“ግናኸ እቲ (ኣባና ዘሎ) ዓብዪ ሓይሊ፡ ናይ ኣምላኽ’ምበር፡ ናትና ከም ዘይኰነ ምእንቲ ኺገሃድ፡ እዚ (ናይ ዓብዪ ሓይሊ) ሃብቲ’ዚ ኣባና፡ ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ’ዩ)። ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸብበናን’ዩ፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግን ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።” 2ቈረ 4፡7-9 ካ.ት + ቀ.ት.
ርእይቶ ካብ ምእመናን ቤተክርስትያን ተዋህዶ:
ናብ ክቡር ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስን ኩልኹም ኣብ ከባቢኦም ዘለኹም ኣቦታት ካህናትን ኣሕዋትን።
በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ!
ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ። ገላ 5፡ 1።
ምኽንያት ጽሑፈይ በቲ መግለጺ ወጽዩ ዘሎ ብሽፋን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝብል'ዩ:: ቅድስና ይትረፍሲ ሰብ ምዃን ኣጥፊኡ ዘሎ ሲኖዶስ እዩ:: ንቅዱስ እንጦንዮስ ብእምነት ክኸስዎም ብቕዓት ኮነ ሞራል የብሎምን:: ቅዱስ እንጠንዮስ ድምጾም ተሰሚዑ መልእኽቲ ፈንዮም ምስ ተሰመዓ፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደቂሶም ኣይፈልጡን እዮም:: ነቲ ዝገበርዎ በደል ብየቅሬታን ብትሕትናን ከይዛዝምዎ ናብ ሰይጣናዊ ዝኾነ ህልኽ ምእታዎም ንቤተክርስቲያና ዓብይ ዉድቀት ኮይኑ ኣሎ:: እዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ ዋናታቱ እቶም ሰብ ፖለቲካ ምዃኖም ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ሓቂ እዩ::
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል: ሎሚ ዓመት'ውን ቀዳም 23 ሕዳር 2019 ዓ.ፈ (፲፫ ሕዳር ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብዝደመቐን ዝማዕረገን ኣገባብ ን10ይ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብነፈርትን መካይንን ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።
ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን
ናይ ኤርትራ ኣብያተክርስቲያናት ተዋሕዶ:ሰንበት ዕለት 21 ሰነ 2020 ምእንቲ እቶም ንፍትሕን ናጽነትን ሰላምን ኢሎም ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ስዉኣት ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ከካይዳ እየን።
“ኣምላኽ ዚባላዕ ሓዊ’ዩ። ስለ’ዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ (ኻብኡ) ‘ንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ኣኽብሮትን ብፍርሃት (ኣምላኽን) እና’ገልገልና (ንእግዚኣብሄር) ነመስግን።” እብ 12፡28,29 (መዝ 146፡2)
ሰንበት 28 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ኦስሎ, ኖርወይ: ንኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ዓዲ ቀይሕን ኣባ ሉቃስን "ኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ" ዝብል ብመንእሰያት፥ ውሉደ ክህነትን ህዝብን ንዝቐረበሎም ሕቶ ዝህብዎ መልሲ ስኢኖም ኣብ ጓል-መገዲ ኮለል ይብሉ።
ሰንበት ዕለት 17 ሓምለ 2017 ኣ.ፈ (11 ሓምለ 1997 ዓ.ም ግእዝ) 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንኽልተ ኤጲስ ቆጶሳት ማለት ንብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስን ንብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስን ብማዕርግ ጵጵስና ክቐብኡ ወዓሉ። በጀካ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ድማ ብምልኦም 8ተ ጳጳሳት ተዋሕዶ ምስ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣብቲ ጸሎተ ቅዳሴን ሥርዓተ-ሽመትን ሓቢሮም ክሳተፉ ውዒሎም እዮም። ብድሕሪኡውን ኩሎም ጳጳሳት ኣብቲ ብምኽንያት በዓለ-ሲመት ንኽብሪ 2ተ ጳጳሳት ተባሂሉ ዝተዳለወ መኣዲ-ምርፋቕ (ምሳሕ) ብየማነ-ጸጋም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኮይኖም ብፍሱሕ ገጽን ብጥዑም ዘረባን ዝተዳለወሎም ሽሻይ ምስ ኩሎም ዕዱማትን ሠራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክን ብሰላም ተመገቡ። ስዒቡ መዝሙር ምስጋናን መግለጺ ሓጎስ ማዕዳታትን ምስ ተዋህበ፥ ስብሓት ለኣብ! ተባሂሉ ብጸሎተ ቡራኬ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ መዛዘሚ ጸሎት ተገይሩ ፍጻሜ ናይ ሰንበት በዚ ኣብቂዑ ኩሉ ሰብ ብደሓነ ሰላም ተፋነወ።
መቓውሐይ ዘክሩ! ቆላ 4፡18 ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ተሰንዩ፡ ብመንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጸውዐ ቦኽሪ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዓርቢ ዕለት 8 ሕዳር 2019 ኣ.ፈ (፳፰ ጥቅምቲ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብጽቡቕ ኣገባብ ተፈጺሙ። እዚ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ውሉደ-ክህነት ዝመርሕዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ግዝኣታት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ብመካይንን ብነፈርትን ተጓዒዞም ብዝመጹ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ፥ ግዱሳት ሰብ ሠናይ ሕሊናን ደለይቲ ፍትሕን ኤርትራውያን ኣሜሪካውያንን ከምኡውን ገለ ነበርቲ ዋሽንግቶን ዲሲ ወሲኽካ ብኣማኢት ዝቑጸር ብዝሒ ህዝቢ ተሳቲፎም ነይሮም።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን።
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን-----------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን
አሰሮ ለሰይጣን-----------------------> አግዓዞ ለአዳም
ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ
ኮነ------------------------------------> ፍስሐ ወሰላም።
ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን እትነብሩ ዘለኹም ክቡራት ምእመናን፣
እንቋዕ ናብ በዓል ትንሣኤ-ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2020 (2012 ዓም ግእዝ) ኣብጽሓና እናበልና: በዓል ሓጎስን ፍስሓን ክኾነልና ጸሎትናን ሰናይ ትምኒትናን ንገልጽ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