S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንታይ ትደልዩ ኣለኹም፧ ቊ.23 (21 ታሕሳስ 2025 ፈ | ታሕሳስ 12, 2018 ግዕዝ)

"ንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ዘመነ ስብከትን ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ነብያትን’ዩ። "ዘመነ ስብከት" ኣብ ውሽጢ ዘመነ ነብያት ስለ ዚርከብ፡ ናይ ዘመነ ነብያት ንኡስ ዘመን ከም ዝዀነ ኺመስለና ኣይግባእን። ርእሱ ዝኸኣለ ዘመን’ዩ። ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዘመነ ስብከት ካብ ታሕሳስ 12 ኽሳዕ ታሕሳስ 13 ዀይኑ፡ ናይ 2 መዓልታት ዘመን’ዩ። ስብከት፡ ኣብ እምነት ክርስትና ቐዳማይን ዓብይን ገልግሎት’ዩ። ነቶም ኣብ እምነት ዘየለዉ ሰባት፡ ብስብከት ኢና ’ንበጽሖም።

ኣብ እምነት ንዘሎ ዅሉ ድማ፡ ብስብከት ኢና ’ነነቓቕሖን ’ንድርኾን። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን’ውን ኣዝዩ ዓብይ ኣገልግሎት ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና’ዩ። ኵሎም ካህናትን ነብያትን ናይ ብሉይ ኪዳን፡ ሰበኽቲ ጽድቂ ነበሩ። ነብዪ ሄኖክ ካብ’ቶም ሞት ዘይጠዓሙ ብስብከት ድማ፡ ዘገልገሉ ናይ ኣምላኽ ቅዱሳን ሓደ’ዩ (ይሁ14,15)። ኣቦና ኖህ’ውን "ሰባኽ-ጽድቂ" ኸም ዝነበረ ቕዱስ ጴጥሮስ ገሊጹልና ኣሎ (2ጴጥ 2፡5)። ንሓይልን ኣገዳስነትን ናይ ስብከት ብዝለዓለ ደረጃ፡ ብቓል ኰነ ብግብሪ፡ ዝገለጾ ግን፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። ኣብ’ተን ሓጸርቲ ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ ብዘይ ምቍራጽ ብምስባኽ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ’ዛ ናይ ዓመጻ ዓለም ተኺልዋን ንቕዱሳን ደቀ መዝሙሩ ኣረኪብዋን ከደ። "ኪዱ ስበኹ፡" ኢሉ ትእዛዝ ሃቦም (ማቴ 26:18፣ 28:19-20፣ ማር 16:15፣ ሉቃ 7:22፣ 10:3፣ 19:30)።  ንሳቶም ድማ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ሕድርን ተልእኾን ኣኽቢሮም ብስብከቶም ንወንጌል ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣብጽሕዎ (ግብ 8:5፣ ሮሜ 1:7፣1ቈረ 1:2፣ ገላ 1:16-17፣ 21-23፣ ኤፌ 1:1፣ ፊሊ 1:1፣ ቈሎ 1:2፣ 1ተሰ 1:1፣ 1ጴጥ 1:1)። ናይ ኵሉ ሓዋርያዊ ስብከት ማእከላይ መልእኽቲ ድማ፡ እቲ ስቑል ክርስቶስ’ዩ (1ቈረ 1፡23፣ 2፡1,2፣ ኤፌ 1፡8,9፣ ቈሎ 1፡18)።

እቲ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ "ወልዶ መድኅነ ንሰብክ" (ነቲ መድሓኒ ዝዀነ ወዱ ንሰብኽ) ዘርእስቱ’ዩ። ሓፈሻዊ መልእኽቱ ድማ፦ “ነቲ መድሓኒ ወዱ ንሰብኽ። (ንሱ) ቕድሚ ዓለም ዝነበረ’ዩ። (ንሱ) ኣኽሊል ሰማእታት፡ ሰያሚ ካህናት፡ ተስፋ መነኮሳት’ዩ። ነቲ መድሓኒ ወዱ ንሰብኽ። ቅድሚ ዓለም ዝነበረ፡ ናይ ሰማእታት ኣኽሊል፡ ንኻህናት ሸያሚ፡ ንመነኮሳት’ውን ተስፋ’ዩ። ነቲ መድሓኒ ወዱ ንሰብኽ።

