S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዲያቆን ዮሓንስ ገብረሕይወት፥ መድኃኔ - ዓለም ማንቸስተር, ዓባይ – ብሪጣንያ

ኣብ መጽሔት መገዲ ሕይወት, ቁጽሪ 2 ሕታም ዝተዳለወ።

ወይዘሮ ክርስቲና ወይ ወይዘሮ ታውክልያ ተባሂለን ዝስመያ ኣኽሱማዊት ኣደ ከምዝነበራ ትፈልጡ ዶ? “ኣኽሱምን ክርስቲናን ደኣ ኣበይ ኣበይ እየን ዝራኸባ?” ኢልኩም ትሓቱ እንተለኹም፡ ምምርማር ታሪኽ ቅዱስ ያሬድ የድልየኩም ኣሎ ማለት እዩ። ንስርሓት ቅዱስ ያሬድ ናብቲ ዝቐጸለ ወለዶ ዘሳገሩ፡ ሳዊሮስ፡ ሳንድሮስ፡ ባልዳዶስ፡ ኬፋ፡ ወዘተ እዮም ዝበሃሉ ኔሮም። ኣሰያይማ ስሞም ይዓጀበና እንተሎ፡ ታሪኽ ንግስነት ክርስትናን ንግስነት ኣኽሱምን ኣብ ዞባና ክንፈልጥ እዩ ዝያዳኡ ክዓጅበና ዝግባእ።

 

ዓቃቢ ዝብል ቃል ካብ ዐቀበ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወጸ እዩ። ዓቀበ ማለት ሓለወ ክኸውን ከሎ ዓቃቢ ድማ ሓላዊ፥ ብሕድሪ ንዝተዋህቦ መጽንሒ እዩ ዘስምዕ። ኣብዚ ሎሚ-ቅነ ብዛዕባ ተኣፋፊ ጉዳይ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት ብሰብ እዋን ሰብ ኣሥመራ ብዝተዘርግሐ ዘጸይፍ መግለጺ፡ ንዕኦም ኣውጊዝና፥ ኣብታ ዘለዉዋ ቤት ዓጺናዮም ኣሎና። ነታ ሓዋርያዊት መንበር ከኣ ዓቃቢ ጌርናላ፡ ስለ ዝበሉ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን መሪር ጓሂ ስለ ዝተሰምዖም በብዝመስሎም ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዓገብ ዝመልእኽቱ ይጽሕፉን ይዛረቡን ኣለዉ። ኣነ ድማ በታ ንእሽቶይ ዓቕመይ ከም መግለጺ ሓዘነይ ነዚኣ ክጽሕፍ ብሕሊናይ ተገዲደ ኣሎኹ።

መቐጸልታ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተለሚዱ ዝጸንሐ ኩሉ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ እውን ኣብ ከተማ በርኒንግሃም፣ ንክልተ መዓልቲ ዝኸደ መንፈሳዊ ጉባኤ ተገይሩ ውዒሉ። በዚ ድማ ካብ ሎንዶንን ማንችስተርን ዝመጹ ማኅበረ-ምዕመናን፥ ምስ በርኒንግሃም ተሓዊሶም፥ ግሩም ተባሂሉ ክግለጽ ብዝኽእል መንፈስ እቲ ጉባኤ ክካየድ ክኢሉ።

ሰንበት 4 ጥቅምቲ 2020፡ ንዝኽሪ  ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ። እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ: ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን'ዚ ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ኮይኑ፡ ስለቶም ድሕሪኡን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ።

"እንሆ ኸኣ፡ "ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ’ሞ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብ’ዚ መጻእካ፧" እናበሉ ጨርሑ። . . . እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ "ኸተውጽኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብ’ዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣትው ፍቐደልና።" ኢሎም ለመንዎ።" ማቴ 8፡29።

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 18 - ክፋልን መወዳእታን)

ቅድሚ ንኣለክሳንድሪያ ምምላሰይ፥  ንሓንቲ ክርስቲያን ዝኾነት ኃውተይ ክበጽሓ ኣሎኒ ብምባል፥ መንገደይ ናብኣ ኣቢለ ኣቕናዕኩ። ንሳ ከመይ ዝበለት ዓባይ ሰብ እያ። እቲ ጽቡቕ ተግባራ’ውን ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብጥቕልል ዝበለ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ’ያ ኢልካ ትግለጽ፥ ወረጃን ዓባይን ወይዘሮ’ያ። ማለት ኣብቲ ኩሉ ሰብ ሪሑቑኒ፥ መውደቕን መጸግዕን ስኢነ ምድረ ሰማይ’ውን፥ ጽልምት ኢሉኒ ዝነበረሉ ግዜ። ልባን ማዕጾ-ቤታን ከፊታ ዘዕቈበትኒ፥ ናይቲ ክትዝክሮ ከሎኻ ዘስካሕክሕ እዋን እምንቲ ኃውተይ እያ።

5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.ፈ)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።

ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ምስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር፥ ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን መንፈሳዊ ፍልጠቶም ንምዕባይ ኣብ 2013 ትምህርቲ ምጅማርና ዝዝከር እዩ። መፍትሒ ናይቲ ውህሉልን፡ ስቓይ ኮይኑና ዘሎ እዋናውን ፈተና ቤተክርስቲያንና ድሕረት ትምህርቲ ምዃኑ ስለ ንኣምን፡ ትምህርቲ ንምስፋሕ ዝኣክል ሕድገታት ክንገብር ከምዘሎና ንግንዘብ።

3ይ ክፋል ቃለ መሕትትን ዘተን ምስ ኣቦታት ካህናት ቀሲስ ዲበ ገብረወልድን ምስ ቀሲስ ዶ/ር ቴድሮስ ተስፋይን

ዕለት፥- ቀዳም 26 መስከረም 2020 

ሰዓት፥- 5:00 ድ.ቀ ብኣቆጻጽራ ምብራቓዊ ዞባ ኣሜርካ

ዛዕባ፥- ኣመሰራርታ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካን ሕጂ ዝርከበሉ ዘሎ ኩነታትን።

መስኮት መራኸቢ፥ ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ገጽ ንገጽ ኣብ 

1.     https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch

2.     https://www.youtube.com/c/TewahdoTV

3.     ኣብዚ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ

ተኸታተልቲ ንዘቕርቡዎም ሕቶታት`ውን ኣቦታት መልሲ ክህቡሎም እዮም።

ክፍሊ መራኸቢ ብዙሓን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ። 

"ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸብበናን’ዩ፡ ’ንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና። ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግን ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይጠፍእን ኢና።" 

2ቈረ 4፡8,9 (ዘካ 9፡12)

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div