"ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ፡ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ምኽንያቱ መዊትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም’ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ።. . . ስለ’ዚ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም. . . ቅተሉ።" ቈሎ 3፡1-3,5ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ዕለት’ዚ ተዳልዩ ዘሎ መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ፡ "ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦ “ተንሢኡ ንዅላቶም ምዉታት ኣተንስአ። ተንሢኡ፡ ንዅሎም ምዉታት ኣተንስአ። ነቶም እሱራት’ውን ፈትሖም፡ ብዓብይ ኃይልን ስልጣንን፡ ንነፍሲ ጻድቃን ሓራ ኣውጽአ። ንኣልኣዛር "ተንስእ" በሎ። ንዕዉር ብቓሉ ፈወሶ። ትንሳኤኡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፡ ኣብ ሰንበት ገበረ። ተንሢኡ ንዅሎም ምዉታት ኣተንስኦም። ተንሲኡ፡ ንሙቑሓት ፈትሖም።
ክርስቶስ ናይ ኣዳም መቓብር ረጊጹ ካብ ምዉታት ተንስአ። ብትንሳኤኡ ሰላም ገበረልና። ንጻድቃን’ውን ኣብርሀ።” ዚብል’ዩ። ካብ’ዚ መዝሙርና ተረዲእናዮ ኸም ዘለና፡ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንኣና ንመወትቲ ሰባት ትንሳኤ ሙታን ዝጸገወና ዓብይ መለኮታዊ ተኣምር’ዩ። እዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን፡ "ዘመነ ትንሣኤ ሙታን" ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ንሱ’ዩ። ነዚ ኽንምሃሮ ኸነስተንትኖ ዀነ ኸነመስግነሉ ተሰሪዑልና ዘሎ ኣርእስቲ "ትንሳኤ ሙታን"’ዩ። ክርስቶስ ጐይታና እንተ ዘይትንስእ ነይሩ፡ ትንሳኤ ሙታን ክትትስፈዎን ኪፍጸምን ኢልካ ዘይትጽበዮ ዅነት ምዀነ ነይሩ። ናይ ጐይታና ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ናይ መወዳእታ ዕላማ ድማ፡ ናትና ሞት ሞይቱ፡ ናይ መልኣከ ሞት ሥልጣን ገፊፉ፡ ካብ ኣካላዊ ሞት ትንሳኤ ሙታን ምእንቲ ኺህበና’ዩ። ትንሳኤኡ ንኣና ዘየተንስኣና እንተ ዚኸውን፡ ሞትን ትንሳኤን ናይ ጐይታና ዝዀነ ረብሓን ትርጕምን ዘይብሉ ኸንቱ ተግባር ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ካብ’ቶም ኣዕኑድ ዝዀኑ ምስጢራታ ሓደ ኸም ዚኸውን ዝገበረትሉ ምኽንያት ከኣ፡ ንሱ’ዩ። ትንሳኤ ሙታን እቲ ዝዓበየን ዝለዓለን ተስፋ ናይ ክርስትያን’ዩ። ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ኣብ ቤተ ክርስትያን ቈረንቶስ ብትንሳኤ ክርስቶስ ዚኣምን፡ ትንሳኤ ሙታን ግን ዚኽሕድ ግርምቢጥ ስሕተት ተላዒሉ ነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ስሕተት’ዚ ንምውቃዕ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ "ትንሳኤ ሙታን የለን ማለት ክርስቶስ ኣይተንስአን ማለት’ዩ" ዝትሕዝቶኡ፡ ናይ ቤተ ክርስትያን መሰረተ እምነት ዝዀነ ዓሚቝ ትምህርቲ ጽሒፉልና ኣሎ (1ቈረ 15፡1-58)።
እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግን፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብትንሳኤ ሙታን ዘይኣምኑ ክርስትያን ኣገልገልትን ምእመናንን ምብዝሖም’ዩ። እዚ ኽሕደት’ዚ ብልሳን ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ዚግለጽ ዝኸበደ ኽሕደት’ዩ። "ትንሳኤ ሙታን ከም ዘሎ ትኣምንዶ፧" ዚብል ሕቶ ምስ ዚቐርበልና "እወ እንታይ ኰይነ ደኣ ዘይኣምን፧" ዚብል ናይ ቍጥዓ ቓና ዘለዎ መልሲ ምሃብና። ጸገም ዚፍጠር ግና፡ "ትንሳኤ ሙታን ከም ዚጽበይ ሰብ ኴንካ’ዶ ትነብር ኣለኻ፧" ዚብል ሕቶ ምስ ዚስዕብ’ዩ። ምኽንያቱ ብትንሳኤ ሙታን ካብ’ቲ ናይ ሞት ድቃስ ምስ ተበራበርና’ሞ መቓብርና ምስ ተፍኣና፡ ሽዑ ብመላእኽቲ ተኸብኪብና፡ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ክንብል ኢና። ኣብ’ታ መጋባእያ’ቲኣ ድማ፡ ከከም እምነትና ዘይኰነስ፡ ከከም ግብርና ኢና ኽንፍረድ (ማቴ 16፡27፣1ቈረ 13፡12-15፣2ቈረ 5፡10፣ራእ 20፡12፣22፡12፣2ዜና 6፡23፣እዮ 34፡11፣መዝ 62፡12፣ኤር 17፡10፣ህዝ 18፡20)። ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ዝተማህረን ዚኣምንን ክነሱስ ግብሩ ግን ዘየጥዓየ ክርስትያን፡ ብልሳን ኣማኒ ብግብሪ ግን ከሓዲ ምዃኑ ንምርግጋጽ ትንተና የድልዮዶ፧ ጐይታና ዳግማይ ከም ዚመጽእን ከም ዜተንስኣናን ከም ዚፈርደናን ደጋጊሙ ዝተዛረበ’ኮ፡ ነቲ ትንሳኤ ሙታን ናብ ረብሓና ምእንቲ ኸነውዕሎ ኼለብመና ኢሉ’ዩ። ትንሳኤ ሙታን ከም ዘሎ እናፈለጥካ ብስሰዐ፡ ብሓሶት፡ ብምንዝርናን ዝሙትን፡ ብትዕቢት፡ ብቒምታን ጽልእን ወዘተን ምንባር፡ ብዛዕባ እምነትና ዜመሓላልፎ ኣሉ ዘይብሃሎ ከቢድ መልእኽቲ ኣሎ። እዚ "ዘመነ ትንሳኤ ሙታን" ዝተሰምየ ንኡስ ዘመን ተሰሪዑልና ዘሎ ድማ፡ ጥዕና እምነትናን ግብርናን ብዕቱብ ምእንቲ ኽንፍትሽ’ሞ፡ ዝጐደለ መሊእና ዝተበላሸወ ኣዐሪና፡ ንትንሳኤ ሙታን ብናፍቖት ክንጽበይ፡ ምስ ተኸስተ ድማ፡ ኣብ የማኑ ንምቛም ምእንቲ ኽንበቅዕ’ዩ።
ትንሳኤ ሙታን ይትረፍ ነቶም ዚኣምኑሉ፡ ዋላ ነቶም ዘይኣምኑሉ’ውን ኣይኪተርፈሎምን’ዩ (ማቴ 25፡46፣ዮሃ 5፡29፣ግብ 24፡15፣ሮሜ 2፡7,8፣ገላ 6፡8፣ዳን 12፡2)። ናይ ተስፋ ትንሳኤ ሙታን ረብሓ፡ ገና ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ብህይወት ከሎና’ዩ ዚግሃድ። ካብ ሓጢኣትን ርኽሰትን ተኣዲብና፡ ብጽድቅን ቅድስናን ክንነብር ዚድርኸናን ዜኽእለናን፡ ናይ ትንሳኤ ሙታን ተስፋ ዘሎና ምዃንና’ዩ። ስለ’ዚ ነዚ ንኡስ ዘመን’ዝን ብዓብዩ ነቲ ናይ ትንሳኤ ሙታን ኣርእስትን ብልዑል ተመስጦን ተገዳስነትን፡ ዓመት ምሉእ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዕድመና ምሉእ ክንሓስቦን ክንምርሓሉን ይግብኣና ማለት’ዩ።
