S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መንፈሳዊ ዕንደራ!ቊ.41(10 ግንቦት 2026 ፈ | ሚያዝያ 25, 2018 ግዕዝ)

" ‘ንስኻ በጽሒ ኸለኻ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም ‘ተልዕል’ሞ፡ (ጐይታኻ) ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደለኻዮ’ውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።’ . . . ኵላቶም (ነቲ) ነናይ ርእሶም’ዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን።" ዮሃ21፡18 ፣ ፊል 2፡21

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ዕለት’ዚ ዝተዳለወ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፦ "አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦

“ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣኑ ኣርኣየ። ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣኑ ኣርኣየ። ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይቶት። ሊቃነ መላእኽቲ የኽብርዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሃት ይሰግዱሉ። ኣብ’ታ ዝሓዝዎ ለይቲ፡ ኢየሱስ ንኣይሁድ "ከም ንኸታሪዶ ብኣስያፍ ክትሕዙኒ መጻእኩም፧" ኢሉ ተዛረቦም። ኣየ ትዕግስትን ስቕታን፡ ብፍቕርና ኽሳዕ ሞት በጽሐ። ንሕና ኸኣ፡ ንቕድስቲ ናይ ፋሲካ በዓልና ብሓጐስ ነብዕላ። እቲ ፈጣር ሕይወት ክርስቶስ፡ ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት ኣርኣየ።” 

ንዑ ናብ’ቲ ዝሰቐልዎ ንኺድ፡ ንዑ ናብ’ቲ ዝሰቐልዎ ንኺድ፡ ንጉስ ሰላም ክርስቶስ ትንሳኤኡ ኣብ ሰንበት ገበረ። ከም’ቲ ብነብዪ ዝበሎ፡ "ነቲ ኽቡርሲ ብሰላሳ (ቕርሺ) ብሩር ሸጥዎ"

ዚብል’ዩ። ካብ ትሕዝቶ ናይ’ዚ መዝሙርና ተገንዚብናዮ ኸም ዘለና፡ እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ ብዛዕባ’ቲ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ሞት ዘርኣዮ ሥልጣን ’ንመሃረሉን ’ነስተንትነሉን ንኣምላኽ ’ነመስግነሉን "ዘመነ ሥልጣን"’ዩ። ትንሳኤ ክርስቶስ ሰይጣንን መላእኽቱን ኣብ ልዕሊ ሞት ዝነበሮም ሥልጣን ከም ዝተገፈፉ ዜረጋገጸልና መዳርግቲ ኣልቦ መለኮታዊ ተኣምር’ዩ። ጐይታና ንሞት ምእንቲ ኺስዕር ኢሉ ሰብ ከም ዝዀነ፡ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ቅዱስ ወንጌል ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ፦

