S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንሆ ድማ ድምፂ ብሃንደበት እንካብ ሰማይ መጽአ። እቱ ምልክቱስ ተገንዚብኩሞዶ፧ እዙ ጴንጠ-ቈስጠኸ እንታይ ኢዩ፧ እቱ ማዕጺድ ኣብ ዓጺድ ዚስደደሉን፥ ዚእከበሉን ጊዜ ኢዩ። እቱ ክውንነቱ ርኣዩ፥ እቱ ቃል ማዕጺድ እተሰደሉ ጊዜ ምስ መጽአ: ናብዙ፥ ከመዮ ማዕጺድ ዚብልኁ መንፈስ ቅዱስ ወረደ። ንቃላት ክርስቶስ ጽን በሉ: በለ እውን፥ እንሆ ኣዕይንቲኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ግራትውቲ ንዓጺድ ድሮ ከም ዚፃዕደወ ርኣዩ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ። ዘፍ 217

ኣቐዲሙ ተታሒዙ ብዝነበረ መደብ መሠረት። ኣብ ዕለት 29 ወርሒ-10 ኣብ ሃገረ-ስዊስ ከተማ ሰንት-ጋለን ዝተባህለት ከተማ። እተን ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዐን ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ተጋቢኤን ከም-ዝወዓላ እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ከም-ምዃኑ መጠን። ብብዙሕ ተስፋን ሃንቀውታን ክጽበዩዎ ዝጸንሑ ብዙሓት እዮም።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን:-

28 ታሕሳስ 2012 ግእዝ (7 ጥሪ 2020 ዓ. ም) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ዕለተልደት' ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትን ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባትይኹን (ሉቃ. 214) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ ሰብ እቲ ኣብ ይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።

ኣሕዋተየ፡ (ብዓይነቱ) በበይኑ ዝዀነ ፈተና ኺበጽሓኩም ከሎ፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። (ምኽንያቱ) ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸለኹም፡ ጽንዓት ዜፍርየልኩም። ግናኸ ብሓንቲ ነገር ከይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብትዕግስቲ ጽንዑ፡ . . . እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብ ብጹእዩ፡ (ምኽንያቱ) ተፈቲኑ(ብዓወት) ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበልዩ።ያእ 22-4,12 .

ዲያቆን ዮሓንስ ገብረሕይወት፥ መድኃኔ - ዓለም ማንቸስተር, ዓባይብሪጣንያ

ኣብ መጽሔት መገዲ ሕይወት, ቁጽሪ 2 ሕታም ዝተዳለወ።

ወይዘሮ ክርስቲና ወይ ወይዘሮ ታውክልያ ተባሂለን ዝስመያ ኣኽሱማዊት ኣደ ከምዝነበራ ትፈልጡ ? “ኣኽሱምን ክርስቲናን ደኣ ኣበይ ኣበይ እየን ዝራኸባ?” ኢልኩም ትሓቱ እንተለኹም፡ ምምርማር ታሪኽ ቅዱስ ያሬድ የድልየኩም ኣሎ ማለት እዩ። ንስርሓት ቅዱስ ያሬድ ናብቲ ዝቐጸለ ወለዶ ዘሳገሩ፡ ሳዊሮስ፡ ሳንድሮስ፡ ባልዳዶስ፡ ኬፋ፡ ወዘተ እዮም ዝበሃሉ ኔሮም። ኣሰያይማ ስሞም ይዓጀበና እንተሎ፡ ታሪኽ ንግስነት ክርስትናን ንግስነት ኣኽሱምን ኣብ ዞባና ክንፈልጥ እዩ ዝያዳኡ ክዓጅበና ዝግባእ።

ንቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ሃገረ ሽወደን ተኻይዱ። እቲ “ንሕና ምስ ኣቦና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብቀዳም 3 ነሓሰ 2019 ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ውሉደክህነት ናይ ዝተፈላለያ ከተማታትን ምእመናን ዝተሳተፍዎ እዩ ኔሩ። ብተወሳኺ፥ ኣመንትን ወከልትን ካልእ እምነታትን'ውን ተረኸቢቦም ኔሮም። እቲ ሰልፊ ብስም ቅዱስ እንጦንዮስ እኳ እንተተኻየደ፣ ንኹሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ስለ እምነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ወገናት ዝውክል’ዩ ክብሉ እቶም ኣዳለውቲ ገሊጾም።

መግለጺ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዝተፈጸመ ዘይመንፈሳዊ ተግባር፥ ባእስን ምትህርራምን ንብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘሕዘነ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዜይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ።” 1ጴጥ 122,23(ገላ 57,8)

ብመጀመርያ ሰላምታ የቐድም፣ ብምቕጻል ድማ ነዘን ሕቶታተይ ክትምሉሱለይ ብትሕትና እሓትት።

1. “ኣብ የማን ኣቦ ኮይኑ ስሌና የማልድ” ማለት እንታይ ማለት እዩ?

2. “መጋረጃ ቤት መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረማለትከ? ቀንዲ ትርጉሙን ታሪኹን ኣስፍሕ ኣቢልኩም ክትገልጹለይ ብትሕትና እሓትት።

እግዚኣብሄር ጸግኡ የብዝሓልና ኣብ ዓለም ድማ ሰላም የውርደልና። ኣሜን።

የቐንየለይ!

ተኪኤ

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div