ኩልና ከም ንፈልጦ፡ ሽም ዘይብሉ ንህቢ፡ ኣይሰምር፡ ኣየምዕር ምዃኑ ርዱእ ሓቂ እዩ። ቆፎ ብዘይ ንህቢ ድማ ኣይብርበር፡ ኣይከብር እኳ ደኣ ይሓስር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዘምዕርን ዘኽብርን ዝነበረ ዕስለ ንህቢ ምስ ሽሙ ነቲ ቆፎ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሓዲግዎ ስለ ዝኸደ እዩ።
ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ምስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር፥ ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን መንፈሳዊ ፍልጠቶም ንምዕባይ ኣብ 2013 ትምህርቲ ምጅማርና ዝዝከር እዩ። መፍትሒ ናይቲ ውህሉልን፡ ስቓይ ኮይኑና ዘሎ እዋናውን ፈተና ቤተክርስቲያንና ድሕረት ትምህርቲ ምዃኑ ስለ ንኣምን፡ ትምህርቲ ንምስፋሕ ዝኣክል ሕድገታት ክንገብር ከምዘሎና ንግንዘብ።
ብፁዕ ኣቦና ኣብ ሃገረ-እስራኤል ክገብሩዎ ዝቐነዩ ሓዋርያዊ-ዑደት ብምቕጻል፣ ኣብ ዕለት 25/03/2020 ኣብ ሃገረ-ጀርመን ኣትዮም። ኣብ ፍራንክፎርት ድሕሪ ምውራዶም ድማ፣ ኣብ ከባቢ ካስል ናብ ዝርከብ ናይ ግብጻውያን ገዳም ኣምሪሖም። ድሕሪ ናይ 4ተ ሰዓት ናይ ማኪና ጉዕዞ ከኣ፣ ኣብቲ ብብፁዕ ኣቡነ-ድምያን ዝመሓደርን ዝምራሕን ገዳም ክበጽሑ ክኢሎም።
“ጥሪትኩም ሼጥኩም ምጽዋት ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፡ ነቐዝ ካብ ዘየበላሽዎ (ቦታ)፡ ዘይበልይ ማሕፉዳን ዘይጐድል ሃብትን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ። ምኽንያቱ፡ ሃብትኹም ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኹም ኣሎ።” ሉቃ 12፡33,34 ካ.ት
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝገበርዎ መንፈሳዊ ዑደት ኣዝዩ ዕውት ከምዝነበረ፣ ብረዲኤት አምላኽ ብዙሓት ኣገልገልቲ ባሪኾም ንምእመናን ድማ መንፈሳዊ ማዕዳን ምጽንናዕን
5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.ፈ)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።
ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፡ “ ክትቍጥዑ ከሎኹም ኣብ ኃጢኣት ከይትበጽሑ ተጠንቀቑ። ኣብ ቍጥዓኹም ፀሓይ ኣትዕረብኩም። ንዲያብሎስ ከኣ መገዲ ኣይትሃብዎ” ዝብል ረዚን መልእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፉልና ከም ዘሎ ብዙሕ ጊዜ እነንብቦ ትኹል ቃል ሓቂ እዩ። ኤፈ 4፡26-27። ካብዚ መሠረታዊ ትእዛዝ ኣምላኽ ተበጊስና ኢና እምበኣር ብምኽንያት እዚ ሎሚ-ቅነ ዳግማይ ዝካየድ ዘሎ ጸለመ ኣብ ልዕሊ 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ነዚ ሓጺር ጽሑፍ ናብ ኣንበብቲ ነቕርቦ ዘሎና።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንነፍሲ-ወከፍኩም ኣብ ዘዘሎኹሞ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ይብጻሕኩም። ቀጺልና መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፥ ብምኽንያት እዚ ሓድሽ ዓመት ፥ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር፥ እንቋዕ ናብ ብሩኽ ብርሃነ-ዮሓንስን ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሓንስን ፳፻፲፪ (2012 ዓ.ም ግእዝ) ብጥዕናን ሰላምን ኣብጽሓና ይብል።
1. ናይ ዝሓለፈ ክፍለ ትምህርቲ (semester) ፈተና ካብ ዕለት ጥሪ 20, 2020 ጀሚሩ ክወሃብ እዩ፣
ስለዚ ኩልኹም እዚ ክፍሊ ትምህርቲ (semester) ዝተመሃርኩም፥ ፈተናኹም ተኸታቲልኩም ክትወስዱ ነዘኻኽር።
2. ሓደሽቲ ተመሃሮ መዝገባ ካብ ጥሪ 1, 2020 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት የካቲት 15, 2020 ዝሎ ኣብ www.tewahdotheology.org ኣቲኹም ክትምዝገቡ ንሕብር።
ተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ምዝገባ ጸገምን እንተሎ፥ በዚ Email ርኸቡና። This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
“እምበኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕምየትን ኣርሕቕዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከም’ቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።” 1ጴጥ 2፡1-3 (ኤፌ 4፡14,15)
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