እቲ ኽብሪ ቕዱሳን ዝዀነ መድሓኒ ተሰብከ። ንዅሉ ዓለም ኣቦን ወድን ዚኸውን፡ ነቢያት ሰቢኾምዎ ሐዋርያት’ውን ኣስኣሰሩ ስዓቡ። ንሱ መድሓኒና’ዩ። ብቓሉ ሰንበት ሰርዐ ንዅሉ’ውን ሰላም ጸገወ።” ዚብል’ዩ። ስለ’ዚ ስብከት ናይ ጐይታና ብዓብዩን ናይ ቅዱሳን ነብያትን ሓዋርያትን ግብሪ ኣገልግሎት ስለ ዝዀነ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን’ውን ኣብ መድረኻት ኣብያተ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ኣባይትን ጐደናታትን ኣደባባያትን ዕዳጋታትን ሰባት ኣብ ዚርከብዎ ዅሉ ቦታን ክትፍጽሞ ይግብኣ። ምኽንያቱ ጐይታና ዘርኣየና፡ ኣቦታትና ሓዋርያት’ውን ዝሰዓብዎ ኣሰር ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ’ውን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን ኪፍጽምዎ ዚግባእ፡ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትው ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም’ዩ (ማቴ 9፡35፣ ማር 1፡37,38፣ 6፡56፣ ግብ 17፡17,22፣ 16፡13፣ 19፡8)። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ቲ ናይ ዮሃ1፡38-51 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ’ዩ።

ጐይታና ግን ነቶም ኪስዕብዎ ዝረኣዮም ሰባት፡ ንምንታይ’ዩ ነዚ ሕቶ’ዚ ዝሓተቶም፧ ኪስዕብዎ ንዝረኣዮም ኵሎም እዛ ሕቶ’ዚኣ ይሓትቶም ነይሩ ማለት ድዩ፧ እዞም ዚሕተቱ ዘለዉ ኽልተ ሰባት፡ ደድሕሪ ኢየሱስ ምስዓብ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ደድሕሪ ዮሃንስ መጥምቕ ዚስዕቡ፡ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ደቀ መዝሙር ዝነበሩ’ዮም። ከም ደቀ መዝሙር መጠን፡ ኣብ’ቲ መምህሮም ዝነበሮ ዅሉ መድረኻት ይርከቡ ነበሩ። ስለ’ዚ ነቲ ቕዱስ ዮሃንስ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝሃቦ ዅሉ ትምህርትን ስብከትን ባዕላቶም በእዛኖም ዝሰምዑ ሰባት’ዮም። ኣብ’ቲ ድሮኡ ዝነበረ መዓልቲ፡ ጐይታና ኢየሱስ ኪጥመቕ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ ዮሃንስ መጥምቅ ዝተዛረቦ ዘረባ፡ ከምኡ’ውን ቅድሚ ሳልስቲ ልኡኻት ፈሪሳውያን "ንስኻ መን ኢኻ" እናበሉ ብሕቶ ኼጨንቕዎ ኸለዉ ዝሃቦ መልስን በእዛኖም ዝሰምዑ መሰኻክር’ዮም7። ነቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ዚምስክር ዘሎ መምህሮም ድማ ይኣምንዎ’ዮም። ስለ’ዚ ደጋጊሙ፡ "እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ" ኺብሎም ከሎ፡ ኪስዓብ ዚግብኦ ንሱ (ኢየሱስ) ምዃኑ ይሕብሮም ስለ ዝነበረ፡ መምህሮም እናረኣዮም ደድሕሪ ጐይታና ኺስዕቡ ጀመሩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር’ኳ እንተ ዘይተገልጸ፡ እዞም ክልተ ሰባት ቀዳሞት ሰዓብቲ ናይ ጐይታና ኸይኰኑ ኣይተርፉን’ዮም። ብዙሕ ሰብ ኪስዕቦ ስለ ዝረኣኻ ክትስዕቦ ምውሳን፡ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል’ዩ። ነቲ ብዛዕባኡ ዝተዋህቦ ምስክርነት ስለ ዝሰማዕካ ጥራሕ ናይ መጀመርታ ሰዓቢ ምዃን ግን፡ ምስትውዓል ዝተዓደሎም ውሑዳት ሰባት ጥራሕ ዚገብርዎ ኸቢድ ውሳነ’ዩ።

