“መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሓስዉን። ኣብ’ቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ’ሞ፡ እዛ ጥበብ’ዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን’ያ’ምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን።” ያእ 3፡14-16 (ቲቶ 3፡10,11)
ሓሙስ 27 መስከረም 2018 ዓ.ም በዓል ቅዱስ መስቀል እዩ።
ኣምላኽ ቅዱስ በዓል መስቀል ይግበረልና። ኣሜን ።
መሰቀል ጽንእነ
መሰቀል ቤዛነ
መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ
ንሕነስ ኣመነ በኅይለ መስቀሉ ድኀነ።
እዛ ቃል እዚኣ ንመጀመርታ ጊዜ (ቦኽሪ እዝነይ) ዝሰማዕክዋ ኣብቲ ምድረ በዳን ምድረ ፍዳን ዝኾነ ሳዋ ዝበሃል ቦታ መደንዘዝን መልመስን መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 1997 ዓ.ም.ፈ እዩ ዝነበረ። ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ሥልጣን ኤርትራ ከቢድ መልእኽቱ ከመሓላልፍ ከሎ፡ ከምዚ ኮይነ፥ ከምዚ ኣሎኒ፥ ዝብል ዝኾነ ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን። ንኽትፈልጡ ኣብዚ ክልተ ትእዛዝ ጥራይ እየን ዘለዋ “ግበር ወይ ኣይትግበር ” ዝብላ፥ "ካብዚ ወጻኢ ንዝኸደ ምሕረት ዝበሃል የሎን። ካብ ኢድ ሰይጣን ምሕረት ኣይትጸበ።" ክብል ኃይለ-ቃል ዘለዎ ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቡና ናብ ቦትኡ ተዓዝረ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ እምበኣር ኣብ ኢድ ሰይጣን ኢና ኣቲና ዘሎና ብዝብል ሓሳብ ብሓቂ ልበይ ስለ ዝተጎድአ ኣምላኽ ብምሕረቱ ካብቲ ዘፍርሕ ዓዘቕትን ከቢድ መግዛእትን መዋጽኦ ክፈጥረልና ወትሩ ብጸሎት ይልምን ነበርኩ። ነታ ከባድ ቃል በዓል ሥልጣን ህግደፍ ዝተዛረባ ክኣ እንሆ ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 22 (ዕስራን ክልተን) ዓመታት ብፍጹም ክርስዓ ኣይከኣልኩን።
Divine Liturgy on Palm Sunday from Holy Trinity Eritrean Orthodox Church,Seattle, WA (April 12, 2020).
ሥርዓተ ቅዳሴ ሆሳዕና ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ስያትል ዝተዘርግሐ።
Divine Liturgy on Palm Sunday from St Mary, Eritrean Orthodox Church,Bay Area, CA (April 12, 2020).
ሥርዓተ ቅዳሴ ሆሳዕና ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም, ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝተዘርግሐ።
“ከም’ቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና’ዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ’ዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 5፡14,15 (ግብ 10፡2,4)
ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ታሪኽ፡ ነቶም ተዋሳእቲ ናይቲ ታሪኽ ገዲፍካ፡ ከምዘለዎ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን እናተፈጸመ ብዓይንኻ ክትርእን፡ ኣካል ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ታሪኽ ኮይንካ ንገዛእ ርእስኻ ክትረኽባን ዘገርም እዩ። ናይ ታሪኽ ጽቡቅ ነገሩ፡ ንኽልቲኡ ኣሉታውን ኣወንታውን ናይቲ ፍጻሜ ስለዝገልጽ፡ ተጠንቂቑ ነቲ ታሪኽ ብምስትውዓል ንዘንብብ ብዙሕ’ዩ ዝምሃር። እቲ ብዘይ ምስትውዓል ነቲ ታሪኽ ዘንብብን፡ ካብ ቅንዕና ወጻኢ ብኻልእ ፖለቲካውን ማሕበራውን መኽሰባት ተታሊሉ ክትርጉሞ ዝፍትን ግን፡ ነቲ ታሪኽ ብኣሉታዊ ጎኑ ካብ ምድጋም ካልእ ምርጫ ኣይህልዎን እዩ።
መቐጸልታ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተለሚዱ ዝጸንሐ ኩሉ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ እውን ኣብ ከተማ በርኒንግሃም፣ ንክልተ መዓልቲ ዝኸደ መንፈሳዊ ጉባኤ ተገይሩ ውዒሉ። በዚ ድማ ካብ ሎንዶንን ማንችስተርን ዝመጹ ማኅበረ-ምዕመናን፥ ምስ በርኒንግሃም ተሓዊሶም፥ ግሩም ተባሂሉ ክግለጽ ብዝኽእል መንፈስ እቲ ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ።
“(ኣምላኽ) ግና ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኬቑመኩም፡ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። እዚ (ዕርቂ’ዚ ዚኹነልኩም) ግና፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን፡ ካብ’ቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ ከይተነቓነቕኩም ኣብ እምነት እንተ ዘናዕኩም’ዩ። እዚ (ወንጌል’ዚ) ኸኣ፡ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኩምዎ፡ ኣነ ጳውሎስ ከኣ ዘገልጋሊኡ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር (ሰብ) ዝተሰብከ ወንጌል’ዩ።” ቈሎ 1፡22,23 ካ.ት
ሰንበት 28 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ኦስሎ, ኖርወይ: ንኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ዓዲ ቀይሕን ኣባ ሉቃስን "ኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ" ዝብል ብመንእሰያት፥ ውሉደ ክህነትን ህዝብን ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝህብዎ መልሲ ስኢኖም ኣብ ጓል-መገዲ ኮለል ይብሉ።
Part 2
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