"ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ’ያ’ሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን።" ሮሜ13፡12,13
እንሆ’ዚ መበል 16 ሰንበት ናይ’ዚ ዓመተ-ግእዝ’ዚ፡ ሓምሻይ ሰንበት ናይ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ነብያት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 14 ኽሳዕ ታሕሳስ 20 ዘሎ ቕንያት "ዘመነ ብርሃን" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ብናይ መዝሙር ሊቃውንትና ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ "ኣቅዲሙ ነገረ በኦሪት" ዘርእስቱ’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ጐይታና ብርሃንና ምዃኑን ብኸመይ ከም ዜብርሃልናን ዚገልጽ’ዩ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ኸኣ፦ “እቲ ንጽዮን ቃል ብስራት ዚነግራ (ጐይታ) ብኽብሪ ኸም ዚመጽእ ብኦሪት ኣቐዲሙ ነጊሩ ነበረ። ደጊሙ’ውን ብኣፍ ቅዱስ ዳዊት "ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ብሩኽ’ዩ" ኢሉ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ዜብርህ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ። ክርስቶስ እቲ መርዓዊኣ ንቤተ ክርስትያን፡ ንሽጉራት ኪረድእ፡ ነቶም ፋሕ ዝበሉ ድማ ኪእክብ ናባና መጸ። ብብርሃን ክብሩን ብጽንዓት ሓይሉን ወልድ ካብ ኣቦኡ ወጸ (ተሰብከ)። በቲ ናይ ቅድሚ ዓለም ህላወኡ ኣብ መዛግብቲ ብርሃን ዚነግስ ክርስቶስ፡ ንምድሪ ብኽብሩ መልኣ። ንሱ ንሰንበት ብቓሉ ዝሰርዐ ንዅልና ሰላሙ ዝጸገወ መድሓኒና’ዩ።” ዚብል’ዩ። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባባት ሓድሽ ኪዳንን፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክን ብምሉኡ ድማ፡ ብርሃን-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ካብ’ዚ ንባባት’ዝን ካብ’ቲ ኻልእ ተዛማዲ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስን ከም ’ንግንዘቦ፡ "ብርሃን ዓለም" ዚብሃል ዘሎ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ (ማቴ 9፡35፣ ማር 1፡37,38፣ 6፡56፣ ግብ 17፡17,22፣ 16፡13፣ 19፡8 )። እዚ ሰሙን’ዚ "ዘመነ ብርሃን" ዝተሰምየሉ ምኽንያት ድማ፡ ብዛዕባ ብርሃን ክርስቶስ ብዕምቈት ከነስተንትንን ከነመስግንን፡ በዚ ብርሃን’ዚ ዝተገልጹልና ምስጢራት ከነለልይ፡ ከም’ቲ ቓሉ ዚእዝዘና ድማ፡ ንርእስና ብርሃን ኴንና፡ ግብሪ ብርሃን እናገበርና ንነብር ከም ዘለና ርእስና ኽንምርምር ዝተሰርዓልና ቕንያት ስለ ዝዀነ’ዩ። እቲ ቕድሚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዜዘምናዮ ምስባክ፡ "ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ማሕደራትካ የብጽሓኒ" ዚብል ትንቢታዊ ጸሎት’ዩ። በዚ ብርሃን’ዚ ዘይተመርሐ ሰብ፡ ናብ’ታ ማሕደር ኣምላኽ ዝዀነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይበጽሕን’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ቲ ናይ ሮሜ13፡8-14 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ካብ ጸልማትዶ ይህደም’ዩ፧ ብዛዕባ እንታይ ዝዓይነቱ ጸልማትን ብርሃንን ዲና ንዛረብ ዘለና፧ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ ኣገዳሲ ናይ "ዘመነ ብርሃን" ንኡስ ዘመን’ዚ ዝሰርዓትልና፡ እቲ ሓቀኛ ብርሃንን ጸልማትን እንታይ ምዃኑ ብንጹር ፈሊጥናን ተረዲእናን፡ ምድራዊ ህይወትና ኸነማእዝን፡ ዘለኣለማዊ መጻኢና ድማ ከነጸብቕ ስለ ዝተደልየ’ዩ። ነዚ ፍልጠት-ምድሓን’ዚ ስለ ዘይረኸብና፡ በቲ ኽንሃድመሉ ዚግብኣና ጸልማት ተዋሒጥናን ተኣሲርናን ንነብር ሰባት፡ ብዙሓት ኢና። ካብ ጸልማት ኪህደም ከም ዚግባእን ከም ዚክኣልን፡ እቲ ዕለት መጸ እነሕልፎ ማሕበራዊ ናብራና ዓብይ መረጋገጺ’ዩ። ጸሓይ ካብ ከባቢና ተኸዊላ ምስ ዓረበት፡ እቲ ዘለናዮ ቦታ ዚድህስስ ብዚመስል ድቕድቕ ጸልማት’ዩ ዚውሓጥ። ጸልማት ዓቕልኻ ዜጽብብ ክፉእ ኵነት ስለ ዝዀነ፡ ክንዕገሶ ይኸብደና’ዩ። ስለ’ዚ ኽንሃድመሉን ከነርሕቖን ስለ ንደልይ፡ በብዓይነቱ መብራህትታት ምሂዝና፡ ነቲ ጸልማትና ናብ ብርሃን ንልውጦ። ብእግርኻ፡ ብፈረስ ወይ ብመኪና ጌርካ ኻብ ጸልማት ክትሃድም ኣይክኣልን’ዩ። ካብ ጸልማት ክንሃድም ንኽእል፡ ብብርሃን ጥራሕ’ዩ። እዚ ‘ንዛረበሉ ዘለና ጸልማት ግን፡ መንፈሳዊ ጸልማት’ምበር፡ ዕርበት ጸሓይ ዚወልዶ ጊዝያውን ለይታውን ጸልማት ኣይኰነን። እዛ ዘለናያ ዓለም (ፕላኔት)፡ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ገዛእ ርእሳ ‘ትገብሮ ዑደት (ምሽክርካር)፡ ናይ ጸልማትን ናይ ብርሃንን ጊዜ ይፈራረቕዋ’ዮም። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ግን፡ ኵሉ ጊዜ ጸልማት ወይ ከኣ ኵሉ ጊዜ ብርሃን’ዩ። ምድሪ በሪሃን ደሚቓን ከላ’ኳ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ግብ ዝበለ መንፈሳዊ ጸልማት ኪነብር ይኽእል’ዩ። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ንምድራዊ ጸልማት ብርሃን ብምውላዕ ኽንሃድመሉ ‘ንኽእል፡ ንመንፈሳዊ ጸልማት’ውን ብመንፈሳዊ ብርሃን ክንሃድመሉ ይክኣል’ዩ። ጸሓይ ዓሪባ ምድሪ ኽትጽልምት ከላ፡ ብዘይካ ዓይነ ስውራን፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ጸልማት ከም ዘሎ፡ ለይቲ ኸም ዝመጸ ይፈልጥ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝንን ሓደገኛን ነገር ግን፡ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዘለዉ ሰባት፡ ኣብ ጸልማት ምህላዎም ፈጺሞም ዘይፈልጡ ምዃኖም’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዮም ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ናይ ምህዳም ፍቓድን ሃቐናን ፈጺሙ ዘይርከቦም። እግዚኣብሄር ብምሕረቱ ነቲ ዘለውዎ ዅነተ-ህላወ ኺርድእዎ እንተ ዘይሓጊዝዎም፡ ብርሃንን ጸልማትን እንታይ ምዃኑ’ኳ ኸይፈለጡ ምድራዊ ዕድሚኦም ወዲኦም፡ ናብ’ቲ ዜሰክሕ ዘለኣለማዊ ጸልማት ኪሰጋገሩ ይኽእሉ’ዮም።