ጐይታና ነዚ ሕቶ’ዚ ዝሓተቶም ድማ ከም በዅሪ ሰዓብቱ መጠን፡ ብዛዕባ’ቲ ዝወሰድዎ ቘራጽ ስጕምትን ዝነበሮም ዓሚቝ ምስትውዓልን ንኼመልክት’ምበር፡ ንምንታይ ይስዕብዎ ኸም ዘለዉ፡ ድልየቶም እንታይ ከም ዝነበረ ተሰዊርዎ ኣይኰነን። ብመልክዑ፡ ብግርማኡ፡ ብትሕዝቶኡ፡ ብስልጣኑ ተመሲጦም ኣይሰዓብዎን። ምኽንያቱ፡ እቲ መሲሕ ምስ ተገልጸ እንታይ ከም ዚመስል፡ ህዝቢ ብዛዕባኡ ዚህልዎ ኣረኣእያ እንታይ ከም ዚኸውን፡ ነብዪ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ቕድሚ ኣስታት 600 ዓመታት ብስእላዊ መገዲ ገሊጽዎ’ዩ (ኢሳ53፡1-4)። እዞም ሰባት’ዚኣቶም፡ ቃል ናይ’ቲ ሓቀኛ መምህሮም ሰሚዖምን ከም ዘለዎ ኣሚኖምን’ዮም ንኺስዕብዎ ዝወሰኑ። ብመስዋእቱ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ናይ ኣምላኽ ገንሸል ምዃኑ ስለ ዝኣመንዎ’ዮም ዝሰዓብዎ። ብስጋዊ ልደቱ ድሕሪ ዮሃንስ መጥምቕ ዝመጸ፡ ብመለኮታዊ ህልውናኡ ግን ቕድሚ ዮሃንስን ቅድሚ ዅሉ ዓለምን ዝነበረ ምዃኑ፡ መምህሮም ናይ’ዚ ገንሸል’ዚ ጸራግ መገዲ ምዃኑ፡ ስራኽ ኣሳእኑ ኺፈትሕ ከም ዘይበቅዕ፡ በቲ ፍርዳዊ ስልጣኑ ጒንዲ ዝቘርጽ ማሕጸ (ወይ ፋስ) ምዃኑ፡ ዓውዱ ዜጽርይ መስአ ምዃኑ፡ ንስርናይ ናብ ቈፎኡ፡ ንሓሰርን ክርዳድን ግና ናብ ሓዊ ዚድርብይ ምዃኑ፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብማይ ጥራሕ ዘይኰነ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ዜጥምቕ መሲሕ (ወይ ክርስቶስ) ምዃኑ ፈሊጦምን ተቐቢሎምን ዝሰዓቡ’ዮም (ማቴ 3፡10-12)። ኢየሱስ ኪጥመቕ ናብ ዮሃንስ መጥምቕ ምስ መጸ፡ "ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧" ኪብሎ ኸሎ ዝሰምዑ’ዮም (ማቴ3፡14)። ሰማያት ተኸፊቱ "ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ’ዩ" ዚብል ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ ድምጽን ምስክርን ዝሰምዑ ቕዱሳን ሰባት’ዮም። እዞም ክልተ ደቀ መዝሙር፡ ነቲ ጐይታና ዝሓተቶም ሕቶ፡ "ከም’ዚ ኢና ደሊና" ኢሎም ኣይመለሱን። ብኣንጻሩ "ኣበይ ሰፊርኻ ኣለኻ፧" ኢሎም ምሕታቶም፡ ንእኡ ጥራሕ ከም ዚደልዩ፡ ናብ’ቲ ዝኸዶ ኪኸዱ፡ ኣብ’ቲ ዝሰፈሮ ኺሰፍሩ ኸም ዝወሰኑ ዜርእይ ነበረ። ብልቦም ጽቡቕ ገይሮም ተረዳዲኦም ስለ ዝነበሩ፡ "ንዑ ርኣዩ" በሎም’ምበር፡ ካልእ ሕቶ ኣየስዓበሎምን። ጐይታና እዚ ሕቶ’ዚ ንዅሉ ዝሰዓቦ ሰብ ይሓትቶ ኸም ዝነበረ ኣይተጻሕፈልናን። እቲ ዚስዕቦ ዅሉ ሰብ ግን፡ እዛ ሕቶ’ዚኣ ንእኡ’ውን ከም ‘ትምልከት ኣስተውዒሉ ዕለት መጸ ኺምልሳ ይግብኦ’ዩ። ሓደ እዋን ቅዱስ ጴጥሮስ፡ "ጐይታይ እዚ ምስላ’ዝስ ንኣና (ጥራሕ)ዲኻ ’ትምስሎ ዘለኻ ወይስ ንዅሉ ኢኻ፧" ኢሉ ሓቲትዎ ነበረ (ሉቃ12፡41)። ጐይታና’ውን "እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፡ ንዅሉ እብሎ ኣለኹ" ኢሉ’ዩ ዝገለጸሎም (ማር13፡37)።