"14እቶም ውሉድ፡ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝዀኑ፥ ኢየሱስ’ውን ከምኦም ሰብ ኰነ፡ እዚ ኸኣ፡ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፥ 15ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኰይኖም ዝነበሩ ኸኣ፡ ሓራ ምእንቲ ኼውጽእ ኢሉ’ዩ።" ዝበሎ ቓል፡ ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዜረጋግጸልና (እብ 2፡14,15 ካ.ት)። ከም’ዛ ጐይታና ብትንሳኤኡ ንሞት ዝሰዓሮ ገይሩ ኺስዕር ዝኸኣለን ዚኽእልን ሰብ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣይነበረን፡ ኣይኪህሉን ከኣ’ዩ። ሞት፡ ንዘለኣለም ዘይስዓር ጸላኢ ይመስል ነበረ። ክርስቶስ ጐይታና ግና፡ ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ብኽልተ መገዲ ሰዓሮ። እቲ ቐዳማይ፡ ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹም ብምዃን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣነጺርዎ ኸም ዘሎ፡ ሞት ንሰብ ዚቐትለሉ ኣጽዋሩ፡ ሓጢኣት’ዩ (1ቈረ 15፡55,56)። ጐይታና ፈጺሙ ሓጢኣት ዘይርከቦ ፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ሞት ንክርስቶስ ዚቐትለሉ ኣጽዋር ሰኣነ (ዮሃ 8፡46፣ 2ቈረ 5፡21፣እብ 4፡15፣7፡26፣1ጴጥ 2፡22,24፣1ዮሃ 3፡5)። ጐይታና ዝሞተ ብፍቓዱን ብፍቓድ ኣቦኡን’ምበር፡ ብሥልጣን ሞት ኣይኰነን (ማቴ 20፡28፣ዮሃ 3፡16፣10፡15,17,18፣15፡3፣ግብ 2፡23፣ሮሜ 4፡25፣1ቈረ 15፡3፣ገላ 1፡4፣2፡20፣ኤፌ 5፡2,25)። እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ ብሞቱ ናብ ሲኦል ምስ ወረደ፡ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዘሉ ዚኽእል ሓይልን ሥልጣንን ስለ ዘይነበሮ፡ ከም’ቲ ንዅሎም’ቶም ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን ኣጽኒዑ ዝሓዞም ኪሕዞ ኣይከኣለን። ስለ’ዚ ድማ፡ ብፍቓድ ኣቦኡ፡ ንዅሎም’ቶም ንእኡ ብእምነት እናተጸበይዎ ዝሞቱ ቕዱሳኑ ማሪኹ ካብ ሲኦል ወጸ (ግብ 2፡24,32፣ 13፡30,33,34,37፣ 17፡31፣ ሮሜ 6፡4፣ 8፡11፣ 10፡19፣ 1ቈረ 6፡14, 15፡15፣ ኤፌ 1፡20፣ ቈሎ 2፡12፣ እብ 13፡20፣ 1ጴጥ 1፡2፣ 3፡19፣ 4፡6፣ ኤፌ 4፡9)። ነቶም ኣብ ኢድ ሞት ዝነበሩ ቕዱሳኑ ማሪኹ ብምውጻኡ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቶም ድሕሪኡ፡ ማለት ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝሞቱ ዅሎም ቅዱሳኑ ድማ፡ ናብ ገነት’ምበር፡ ናብ ሲኦል ከም ዘይወርዱ ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ሞት ንዘለዎ ምሉእ ሥልጣን ኣግሃዶ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፦ 

"ኣነ ትንሣኤን ህይወትን’የ፡ ‘ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ’ሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን’ዩ። . . .።" 

"ቃለይ ዚሕልው እንተ’ሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርእይ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡" 

ብምባል ኣረጋገጸልና (a Root verb ዮሃ 3፡15,16,36፣1፡7,12፣2፡23፣5፡24፣7፡38፣20፡29፣ዮሃ 8፡51፣11፡26፣ማቴ 27፡42፣ማር 1፡15፣ግብ 13፡39፣16፡31፣ሮሜ 3፡22፣10፡9,10፣1ዮሃ 5፡1,5,10)። እምበኣር እዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን’ዚ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘርኣዮ ሥልጣን ኽንምሃሮን ከነስተንትኖን፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ከነመስግነሉን ዝተሰርዓልና ኣገዳሲ ዘመን’ዩ። እቲ ነዚ ሥልጣን’ዚ ዘይፈለጦን ዘየኽበሮን’ሞ፡ ብሓጢኣት ኪጻወት ዚመርጽ ክርስትያን፡ መሊሱ ናብ ትሕቲ ባርነትን ሥልጣንን ናይ ሞት ኪምለስ ዝመረጸ፡ ንገዛእ ጥፍኣቱ ዚተግህ ዓሻ ክርስትያን’ዩ። ናይ ቤተ ክርስትያን ኣገልገልትን ምእመናንን፡ ነቶም ብቕዱሳን ኣቦታትና ዝተሰርዑልና ዘመናትን ምስጢራትን ከም ዚግባእ ኽንፈልጦምን ክንጥቀመሎምን ዚግብኣና ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ዘይምፍላጦም ሳዕቤንን ሓደጋን ከቢድ ስለ ዝዀነ’ዩ። ንሥልጣን ክርስቶስ፡ ተቐቢልካ እንተ ኣመንካዮን ፈቲኻ እንተ ተገዛእካዮን’ዩ’ምበር፥ ኣመንጊጉ ብኣስገዳድ ኣየድሕነካን’ዩ። ምትላልን ምስግዳድን ኣጋንንታዊ’ምበር፡ መለኮታዊ ባህርይ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ዘለኣለማዊ መጻኢና ምእንቲ ኺጽብቕ፡ ነዚ ምእንቲ ድሕነትና ኣብ ልዕሊ ሞት ዝተጋህደ ሥልጣን ክርስቶስ ፈቲና ንገዝኣዮ። ካብ ክልሊ ወይ ደምበ ስልጣኑ ኣይንውጻእ። ናይ ብሓቂ ኣባጊዑ እንተ ዄንና፡ ንድምጺ ናይ’ቲ ጓሳና ነለልዮ፡ ንኣሰሩ ኸኣ፡ ንስዓቦ። ካብ’ቲ ኼስድዓናን ኬፈራርሃናን ዚፍትን ካልእ ጓና ድምጽታት፡ ተዛኒና ዘይኰነስ እናጋለብና ኻብኡ ንህደም (ዮሃ 10፡3-5)። ዕድመና ምሉእ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ክርስቶስ ንተዓቘብ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ዚ ናይ ዮሃ21፡15-25 ንባብና ዝተወስደ ዀይኑ፡ ምስ ፊል2፡21 ዝተዛመደ’ዩ።

