S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ”። (1ጴጥ 5፡7)

 

ዓቃቢ ዝብል ቃል ካብ ዐቀበ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወጸ እዩ። ዓቀበ ማለት ሓለወ ክኸውን ከሎ ዓቃቢ ድማ ሓላዊ፥ ብሕድሪ ንዝተዋህቦ መጽንሒ እዩ ዘስምዕ። ኣብዚ ሎሚ-ቅነ ብዛዕባ ተኣፋፊ ጉዳይ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምልከት ብሰብ እዋን ሰብ ኣሥመራ ብዝተዘርግሐ ዘጸይፍ መግለጺ፡ ንዕኦም ኣውጊዝና፥ ኣብታ ዘለዉዋ ቤት ዓጺናዮም ኣሎና። ነታ ሓዋርያዊት መንበር ከኣ ዓቃቢ ጌርናላ፡ ስለ ዝበሉ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን ምእመናንን መሪር ጓሂ ስለ ዝተሰምዖም በብዝመስሎም ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዓገብ ዝመልእኽቱ ይጽሕፉን ይዛረቡን ኣለዉ። ኣነ ድማ በታ ንእሽቶይ ዓቕመይ ከም መግለጺ ሓዘነይ ነዚኣ ክጽሕፍ ብሕሊናይ ተገዲደ ኣሎኹ።

እታ ናይ ጽባሕ ቤተ-ክርስቲያን ዝብል ኣበሃህላ፣ እንታይ ንምባል ይድለ ከም ዘሎ፣ ቅልጥፍ ኢሎም ክርድኡዎ ዘይክእሉ እንተሃለዉ ዘገርም ኣይኮነን። ግዳስ ግዜ ወሲዱ ዘይዓብን ዘይምዕብልን ስለ-ዘይልቦ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና`ውን፣ ነቶም ብጸጋ-ጥምቀት ዝወለደቶም ደቃ፣ ዘለዋ ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው። ጸባ-ወንጌል እናመገበት እተዕብየሉ ተበግሶ ክትወስድ፣ ንጽባሕ ዘይበሃል ሓላፍነት ኮይኑ`ዩ ዝርከብ ዘሎ።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ (ዘፍ 217)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

"ብተስፋ ተሓጎሱ፥ ብጸበባ ተዓገሱ፥ ጸሎት ኣዘውትሩ" (ሮሜ 12:12) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጠቕሲ፥ ቀኖናዊ ሃገረ ስብከትና መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤኡ ካብ ሓሙስ  30 ሓምለ ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ 2020 . ((ካብ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ .) መራኸቢ ብዙኃን ሑቕ ብቐጥታ (virtual) ብረድኤት እግዚኣብሔር ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ ኣሎ

ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ኢየሱስ) ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ (ኣብ መስቀል) ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም። (ቅድሚ ሕጂ) ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም ሕጂ ግና ናብ ጓሳኹምን ሓላው ነፍስትኩምን ተመሊስኩም ኣለኹም።” 1ጴጥ 224,25

5 ሓምለ ብኣቈጻጽራ ግእዝ (ሓምለ 12 ዓ.ም.)፣ እቲ ብልምዲ “ሓርያ-ጉባኤ” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ብሰማእትነት ዝዓረፍሉ ዕለት እዩ።

እዋኑ ኣብ ሓምለ 2005 ኣ.ፈ እዩ ዝነበረ። ናይ ሽዑ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን (ናይ ሕጂ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ) መበል 7ይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ደብረ ሰላም መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ካብ 28 ክሳብ 31 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ ክካየድ ወሰነ።

ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (January 31 – February 2-2020) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። በዓል ኣስተርእዮ . ማርያም ብብዙሒ ህዝቢ ካብ ዝሓለፍ እዋናት ዝደመቐን ዝዓዘዝን ከማኡ ወን ካብ ኩለን ከተማታት በይ ኤርያ (Bay Area) ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ክርስትና ዝተሳተፍዎ እዩ ኔር ኣብ ርእሲ ምኻንኑ ዝደመቐን ዝላዓለን ተሳትፎ ዝነበር ኣዩ ኔሩ. ኣብ ገጽ ዕዱምትን ኣባላት ቤተክርስትያንን ዝንበብ ዝነበረ ፍስሓን ሓጎስን ፍሉይ ኔሩ እዚ ዓመት ኔሩ።

መደባት መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ጉባኤ፥  ሓሙስ ሓምለ (July) 30 -  ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live) ክዝርጋሕ እዩ።  ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ይመሓላለፍ። 

Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch

Live https://www.facebook.com/tewahdoChurch

መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-

ብተስፋ ተሓጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ” ሮሜ 1212

ዝርዝር መደባት ፕሮግራም- Program Detail

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div