ጸልማት እንታይ ማለት’ዩ ግዲ፧ ንጸልማትከ "መንፈሳዊ፡ ዘይመንፈሳዊ" ኢልካ ምክፍፋሉ፡ ረብሓኡ እንታይ’ዩ፧ ትርጉም ጸልማት፡ ካብ’ቲ ዕለታዊ ተመክሮና ጽቡቕ ጌርና ንፈልጦ ኢና። ህላወ ጸልማት፡ ምስ ኣዒንትን ምርኣይን ዝተዛመደ’ዩ። ብርሃን ኪህልው ከሎ፡ ኣዒንቲ ዋላ ኻብ ፍረ ጣፍ ዚደቅቕ ነገራት ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ይህልወን። እቲ ብርሃን እናጐደለ፡ ጸልማት ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ናይ ምርኣይ ዓቕምና እናጐደለ ይኸይድ። ፈጺሙ ግብ ኢሉ ምስ ጸልመተ ድማ፡ ክንዲ እምባ ዚኣክል ግዙፍ ነገር’ኳ ምርኣይ ንስእን። ስለ’ዚ ጸልማት፡ ናይ ኣዒንቲ ዕንቅፋት’ዩ። ይግዘፍ ይንኣስ፡ ይቕረብ ይርሓቕ፡ ይጸብቕ ይኽፋእ፡ ነዒንትና ዝዀነ ይኹን ከይርእያ፡ ጸልማት ይዕንቀፈን’ዩ። ናይ ስጋ ኣዒንትና ብጥዑዩ ኸሎ፡ መንፈሳዊ ዝዀነ ጒዳያት ከይንርእን ከይንፈልጥን ክንሽገር’ውን ንረኣይ ኢና። ኣብ መንጎ ጽድቅን ሓጢኣትን፡ ጽቡቕን ክፉእን፡ ናይ ኣምላኽን ናይ ሰይጣንን ክንፈልይን ክንመርጽን ክንገብርን ዓቕሚ ምስ ‘ንስእን ድማ፡ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ከም ዘለና፡ ኣዒንቲ ልቦናና (መንፈሳዊ ኣዒንትና) ተደፊኑን ዓዊሩን ከም ዘሎ ኽንፈልጥ ይግባእ። ንሕና ደቂ ሰባት፡ ምድረ-ሰማያውያን ፍጡራት ኢና። እዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ካብ ሓመድ ምድሪ ስለ ዝተፈጥረ ምድራውያን ኢና። እግዚኣብሄር ካብ መንፈሱን ካብ ባህርዩን ከፊሉ ስለ ዝፈጠረና ድማ ሰማያውያን ኢና። መንፈሳዊ ነገር ክንፈልጥ፡ ክንመርጽ ኰነ ኽንገብር ዚረድኣና ድማ እዚ ሰማያዊ ተፈጥሮና’ዩ። እዚ ሰማያዊ ተፈጥሮ’ዚ ኻብ ኣምላኽ ዝተኻፈልናዮ ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ሰናይ’ዩ። ብእኡ ተመሪሕና ድማ ሰናይ ዝዀነ ናይ ጽድቂ ነገር ጥራሕ ክንሓስብን ክንዛረብን ክንገብርን’ዩ ዚግብኣና። ንሱ ጥራሕ ዚብርሃናን ዚቐልለናን፡ ካብኡ ወጻኢ ዝዀነ ነገር ምግባር ድማ ኣዝዩ ዜጽልኣናን ዚኸብደናን፡ ክንገብሮ ፈጺሙ ዘይኰነልናን ክንከውን’ዩ ዚግባእ። ናይ ጽድቂ ነገር ዜጽልኣናን ዓቕልና ዜጽብበልናን፡ ናይ ሓጢኣት ነገር ግን ዚብርሃናን ዜሐጕስናን እንተ ዀይኑ ግን፡ ሽዑ ናብ ግብ ዝበለ መንፈሳዊ ጸልማት ኣቲና፡ ብመንፈሳዊ ዑረት ተወቒዕና ኣለና ማለት’ዩ።
ክሳዕ መዓስ ኢና ኻብ ጸልማት ንሃድም፧ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኻብ መንፈሳዊ ጸልማት ርሒቕናን ተፈሊናን ብዘይ ስግኣት ክንነብረሉ ’ንኽእል ቦታ ወይ ሃለዋት ኣሎ ድዩ፧ ምሉእ ዕድመና፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት ክሳዕ ዘለና፡ ኢና ’ንሃድም። ብርሃንን ጸልማትን ወዋናኦም ኣለዎም። ጸልማት፡ ናይ ድያብሎስ ናይ’ቲ መልኣኽ ጸልማት ኣጽዋርን ስልጣንን’ዩ። ብርሃን ድማ ናይ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባህርይን ስልጣንን ኣጽዋርን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ቲ ብጐይታና ዝተገብረልና ዓብይ ግብሪ-ምድሓን ኪገልጽ ከሎ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብሪሁልና ኣሎ። "ንሱ (እግዚኣብሄር ኣቦ) ካብ ስልጣን ጸልማት ኣውጽኣና፡ ናብ’ታ መንግስቲ ፍቁር ወዱ’ውን ኣእተወና።" ቈሎ1፡13 ካ.