"ዕንደራ" ማለት፡ እንታይ ማለት’ዩ ግዲ፧ ኣብ መንፈሳዊ ዓለምከ ዕንደራ ኣሎ ድዩ፧ ካብኡ ደኣ ይባልሃና’ምበር፡ ታሪኽ ሰብ’ኮ ብዕንደራ ዚልለይን ዝተመልአን’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ዕንደራ ማለት ዝደለኻዮ ምዃንን ምግባርን’ዩ። "ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ" ነቲ "ዓንደረ" ዚብል ሱር-ግሲ (Root verb)፦ ከም ድላዩ ዀነ ወይ ገበረ ፋለለ፡ ስዲ ኸደ ብምባል ተርጒምዎ ኣሎ። ንኻልእ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሰብ ኣብ ግምት ከየእተኻ፡ ባህ ዜብለካን ቅኑዕ ኰይኑ ዝተራእየካን ኵሉ ምግባር፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ውጹእ ዕንደራ’ዩ። ኵሉ ዓይነት ዕንደራ ኽፉእ’ኳ እንተ ዀነ፡ መንፈሳዊ ዕንደራ ግን ብዓይነቱ እቲ ዝበኣሰ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ’ቲ ልኡላዊ ኣምላኽ ዝፍጸም ግብሪ ዓመጻ’ዩ። "ኣምላኽ ዚደልዮ እንታይ’ዩ፧ እንታይ ክሓስብ፡ እንታይ ክዛረብ፡ እንታይ ክገብር፡ እንታይ ክመርጽ’ዩ ዚደልየንን ዚጽበየንን፧" ኢሉ ንርእሱ ኸይሓተተን ኣብ ግምት ከየእተወን፡ ንእኡ ዜሓጐሶን ቅኑዕ ኰይኑ ዝተራእዮ ንምግባር ዚደፍርን ምሉእ ነጻነት ዚስምዖን፡ ብዛዕባ’ቲ ዝመረጾን ዝወሰዶን ስጕምቲ ሕርኽርኽ ከይበሎ፡ ከም’ዛ ጽቡቕ ዝገበረ ዀይኑ መሺእዎ ኸይተነስሐ ዚነብር’ሞ፡ ገና ኸኣ ንርእሱ ኸም "ክርስትያን" ዚቘጽር ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ዕንደራ ዝተጸምደ ውሉድ ዓመጻ’ዩ። ንሕና ደቂ ሰባት ካብ መበቈልና፡ ካብ’ቶም ቀዳሞት ወለድና ጀሚርና፡ ኵሉ ታሪኽና ታሪኽ ዕንደራ’ዩ።