ዓይነት ናይ ድልየትና ንዓይነት ናይ ምስዓብና ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ጸላውን ኣገዳስን’ዩ ማለት ድዩ፧ ንዅሉ ተግባርና፡ ውሳነና፡ ምርጫና፡ ዚውስኖን ዚድርኾን፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድልየትና’ዩ። ኣብ ዘመን ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ንጐይታና ዝሰዓብዎ ሰባት ማእለያ ዘይብሎም ብዙሓት’ዮም። ገሊኦም ትእምርትን ተኣምራትን ኪርእዩ፡ ገሊኦም ካብ ሕማሞም ኪፍወሱ፡ ገሊኦም ዚብላዕ ኪረኽቡ፡ ገሊኦም መቕተሊ ዚኸውን ጒድለት ኪረኽቡሉ፡ ውሑዳት ከኣ ኪድሕኑን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡን ኢሎም ይስዕብዎ ነበሩ (ማቴ16፡1 ፣ 20፡32 ፣ ዮሃ 6፡26,68,69 ፣ 11፡56,57)። ደድሕሪኡ ስለ ዝኸደ ጥራሕ፡ ኵሉ ኸም ሰዓቢ እንተ ቘጺርናዮ’ሞ፡ ትርጒም ናይ ምስዓብ ኣይተረድኣናን ኣሎ ማለት’ዩ። ክርስቶስ ጐይታና ነቶም ሓቀኛ ሰዓብቱ ዚፈልየሉ መለለዪኡ፡ እቲ ልባዊ ድልየቶም’ዩ። ሓደ እዋን ጐይታ እና’ገልገለ ኸሎ፡ ሓደ ጸሓፊ (ምሁር ፈሪሳዊ) ናብኡ መጺኡ፡ "መምህር፡ ናብ’ቲ ‘ትኸዶ ዅሉ ኽስዕበካ’የ" በሎ። እዚ ቓላት’ዚ ንሰማዒኡ ዜሐጕስን ዜወናውንን’ዩ። እቲ ልብን ኰላሊትን ዚፈልጥ፡ ድልየትን ድርኺትን ዚመዝን ጐይታና ግን፡ ኣይተመሰጠሉን። "ክትስዕበኒ ኣይደልን’የ ወይ ኣይኣምነካን’የ" ወይ’ውን "ኣብ ፍርቂ መገዲ ኽትጠልመኒ ኢኻ" ኣይበሎን። ነታ ድልየቱ ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዘንበባ፡ እታ ንሱ ዚደልያ ነገር ከም ዘይብሉ ነጊሩ ኣቕበጾ። 

"ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን፡ ነዕዋፍ’ውን ዜጽልላሉ (ኣለወን)፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ (መንበሪ)’ኳ የብሉን" ምስ በሎ፡ "ዋላ መጸግዒ ኣይሃሉኻ፡ ካብ ምስዓብካ ንድሕሪት ኣይምለስን’የ" ኺብል ኣይተሰምዐን (ማቴ8፡18-20)። ነታ ቐንዲ ዚደልያ ነገር ካብ ክርስቶስ ከም ዘይረኽባ ምስ ፈለጠ፡ ብድሕሪኡ ህጣሙ ጠፍአ። 

ደቂ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስን ያእቆብን፡ ንጐይታ ብምስዓቦም ኪረኽብዎ ዚደልዩ ዓብይ ድልየት ነበሮም። ኢየሱስ ምስ ነገሰ፡ ኣብ የማኑን ጸጋሙን ዚቕመጡ ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣን ናይ ምዃን ሓያል ድልየት ንልቦም መሊእዎን ነበረ። ከምኡ ኺገብረሎም ንጐይታና ምስ ለመንዎ፡ ጐይታ ብልማኖኦም ስለ ዝጐሃየ፡ "’ትልምንዎ (’ትደልይዎ) ኣይትፈልጡን ኢኹም" ኢሉ ገንሖም (ማር10፡35-45)። እንታይ ኪደልዩን ኪልምኑን ኸም ዚግብኦም ድማ ዓሚቝ ትምህርቲ ሃቦም። ስለ’ዚ ጸሎቶምን ድልየቶምን ኣንጻር ናይ’ዚ ሕጂ ዝለመንዎ ማለት "ርእሲ ኣሕዋተይ ግበረኒ" ዘይኰነስ "ባርያ ኣሕዋተይ፡ ባርያ ዅሉ ሰብ ግበረኒ" ኪኸውን ከም ዚግብኦ መሃሮም። ምኽንያቱ "ባርያ ዅሉ፡ ትሕቲ ዅሉ" ኪኸውን ዘይከኣለ ሰብ፡ ነቲ "ልዕሊ ዅሉ፡ ርእሲ ዅሉ" ናይ ምዃን ክብሪ ኣይበቕዖን’ዩ። ልክዕ ከም’ቲ ምሁር ፈሪሳዊ፡ እዞም ክልተ ምሩጻት ሃዋርያት’ውን ነቲ ቕኑዕ ናይ ምስዓብ ድልየት ኣይረኸብዎን። ስለ’ዚ ብግጉይ ድልየት ናይ ምስዓብ ፈተና፡ ካብ’ቲ ዝለዓለ ሃዋርያ ኽሳዕ’ቲ ተራ ምእመን ዜጋጥም’ዩ።

