S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝገበርዎ መንፈሳዊ ዑደት ኣዝዩ ዕውት ከምዝነበረ፣ ብረዲኤት አምላኽ ብዙሓት ኣገልገልቲ ባሪኾም ንምእመናን ድማ መንፈሳዊ ማዕዳን ምጽንናዕን

መቸም ካብ ሱር-መሠረቱ፥ ወይ ካብ ጉንዱ ክርአ ከሎ፥ ዘዛርብ ጉዳይ ከይተረኽበ፥ ክዛረብ ኮነ ክጽሕፍ ዝደሊ ሰብ፥ ይርከብ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ኣብዚ እዋናት’ዚ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት፥ ተደጋጊሙ ክዝረብን ክጸሓፍን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መዛረቢ ኣርእስቲ ክትከውን ካብ እትጅምር፥ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ’ዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፥ ምንም ምምሕያሽ ክግበር ስለ-ዘይተራእየ ከኣ። እንሆ እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብቐጻሊ’ያ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ከተስምዕ ትርከብ ዘላ።

ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱ’ውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው’ዩ ዝተራእዮም።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን።

ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንነፍሲ-ወከፍኩም ኣብ ዘዘሎኹሞ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ይብጻሕኩም። ቀጺልና መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፥ ብምኽንያት እዚ ሓድሽ ዓመት ፥ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር፥ እንቋዕ ናብ ብሩኽ ብርሃነ-ዮሓንስን ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሓንስን ፳፻፲፪ (2012 ዓ.ም ግእዝ) ብጥዕናን ሰላምን ኣብጽሓና ይብል።

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ። ኣሜን።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ካብ ልክዕ ንላዕሊ እናተጎሃሃረ ይኸይድ ምህላዉ፡ ዘኅዝን ጉዳይ እዩ። ኲናት፡ ቀለቡ ሰብ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሕዝቢ ዘጽንት፥ ንብረት ዘዕኑ፥ ሽማግለታት፥ ሕፃናት፥ ነፍሰ-ጾራት፥ ከይፈለየ ንኹሉ በልማማ ዝጐድእ ሓደገኛ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ

"ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ’ሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡንብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። እቶም፡ ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት’ቲኦም ብጹኣን’ዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡ’ውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣብ 2ይቲ ወይ 3ይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸም’ዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት’ቲኦም ብጹኣን’ዮም።" ሉቃ 12፡36-38።

ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም፡ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ይኹን! (ሉቃ 2፡ 14)

ምልኣት ዘመን ምስ ኣኸለ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ ሓርነት ንምዉጻእ፡ ኣብ መብልዒ ማል፡ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ። እዛ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ፍልይቲ ዝኾነት ለይቲ፡ ምስታ ቅድስቲ ስድራቤት፡ ብመንፈስ ክነምሲ፡ ናዓና ዓብይ ዕድል'ዩ። መሎኮት ምስ ስጋና ዝተዋሃሃደሉ፡ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ሕዝቡ ዝተገለጸሉ፡ ድንቂ ዝኾነ ምሥጢር ኣምላኽ ነስተንትነሉ: ምሸት'ዩ። "እቲ ቓል ስጋ ኾነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኣባና ሓደረ" (ዮሓ 1፡ 14)። ኣብዚ ምሽት'ዚ ነቲ ናይ ነገስታት ንጉስ ወሃቢ ጸጋ ንረኽቦ፡ ነታ ኣደ ቤተ-ክርስቲያን ተባሂላ ብኽብሪ ዝተጸወዓት፡ ኣዴና  ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ምስ ቅዱስ ዮሴፍ ንረኽባ። ከምኡ ድማ ነቲ ሰማያዊ ስራሕ ኣምላኽ ንምዕጃብ፡ ቅዱሳን መልእኽቲ፡ ዘቕረብዎ ጉሩም ምስጋና፡ ሓቢርና ነምስየሉ ፍሉይ ምሸት'ዩ።

ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 13 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ)፡ ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።

ኣቐዲሙ ተታሒዙ ብዝነበረ መደብ መሠረት። ኣብ ዕለት 29 ወርሒ-10 ኣብ ሃገረ-ስዊስ ከተማ ሰንት-ጋለን ዝተባህለት ከተማ። እተን ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዐን ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ተጋቢኤን ከም-ዝወዓላ እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ከም-ምዃኑ መጠን። ብብዙሕ ተስፋን ሃንቀውታን ክጽበዩዎ ዝጸንሑ ብዙሓት እዮም።

ንሓሙስ 31 ታሕሳስ 2020 ናይ "ጽንዓት ይሃብኩም" መደብ ብZoom ተመዲቡ ዝነበረ: ኩነታት ስለዘየፍቀደ ተሰሪዙ ኣሎ። መልእክቲ "ጽንዓት ይሃብኩም" ክትህቡ ምስ እትደልዩ ግና ብውልቂ ክትልእኩ ነዘኻኽር። The Virtual memories and condolences that was planned for today [12/31/20] has been cancelled due to other family obligations.



መልእኽቲ "ጽንዓት ይሃብኩም" ካብ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ


ጸሎተ ፍትሓት ንፍስሄር ኣቦይ ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ


 "So it was, as soon as the days of his service were completed, that he departed to his own house. - ኰነ ድማ፡ ቅነ ምግልጋሉ ምስ ኣብጽሔ፡ ናብ ቤቱ ኸደ።" (ሉቃ - Luke 1:23).

On Friday, December 25, 2020, the beloved Hegumen (komos) Araya Tesfay departed to be with the Lord Jesus Christ at the age of 87. Right after Eritrea declared independence in 1993, Hegumen Araya was the first priest to be sent oversea by Patriarch Philipos to serve in the USA and he was the priest of St. Gabriel Church of New York for 27 years. 

The funeral service will be on Wednesday, December 30, 2020 at Saint Mark Coptic Orthodox Church, 7075 S Revere Pky, Centennial, CO, 80112. Because of COVID-19, attendance will be limited but the funeral service will be live streamed directly here.

May God comfort the family and repose his blessed soul in the paradise of joy.

|  ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ  |

 

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div