ናይ’ዚ ዕንደራና’ዚ ደራስን ኣመሓዳርን ድማ፡ እቲ ንጉስ ዕንደራ ዝዀነ ድያብሎስ’ዩ። ንሱ ናይ ኣምላኽን ናይ’ቶም ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ሰባት ዕሉል ጸላኢ’ዩ። እግዚኣብሄር ብምንታይ ከም ዚጕዳእን ከም ዚጒህይን፡ ንምንታዩ ሸለል ከም ዘይብልን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩ ኸም ዘይዋገየሉን ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ’ዩ። ንሱ ናይ ገዛእ ዕንደራኡ ግዳይ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ኣምላኽ ብመልክዑ ዝፈጠሮም ሰባት ናብ ዕንደራ እንተ ኣእተዎም፡ ብሓንቲ እምኒ ንኽልተ ኣዕዋፍ ከም ዝወቕዐ ዀይኑ ንኣምላኽን ንሰብን ብሓንሳእ ከም ዚጐድኦም ስለ ዝፈለጠ፡ ንኣዳምን ሄዋንን ንኼስሕት ተራቐቐን ተግሀን። ኣዳምን ሄዋንን ግን ፈጺሞም ኣየላበውን። ኣብ’ታ ቐዳመይቲ መዓልትን ቀዳመይቲ ፈተነን፡ በቲ ናይ ዕንደራ መጻወድያ ተፈንጠሩ። ዓስቢ ናይ ዕንደራ ሞት ምዃኑ ብልሳን መለኮት መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኬብቅዕ፡ ካብ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ነቲ ውዱቕ መልኣኽ ኬሐጒሱን ኬኽብሩን ብምምራጽ ነቲ ናይ ዕንደራ ናብራ ብወግዒ መሪቖም ከፈትዎ። ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝወረስዎ መልክዕ ምስ መልክዕ ሰይጣን ኣዋሲቦም፡ ድቓላ መልክዕ ለበሱ። መጽሓፍ ቅዱስና "ኣረጊት ሰብ፡ ሓጥእ ባህርይ" ዚብሎ ነዚ ድቓላ መልክዕና’ዩ (ሮሜ6፡6,7 ፣ ኤፌ4፡21-24 ፣ ቈሎ 3፡9,10)። 

እዚ ኣጋንንታዊ ናይ ዕንደራ ባህርይ’ዚ ኣካል ተፈጥሮና ኽሳዕ ምዃን ስለ ዝሰረጸ ድማ፡ ዕንደራን ሳዕቤናቱን ብተወርሶ ኻብ ወለዶ ንወለዶ እናተመሓላለፈ፡ ብዘይካ ንክርስቶስ ንዅሉ ዘርኢ ኣዳም ተመሓላለፈ። ስለ’ዚ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ፦

"ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብምኽንያት ሓጢኣት’ውን ሞት መጸ፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ተመሓላለፈ፡ ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ፡ (ዋላ) ኣብ’ቶም ከም’ቲ ናይ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ሓጢኣት ዘይገበሩ’ውን ነጊሱ ነበረ።

ብምባል ኣነጺሩ ኣፍለጠና (ሮሜ5፡12,14 ካ.ት ፣ ዘፍ 2፡17 ፣ 3፡1-7,19 ፣ ሮሜ 6፡23 ፣ 1ቈረ 15፡21,22)። ካብ’ዚ ዝተላዕለ ድማ፡ ሰብ ሓጢኣት ከይፈጸመ ኺነብር ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወደቐ። እዚ ድኻም’ዚ ግን ኣብ ምግባር ሓጢኣት ጥራሕ ከይተደረተ፡ ግብሪ ጽድቂ ኽንገብረሉ ናብ ዘይንኽእለሉ መንፈሳዊ ልምሰት’ውን ኣብጺሑና’ዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ኸቢድ መንፈሳዊ ስንክልና’ዩ። ነዚ ኣዝዩ ዜሕዝን ስንክልናና፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ስእላዊ ኣገባብ ገሊጹልና ኣሎ።

"ሰናይ ንምግባር ድኣ ድልየት ኣሎኒ’ምበር፡ ምግባር ሰናይሲ የብለይን። ስለ’ዚ ኣባይ፡ ማለት ኣብ ሰብኣዊ ባህርየይ (ኣብ ስጋይ) ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። ነቲ (ኣነ) ኽገብሮ ዝደልይ ሰናይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልይ (እከይ) ነገር’የ ዝገብር ዘለኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ (ሰናይ) ካብ ዘይገብሮ ግና፡ . . . እቲ ኣባይ ሓዲሩ (ዚገዝእ ዘሎ) ሓጢኣት’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። ሰናይ ክገብር ኣብ ዝደለዅሉ፡ ኽፉእ እገብር፡ እዚ ሕጊ’ዚ ድማ ባህርያዊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብውሽጠይሲ ብሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ’ዩ። ግናኸ (ምስ’ቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ-መንፈሰይ) ዚዋጋእ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ’ውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርእይ ኣለኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብ’ዚ ናብ ሞት (ዚማርኸኒ) ዘሎ ሰብነትሲ፡ መን ኰን ኬድሕነኒ’ዩ፧"  ሮሜ 7፡18-24 ካ.ት

እምበኣር ናይ ዕንደራና ጠንቅን ውጽኢትን እንታይ ከም ዚመስል እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ብንጹር ኣብሪሁልና ኣሎ።