ድልየታትና ድማ ምስ ኵነታት፡ ጊዜ፡ ዕድመ፡ ወዘተ ኪቀያየሩ ይኽእሉ’ዮም። ብዕድመ ስጋ ጥራሕ እንተ ረኣናዮ’ኳ ቈልዓ ኸለኻ ዝነበረካ ድልየት፡ እናዓበኻ ምስ ከድካ ድልየታት ብእኡ መጠን እናተለወጠ ኸም ዚኸይድ፡ ሳላ ማሕበራዊ ተመክሮና ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። እቲ ንጐይታ ኽንስዕቦ ዚድርኸና መሰረታዊ ድልየት ኪለዋወጥ’ውን ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ። መንፈሳዊ ዕድመና፡ ፍልጠትና፡ ተመክሮና ወዘተ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ንጐይታ ኽንስዕብ ዝደረኸና ድልየትና እናጸረየን እናበሰለን ኪኸይድ’ዩ ዚግብኦ። ስለ’ዚ ዓይነት ናይ ድልየትና፡ ናይ መንፈሳዊ ዕብየትና እቲ ዝበለጸ መምዘኒ ረቛሒ’ዩ። ብኽንደይ ገድሊ ኣዕቢና ናብ ዕድመ ሰላሳታት ዘብጻሕናዮ ውላድና፡ እናጐየየ መጺኡ፡ "ባባ፡ ዝጻወተሉ ባምቡላ’ባ ዓድገለይ" ኪብለና ኸሎ እንታይ ምተሰምዓና፡ እንታይከ ምደምደምና፧ እቲ ኽንህቦ ዝሓተተና ነገር ሕማቕ ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ፡ ምስ ዕድሚኡ ዘይመጣጠን ድልየት ብምዃኑ ኢና ብጓህን ብሕፍረትን ‘ንወሓጥ።

እሞ እቲ ንክርስቶስ ክንስዕብ ዚድርኸና ድልየት እንታይ ዓይነት ኪኸውን’ዩ ዚግብኦ፧ የማን ጸጋም ከይበልና፡ እታ ክርስቶስ ዚሓስባን ዚደልያን ጥራሕ ክንደልይ’ዩ ዚግብኣና። እቲ ንሱ ዚደልዮ እንታይ ምዃኑ ኸኣ ባዕሉ ብልሳኑ ገሊጹልና’ዩ። ነቲ ዝተረፈ ድማ ኣቐዲሙ ቕድሚ ልደቱ ብቕዱሳን ነብያት፡ ድሕሪ ዕርገቱ ድማ ብቕዱሳን ሃዋርያቱ ብንጹር ገሊጹልና’ዩ። ስለ’ዚ ብቕንዕና ነቲ ክርስቶስ ዚደልዮ ጥራሕ ኪደልይ ንዝመረጸ ክርስትያን፡ ብምርሒትን ረድኤትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስ ዜጽንዖ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ሰፊሩሉ ኣሎ። ጐይታና ናብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዝመጸ፡ ምእንታና ሞይቱ ብምትንሳእ ኬድሕነና ስለ ዝደለየ’ዩ (ማቴ20፡28)። ሓደ እዋን፡ ኣይሁድ ሒዞም መከራ ኼጽግብዎን ኪቐትልዎን ምዃኖም ምስ ተዛረበ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ነዛ ናይ ክርስቶስ ድልየት ናቱ ድልየት ስለ ዘይገበራ፡ ንጐይታኡን መምህሩን ብዛዕባ’ዛ ድልየቱ’ዚኣ ኺገንሖ ጀመረ። ጐይታ ናይ’ዚ ምሩጽ ሃዋርያኡ ነዚ ስጋዊ ኣተሓሳስባ’ዚ ኺዕገሶ ስለ ዘይከኣለ፦

