . እንሆ ሰብ ጥበብ፡ "እቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰኾቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና’ሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና" እናበሉ . . . መጹ። . . . ከም’ቲ ጽሑፍ ‘ተበጃዊ ኻብ ጽዮን ኪመጽእ’ዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲእነት ኬርሕቕ’ዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ፡ ኪዳነይ ምስኣቶም እዚ ኪኸውን’ዩ’ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን’ዩ።" ማቴ2፡1,2 ፣ ሮሜ11፡26,27

ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ታሪኽ፡ ነቶም ተዋሳእቲ ናይቲ ታሪኽ ገዲፍካ፡ ከምዘለዎ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን እናተፈጸመ ብዓይንኻ ክትርእን፡ ኣካል ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ታሪኽ ኮይንካ ንገዛእ ርእስኻ ክትረኽባን ዘገርም እዩ። ናይ ታሪኽ ጽቡቅ ነገሩ፡ ንኽልቲኡ ኣሉታውን ኣወንታውን ናይቲ ፍጻሜ ስለዝገልጽ፡ ተጠንቂቑ ነቲ ታሪኽ ብምስትውዓል ንዘንብብ ብዙሕ’ዩ ዝምሃር። እቲ ብዘይ ምስትውዓል ነቲ ታሪኽ ዘንብብን፡ ካብ ቅንዕና ወጻኢ ብኻልእ ፖለቲካውን ማሕበራውን መኽሰባት ተታሊሉ ክትርጉሞ ዝፍትን ግን፡ ነቲ ታሪኽ ብኣሉታዊ ጎኑ ካብ ምድጋም ካልእ ምርጫ ኣይህልዎን እዩ።

ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ስዊድን ክካየድ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ብመደብ ተታሒዙ ዝጸንሐ ጉባኤ፡ “-እግዚኣብሔር ንመንን ብኸመይን እዩ ርእሱ ዝገልጽ-” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ27 ከምኡ’ውን 28 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተኻይዱ።

ርሑስ በዓል መስቀለ

ንቀይሕ ንብጫ ንጸሊመ

ንከደር ጻዕዳወ ንጸሊመ

ንወለት ሔዋን ኣዳመ

ንወዲ ሔዋን ኣዳመ

ኢዩ ዝተሰቕለ ንብዓለመ፥

  • በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ ኣሜን!
  • መላእ ገዳማውያን ኣቦታት፡ ውሉደ ክህነትን ማኅበረ ማእመናንን ምእመናትን ብኃበራ፡

ሕጋውን ቀኖናውን ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ይምለሱ እሞ፡ ዕርቀ-ሰላም ክወርድ፥ ብተስፋ ንብዙሕ እዋን ክጽበ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ብወገን ኣሥመራ ብ13 ግንቦት 2021 ዓ.ም.ፈ ዝተኣወጀ፡ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝጠሓሰ፡ ምርጫ ዘይሕጋዊ 5ይ ፓትርያርክ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብትሪ ከም ዝነጽጎን ከም ዝቃወሞን እናሓበረ፡ ኣብ ደረት ሓቅን ሕግን ቈይሙ ኸኣ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሓዋርያዊ መሪሕነት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጥራይ ከም ዝቕበል፡ ንመላእ ማኅበረ ምእመናን፡ ውሉደ ክህነት፥ ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ጽኑዕ መርገጺኡ የፍልጥ።

"(ኢየሱስ) ናብ’ታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከም’ቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብ’ውን ተንስአ። . . . ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ኣጸቢቕካ ትጋህ። እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር’ዚ ዅለንትናኻ ወፍይ።" ሉቃ4፡16፣ 1ጢሞ4፡15 ካ.ት.

ኩልና ከም ንፈልጦ፡ ሽም ዘይብሉ ንህቢ፡ ኣይሰምር፡ ኣየምዕር ምዃኑ ርዱእ ሓቂ እዩ። ቆፎ ብዘይ ንህቢ ድማ ኣይብርበር፡ ኣይከብር እኳ ደኣ ይሓስር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘምዕርን ዘኽብርን ዝነበረ ዕስለ ንህቢ ምስ ሽሙ ነቲ ቆፎ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሓዲግዎ ስለ ዝኸደ እዩ።

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል: ሎሚ ዓመት'ውን ቀዳም 23 ሕዳር 2019 ዓ.ፈ (፲፫ ሕዳር ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብዝደመቐን ዝማዕረገን ኣገባብ ን10ይ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብነፈርትን መካይንን ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።

ዓሚ ልክዕ ከምዛ ሎሚ 13 ሰነ 2019 ኣ.ፈ 5ተ ገዳማውያን ኣቦታት ብዘይ ፍትሕን ትእዛዝ ቤት ፍርድን ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ብኃይሊ ህግደፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጊንዳዕ ዝኣተውሉ ዕለት እዩ። እወ! ዓመት ከም ሓንቲ ዕለት ብቝርን ሃሩርን ብጥምየትን ጭንቀትን፥ ብሕማምን ስቅያትን ብጸርፍን ውርደትን 365 መዓልታት ብእህህታን ሓዘን ኣብ ጸልማት ማሕዩር ተዳጕኖም ኣለዉ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ ኣሜን!

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ንዝርከቡ፡ ኩሎም ደቂ-ቤተ-ክርስቲያንን ደለይቲ ጽቡቕን፡ ብፍላይ ድማ ንኣበው ገዳማውያን፡ ንኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን፡ ንመላእ ማሕኅበረ ምእመናንን ምእመናትን፡ ከምኡውን ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ መንፈሳዊ ሰላምታኡ የቕርብ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div