ት "ከመይ ቅልስና ምስ (ናይ ሰይጣን) ሕልቅነታትን ስልጣናትን፡ ምስ’ቶም ንዘመን ጸልማት ዜመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፡ ምስ’ቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን’ዩ’ምበር፡ ምስ ሰብ ኣይኰነን። ኤፌ6፡12 ካ.ት ". . . ኣገልጋልን ምስክርን (ክትኰነለይ) ስለ ዝመረጽኩኻ’የ ዝተገለጽኩልካ። . . . ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ኪረኽቡ፡ ምስ’ቶም ብእምነት ዝተቐደሱ ኸኣ ርስቲ ኪቕበሉ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣን’ውን ናብ (ስልጣን) ኣምላኽ ኪምለሱ፡ ኣዒንቶም ክትከፍተሎም እልእከካ ኣለኹ።" ግብ26፡16-18 ካ.ት ካብ’ዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ኸም ‘ንርድኦ፡ መሃዝን ዋናን ኣመሓዳርን ናይ ጸልማት ሰይጣን’ዩ። ኣብ’ዛ ግዝኣቱ ዝዀነት ዓለም ’ንነብር ጓኖት ክሳዕ ዝዀንና፡ በቲ ንሱ ዝመሃዞን ዜመሓድሮን ጸልማት ተዋሒጥና፡ ግብሪ-ጸልማት እናገበርና ኽንነብር፡ ዕድመና ምሉእ’ዩ ኺቃለስናን ኬስሕተናን ዚጋደል። ነዚ እምብዛ ሓያልን ረቂቕን ጸላኢና’ዚ ብዓቕምና ኽንፈልጦን ክንቃለሶን ስለ ዘይከኣልና፡ ዅሉ ዘርኢ ኣዳም ኣብ ትሕቲ ናቱ ባርነት ይነብር ነበረ። እግዚኣብሄር ብሕያውነቱ ስለ ዝደንገጸልና ግን ካብ’ዚ ናይ ጸልማት ዘመንን ስልጣንን ኬውጽኣና፡ ነቲ ሓደ ወዱ ገንሸል ገይሩ ለኣኸልና። እዚ ሰዓሪ ገንሸል’ዚ ድማ ብቕዱስ ወንጌሉን ብቕዱስ ደሙን ገይሩ፡ ኣብርሃልናን ኣድሓነናን። ነዚ ሓቂ’ዚ ድማ ጐይታና ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገይሩ ኣበሰረና። "ሽዑ ኢየሱስ፡ ‘‘ኣነ ብርሃን ዓለም’የ፡ እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን-ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን’ዩ፡’’ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።" ዮሃ8፡12 "እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ከይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣለኹ።" ዮሃ12፡46 ብዘይ ኢየሱስ፡ ካብ’ዚ ናይ ሰይጣን ጸልማት ኬምልጥን ኪድሕንን ዚኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ’ዚ ኻብ ጸልማት ሃዲምና እንዕቈበሉ ዕቝባና፡ ኢየሱስ’ዩ። ኢየሱስ ብርሃንና ስለ ዝዀነ፡ ኣብኡ እንተ ነበርና ጥራሕ ኢና፡ ካብ ጸልማት ሃዲምና ኣብ ብርሃን ‘ንነብር። ጐይታና ባዕሉ "ኣባይ ንበሩ"፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ "ኣብ ክርስቶስ ንበሩ" ዝበሉና ድማ በዚ ምኽንያት’ዚ’ዩ (ዮሃ6፡56 ፣ 15፡4-7 ፣ 1ዮሃ2፡24 ፣ 3፡24 ፣ 4፡15)። "ካብ ጸልማት እሃድም ኣለኹ" ኺብል ዚኽእል፡ እቲ ንኢየሱስ ዚኣምንን ዚስዕብን ኣብኡ ድማ ጸኒዑ ዚነብርን ጥራሕ’ዩ። እቲ ኻብ ኢየሱስ ዚርሕቕ ግን፡ ካብ ኢየሱስ ካብ ብርሃን ሃዲሙ፡ ኣብ ጸልማት ምንባር ዝመረጸ ዓሻ ሰብ’ዩ። ሓደ ብኣምላኽ ዘይኣምን ኣረሚን ሰብ፡ ብዘይካ ጸልማት ካልእ ዚፈልጦ ነገር ስለ ዘይብሉ፡ ኣብ ጸልማት እንተ ነበረ ኣየገርምን’ዩ። ብክርስቶስ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ክርስትያን ክነሱ፡ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሰብ ግን፡ መግለጺ ቃላት ክትረኽበሉ’ውን የጸግም’ዩ።