"ኣታ ሰይጣን፡ ካባይ ርሓቕ፡ ናይ ሰብ’ምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ’ሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ፡" ብምባል ዜሰንብድ መግናሕቲ ሃቦ (ማቴ16፡21-23)። ምኽንያቱ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ንጐይታ ኻብ ምስዓብ ዚዕንቅፍ ሓደገኛን ሰይጣናውን ኣተሓሳስባ’ዩ። እዚ ዅሉ ተገኒሑላ ኼብቅዕ፡ ካብ ውሽጡ ነቒሉ ስለ ዘይደርበያ፡ እታ ዚፍተኑላ መዓልቲ ምስ መጸት፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ነቲ ዜፍቅሮ ጐይታኡ "ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን’የ" ኽሳዕ ዚብል ብኽሕደት ኣነወረቶ (ማቴ26፡69-75)። ጐይታና ግን ነታ ናቱ ናይ መስቀል ድልየት፡ ንሕና’ውን ክንደልያ ኸም ዚግብኣና ብዘየዳግም መገዲ ብኣጽንዖት ገሊጹልና’ዩ።

"ንዅሎም ከኣ፡ ‘‘ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል’ሞ፡ ይስዓበኒ፡’’ . . . በሎም።" ሉቃ 9፡23። መስቀልካ ኸየልዓልካ፡ ማለት ምእንቲ ክርስቶስ ዋጋ ኽትከፍልን መከራ ኽትጸግብን ፍቓደኛን ሕጉስን ከይኰንካ ምስዓብ፡ ጥዕና ዘለዎ ምስዓብ ኣይኰነን። ከም’ቲ ጐይታ "ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን’ዩ። ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ" ዝበሎ፡ ዘይብቑዕ ሰዓቢ ዄንካ ኢኻ ትድርበይ ማለት’ዩ (ማቴ10፡37,38 ፣ ሉቃ9፡62 ፣ 14፡26,27)። 

"ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ጽድቁን ድለዩ" ዚብል ንጹር መምርሒ ተዋሂቡና ኼብቅዕ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ልዕሊ ዅሉ ‘ንሰርዖ ቐዳማይ ድልየትና እንተ ዘይገበርናዮ፡ ብኣንጻሩ በቲ ዘይጠቅምን ለካሚናን ዝዀነ ስጋውን ምድራውን ድልየታት ህይወትናን ኣካይዳናን ነበላሽው እንተ’ሊና፡ ናይ ክርስቶስ ዘይኰነ ናይ ሰይጣን ሰባት ምዃን ከም ዝመረጽና ብወግዒ ነፍልጥ ኣለና (ማቴ6፡33)። 

እቲ ቕዱስ መድሓኒና፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብኸመይ ንድልየታትና ሰዊእና፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ድልየት ከም ‘ነኽብር፡ ወርቃዊ ኣርኣያ ሓዲጉልና’ዩ። እታ ምእንቲ ድሕነትና ዚስውኣላ ኣዝያ ፈታኒት ሰዓት ምስ ቀረበት፡ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ጐሃየትን ተጨነቐትን። ምኽንያቱ ዝዀነ ዓይነት መንቅብ ዘይብሉ ፍጹም ጻድቕን ቅዱስን ክነሱ፡ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ምጽኣቱ ናይ ዘለዉ ዅሎም ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ሓጢኣት ዚጾረሉ እዋን’ዩ በጺሑ ዘሎ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ንሱ ራእሲ፡ መበቈል፡ ምንጪ ናይ ህይወት ክነሱ፡ ብምኽንያት’ቲ ዝለበሶ መዋቲ ስጋና፡ ንሱ’ውን ሞት ዚጥዕመላ መራር ሰዓት’ያ በጺሓቶ። ዋላ ኸም ዚትንስእ ይፈልጥ እንተ ነበረ’ኳ፡ ዋላ ንሓንቲ ኻልኢት (ንሓንቲ ሰከንድ) ሞት ምጥዓም፡ ናብ መቓብርን ናብ ሲኦልን ምውራድ ንእኡ ኺጽወር ኰነ ኺግለጽ ዘይክእል ውርደት’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ምጻር ሓጢኣትን ሞትን ኪተርፈሉ ሓያል ድልየት ኪህልዎስ ኣዝዩ ጻድቕን ቅኑዕን ድልየት ምዃኑ፡ ዝዀነ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ኪኽሕዶ ዘይክእል’ዩ። ኣብ’ዛ ፈታኒት ሰዓት’ዚኣ እምበኣር’ዩ፡ ነቲ ቕኑዕን ጻድቕን ድልየቱ ብኸመይ መስዋእቲ ኸም ዝገበሮ፡ ከቶ ዘይሃስስ ድሙቕ ኣርኣያ ዝሓደገልና። ቅዱስ ማቴዎስ ነዚ ኣርኣያ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣስፊሩልና እንሆ። 

