ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታት’ውን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ ክወስደና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንዓና ነቶም ኦርቶዶክሳውያን፥ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ ነገር፥ ቅድሚት ንሰርዖ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ’ዩ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 17 - ክፋል
ከምዚ ኢለ ድማ፥ ምስቶም ካህን ዝነበረኒ ምዝርራብ ወዲአ፥ ተሳናቢተዮም ምስ ከድኩ። ብዙሓት መልሲ ዘይረኸብኩሎም ሓሳባት እናመጹ የጨንቑኒ ነበሩ። እቲ ዝዓበየ ዘጨንቐኒ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ግብጺ ክሳብ ዘሎኹ ንሕይወተይ ውሕስነት ክህልወኒ ስለ-ዘይክእል፥ ልበይ ወዲቑለይ ደቂሰ ክሓድር ዝኽእል ኣይነበርኩን። ስለዚ’ውን ምዩቕ እናበልኩ፥ ብጽላሎተይ እናተዳሃልኩ ምንባር፥ ከም-ዘየወጻጽኣኒ ብምርዳእ፥ ብኸመይ ካብ ሃገረይ ክወጽእ ከም-ዝኽእል ከሰላስል ግድነት’ዩ ነይሩ።
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን።
ብሩኽ በዓል ቅዱስ ዮሓንስን ሠናይ ምጅማር ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና እንናበለ፥ እዚ ዘመነ-ዮሓንስ ናይ ሰላም፥ ቅሳነት፥ ፍቕርን ስኒትን፥ ፍትሕን ሥርዓትን ዝነግሠሉ ክኾነልና ንልዑል እግዚኣብሔር ይልምን።
““ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ’ታ ቝመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምንታይ ደኣ ብኻልእ እትጭነቑ፧” ሉቃ 12፡25-26
ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ሓንቲ ልበይ ዝተንከፈትኒ ግጥሚ ኣቦና ሃቡና! እትብል ብኣቶ ኪዳነ ተስፋ ዝተላእከት ኣብ ራድዮ ኤረና ስለ ዝሰማዕኩ፥ ንኣቶ ኪዳነ ተስፋ ብልቢ እንዳ ኣመስገንኩ፥ ሓቁ እዩ፥ ብገዛእ ኣቦና፥ ሓዋርያዊ ፓትርያርክና፥ ንደልዮም ዝደልዩና፥ ነፍቅሮም ዘፍቅሩና፥ ፍትሒ ብዘይብሎም ሰብ ግዜ ተረሓሒቕና ኢለ ሓዘን ተሰማዓኒ። ንህልው ኩነታት ሃገርና እንተ ረአኹውን፡ ውሉድን ወላድን ተፈላልዩ፥ ኃውን ሓፍትን፥ ሰብኣይን ሰበይትን ተበታቲኑ ዓድታት ባዲሙ፡ ስደትን ሞትን ገኒኑ፥ ብዙሕ ህዝቢ ድቃስ ስኢኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፥ ንሃገርና ኤርትራኸ ብድሕሪ ነጻነት ክንድዚ ዝኣክል ውድቀት ስለምታይ ኣጋጢምዋ? ከምዚ ኢልናኸ ክሳብ መኣስ ኢና? ብዝብል ሓሳብ መሪር ቃንዛ ስለ ዝተሰመዓኒ እየ ነዛ ሓጺር ጽሑፍ እወ፡ ኣቦና ሃቡና! ትብል ክንሕጥጥ ዝተገደድኩ።
እግዚኣብሔር እንቋዕ ልጓመ ጾም ፈትሓልና።
ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ። ሓጢኣትና ኪሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና።
እግዚኣብሔር ንቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ብጥዕና ይሓልወልና፥
እግዚኣብሔር ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ይባርኽ።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት።
“ነቲ ኽብሪ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ’ዩ (ኣምላኽ) ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም፡ ደጊም ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ’ሞ፡ ነቲ ብቓልና ወይ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርቲ ሓዝዎ።” 2ተሰ 2፡14,15
ትርጉምን ኣገዳስነትን ሓድነት፥
እቲ ዓለማዊ ይኹን መንፈሳዊ ምርድኣት ዝሰማማዓሉ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ሓድነት ወይ ሕብረት ምንጪ ኩሉ ሓይሊ ምዃኑ እዩ። ሓድነት ዝብል ቃል ዘመሓላልፎ ትርጉም፡ ሓደ ምዃን ወይ ምስማማዕ ማለት እዩ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 16 - ክፋል
ምዕራፍ ሾብዓተ
ስ ደ ት
እቲ ፈተና እናኸበደ ብዝኸደ መጠን፥ ልዕሊ ዓቕመይ ምዃኑ እቲ ክብደቱ ይስምዓኒ ነበረ። ብዝኾነ ካብ ግብጺ ዝወጸሉ መንገዲ ምርካብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ብሕይወት ክተርፍ እንተደኣ ኮይነ፥ ብጀካ ስደት ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። እታ ዓባይ-ጓለይ ኣይተፈለየትንን ምሳይ’ያ ዘላ። ካብ ግብጺ ክንወጽእ ድማ ክልቴና ብሓባር ዝወሰንናዮ ውሳኔ እዩ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ድምፅና ሓቢእና ክንቅመጥ ስለ-ዝነበረና፥ ዝብላዕ መግቢ ብምስኣን ኣዚና ብጥሜት ተጠቒዕና ኢና። ግዳስ እቲ ካብ ገዛ ወጺእካ ምርካብ ሳዕቤኑ ሞት ስለ-ዝነበረ፥ መግቢ ንምድላይ ኢልና ክንወጽእ፥ ፈጺሙ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይነበረን።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