“ (ክርስቶስ) ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ተሓርየ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኻትኩም ተገልጸ። ንስኻትኩም እምነትኩምን ተስፋኹምን ኣብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ (ንክርስቶስ) ካብ ምውታት ዘተንስኦ፡ ክብሪ’ውን ዝሃቦ ኣምላኽ ኣመንኩም።”1ጴጥ 1፡20,21 ካ.ት
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።
ሊቀ ካህናት ኣቦይ ቀሺ ገብረሕወት ኃይለ ኣገልጋሊ ገዳም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ወገሪቆን ኪዳነ ምሕረትን ኣብ ነሓሰ 11/2017 ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም ብሰላም ዓሪፎም።
ኣብ ከተማ ሃሪሰንበር (Harrisonburg) ክፍለ ግዝኣት ቪርጅንያ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ተሃኒጻ። ኣገልግሎት'ውን ድሮ ጀሚራ ኣላ። ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ኣቦይ ቀሺ ባህታ ኣሚነ ከምዝገለጽዎ፥ "ድሕሪ ብዙሕ ፈተናን ድኻምን፥ ኣምላኽ ረዲኡና፥ ናይ ገዛእ ርእስና ቤተ ክርስቲያን ክንምስርት ጸጋ ዘብዝሓልና እግዚኣብሔር ነመስግኖ" ክብሉ ስለቲ እግዚኣብሔር ዝገበረሎም ዓቢ ነገር ይገልጹ።
ናይ ሎምዘመን እምነት
ገዲፍካ ንኣቦታት ቀዳሞት
ናየቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት
ተተኃየሰ ናይ እንዳ ጐረቤት
‘ወ እንዳ ኣብሻይ° ጐረቤት።
እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ቃል፣ ቅድሚ ክልተ-ሺሕ ዓመት፣ ኣብ ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ቃል እዩ። እዚ ሠራዊት ሰማይን መላእኽትን ኃቢሮም ዘስምዑዎ ቃል ምስጋና`ዚ፣ እቶም ናይ ቤተ-ልሔም ጓሶት፣ ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ክርድኡዎ ዝኸኣሉ ነገር ኣይነበሮምን። ስለዚ ከኣ`ዮም እቲ ዝኾነ ነገር ክንፈልጥ፣ ናብ ቤተ-ልሔም ንኺድ ዝበሉ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ከኣ፣ እቲ ጎይታን መድኅን-ዓለምን ዝኾነ ክርስቶስ፣ ምስታ ቅድስቲ ዝኾነት ወላዲተ-ኣምላኽ ድንግል-ማርያምን፣ ከምኡ`ውን ዮሴፍ ኣብ መብልዕ-ማል ደቂሱ ረኸቡዎ። (ሉቃ-2/14)
“ክርስቶስ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም ዝተገልጸ ትፈልጡ ኢኹም፡ ኣብኡ’ውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብ ክርስቶስ ዚነብር ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት ኣይገብር’ዩ። ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ ግና፡ ንክርስቶስ ኣይረኣዮን፡ ኣይፈለጦን’ውን። . . . ካብ መጀመርታ ሒዙ ዚሓጥእ ዘሎ ድያብሎስ’ዩ’ሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር (ሰብ) ካብ ዲያብሎስ’ዩ፡ ወዲ ኣምላኽ (ኢየሱስ) ከኣ፡ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ’ዩ ዝተገልጸ። ካብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ፡ ባህርይ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዘሎ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን’ዩ፡ . . . ሓጢኣት ኪገብር (ኣይኰነሉን’ዩ)። . . . ደቂ ኣምላኽን ደቂ ዲያብሎስን በዚ’ዮም ዚፍለጡ፣” 1ዮሃ 3፡5,6,8-10 ካ.ት።
“ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ”! ኢዩኤል 2፡16
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ከምኡውን ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም እትርከቡ ብክርስቶስ ጎይታ ኣኅዋትና።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ክፍለ ትምህርቲ፥ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2020 ክዛዘም እዩ። ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 1 መስከረም 2020 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org/ ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፥ ኣሜን።
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ኣሕጉራትን እትነብሩ ዘሎኹም።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋ፡ ሰላምን ጥዕናን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንኣኻትኩም ይኹን።
እቲ ካብ 1999 ኣ.ፈ ጀሚሩ ዓመት መጸ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ዝዳሎ መንፈሳዊ ዓመታዊ ጉባኤና፥ ሎሚ ዓመት'ውን ብረድኤት እግዚኣብሔር ንመበል 22 ዓመቱ ክካየድ እዩ። እዚ ብጸሎተ-ቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ መሪሕነት፥ ኣቦታት ውሉደ ክህነት፡ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበትን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ብዝህብዎ፥ መደብ-ትምህርቲ፥ ስብከታት፥ ሰሚናራት፥ መዝሙራትን ጸሎተ-ምህልላን ብስሩዕ መደባት ንኽመሓላልፍ ብኽፍሊ ትምህርትን ስብከትን መርሓ-ግብር (ፕሮግራም) ወጺኡ ኣሎ። ናይ ሎሚ ዘመን ዓመታዊ ጉባኤ በዚ ዘሎ ለበዳ ሕማም-ኮረና ምኽንያት፥ ብመሰኮት ኢንተርነት ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live)፡ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ (July) - ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 ኣ.ፈ (ካብ ፳፫ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ ዓ.ም) ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ሰዓታት፡ ካብ ኣአንጋዲት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ሲንሲናቲ ኦሃዮ፥ ክመሓለልፍ ምዃኑ ብኣኽብሮት ክንሕብር ንፈቱ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