እዚ "ኻብ ጸልማት ምህዳም" ዚብል ቃል፡ ብግብራዊ መገዲ ብኸመይ’ዩ ዚግለጽ፧ መሪሕ ጥቕስና ነዚ ሕቶና’ዚ ብግቡእ መሊሱልና ኣሎ። ካብ ጸልማት ‘ንሃድመሉ እንኮን ዝበለጸን መገዲ፡ ግብሪ ጸልማት ዘበለ ዅሉ ኻብ ህይወትና ኸም ዚርሕቕ ምግባር’ዩ። ለቢስናዮ ዘለና ስጋ፡ ውዱቕን ድኹምን ስጋ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ካብ ጽድቂ ንላዕሊ ሓጢኣት ምግባር’ዩ ዚቐልሎ (ሮሜ7፡14-23)። "ግብሪ ጸልማት" ማለት ድማ፡ ሓጢኣት ማለት’ዩ። ሓጢኣት፡ "ግብሪ ስጋ፡ ምዉት ግብሪ" ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ (ገላ5፡19-21 ፣እብ9፡14)። ስጋና ኸኣ ሰይጣን ዘስረጸሉ ሓጥእ ኣዳማዊ ባህርይ ስለ ዘለዎ፡ ኵሉ ጊዜ ሓጢኣት ይፈታተኖን ይጠብቆን የውድቖን’ዩ (ሮሜ7፡21 ፣ እብ 12፡1)። ስለ’ዚ ድማ ኢና፡ "ሓጢኣት የብልናን" ክንብል ዘይንኽእል (ምሳ20፡9 ፣ መክ7፡20 ፣ ኤር2፡35 ፣ ሮሜ 3፡9-19 ፣ ያእ3፡2)። " ‘ሓጢኣት የብልናን’ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥበራ ኣለና፡ እታ ሓቂ’ውን ኣባና የላን። . . . ‘ሓጢኣት ኣይገበርናን’ እንተ በልና፡ (ንኣምላኽ) ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉ’ውን ኣባና የሎን።" 1 ዮሃ1፡8,10 ስለ’ዚ ነዚ ስጋና ዚፈርዮ ግብሪ-ጸልማት (ሓጢኣት) ካባና ኣርሒቕና ኽንድርብዮ ኸለና፡ ብግብራዊ መገዲ ኻብ ጸልማት ንሃድም ኣለና ማለት’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ፦ "ምእንቲ’ዚ ንሕና ድማ ክንዲ’ዚ ዚኣኽሉ መሰኻክር ከም ደበና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፡ ንዅሉ’ቲ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ።" ኢሉ መዓደና (እብ12፡1)። ንሓጢኣት ብኽልተ መገዲ ኢና ‘ነርሕቖ፡ እቲ ቐዳማይ መገዲ፡ "እምቢ" ኢልና ንሓጢኣትን ሰይጣንን ምእዛዝ ብምእባይ ኪኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ድማ ነቲ ድሮ ዝፈጸምናዮን ዝጠበቐናን ሓጢኣት ብሓቀኛ ንስሓ ኸም ዚርሕቕ ብምግባር’ዩ። ብንስሓ ተኣማሚንካ ኸም ዝደለኻዮ ምሕጣእ፡ ኣዝዩ ሓደገኛን ኣጋንንታውን ጸወታ’ዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ ልደት ጐይታና ኺንበይ ከሎ፡ "ንእከይ ምእባይ፡ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ" ከም ዚግባእ ጠቒሱ ኣሎ (ኢሳ7፡15)። ሓደ ሰብ፡ "ክርስትያን’ዩ፡ መንፈሳውነት ኣለዎ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ ናይ ኣምላኽ ሰብ’ዩ" ዚብሃል፡ ናብ’ዚ ናይ መንፈሳዊ ብስለት ደረጃ ምስ ዚበጽሕ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ብስለት’ዚ "እኹል ሰብ፡ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ" ብምባል ይገልጾ (ኤፌ4፡11-13)። ስለ’ዚ ኻብ መጀመርታኡ ንግብሪ ጸልማት፡ ንእከይ፡ ንሓጢኣት "እምቢ" ኢልና ንሃድመሉን ነርሕቖን። ብምኽንያት ድኻም ስጋ ሓጢኣት ኣርኪቡ እንተ ኣንደልሃጸና