ካብ’ዚ ሕሱም ምርኮን ማእሰርትን’ዚ ብኸመይን ብመንን ኢና ‘ንድሕን፧ ንምዃኑኸ ካብ’ዚ መግደራ’ዚ ንድሕነሉ ተኽእሎ ኣሎዶ፧ ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን፡ እቲ ቕዱስ ወዲ ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ብተዋህዶ (ብውህደት ስጋን መለኮትን) ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ብምዃን "ኢየሱስ፡ ኣማኑኤል" ተሰምዩ ምእንታና ዝሞተሉን ዝተንስኣሉን ዝዓረገሉን ምኽንያት፡ ካብ’ዚ መሪር ምርኮን ማእሰርትን’ዚ ንሓዋሩ ምእንቲ ኼናግፈና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ’ዩ’ሞ ንዅሉ ሰብ’ውን ምድሓን ኣምጺኡ’ዩ።" ዝበለሉ ምኽንያት ድማ ንሱ’ዩ (ቲቶ 2፡11)። እቲ ሕጊ-ሓጢኣት ገና ኣብ ስጋና እናሃለወ፡ ካብ’ቲ ናቱ ምርኮን መግዛእትን ሓራ ኣውጽኣና። ነዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሰብነትና ዘሎ ሕጊ-መንፈስ ህያውን ሓራን ብምግባር’ዩ። ኢየሱስን ጸጋን ኣብ ዘይብሉ ህይወት፡ ዝለዓለ ሓይልን ስልጣንን ዘለዎ እቲ ብሕጊ ሓጢኣት ዚገዝእ ድያብሎስ’ዩ። ብኢየሱስ ብምእማን ብዳግማይ ልደት ውሉድ ኣምላኽ ምስ ኰንና ግን፡ ኣብ ህይወትና እቲ ዝለዓለ ሓይልን ስልጣንን ዚህልዎ እቲ ብሕጊ መንፈስ ዚገዝእ ኢየሱስ’ዩ። ኢየሱስ ኣብ ዝነገሰሉ ህይወት፡ ሕጊ ሓጢኣት ይግዛእ፡ ሕጊ መንፈስ ድማ ይገዝእ። ድያብሎስ ኣብ ዝነገሰሉ ህይወት ድማ፡ ብኣንጻሩ ሕጊ መንፈስ ይግዛእ፡ ሕጊ ሓጢኣት ከኣ ይገዝእ። ነቲ ብኢየሱስ ዚርከብ ድሕነት ፍሉይ ዚገብሮ፡ ነቲ ባሮት ገይሩ ኺገዝኣና ዝጸንሐ ሓይሊ ሓጢኣት ክንመልኽ ዜኽእለና ሓይሊ ጸጋ ዜጐናጽፈና ምዃኑ’ዩ። ብክርስቶስ ዝደሓነ ሰብ ብምኽንያት’ቲ ለቢስዎ ዘሎ ውዱቕ ስጋ ብወዝቢ ሓጢኣት ኪገብር ይኽእል’ዩ። ብሓቀኛ ንስሓ ኻብ’ቲ ዝጠበቖ ሓጢኣት ብኡንብኡ ስለ ዚገላገል ግን፡ ዳግማይ ባርያ ሓጢኣት ኰይኑ ኣይነብርን’ዩ። ንሓጢኣት ተዓንቂፉ’ዩ ዚወድቆ’ምበር ምርጫኡ ዀይኑ ወይ ተገዲዱ ኣይኣትዎን’ዩ። ክርስትያን፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣንጻር ጸላኢኡ እናተዋግአ ኸሎ ዚውጋእ ወይ ዚቘስል ጅግና ዓቀይታይ’ዩ።

"እምበኣር ሕጂ ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ፡ ኵነኔ የብሎምን። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ህይወት ዚህብ መንፈሳዊ ሕጊ፡ ካብ’ቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ’ዩ። ሕጊ፡ ብስጋ ስለ ዝደኸመ ኺገብሮ ዘይከኣለ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ ነቲ ሓጢኣት (ብስጋኡ) ዀነኖ። እዚ (ዝገበረሉ ምኽንያት) ከኣ፡ እቲ ትእዛዝ-ሕጊ፡ ኣባና፡ ማለት ኣብ’ቶም ብመንፈስ’ምበር፡ ብስጋ ዘይንነብር (ሰባት) ምእንቲ ኺፍጸም’ዩ።" ሮሜ 8፡1-4 ካ.ት

