ኣባ ሉቃስን ግርማይን ኣብ ዝኸድዎ ኩሉ፥ ዝሕተትዎ ሕቶ፥ ኩነትታ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ጉዳይ ሕግን መምርሒ ቤተ ክርስቲያንን እዩ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን መበል 13 - ክፋል
ኩሉ ነገር ሕውስውስ እናበለ የሽግረኒ ስለ-ዝነበረ፥ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ክዕቈብ ብማለት፥ ናብ ቤተ-ክርስቲያን’የ ዘምራሕኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ድማ፥ ኣብ ሕቝፊ እግዚኣብሔር ከም-ዝኣቶኹ ኮይኑ ተሰመዓኒ። ግዳስ እቶም ቅድመይ ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ዝጸንሑ ኣኅዋት “...ገለ ሰባት ኣብዚ መጺኦም ብዛዕባኺ ክሓቱ ጸኒሖም...” ኢሎም ነጊሮሙኒ። ከምቲ ኣብኡ ዝጸንሓኒ ሓበሬታ። እቲ ዝሓተለይ ዘሎ ሰብ ናይ መንግሥቲ በዓል-ሥልጣንን፥ ክርስቲያን ዘይምዃኑ’ውን ገመትኩ።
ኣብ ዋና ከተማ ናይ ሰሜን ካሮላይና ዝኾነት ከተማ ራሊይ (Raleigh) ብስም ታቦት መድኃኔ-ዓለም ዝፍለጥ ሓድሽ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዕለት 17 የካቲት 2019 ኣ.ፈ (፱ የካቲት ፳፻፲፩ ዓ.ም.ግ) ብቦኽሪ ጸሎተ-ቅዳሴ መንፈሳዊ ኣገልግሎቱ ብወግዒ ጀሚሩ። እዚ ብውሑዳት መንፈሳዊ ቅንእን ራእይን ዝሓደሮም ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝተበግሰ ምኽፋት ናይ ባዕልና ቤት እግዚኣብሔር ዝብል ክቡር ሓሳብ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝኣክል ብዘይ መራሒ ካህን ንሕድሕዶም ብተስፋ ክተኣኻኸቡን ኣገደስቲ መደባት ከጻፍፉን ጸኒሖም እዮም ኣብዚ በጺሖም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
“ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም (መንፈስ ቅዱስ) ንሱ ኣፍሰሶ።” ግብ 2፡33 (ነህ 9፡20)
ንቡር ከይተርፍ ሲኖዶስ ኢለ ክጽውዖ። እምበር፤ ሲኖዶስ ኢዩ ክትብሎ ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ኣቃዉማን ስርዓትን የብሉን። ገዛእ ፓትርያርኩ ንበላዒ ኣሕሊፉ ዝሃበ፤ ርእሱ ዘዘቅንዐ ኣገልጋሊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝዉርዉር እኮ ኢዩ ሲኖዶስና።
ትንሣኤ ዝብል ቃል ኣብ ንሰምዓሉ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ማእከል ምውታን ብኽብሪ ዝተንሰአ ኢየሱስ ናዝራዊ ምኻኑ'ዩ። ነዚ ዓቢ ክብሪ ንምዝካር ድማ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ፡ ዘመነ ትንሳኤ ብምባል ንሓምሳ መዓልቲ ዝኣክል ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ሓምሳ ማለት በዓለ መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ መቅደሳ "ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን በዓብይ ኃይል ወስልጣን" እንዳበለት ከም ዝተንሰአ: ምድሓንን ሠላምን ኣብ ማእከል ሕዝቡ ከም ዝገበረን ትእውጀሉ ወርሓት ድማ እዩ።
2019 |
|
ወርሒ | Month |
ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ - Radio Tewahdo |
ናብ ክቡራን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን፡ ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንየካቲት (February 2, 2019) ናይ ኣዴና ቅ. ድንግል ማርያም ዕረፍታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ምኳኑ ክንገለጽ ንፈቱ።ብተወሳኺ ኣብዚ ክቡር በዓል ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተኻፈልቲ በረኸታ ክትኮኑን።
ካብዛ ብብዙሕ ክፍኣትን ሓጢኣትን ትሳቐ ዘላ ዓለም ብሓይሊ መድኃኔ ዓለም ብኣማላድነት ቅ. ድንግል ማርያምን ብጸሎት ቅዱሳንን፡ ካብ ኩለ ክፉእ ምእንቲ ክንድሕን ኣብ እንገብሮ ሓባራዊ ጸሎትን ምህለላን ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ/ፋ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕጸን።
“ሓደ’ኳ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሰ። (ትዕግስቱ) ብኣምላኽ ቅቡል’ዩ። በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፡ እዚ (ትዕግስቲ’ዚ) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ። ንስኻትኩም’ውን ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ። ኣረኣያ’ውን ሓደገልኩም። ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶት’ውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን። ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን። መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነገሩ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ኣሕሊፉ ሃቦ’ምበር፡ ኣየፈራርሀን።” 1ጴጥ 2፡19-23 ካ.ት
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