ድማ፡ በቲ ኻብ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓይልን ጸጋን ናይ ንስሓ ጌርና ነርሕቖ ማለት’ዩ። ጐይታና ነቶም ብብርቱዕ ህልኽ ዚጻረርዎን ጸልማት ዝወሓጦምን ኣይሁድ፦ "ገና ንቝሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም ኣሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ፡ እቲ ብጸልማት ዚመላለስ፡ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥን’ዩ። ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ።" ይብሎም ነበረ (ዮሃ12፡35,36)። ከም’ዚ ኢሉ እናመዓዶም፡ ብርሃኖም ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ብኣዝዩ ብዙሕ ተኣምራት እና’ረጋገጸሎም ከሎ’ኳ፡ ብሰሪ ዘይምእማኖም ነቲ ድቕድቕ ጸልማት ኬምልጡሉ ከቶ ኣይተኻእሎምን (ዮሃ12፡37,43)።
መን’ዩ ኻብ ጸልማት ኣብ ምህዳም ዕዉት ሰብ ኪኸውን ዚኽእል፧ ንጸልማት ክንሃድመሉ እናደለናስ፡ ግን ካብ ምርኮ ጸልማት ዘይንላቐቐሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ክርስቶስ ጐይታና፡ ነዚ ምስጢር’ዚ ብንጹር ገሊጹልና’ዩ። ንሓጢኣት ኣብ ምስዓር፡ ካብ ጸልማት ኣብ ምህዳም ዚዕወት፡ እቲ ናይ መንነት ለውጢ ዝገበረ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ጐይታና ነቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ፡ "ንስኻትኩም ካብ ዓለም ኢኹም"። ይብሎም፡ ነቶም ዝኣመንዎን ዚስዕብዎን ደቀ መዝሙሩ ድማ፡ "ንስኻትኩም ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን" ይብሎም ነበረ። ". . . ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም። ናብ’ቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን’ዩ። . . . ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም። ኣነ ኻብ ላዕሊ’የ። ንስኻትኩም ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ግና ኻብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣይኰንኩን፡ ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ . . ." ዮሃ8፡21,23,24 "ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ’ያ’ሞ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ’የ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹም’ምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለ’ዚ ዓለም ትጸልኣኩም’ያ። ዮሃ15፡19 ". . . ከም’ቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም’ውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን’ሞ ዓለም ጸልኣቶም፡ ካብ’ቲ ኽፉእ (ድያብሎስ) ክትሕልዎም’ምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ።" ዮሃ17፡14,15 እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ሓጢኣት ዝጥበባ ናይ ጸልማት ዓለም’ያ። ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ንዝዀነ ሰብ፡ ብዘይካ ጸልማት ካልእ ቍም-ነገርን ታሪኽን ኪህልዎ ኣይክእልን’ዩ። ምድራዊ (ዓለማዊ) እንተ ዄንካ፡ ኣተሓሳስባኻ፡ ዘረባኻ ዀነ ግብርኻ’ውን ምድራዊ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ (ዮሃ3፡3 ፣ ሮሜ12፡1,2 ፣ 1ዮሃ4፡4-6)። እቲ ብኣካል ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ እናነበረ ኸሎ፡ ብመንነቱ ተፈልይዋስ ካብ ኣምላኽ፡ ካብ ላዕሊ ዝዀነ ሰብ ግና፡ ኣተሓሳስባኡን ዘረባኡን ተግባራቱን ናይ ላዕሊ ናይ ሰማይ፡ ናይ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ "ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን" ዝተባህለልና (ቈሎ3፡1-3)። ካብ ዓለም እንተ ዄንካ፡ ይትረፍ ካብ ጸልማት ሃዲምካ ኸተምልጥ፡ እቲ ናይ ምህዳም ሓሳብን ባህግን’ውን ኣይህልወካን’ዩ። ካብ ላዕሊ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዄንካ ግን፡ ንጸልማት ይትረፍ ከተፍቅሮን ክትነብሮን፡ ነዛ ንሓጻር ጊዜ ዚጠብቀካ’ኳ ኽትዕገሶ ኣይኰነልካን’ዩ። እቶም ብብርሃን (ብክርስቶስ) ዝኣመንና፡ ንርእስና ብርሃን ደቂ-ብርሃን ኢና ንኸውን። ብኣንጻሩ እቶም ጸልማት ዘፍቀርናን ዝኣመንናን ድማ፡ ጸልማት ደቂ ጸልማት ኢና ንኸውን (ዮሃ3፡20)። "እምበኣርሲ፡ ምስኣቶም (ምስ’ቶም ደቂ ዘይምእዛዝ) ሕብረት ኣይሃሉኹም። ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓይልን’ዩ። ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም’ሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጒሶ እናመርመርርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ፡ ግንሕዎም ደኣ’ምበር፡ ነቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ።" ኤፌ5፡7-11 "ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም፡ ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይክኣላን’ዩ። . . . ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።" ማቴ5፡14,16 ስለ’ዚ ኻብ ጸልማት ‘ነምልጠሉ ዘየዳግም ጥበብና፡ ካብ ጸልማትን ናይ ጸልማት (ናይ ዓለም) ካብ ምዃንን ሃዲምና ናብ ብርሃንን ናይ ብርሃን (ናይ ኣምላኽ) ናብ ምዃንን ምልዋጥ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፦ ". . .(ነቶም ደቂ ጸልማት) ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም ከቶ’ውን ኣይኬምልጡን’ዮም። ንስኻትኩም ግና ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም’ሞ፡ እታ መዓልቲ’ቲኣ ኸም ሰራቒ ከይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘለኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን’ምበር፡ ከም’ቶም ካልኦት (ከም’ቶም ደቂ ጸልማት) ኣይንደቅስ።" 1ተሰ 5፡3-6 ተባሂሉልና ኣሎ።