"ብሓርነት ምእንቲ ኽንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውጺኡና’ዩ ስለ’ዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽ’ውን በርዑት ባርነት ኣይትቘረኑ። . . . ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም። እንተ ዀነ ንሓድሕድኩም ደኣ ብፍቕሪ ተገዝኡ’ምበር፡ ነዚ ሓርነትኩምሲ (ናይ ሓጢኣት ምኽንያት) ኣይትግበርዎ።" ገላ 5፡1,13 ካ.ት

ኢየሱስ፡ እቲ ራእሲ-ህይወት፡ ነቲ መሪር መከራን ሞትን ናይ መስቀል ዝተቐበለ፡ ነዚ ሓርነት’ዚ ምእንቲ ኼጐናጽፈና’ዩ።

እዚ ‘ንዛረበሉ ዘለና መንፈሳዊ ዕንደራ ምስ’ዚ ክርስቶስ ዝጸገወና ሓርነት ብምንታይ’ዩ ዚዛመድ፧ ነቲ ልዕል ኢልና ዝሃብናዮ ናይ ዕንደራ ትርጒም ንዘክር። ዕንደራ ዝደለኻዮ ምግባር፡ ናብ ዝደለኻ ምኻድ’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንፍቓድ ኣምላኽ ነጺግካ ባርያ ፍቓድካ ምዃን ማለት’ዩ። ዕንደራ ንርእስኻ ካብ ኣምላኽ ኣብሊጽካ ምርኣይ፡ ንልኡላዊ ስልጣን ናይ እግዚኣብሄር ምንዓቕን ምርጋጽን፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎ ድርብ ዋንነት ምኽሓድ’ዩ። ድሕሪ’ዚ እኩይ ሃቐናን ፍቓድን’ዚ፡ ካልእ ስውር ሓይሊ ኣሎ። ንሱ ንናይ ስጋና ፍትወታትን ትምኒታትን እና’ዕፈረ’ዩ ዚገዝእ። ኣብ ህይወትና ንኺገዝእ ከም መእተዊ ገይሩ ዚጥቀመሉ ንስጋና ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ስጋና ዚደልዮ ንምግባር ፋሉል ክንከውን፡ ስዲ ኽንከይድ፡ ኣብ ዕንደራ ኽንጥሕል ብዘለዎ ዅሉ ሓይሉ ይደፍኣናን ይህውጸናን። ንሕና ዓያሱን ዕውራትን ድማ፡ ፍቓድና ንገብር ዘለና እናመሰለና፡ ናይ’ቲ ርኹስ ፍቓዱ ኣገልገልቲ ዄንና ንተርፍ። ሽዑ እቲ፦

"ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም ከም’ቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝዀነ ሓሳባት ዚነብሩ ዝነበሩ ኸይትነብሩ ብጐይታ እነግረኩምን ኣሰምዓልኩምን ኣለኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትርርሪ ልቦምን ብሰሪ’ቲ ኣብኣቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም’ዮም። ንሳቶም ደንዚዞም ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦም’ዮም።"

ዚብል ሃዋርያዊ ቓል ኣባና ይፍጸም ማለት’ዩ (ኤፌ 4፡17-19 ካ.ት)

ጐይታና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝሞተልና፡ ካብ’ዚ ባርያ ፍቓድካ ናይ ምዃን ዕብዳንን ዝርጋንን ምእንቲ ኼድሕነና’ዩ። ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ፡ ብክርስቶስ ቅድሚ ምእማንና፡ ኣብ ትሕቲ ምርኮን ባርነትን ናይ ሓጢኣት ኢና ‘ንነብር። ድሕሪ ምእማንና ግን ካብ ባርነት ሓጢኣት ኣምሊጥና፡ ባሮት ኣምላኽ ንኸውን (ሮሜ6፡12-23)። ድሕነት ማለት ባርያ ፍቓድ ስጋን ፍቓድ ሰይጣንን ካብ ምዃን ተናጊፍካ፡ ናይ ፍቓድ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ምዃን ማለት’ዩ። እዚ ዝተገልጸ ሓቂ’ዚ ግብራዊ ትርጒም ወይ መግለጺ’ዩ (Definition)። 

