በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
"ብተስፋ ተሓጎሱ፥ ብጸበባ ተዓገሱ፥ ጸሎት ኣዘውትሩ" (ሮሜ 12:12) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጠቕሲ፥ ቀኖናዊ ሃገረ ስብከትና መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤኡ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ 2020 ኣ.ፈ ((ካብ ፳፫ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ብመራኸቢ ብዙኃን ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (virtual) ብረድኤት እግዚኣብሔር ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ ኣሎ።
ቀኖናዊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካብ ዝምሥረት ጀሚሩ ነዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት፡ ከቢድ ፈተነታት፥ ፥ ዓለማዊ ማሕለኻታትን ሰይጣናዊ ተጻብኦታትን፥ ብትዕግሥቲ እናተሳገረ፥ ሓዋርያዊ እምነቱን ቀኖናዊ ሥርዓቱን ብግቡእ ሓልዩ፥ ኣብዚ እዋን እዚ በጺሑ ኣሎ።
ሃገረ ስብከትና ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ፥ ንውዲታዊ ተጽዕኖ መንግሥትን ምትእትታው ፖለቲከኛታትን፥ ከምኡውን ብድሕሪ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ፥ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ንሃገርና ዝኣተወ፥ ሃይማኖት ለበስ፥ ቅዳሕ ማኅበረ ቅዱሳን ዝኾነ ምትእኽኻብ፥ ንህላዌ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ሊቃውንታን ኣዝዩ ጎዳኢ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ብኣግኡ ስለ ዝነቕሓሉ፥ ብጊሓቱ ክቃወሞን ክኹንኖን ጸኒሑ እዩ።
መንግሥቲ ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ሓንቲ ከም ትካላት መንግሥቲ ብምግባር፥ ተመጽዋቲት ዓመታዊ ባጀትን፥ ምእዝዝቲ መንግሥትን ንምግባርን፥ ርእሳ ከይትኽእልን ብሊቃውንታ ምእንቲ ከይትመሓደርን፥ ብእኩይ ውዲት፡ ጭዋ ልኡኽ መንግሥቲ ዝኾነ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝበሃል፥ ከም መንዳዓት ኣብ ዝለዓለ ክፍሊ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ተመዚዙ ብኣስገዳድ ክንስከሞ ስለ ዝተገብረ ንመንፈሳዊ ምምሕዳር ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ን10 ዓመታት ዝኣክል ኣልሚስዎ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙኃት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንና ብማእሰርቲ፥ ስደትን ተነጽሎን ከም ዝበታተኑ ኮይኖም እዮም። ነዚውን ሃገረ ስብከትና ብመንግሥቲ ዝመጽእ መራሒ ፈጺሙ ኣየድልየናን እዩ! ብምባል ብትሪ ተቓዊሙ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ዮፍታሄ ብኢደ-ዋኒኑ ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ሰሪዙን ደሊዙን ብዝደልዮ ምስ ኣማሓየሾውን ኣይንቕበሎን! ብምባል ኣብ ጊዜኡ ኮኒንዎ እዩ። ብተወሳኺ መንግሥቲ ንመነኮሳት ኣቦታትና ብምእሳር ገዳማትና ደፊሩ ክሳብ መሕብኢ ሸፋቱ ብዝብል ኣስማት ክጽውዖም ከሎ፥ ነቶም ሕጊ-ኣልቦ ዝኾነ ሰብ እዋን ኣካላት መንግሥትን ተሓባበርቶምን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብወግዓዊ-መግለጺ ብጽሑፍን ቃልን ኣትሪሩ ክቃወሞ ጸኒሑ እዩ።
ብምቕጻል ኣብ 2005 ኣ.ፈ ነቶም ብእምነቶምን ሓቅነቶምን ናይ ዘመንና ቅዱስ-ሰማዕት ዝኾኑ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ንምእላይ መሠረት ዘይብሉ ክስን ሓሶትን ብምምሃዝ፥ ቅድም ጽረፎ፥ ደሓር ደሃሎ፥ ኣስዒብካ ኣጸልሞ፥ ዝብል ሰይጣናዊ ናይ ፖለቲካ ውዲት ተጠቒሞም፥ ሰብ ፖለቲካን ሃይማኖት-ለበስ ተጻረርትን፥ ተሓባቢሮም ኣብ ልዕሊ ሓዋርያዊ ኣቦ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ናይ ዓመጽ ኢዶም ዘርግሑ።
ነዚ ክፉእ ገበን ንምፍጻም ድማ፥ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ዓው ኢሉ ንዝካታዕ፥ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ክፈርስ ተወሰነ። ነቲ ደሃሎ፥ ኣስዒብካ ኣጸልሞ፥ ዝብል መደቦም ተጠቒሞም፥ ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ምስ ተሓባበርቶም፥ ንሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ፀሓየ ፋሲል (ፕሮትስታንት) መንግሥታዊ ኃይሊ ኣኸቲሎም፥ ቀሺ ሚካኤለ ተኽላይ ዝመርሖን ብቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዝመሓደርን ስማዊ ሃገረ ስብከት ብምዃን፥ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን መንፈሳውያን መራሕቱን ማእለያ ዘይብሉ ስም ምጥፋእን ጸለመን ብምክያድ ካብ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ሕዝቢ ንምንጻልን ብዙሕ ውዲታትን ሰፊሕ ጎስጓስን ኣካይዶም እዮም።
ነቲ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ሃገርና ደማዊ-ኲናትን ውግእን መጎልበቢ ተጠቒሞም፥ ኣብቲ ብዛዕባ ሃይማኖቱ ድሩት ኣፍልጦ ዝነበሮ ሕዝብና ከቢድ ዕንወትን ምፍልላይን ፈጢሮም እዮም። ነቶም ስምዒታውያን ሰባት ብምልዕዓል ብጉልባብ ሃገራውነትን መናፍቕነትን፥ ኣብ ልዕሊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጥፍኣት ነጋሪት ተኣወጀ። ዝበዝሐ ብስምዒት ደማዊ ኲናት፥ ዝረሰነ ሕዝብና ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንና ዝፍጸም ዝነበረ ዕንወት ክርኢ ብዘይምኽኣሉ፥ ዓገብ ንዝበለ ቅኑዕ ኣማኒ ናይ ጸለመ ስም ከጠምቖ ጀመረ። ሰማዒ የለ፥ ረዳኢ የለ፥ ብዛዕባ ጉዳይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝዛረብ ኮነ ዝከራኸር ኣይርከብን እዩ፥ ተባሂሉ ኣብ ዝተኣምነሉ ከኣ፥ ንሕጋዊ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ሥልጣኖም ብኃይሊ ኣውሪዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጎኑን ብወተሃደራት ከም ዝሕለዉን ተገብረ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ናይ ፈተና ኩነታት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ግና፥ ነቲ ንሓቂ ሓዝዋ፥ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ! ዝብል ክርስቶሳዊ ቃል መምርሒኡ ጌሩ ካብ መንፈሳዊ ዕላማኡ ንሓንቲ ሰከንድውን ትኹን ዕርፊ ሒዙ ድሕሪት ኣይጠመተን። ዮሓ 8፡32።
ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንጉዳይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ተኣፋፊ ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ብደቂቕ ክከታተል ስለ ዝጸንሐ፥ ቀልጢፉ ተቓውሞኡ ናብ ምሉእ ዓለም ከባጽሕ ጀመረ። ብጀካ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝኾነ ካልእ ፓትርያርክ ከም ዘይቅበልን፥ ነቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዘንበርዎ ውግዘትውን ከም ዘይስዕር ብኣዋጅ ኣፍለጠ። ናይ ኩለን ኣኀት ኦሬንታል፥ ናይ ቢዛንታይን ኦርቶዶክሳውያንን ናይ ሮማ ካቶሊክ ፖፕን ምሉእ ሓበሬታ ለኣኸ። ዝኾነ ጳጳስ፥ ወይ ልኡኽ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እየ ዝብል፥ ብዘይ ፍቓድ ኣቡነ እንጦንዮስ ንዝንቀሳቐስ፥ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ከም ዘይቅበላኦ ብወግዒ ኣፍለጣ።
ብተወሳኺ ድማ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናፃን ሉዓላዊትን ብምዃና፥ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኸይቋረጽ ቀጻልነቱ ክረጋገጽ ጻዕርታት ኣካየደ። ነዚ ሓዋርያዊ መሥርሕ ንምዕዋት፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጥራይ፥ እንኮ ኣብቲ ውግዘት ዘይተሳተፉ፥ ነቲ ዝተገብረ ዘይቀኖናዊ ሥርዓት ዝተቓወሙ ኣቦ ብምዃኖም፥ ኤርትራዊ ዜጋ ብምዃኖም፥ ኣባል ሲኖዶስ ኤርትራን ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ መንበረ ማርቆስን ብምዃኖም፥ ልዕሊ ማንምውን ንዕዮ ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ዝጸዓሩን ዝጎየዩን ኣቦ ብምዃኖም፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ክሳብ ዝምለሱ ንኽጥርንፉና ብሠናይ ፍቓድ ኣምላኽ መሪሕነቶም ተረኽበ። ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣባልነትና ድማ ብእኦም ኣቢሉ ክቕጸል ተወሰነ። ሓዋርያዊ ሰንሰለትን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ኅብረትን ውሑስ ኮይኑ ክቕጽል ዝገበረ ከኣ ብጸሎት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እዩ።
ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብመሠረቱ ነቲ ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ ናይ እግዚኣብሔር ንእግዚኣብሔር ዝብል ፍትሓዊ ዕላማ ብምርዳእ፥ ምምሕዳር መንግሥትን ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንን ብፍጹም ክፈላለ ኣለዎ፥ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ እዩ ዝኽተል። ስለ ዝኾነ ድማ ከም መራሕቲ ሃይማኖት መጠን መራሒና እቲ ሓቅን መገድን ሕይወትን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ፥ እምነትና ኣጽኒዕና መገድና ኣብ ምቕጻል ንርከብ። ሃገረ ስብከትና ብዝገበሮ ጻዕሪ ድማ እዩ፥ ጥዑም ድምጺ ኣቡነ እንጦንዮስ ብድሕሪ 13 ዓመታት ናብ ኣደባባይ ዝተዘርግሐ። በዚ ድምጺ ደወል ሓቂ ድማ እቲ ን 13 ዓመታት ክስበኽ ዝጸንሐ ናይ ሓሶት ጸለመ፥ ብናይ 13 ደቒቕ ድምጺ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ክፈርስ ዝኽኣለ። ገለ እናፈለጠ ኮነ ኢሉ ዘጽቀጠ፥ ገለን ብዘይኣፍልጦ ተባህለ ዝበለ፥ ገለን ድማ እንታይ ገደሰኒ ኢሉ ደቂሱ ንዝጸንሐ፥ እዚ ቃለ-ዓዋዲ ድምጺ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ምስ ተሰምዐ፥ ንብዙሕ ሰብ የበራብር ከም ዘሎ ንርእዮን ንዕዘቦን ኣሎና። በዚ መሠረት:
1) ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ምትእትታው መንግሥቲ ኣብ ጉዳይ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዓውታን ብተሪርን ክቃወም ጸኒሑን ኣሎን። ሕጂውን ከም ትማሊ ቤተ ክርስቲያንና ብሓዋያዊ ሕጋን ቀኖናዊ ሥርዓታን ብመንፈሳውያን መራሕታን ብነጻነት ክትመሓደር ንጽውዕ።
2) መንግሥቲ ኤርትራ ካብ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ጀሚሩ፡ መነኮሳት፥ ካህናት፥ ዲያቆናት ብሓፈሻ ብዙኃት ኤርትራውያን ደቂ ሃገር ሲቪላውያን ይኹኑ ወተሃደራት ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኣሲሩ የሳቒ ብምህላዉ፥ ንቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክና ክፈትሕ፥ ንኹሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ንዘለዉ ከኣ ብዘይ ወዓል-ሕደር ብህጹጽ ክፈትሕ ጸዋዒትና ከነቕርብ።
3) ዓለም ለኻዊ ለበዳ ሕማም ኮሮና ኣብ ኩለን ሃገራት ከቢድ ጸገምን ሻቕሎትን ፈጢሩሉ ዘሎ ሕማም እዩ። ይኹን እምበር መንግሥቲ ኤርትራ፥ ብምኽንያት ኮረና፥ምርጋጥ ብምኅያል፥ ነቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ መግቢ ዕለቱ ማእሪሩ ዝነብር ሕዝብና፥ ካብ ለበዳ ሕማም ኮሮና ንላዕሊ ብዓጸቦ ጥሜት ከይረግፍ፥ ዘስግእ ኩነታት ይርኣ ስለ ዘሎ፥ መንግሥቲ ጉዳይ ሕዝቢ ብዝላዓለ ሰሪዑ ክንቀሳቐስን፥ ፍታሕ ከናድን ንጽውዕ።
4) ገዛእቲ መንግሥታት ኢትዮጵያ፥ ንኤርትራ መሬታ እምበር ሕዝባ ኣየድልየናን እዩ። ዝብል ዘይሰብኣዊ ተግባር ፈጺሞም እዮም። ኣብዚ እዋን እዚውን መራሒ ኢትዮጵያ ዶክቶር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ምስ መራሒ መንግሥቲ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገብሮ ሥዉር ውዕላትን ግላዊ ምሕዝነትን፥ ንብዙሕ ህዝቢ የሻቕል ስለዘሎ ብዋጋ ህዝብን ሃገርን ከይከውን፥ ዝሓለፈ ጸሊም ታሪኽ ከይድገም፥ ብስም ኩሎም ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ደቂ ሃገርን ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ግልጽን ትካላውን ክኸውን ለበዋና ነመሓላልፍ።
5) ኹሎም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ውሉደ-ክህነትን፥ ንህልው ሽግር ቤተ ክርስቲያንና ተረዲእና፥ መሠረታዊ መፍትሕን ሰላምን ንምምጻእ፥ ኩልና እጃምናን መንፈሳዊ ኣበክቶናን ከነዕዝዝ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብኣኽብሮት ንኹሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ንጽውዕ።
መድኃኔ ዓለም ኣምላኽና እዚ ወሪዱ ዘሎ ለበዳ ይቐንጥተልና፥ ሰላሙን ምሕረቱን ይልኣኸልና።
ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ
ነሓሰ 01/ 2020 (፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ ዓ.ም)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