". . . ኪጕህይን ኪትክዝን ጀመረ። ሽዑ፡ ‘‘ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ’ሞ፡ ኣብ’ዚ ኹኑ፡ ምሳይ’ውን ንቕሑ’’ በሎም። ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ፡ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለ’ውን፡ ‘‘ኣቦይ ዚክኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ’ዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም ‘ትደልዮ’ምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን’’ ። . . . ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ‘‘እዚ (ጽዋእ’ዚ) ኸይሰተኽዎ ኺሓልፍ ዘይክኣል እንተ ዀይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን።’’ ኢሉ ጸለየ።" ማቴ26፡36-39,42።

ካብ’ዚ ቕዱስ ኣርኣያኡ’ዚ ንግንዘቦ ኸም ዘለና፡ ነቲ ቕኑዕን ጽድቕን ድልየቱ ገዲፉ’ዩ፡ ንናይ ኣቦኡ ድልየት ቀዳምነትን ክብርን ዝሃበ። ኣብ ጐይታና፡ ይዕበይ ይንኣስ፡ ዝዀነ ዓይነት ሕማቕ ድልየት ኣይነበረን። ናትና ድልየታት ግን መብዛሕትኡ ሕማቕን ሓጥእን ድልየታት’ዩ። ዋላ’ቲ ብባህርዩ ሓጥእ ዘይኰነ ድልየታትና ድማ፡ መብዛሕትኡ ዘይጠቅምን ከንቱን’ዩ። ምስ ናይ ኣምላኽ ድልየት’ሞ ኸኣ፡ ፈጺሙ ናብ ንጽጽር ኪኣትው ዘይግብኦ’ዩ። ሓደ በርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ንናይ ኣምላኽ ድልየትን ንናቱ ድልየትን ኣብ ክልተ ገልዒ ናይ ሓደ ሚዛን ኣቐሚጡ፡ ናቱ ድልየት ካብ’ቲ ናይ ኣምላኽ ድልየት ንላዕሊ ዝዓበየን ዝኸበረን ኰይኑ ተራእይዎስ፡ ንገዛእ ድልየቱ ኺተግህን ኪግዛእን እንተ መሪጹ፡ ንሱ ናይ መን ወገን ምዃኑ፡ ኣበየናይ ደምበ ኸም ዘሎ ንምፍላጥ፡ መግለጽን ትንተናን ዜድልዮ’ውን ኣይኰነን። ድልየታትና፡ ናይ መንነትናን ባህሪናን መርኣያታት’ዮም። ሓደ ሰብ፡ ሓቀኛ ሰዓቢ ክርስቶስ ዚኸውን፡ ድልየታቱ እናደርበየ፡ ደድሕሪ ናይ ክርስቶስ ድልየታት ምስ ዚስዕብ’ዩ። ንክርስቶስ ብእግርና ዘይኰነስ፡ ብልብና ኢና ‘ንስዕቦ። ናይ ድልየታትና ምንጭን ማዕከንን ድማ ልብና’ዩ።