ካብ ጸልማት ምህዳም ናይ ምእባይ ሳዕቤንካ እንታይ’ዩ፧ ናይ እግዚኣብሄር ዓቕልን ሕያውነትን ኣዝዩ ዓብይ እንተ ዀነ’ኳ፡ ደረትሲ ኣለዎ። ስለ ዝተጸንቀቐ ዘይኰነስ፡ ንሕና ነቲ ሕያውነት’ቲ ናብ ዘይንበቕዓሉ ደረጃ ስለ ‘ንበጽሕ’ዩ። መስፈር ሓጢኣትካ ኽሳዕ ዚመልእ፡ ካብ ጸልማት ክትርሕቕ ጽውዓ ይቐርበልካ። ኣምላኽ ምስ ቀበጸካ ግን እቲ ምርጫኻ ዀይኑ ዝጸንሐ ጸልማት፡ ብድሕሪኡ ግን ፍርድኻ’ዩ ዚኸውን። ንፍቓድ ናይ’ቶም ናይ ጸልማት ኣመሓደርቲ ዝዀኑ እኩያት መናፍስቲ ኣሕሊፉ ይህበካ። ብኻልእ ኣዘራርባ ጸልማት ይልእከልካ፡ ይዝርግሓልካ፡ ናብ ጸልማት ይደፍኣካን ይሰጒጐካን፡ ብመቝሕ ጸልማት ይኣስረካ (መዝ105፡28 ፣ ህዝ32፡8 ፣ እዮ18፡18 ፣ ኢሳ 8፡22 ፣ 2ጴጥ 2፡4)። ድሕሪ ሞት ኣብ ዘሎ ናይ ፍርዲ ዘመን ድማ፡ ነቶም ብፍቕሪ ጸልማት ዝተለኽፉ ደቂ ጸልማት ዝተዓቝረ ዘለኣለማዊ ድቕድቕ ጸልማት ኣሎ። ጐይታና ነዚ ጸልማት’ዚ "ናይ ወጻኢ ጸልማት ኢሉ’ዩ ዚሰምዮ (ማቴ8፡12 ፣ 22፡13 ፣ 25፡30)። እዚ ሕሱም ጸልማት’ዚ ካብ ክብደት ስቓዩ ዝተላዕለ ኣስናንካ ዜሐርቅም’ዩ። ቀላይ ሓዊ ኽነሱስ፡ ብርሃን ግን የብሉን። ሰይጣን ምስናይ ኣጋንንቱን ሰዓብቱን ዚጥጠቑሉ ናይ ጸልማት ሓዊ’ዩ (2ጴጥ2፡4,17 ፣ ይሁ6 ፣ ራእ 14፡9-11 ፣ 19፡20 ፣ 20፡10,14,15 ፣21፡8 ፣ 22፡15)። ጐይታና፡ "እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ጸልማት ከይከውን ተጠንቀቕ" ኢሉ ዜሰምዓሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ሉቃ11፡35)። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ጸልማት ክንመርጽ ከለና፡ ነቲ መዋጽኦ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ ጸልማት’ውን ንመርጾ ኸም ዘለና ንፍለጥ። ነዛ ምድራዊት ጸልማት፡ መዋጽኦ ኣለዋ። ነታ ናይ ዘለኣለም ግን መዋጽኦን መለሳን የብላን። እምበኣር ጸልማት ዘየስድዓናን ዘየዘንግዓናን ንፉዓት ሃደምቲ ንኹን። ኣብ’ቲ ብርሃን ዓለም ዝዀነ ኢየሱስ ዝተዓቘብና ደቂ ብርሃን ኴንና ንንበር። ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
28 ታሕሳስ 2025 | ታሕሳስ 19, 2018 ግዕዝ (መበል 15 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ:፵፪(፵፫)፡፫ "ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ። እማንቱ ይምርሐኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ። ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ።" "ብርሃንካን ሓቅኻን ልኣኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ሮሜ 13፡8-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
| 1ዮሃ 1፡1-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 26፡12-23 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ዮሃ 1፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ አቅዲሙ ነገረ በኦሪት |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