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ድሕሪ ትንሳኤ ድሕሪ ራብዓይ ሰንበት፡ ማለት ኣብ መበል 25 መዓልቲ ዘላ ረቡዕ "ርክበ ካህናት" ተባሂላ ትጽዋዕ። ካብ በዓለ ትንሳኤ ክሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘለዋ መዓልታት፡ 50 መዓልታት’የን። ስለ’ዚ ርክበ ካህናት ልክዕ ኣብ ፍርቂ’ያ ትውዕል። ’ትዝከረሉ መዓልቲ ድማ፡ ኵሉ ጊዜ ረቡዕ’ዩ። እዚ ናይ ርክበ ካህናት መዓልትን፡ እቲ ንእኡ ዘማእከለ ሰሙንን፡ ኣበ-ንስሓ ካህናት ነቲ ናይ ኣበ-ነፍሲ ኣገልግሎቶም (ማለት ነቲ ስድራ ቤታዊ ናይ ጕስነት ኣገልግሎቶም) ዚዝክሩሉ፡ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ኣገልግሎቶም ርእሶም ኪምርምሩ ዝተሰርዓሎም መዓልትን ሰሙንን’ዩ። ናብ’ተን ብሓላፍነት ዚጓስይወን ስድራ ቤታት እናበጽሑ፡ ኣገልግሎቶም ዚምርምሩሉን ዚጽንብሉሉን መዓልቲ’ዩ። ብደረጃ ኦርተዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብፍሉይ ንካህናት፡ ብሓፈሻ ድማ ንዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ማሕበረ ምእመናንን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣበ- ነፍሲ ትምህርቲ (ትምህርተ ኣበ-ነፍስ) ዚውሃበሉ ቕንያት’ዩ። መስቀል ኣሳሊምካን ጸሎት ደጊምካን መኣዲ ባሪኽካን ጥራሕ ምኻድ፡ ናይ ኣበ-ነፍሲ ኣገልግሎት ኣይኰነን። ኣብ’ታ ስድራ ቤት ንዘለዉ ወለድን ደቅን ሰራሕተኛ ገዛን ምስ’ታ ስድራ ተጸጊዖም ንዚነብሩ ዓጽመ-ስጋን ዕለትን ሰዓትን ዝተመደበሉ ስሩዕ ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ምሃብ፡ ተሓታትነት ዘለዎ ናይ ኣበ-ነፍሲ ሓላፍነት’ዩ። ካህናት ንበይኖም ስለ ዘየገልግሉ፡ ነቶም መገላግልቶም ድያቆናትን መዘምራንን’ውን ትምህርቲ ኺውሃብ ይግባእ። ምእመናን’ውን ምስ ካህናቶም ኪተሓባበሩን ካብ’ዚ ዘቤታዊ ጕስነት እንታይ ኪጽበዩ ኸም ዚግብኦም ኪፈልጡን፡ ብዛዕባ ናይ ኣበ-ነፍሲ ኣገልግሎት መሰረታዊ ኣፍልጦ ዜስንቖም መንፈሳዊ ትምህርቲ ኺረኽቡ ግቡእ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርቲናን፡ ካብ’ዚ ናይ ቈሎ 3፡1-11 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ኣርእስትና ብዛዕባ ናይ መን ትንሳኤ’ዩ ዚዛረብ ዘሎ፧ ትንሳኤን ቅትለትንከ ብኸመይ’ዩ ዚዛመድ፧ ኣብ መእተው ስብከትና፡ እዚ ኣቲናዮ ዘለና ንኡስ ዘመን፡ "ዘመነ ትንሳኤ ሙታን" ምዃኑ ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ስለ’ዚ ኣርእስትና ብዛዕባ ትንሳኤ ናይ’ዞም መወትቲ ዝዀንና ደቂ ኣዳም ይዛረብ ከም ዘሎ ብሩህ’ዩ። እዚ ንኡስ ዘመንና’ዚ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታ ዚፍጸም ኣካላዊ ትንሳኤ’ዩ ዚዛረብ ዘሎ። መሪሕ ጥቕስና ድማ ብዛዕባ’ቲ ብኣካለ ስጋ ኸይሞትና ኸለና፡ ገና ብህይወት ከለና ካብ’ቲ መንፈሳዊ ሞትና ብዛዕባ ’ንትንስኦ መንፈሳዊ ትንሳኤ’ዩ ዚዛረብ ዘሎ። መንፈሳዊ ትንሳኤን ኣካላዊ ትንሳኤን ድማ፡ ኣዝዩ ሓያል ዝምድና ዘለዎም ዓይነታት ትንሳኤ’ዮም። ዘለኣለማዊ መፈጸምታናን መጻኢናን ዚጽብቐልና፡ ክልቲኡ ዓይነታት ትንሳኤ ምስ ’ንትንስእ’ዩ። ሓንቲ ትንሳኤ፡ ንሳ ኸኣ እታ ኣካላዊ ትንሳኤ ጥራሕ ዚትንስእ ሰብ፡ ንዘለኣለም ውሉድ ገሃነም ኰይኑ ዚነብር’ዩ። እቲ ብኣካል ብህይወት እናሃለወ መንፈሳዊ ትንሳኤ ዝተንሰአን ድሕሪ ሞቱ ኣብ ጊዜ ምጽኣት-ጐይታ ኣካላዊ ትንሳኤ ዚረክብን ሰብ ድማ፡ ውሉድ መንግስተ ሰማያት ኰይኑ ዚነብር፡ ክቡርን ብሩኽን ሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ኣርእስትና ብዛዕባ’ዞም ድርብ ትንሳኤ ዚረኽቡ ሰባት ዚምልከት’ዩ። እዞም መንፈሳዊ ልቦና ዘጥረዩን ንምድሓን ