S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትምህርቲ ንህጻን ክሳብ እርጋን! ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ትምህርቲ ትምህርቲ ስማ ጥዕምቲ:

መብልዒት እንጀራ ቀለብ ሊቃውንቲ:

መጥፊኢት ድንቁርና ኣጽዋር ናይ መሃዝቲ:

ህያብ ናይ ፈጣሪ ምርኩስ ናይ መራሕቲ:

ብርሃን ናይ ነበርቲ ሻቁሎት ናይ ዓመጽቲ:

ጉዝጓዝ ናይ ደቂ ሰብ ናይ ስድራ ሕብስቲ:

ማሕበራዊ ክብረ-ጸጋ ቁጠባዊ ርስቲ:

ናይ ሓሳር መፍትሒ ዘይጠፍእ መብራህቲ:

ናይ መነባብሮ ብልሓት ናይ ስራሕ ናውቲ:

ናይ ፖለቲካ ልሳን ንሓቂ መማጎቲ:

ናይ መንእሰይ ተስፋ ናይ ሂወት ስጉምቲ:

ናይ ቁሩብ ዓመት ሽግር  ንሓዋሩ ሃብቲ:

ተማሃሩ  መንእሰያት ኩልኹም ናእሽቲ:

ዕድመ ኣይውስንን እንተላይ ዓበይቲ:

ክማሃር ኣለዎ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ:

ነጋዳይ ሓረስታይ ሓዊስካ ሹማምንቲ:

እርጋን ከየርከበ ከይከደ መዓልቲ።

ትምህርቲ ትምህርቲ ሚዛን ናይ ደቂ ሰብ:

ትምህርቲ ዘለዎ ኣብ ኩሉ ይዕሰብ:

ትምህርቲ ዘለዎ ምስ ኩሉ ይዋሰብ:

ትምህርቲ ዘለዎ ቁምነገር ይላዘብ:

ትምህርቲ ዘለዎ ከም ሰብ ይሕሰብ:

ትምህርቲ ዘለዎ ጥዑም ይምገብ:

ትምህርቲ ዘለዎ ብናብርኡ ይዓግብ:

ትምህርቲ ከንቱ ይሓልፍ ትም ኢሉ ንዝዕዘብ:

ጠፊእካ ምንባር'ዩ  ኣብ ጣሻ ኣብ ገረብ:

ትምህርቲ ኣይግዛእን ብንዋት ብገንዘብ:

መንእሰይ ተመኸር ቁምነገር ክዝረብ:

ብዛዕባ ትምህርቲ ኪነታዊ ጥበብ:

ፍረ ናይ ጻዕሪ ካብ ትምህርቲ ዝድለብ።

ኣብ ገጠራትና ዝግበር ክኾነኩም ንዛንታ:

መንእሰይ ይመሃር በሊዑ ቡርኩታ:

ንትምህርቲ ይኸይድ ገስጊሱ ወጋሕታ:

መገዲ ተጓዒዙ ጎቦ ምስ ኮረብታ:

ኮፍ ኢሉ ይመሃር ኣብ እምኒ ኣብ ባይታ:

ምንም ከይዓጀቦ ቁሪ ምስ ኣሰሓይታ:

ትምህርቲ ክቀስም ዘለዎ ሃረርታ:

በርቲዑ የጽንዕ ተንሲኡ ለይቲ ከውታ:

መስተንክር'ዩ ኣብ ትምህርቲ ዘለዎ ቆላሕታ:

መሰረት መታን ክኾውን ናይ ሃገሩ ዋልታ:

ግን ኣፍጢጡ ይጽበዮ ናይ ሳዋ ግደታ:

ንነዊሕ ጊዜ ኣገልግሎት ዘይብሉ መወዳእታ:

ገሊኡ ግን ይሃድም ናብ ሊብያ ናብ ማልታ:

ካብኡ ናብ ካልእ ይኸይድ ናይ ስደት መቀጸልታ:

ዕድመ ይሃቦ ኣብ ሰማይ ዘሎ ጎይታ።

መንእሰይ ዲያስፖራ ኣሎ ተስፋ ዝቆረጸ:

ገለ ኣብ ስደት ዝተወልደ ገለ ብንኡሱ ዝመጸ:

ኣብ ቤቱ ዝነብር ወትሩ ምስ ተዓምጸጸ:

ፈቆዶ ሳዕስዒት ከይዱ ዝቆጻጸ:

መስተ ዝግልብጥ ዝመረረ ዝመጸጸ:

መግቢ ዝበልዕ ዝዓሰወ ዝነቀጸ:

ተመልከት መዘናኻ ዝኸበረ ዘጋየጸ:

ትምህርቲ ዝቀሰመ ጥጡሕ ባይታ ዝረገጸ:

ግርማ ዘለዎ ምቹእ ሂወት ዝሃነጸ:

ወግሐ ጸብሐ ካብ ትፋታሕ ካብ ትሕጸ:

ትምህርቲ ምኻድ ይሓይሽ እቲ ዝበለጸ:

 

ትምህርቲ'ዩ  ዘዋጽእ ንሓዋሩ ዝተመርጸ።

ናይ ትምህርቲ ጠቅሚ ቀጺለ ክጠቅስ ሓደ ሓደ:

ዝተማህረ ሰብ ምስ ዘይተማህረ ሰብ ኣዛሚደ።

ዝተማህረ ሰብ ብትምህርቱ ይሰርሕ:

ዘይተማህረ ሰብ ጉልበቱ የላሕልሕ:

ዝተማህረ ሰብ ሸሞንተ ሰዓት ይለፍዕ:

ዘይትማህረ ሰብ 16 ሰዓት ይርፍዕ:

ዝተማህረ ሰብ ብወርሒ መጠን ይኽፈል:

ዘይተማህረ ሰብ ብስዓታት ሕሳብ ይታለል:

ዝተማህረ ሰብ ብዙሕ'ዩ ደሞዙ:

ዘይተማህረ ሰብ ይነብር ተመዝሚዙ:

ዝተማህረ ሰብ ንሹመት ይስራዕ:

ዘይተማህረ ሰብ ኣብ ስራሕ ይግፋዕ:

ዝተማህረ ሰብ ኩሉ ግዜ ይኽበር:

ዘይተማህረ ሰብ ሕቁኡ ይስበር:

ዝተማህረ ሰብ ይነብር ብመዓርግ:

ዘይተማህረ ሰብ አቱም ከይተባህለ ይኣርግ:

ዝተማህረ ሰብ ይምስገን ተባሂሉ ንፉዕ:

ዘይተማህረ ሰብ ምስኪን ኩሉ ግዜ ውጹዕ:

 

ዝተማህረ ሰብ እንዳሓደረ ይሽዉት:

ዘይተማህረ ሰብ ብዓንተቦ ይመዉት:

ዝተማህረ ሰብ ብጽቡቅ ይጥመት

ዘይተማህረ ሰብ መን ተባሂሉ ይግመት:

ዝተማህረ ሰብ መሰሉ ይሕሎ:

ዘይተማህረ ሰብ ቁልቁል ኣፉ ይዕሎ:

ዝተማህረ ሰብ ተዛሪቡ የስምዕ:

ዘይተማህረ ሰብ መከራ ይበልዕ:

ዝተማህረ ሰብ ኣፉ መሊኡ ይዛረብ:

ዘይተማህረ ሰብ ቲሕቲ ሰብ ይሕሰብ:

ዝተማህረ ሰብ ንምኽሪ ይጽዋዕ:

ዘይተማህረ ሰብ ሃለዋቱ ይርሳዕ:

ዝተማህረ ሰብ ስልጣን ይጭብጥ:

ዘይተማህረ ሰብ መሬት ይዘብጥ:

ዝተማህረ ሰብ ንካልእ ሰብ ይመርሕ:

ዘይተማህረ ሰብ ንኻልእ ሰብ ይሰርሕ:

ዝተማህረ ሰብ ምስ ህብታም የዕልል:

ዘይተማረ ሰብ ንሃብታም የገልግል:

ዕንባባ ዘይብሉ ተኽሊ ኣይሽዉትን:

ምሁር ዘይብሉ ሃገር ኣይዕወትን:

መሰረት ዘይብሉ ገዛ ኣይጸንዕን:

ምሁር ዘይብሉ ሃገር ኣይለምዕን:

ጥይት ዘይብሉ ብረት ኣይትኩስን:

ምሁር ዘይብሉ ሃገር ኣይሕደስን:

ኣያ ዘለዎ ሰብ ኣራፊዱ ይመውት:

ምሁር ዘለዎ ሃገር ንቅድሚት ይጥምት:

መልክዕ ኣይርከብን ሰዉነት ምስ ዓንደፈ:

ትምህርቲ ኣይርከብን ግዜ ምስ ሓለፈ:

ውላድ ኣይርከብን እርጋን ምስ ኣርከበ:

ትምህርቲ ኣይረክብን ኮፍ ኢሉ ዝጽበ።

ይርድኣኒ ናይ ገለ ሰባት ሽግራት:

ትምህርቲ ንምኻድ ከም ዘሎ ጸገማት:

ቁልዑ ንምዕባይ ንምሕጋዝ ኣሕዋት:

በቲ ሓደ ትምህርቲ በቲ ሓደ  ስራሓት:

ግን ኩሉ ንምዝማድ ኣሎ ብልሓታት:

ንትምህርቲ ዝኸዉን ኣሎ ግዜታት:

ካብ መንግስቲ እንተኾነ ኣሎ ሓገዛት:

መደባት ምሕንጻጽ ንጹር መላታት:

ዕላማ ክፍጸም የድሊ ጻዕርታት:

ነዊሕ እንተወሰደ ብዙሕ ዓመታት:

ጻማ ይርከብ እዩ ናይ ዓወት ብስራት:

እንዳሓደረ ዘሐጉስ ብዝተረኽበ ዓወታት።

ኣሕዋት ኣሓት ሓደራ ዘክሩ: ንቁሩብ ዓመት ከይመሃሩ: ምሉእ ዕድምኦም ይድንቁሩ:

ጥበብ ተማሃሩ ከም ምሁር ክትከብሩ:

ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክትምከሩ።

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና:

ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና:

ዕድመን ጥዕናን ይውረድ ኣብ ኩላትና:

ትምህርቲ  ይዓንብብ ኣብ መንእሰያትና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div