S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሎም ፍስሓ ኮነ

ርሑስ ልደት፡ ክርስቶሰ

ርሑስ ልደት፡ የሱሰ

ርሑስ ልደት፡ ንጉሠ

ዘለዓለማዊ ናትና ንጉሠ

ዘለዓለማዊ ናትና ንጉሠ

ዘለዓለማዊወ ናትና ንጉሠ።

""እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ፡ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ’ያ፡ ጐይታ’ውን ኬተንስኦ’ዩ። . . .  ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ’ያ። . . . እዚ (ሕማም’ዚ) ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ። ንሱ ኸኣ ‘‘ሓይለይ ብድኻም’ዩ ዚፍጸም’ሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ’’ በለኒ። ስለ’ዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ (ብሕማመይ) ክምካሕ’የ።"        

ያእ5፡15,16 ፣ 2ቈረ 12፡8,9

“ህዝቢ ኣክቡ ቅዱስ ጉባኤ ከም ዘሎ ንገሩ”! ኢዩኤል 2፡16
ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ከምኡውን ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለም እትርከቡ ብክርስቶስ ጎይታ ኣኅዋትና።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ። እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ (ዘፍ 2፡17)።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ክፍለ ትምህርቲ፥ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2020 ክዛዘም እዩ። ቀጻሊ ትምህርቲ ድማ ካብ 1 መስከረም 2020 ክጅመር እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org/ ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ፍቁራን ማሕበረ ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን፣ እንቋዕ ናብ’ዚ ጥንታዊ ሓድሽ ዓመት ቤተ ክርስቲያን፡ በዅሪ ዕለትን ወርሕን ዓውደ ዓመት ግእዝ ኣብጽሓኩም።

ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን እሞ: ኣነ ድማ ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ! ራእ/ዮሓ 2፡10

ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ብማዕርግ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ካብ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ መበል 120: ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከኣ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኮይኖም፥ ሓዋርያዊ ሕግን ክርስቶሳዊ ሥርዓትን ኣኽቢሮም፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ድምጺ ዝተሓርዩ፥ ፓትርያርክ እዮም።

"እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብዪ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ "ምኵራብ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። "ምኵራብ" ማለት "ቤት ጸሎት ኣይሁድ" ማለት’ዩ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ ክልተ "ዘመነ ምኵራብ" (ዘመነ መቅደስ)’የን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ ኣብ ዘመነ ነብያት ኣብ ካልኣይ ሰንበት ’ትርከብ (ሕዳር 20-ሕዳር 26) ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ፡ እዛ ዘለናያ ዘመነ ምኵራብ’ያ። ክልቲኡ ዘመነ ምኵራብ ደኣ ይኹን’ምበር፡ ብመዝሙሩን ንባባቱን ግን፡ ፍልልያት ከም ዘለዎ ኽንግንዘብ ይግባእ። ነዚ ናይ ዓብዪ ጾም ዘመነ ምኵራብ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር "ቦአ ኢየሱስ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፤ ብውሽጢ ከቢድ ነውጽን ምፍልላይን፡ ብግዳም ድማ ተነጽሎ ካብ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣብያተ ክርስቲያናትን ካብ ኣሓት ኦርቶዶክሳውያን ኦርየንታልን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣጋጢምዋ ትርከብ። ጠንቂ ናይዚ ፍጻመ እዝን ካልእን ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጽሑፍ በኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ኣሎ

እዋኑ ኣብ ሓምለ 2005 ኣ.ፈ እዩ ዝነበረ። ናይ ሽዑ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን (ናይ ሕጂ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ) መበል 7ይ ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ደብረ ሰላም መድኃኔ-ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ካብ 28 ክሳብ 31 ሓምለ 2005 ኣ.ፈ ክካየድ ወሰነ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div