ድልየታትና ምስ ናይ’ቲ ‘ንስዕቦ ዘለና ጐይታ ድልየታት ዚቃደውን ዘይቃደዉን ምዃኖም ብኸመይ ኢና ኽንፈልጥ ‘ንኽእል፧ ኣቐዲምና’ውን ከም ዝተንከፍናዮ፡ ቀዳማይ ስጒምትና፡ ናይ ጐይታናን ናይ ኣምላኽናን ድልየታት እንታይ ምዃኑ፡ ንቓል እግዚኣብሄር መርሚርና ብንጹርን ብዝርዝርን ኣገባብ ክንፈልጦ ይግብኣና። ፍልጠት፡ ናይ ወዲ ሰብ ብርሃን’ዩ። ብዘይ ፍልጠት ምንባር ማለት፡ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት፡ ከም ዓይነ ስውር ብሃሰስታ ምጒዓዝ ማለት’ዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ፍልጠት ዘይብሉ ሰብ፡ ምስ ኣምላኽ ኣብ ነገር ተጸሚዱ’ሎ፡ ስለ’ዚ ኸኣ ንርእሱ ናብ ጥፍኣት ሓጽይዋ ኣሎ ማለት’ዩ (ሆሴ4፡1,6)። ድልየታት ጐይታኻ ኸይፈለጥካ ምስዓብ፡ ብዘይ ኣእምሮ ዚግበር ናይ ሃሰሰ-ለባም ተግባር’ዩ። ካልኣይ ስጕምትና ድማ ነቲ ኻብ ልብና ዚፍልፍል ድልየታትና፡ ብመንጽር’ቲ ናይ ጐይታና ድልየታት ምምርማር’ዩ። ካብ ልብና ንዝወጸ ዅሉ ድልየታት ከይመርመርና ኽንስዕብን ከነገልግልን እንተ ወሲንና፡ ብዛዕባ’ቲ ዝመረጽናዮ እምነት ክርስትና ዝዀነ እንዶ ዘይብልና ሰባት ኢና ማለት’ዩ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብ ሃዋርያ ናብ ዲያብሎስ ዝለወጦ፡ ነቲ ናይ ገንዘብ ድልየቱ ንኼማልእን ንኺግዛእን ስለ ዝተወፈየ’ዩ (ዮሃ6፡70 ፣ 13፡2)። ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ናይ ኵሉ ኽፍኣት ምዃኑን ኣብ መወዳእታ’ውን ናብ መዋጽኦ ዘይብሉ ጥፍኣት ከም ዜጥሕሎ እናፈለጠ ስለ ዝኸሓዶ’ዩ (1ጢሞ6፡9,10)። ቅዱስ ጳውሎስ ናይ’ቶም ከም ጢሞቴዎስ ኣገልገልቲ ኽነሶም እሙናት ዘይነበሩ ሰባት ጸገም እንታይ ከም ዝነበረ፦ 

"ኵላቶም ጥቕሚ ርእሶም (ይደልዩ)’ምበር፡ ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ (ድልየታት) ኣይግደሱን’ዮም።" ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ (ፊል2፡21 ካ.ት)። ናይ ኢየሱስ ኣገልጋሊ ኽነስኻስ፡ ናይ ኢየሱስ ድልየታት ዘየገድሰካ ምዃን፡ ማዕረ ኽንደይ ኸቢድ መንፈሳዊ ሕማም ምዃኑ መግለጺ ዘየድልዮ ብሩህ’ዩ። ነዚ ሕማም’ዚ ብኣግኡ ኣለሊኻ እንተ ዘይወጊድካዮ፡ መፈጸምታኻ ኸም ዘይዕረይ ገይሩ ኸም ዜበላሽወልካ፡ ካብ ናይ ይሁዳን ናይ ካልኦትን መፈጸምታ ኽትርድኦ ኣየጸግምን’ዩ። ሳልሳይ ስጕምቲ ድማ ንድልየታትካ ‘ትንዕቀሉን ‘ትድርብየሉን፡ ንድልየታት ጐይታ ድማ ኣብ ህይወትካ እተንግሰሉን ‘ትግዝኣሉን መንፈሳውነት ምህናጽ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብዘየርብሓካ ድልየታት ተዓንቂፍካ ኻብ ምውዳቕ ዚኸፍእ ዕሽነት የልቦን።

እምበኣር ንድልየታትና ብዕቱብ ንመርምር። ሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚገብሩና ድልየታትና ጥራሕ ነአንግድ ከም ዘለና ነረጋግጽ። ነቶም ንኣምላኽ ዜኽብሩ፡ ንኣና’ውን ምድራዊ ህይወትና ዀነ ዘለኣለማዊ መጻኢና ዜጸብቑ ድልየታት ጥራሕ ንምረጽ። ሰብ ብገዛእ እግሩ ተዓንቂፉ ኸም ዚወድቕን ከም ዚስበርን፡ ብገዛእ ድልየታትና ተዓንቂፍና ዘለኣለማዊ መጻኢና ኣይነጸልምት!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 

21 ታሕሳስ 2025 | ታሕሳስ 12, 2018 ግዕዝ (መበል 14 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ:፻፬፫(፻፬፬)፡፯,፰ "ፈኑ እዴከ እምአርያም። አድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ። ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር።"

"ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ። ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።"

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 1፡1-ፍጻመ

ዲያቆን

2ጴጥ 1፡19-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡19-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 1፡38-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ መዝሙር፦ ወልዶ መድኅነ ንሰብክ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div