S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ምኽንያት: መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ (2020) ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ከምዘይካየድ ጉባኤ ካህናት ሰሜን ኣሜርካ ንምእመናን ብኣኽብሮት ይሕብር። ኣብ ክንድኡ ግና: ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ጉባኤ-ብርሕቀት (Virtual Conference) ክህሉ'ዩ። ምእመናን ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ ትምህርቲ ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። ጉባኤ-ብርሕቀት፥ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ - ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ ((July 30 - August 2) 2020 ዓ. ም ኣብቲ ዝተመደበሉ ዕለት ክካየድ እዩ።

እግዚኣብሔር ነዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ይቐንጥጠልና። ኣሜን።

 "ስልማትክን እቲ ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን’ምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፋዊ (ላዕላዊ) ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ፡ እተን ተስፋአን ኣብ ኣምላኽ ዝገበራ ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ኸም’ዚ’የን ዝተሰለማ።" 1ጴጥ3፡3-5

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 15 - ክፋል

እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕመይ ኮይኑ፥ ብጀካ ኣምላኸይ ዋላ ሓደ ሰብ’ውን፥ ምሳይ ኣሎ ክብል ኣብ ዘይክእለሉ ዝነበርኩሉ እዋን፥ እቶም መነኮሳት እንዳባ-ብሾይ ብብዝሒ ኮይኖም ከቢቦሙኒ ነበሩ። ሓደ ካብኣቶም ድማ “....ንፖሊስ ኢድኪ ክትህቢ’ዩ ዘሎኪ። እቲ ክሳብ ሕጂ ተሓቢእኪ ክትከድዮ ዝጸናሕኪ መንገዲ፥ ሕጂ ከወጻጽኣኪ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌኺ ዝግበር ዘሎ ሃድን፥ እናጸበበ ይመጽእ ስለ-ዘሎ፥ ሃዲምኪ ከተምልጥሉ ትኽእሊ መውጽኢ ኣይትረኽብን ኢኺ ....” ኢሉ ክፈርህን ክርዕድን ክገብረኒ ዝኽእል ቃላት’ዩ ዝነገረኒ።

ሰንበት 28 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ኦስሎ, ኖርወይ: ንኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ዓዲ ቀይሕን ኣባ ሉቃስን "ኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ" ዝብል ብመንእሰያት፥ ውሉደ ክህነትን ህዝብን ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝህብዎ መልሲ ስኢኖም ኣብ ጓል-መገዲ ኮለል ይብሉ።

Part 2

ኣቶ ተስፋ-ጊዮርጊስ በዓታይ፣ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት ብሞት ዘይሓልፍ ሰብ የልቦን። ታሪኽ ግና ነባሪ’ዩ። እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ወሎዶታት ኩሎም ድማ፥ ብታሪኽ እምበር ብኣካል ኣይረኣናዮምን። ብታሪኽ ግና ንፈልጦም ኢና። እቲ 1983 ዓ/ም (1991) ዝጅምር ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ’ውን፥ ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ። እቶም ታሪኽ ዝሠርሑ ግና ሰባት’ዮም።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን

ናይ ኤርትራ ኣብያተክርስቲያናት ተዋሕዶ:ሰንበት ዕለት 21 ሰነ 2020 ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ከካይዳ እየን።

 "እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ፡ መንፈስ ዜብሎም ስጋውያን’ዮም።" ይሁ 1፡19

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 14 - ክፋል

ምዕራፍ-6

ኣብ ልዕለይ ዝተጀመረ ሃድን

ኢንጅኔር-ሳሚር እቲ ኣብ ልዕለይ ዝካየድ ዝነበረ ሃድንን፥ ዝበጽሓኒ ዝነበረ ጸበባን መከራን ስለ-ዝሰምዐ፥ ማእምራናህ ናብ ዝተባህለ ካልእ ግልል ዝበለ ቦታ ክግዕዝ፥ ኃያል ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ጓለይ መጺኣ’ያ ዝነገረትኒ። ብኻልእ ክሰምዓሉ ዝኽእል ዕድል ግና ኣይነበረንን። ከመይሲ ብጀካ ኣምላኸይ፥ ካልእ ኣሎኒ ዝብሎ ጸግዒ ኣይነበረንን። ስለዚ ከኣ’የ “-ኣታ ጎይታይ-! ንፈተና ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ። በይነይ ክኸውን’ውን ኣይትሕደገኒ። ካብዚ ቀርቂሩ ሒዙኒ ዘሎ ፈተና ዝወጸሉ መንገዲ ‘ውን ባዕልኻ ኣዳልወለይ-” ብምባል ዝጸለኹ።

5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.ፈ)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።

 

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን።

 

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን-----------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን

አሰሮ ለሰይጣን-----------------------> አግዓዞ ለአዳም

ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ

ኮነ------------------------------------> ፍስሐ ወሰላም።

 

ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን እትነብሩ ዘለኹም ክቡራት ምእመናን፣

እንቋዕ ናብ በዓል ትንሣኤ-ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2020 (2012 ዓም ግእዝ) ኣብጽሓና እናበልና: በዓል ሓጎስን ፍስሓን ክኾነልና ጸሎትናን ሰናይ ትምኒትናን ንገልጽ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div