ካብ "ኣሰተንትኖ ቅዱስ ሰሙነ ሕማማት" ብቅ. ኣቡነ ሹነዳ ሣልሳይ ጳጳስ መንበረ ማርቆስን ፓትሪያርክ ዘስክንድርያ ዚተተርጐመት
እታ ቀዳመይቲ ቃል: “ኦ ኣቦይ፥ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን ኢዮም እሞ ኅደገሎም።” (ሉቃስ 23: 34)
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን: መበል 18 - ክፋልን መወዳእታን)
ቅድሚ ንኣለክሳንድሪያ ምምላሰይ፥ ንሓንቲ ክርስቲያን ዝኾነት ኃውተይ ክበጽሓ ኣሎኒ ብምባል፥ መንገደይ ናብኣ ኣቢለ ኣቕናዕኩ። ንሳ ከመይ ዝበለት ዓባይ ሰብ እያ። እቲ ጽቡቕ ተግባራ’ውን ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብጥቕልል ዝበለ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ’ያ ኢልካ ትግለጽ፥ ወረጃን ዓባይን ወይዘሮ’ያ። ማለት ኣብቲ ኩሉ ሰብ ሪሑቑኒ፥ መውደቕን መጸግዕን ስኢነ ምድረ ሰማይ’ውን፥ ጽልምት ኢሉኒ ዝነበረሉ ግዜ። ልባን ማዕጾ-ቤታን ከፊታ ዘዕቈበትኒ፥ ናይቲ ክትዝክሮ ከሎኻ ዘስካሕክሕ እዋን እምንቲ ኃውተይ እያ።
"ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” (ማቴ 5፡9) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 21 ዓመት ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጂያ ካብ ሓሙስ 25 ሓምለ ክሳብ ሰንበት 28 ሓምለ 2019 ዓ.ም እዩ ተኻይዱ። እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኹም ይኹን ዝኸበርኩም ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን።
እዚ ኣብ ዓለምና ተቐልቂሉ ዘሎ ብ Coronavirus (COVID-19) ዝፍለጥ ለበዳ፥ ንዓለምና ኣብ ሻቕሎት ኣእትይዋ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ማኅበራዊ ኣኼባታት ካብ ዝካየደሉ ሓደ ኣካል ስለዝኾነት፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ እዚ ዝስዕብ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
“ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ “ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደልይ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል’ሞ ይስዓበኒ። ንህይወቱ ኼድሕና ዚደልይ ኼጥፍኣ’ዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና’ዩ።” (ማር 8፡34,35) 2ቈረ 5፡15
በስመ-ኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ-ቅዱስ፡ ኣሃዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን
ክርስትናን ፈተናን መስቀይትን ስለ ዝኾኑ፡ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ጋሻ ነገር ከመዘይ ኮነ ካብ መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንን ብቐሊሉ ክንማሃሮ ንኽእል ኢና። እቲ መሥራቲ ናይ ክርስትና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብፈተና ናይዛ ዓለም ንኸይንሳናባድ ኣጸቢቁ መሃረና እምበር፡ ክንስዕቦ ኢሉስ ኣይጠበረናን። "ኣብ ዓለም ከለኹም ብዙሕ ጸበባ ኣለኩም፡ ኣጀኹም ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ" (ዮሓ 16፡ 33) እዚ ኹሉ መምርሕን ተስፋን ዝተዋሃበት ቤተ-ክርስቲያን፥ እቶም ከም ቁርዲድ ምስ ለገብዎ ምልቃቕ ዝኣበይዋ፡ ሰብ ፖለቲካ ሎሚ'ውን ከም ቀደሞም፡ ንፓትርያሪክ እንጠንዮስ ከፋራርሕዎምን ጸቅጢ ክገብርሎምን ከምዝቐነዩ ይስማዕ ኣሎ።
መቸም ካብ ሱር-መሠረቱ፥ ወይ ካብ ጉንዱ ክርአ ከሎ፥ ዘዛርብ ጉዳይ ከይተረኽበ፥ ክዛረብ ኮነ ክጽሕፍ ዝደሊ ሰብ፥ ይርከብ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ኣብዚ እዋናት’ዚ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት፥ ተደጋጊሙ ክዝረብን ክጸሓፍን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መዛረቢ ኣርእስቲ ክትከውን ካብ እትጅምር፥ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ’ዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፥ ምንም ምምሕያሽ ክግበር ስለ-ዘይተራእየ ከኣ። እንሆ እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብቐጻሊ’ያ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ከተስምዕ ትርከብ ዘላ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሓዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።
እቲ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ልዕሊ 160 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሓምለ 4 ክሳብ ሓምለ 7, 2019 ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርትታት፥ ሰሚናራት፥ ዘተን ዎርክሾፕን ዝሓቖፈ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ነግህ ተጀሚሩ ብገምጋም ዝተዛዘመን ነይሩ።
ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2019፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ። እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ:
“እምበኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብ’ውን ይዕገስ’ዩ። ንስኻትኩም ከኣ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ’ዩ’ሞ ተዓገሱ፡ ልብኹም’ውን ኣጽንዑ።” ያእ 5፡7,8
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