"ንስኻትኩም ብበደልኩምን ሓጢኣትኩምን ምዉታት ነበርኩም። (በቲ ናይ) ዓለም ክፉእ መገዲ ትነብሩ ነበርኩም። ነቲ ሕጂ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት ዚመልኽ ርኹስ መንፈስ፡ ሓለቓ ገዛእቲ ኣየር፡ ትእዘዙ ነበርኩም። ቀደም ንሕና’ውን ኵልና ኸምኣቶም፡ ትምኒት ስጋና እናፈጸምና ከም ድልየትናን ሓሳብናን ንነብር ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ’ታ ብእኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ . . . ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም።" ኤፌ 2፡1-5 ካ.ት

ነዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ኸም ዚግባእ ብዕምቈት እንተ ተረዲእናዮ፡ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርትና ጸሚቑ ዜቕርበልና’ዩ። ከም ፍቓድካን ከም ድልየትካን ምግባር ብመንፈስ ምውት ዚገብር ቀታሊ ምርጫ’ዩ። እቶም ንፍቓድ ናይ’ቲ ቕዱስ ኣምላኽ ዘይእዘዙ ሰባት ንፍቓድ ናይ’ቲ ርኹስ ድያብሎስ ግን ኣዝዮም እዙዛት’ዮም። እግዚኣብሄር ግን ብሃብቲ ምሕረቱን ፍቕሩን ተደሪኹ ብክርስቶስ ገይሩ ድሕነት ጸገወና። እዚ ድሕነት’ዚ ኻብ ባርነት ናይ’ዚ ርኹስ መንፈስ ሓራ ኣውጺኡ፡ ናብ ኣገልገልቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚልውጠና’ዩ።

ጐይታና ዝገደፈልና ካብ’ዚ መንፈሳዊ ዕንደራ ሓራ ኽንከውን ዜኽእለና ግብራዊ ኣርኣያ እንታይ ይመስል፧ ጐይታና ናብ ስቕለትን ሞትን ቅድሚ ምብጽሑ፡ ነቲ ኻብ ባርነት ሰይጣን ሓራ ምስ ወጻእና ኽንነብሮ ዚግብኣና ዓይነት ህይወት ግብራዊ ኣርኣያ ሓዲጉልና’ዩ። ጐይታና ደጋጊሙ ፍቓድ፡ ኣቦኡ’ምበር፡ ፍቓዱ ኺገብር ከም ዘይመጸ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ።

"ብልዐይሲ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ) ክገብር፡ ዕዮኡ’ውን ክፍጽም’ዩ።  . . . ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን’የ። ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ’ምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን’የ . . . ። ኣነ ፍቓድ ናይ’ቲ ዝለኣኸኒ’ምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ።" ዮሃ 4፡34 ፣ 5፡30 ፣ 6፡38

"ኣቦይ፡ ዚክኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ’ዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ከም ‘ትደልዮ’ምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን።"  ማቴ 26፡39

ጐይታና ኢየሱስ፡ ዋላ’ኳ ኻብ ናይ ኣቦኡ ዝተፈልየ ኻልእን ዘይጽቡቕን ፍቓድ ዘይብሉ ኽነሱ፡ ፍቓድ ናይ ኣቦኡ ጥራይ’ምበር፡ ፍቓድ ርእሱ ኽገብር ካብ ዘይደለየ፡ እቲ "ሰዓቢ ክርስቶስ ክርስትያን’የ" ዚብል ኵሉ ሰብ ድማ፡ ኣርኣያ ናይ ጐይታኡን መድሓኒኡን ጥራሕ ኪስዕብ’ዩ ዚግብኦ (1ጴጥ 2፡21)። ፍቓድና ኣዝዩ ዘኽፍአ ሕማቕ ፍቓድ ስለ ዝዀነ ጥራሕ ኣይኰነን ክንገድፎ ዚግብኣና። እቲ ፍቓድና ዋላ ብባህርዩ ጽቡቕ ይኹን፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ክንገድፎ ጥራሕ’ዩ ዚግባእ። ጐይታና ፍቓድ ርእሱ ምግባር ዝኣበየ፡ ሕማቕ ፍቓድ ስለ ዝነበሮ ኣይኰነን። ነቲ ሕማቕ ፍቓድና ንኽንሓድጎስ፡ ናይ ግድን ምስ ናይ ኣምላኽ ከነነጻጽሮ ኣየድልን’ዩ። "ክምንዝርዶ ኽቕደስ፡ ክጻላእዶ ይሕሸኒ ኽፋቐር፡" ኢልካዶ ይሕተት’ዩ፧ ካብ እንስሳ ዘይሓይሽ እንተ ዘይኰይኑ፡ ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፡ ከም’ዚ ዓይነት ሕቶ ኣይሓትትን’ዩ። ካብ እንስሳውን ቍልዕነታውን ኣተሓሳስባ ዘይተናገፈ ሰብ’ዩ ንግሁድ ሓጢኣት ናብ ምርጫን ሚዛንን ዘቕርብ። እዚ መሪሕ ጥቕስና፡ ጐይታና ንቕዱስ ጴጥሮስ ዝተዛረቦ ቓል’ዩ። ከምኡ ዝበሎ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ከም’ዚ መብዛሕትና ‘ንገብሮ፡ ናብ ግሁድ ሓጢኣት ናይ ምኻድ ድልየትን ልማድን ስለ ዝረኣየሉ ኣይኰነን። ዋላ’ኳ ብንጹር እንተ ዘይተገልጸልና፡ ምናልባት ነቲ ሃዋርያዊ ኣገልግሎቱ በቲ ባዕሉ ዝመረጾ ኣገባብ ኪገብር ተዓዚብዎ ይኸውን። ኣብ ግብ 16፡6-10 ተገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ ሃዋርያ ጳውሎስን ሲላስን ኣብ እስያን ቢቲንያን ወንጌል ኪሰብኩ ምስ ደለዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይፈቐደ ከልከሎም። ንሳቶም ድማ ነቲ ፍቓዶምን ድልየቶምን ሓዲጎም ንፍቓድ ኣምላኽ ተኣዘዙ። ብራእይ ገይሩ ናብ መቄዶንያ ኸይዶም ኪሰብኩ ምስ ኣመልከቶም ድማ፡ ተኣዚዞም ናብ’ታ ዝበሎም ከዱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ’ምበር፡ ኣብ እስያን ቢቲንያን ወንጌል ምስባኽ ዝገደፍዎ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ ኣይነበረን። ንሓጢኣት ናብ ምርጫ ዜእትዉ ሰባት ኣይነበሩን። ንሕና’ውን ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ክንሓስብ ከለና፡ ብዛዕባ ምግባር ሓጢኣት ዘይኰነ፡ ብዛዕባ’ቲ ሰናይ ግብሪ ኣበይ፡ መዓስ፡ ንመን ክገብሮ’ዩ ዚደልየኒ፧" ናብ ምባል ክንዓብይ’ዩ ዚግባእ። ገና ብዛዕባ ሓጥእ ግብሪ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምሕታት እንተ’ሌና ኣብ መንፈሳዊ ቝልዕነት፡ ገና ኣብ ደምበ ዕንደራ ኸም ዘለና ዘየጠራጥርን ዜሕዝንን መርትዖ’ዩ። ኣሕዋት ክርስቶስ ዚዀኑ፡ መንግስተ ሰማያት ዚወርሱ፡ እቶም ዕንደራ ተጸዪፎም ንፍቓድ ኣምላኽ ዚእዘዙ ጥራሕ’ዮም (ማቴ6፡21 ፣ 12፡50)። ቅዱስ ዳዊት ብኣምላኽ "ዝኸም ልበይ" ዝተባህለ፡ ኵሉ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብርን ዜገልግልን ሰብ ኰይኑ ዘመኑ ዝወድአ ስለ ዝዀነ’ዩ (ግብ13፡22 ፣ መዝ40፡7,8 ፣ 143፡10)።

እምበኣር ንሕና’ውን ርእስና ንመርምር። ኣብ መንፈሳዊ ዕንደራ ኸም ዘየለና ነረጋግጽ። ልክዕ ከም ጐይታናን ኵሎም ቅዱሳንናን፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ነገልግል። ኣገልገልቲ ናይ’ቲ ቕዱስ ፍቓድ ኣምላኽ’ምበር፡ ብዕንደራ ንፍቓድ ድያብሎስ ኣይነገልግል። እቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ጥራሕ ዚገብሩ ኣብ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ስለ ዚነብሩ፡ ንዕንደራስ ንጸየፎን ንህደመሉን ደኣ!! (1ዮሃ 2፡17)15።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

10 ግንቦት 2026 | ግንቦት 2, 2018 ግዕዝ (መበል 35 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: ፻፮(፻፯)፡፲፭,፲፮ "ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኀተ ብርት።"

"መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ’ዩ’ሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡50-ፍጻመ

ዲያቆን

1ዮሃ 3፡13-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡22-32

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 21፡15-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴዘዲዮስቆሮስ | መዝሙርተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div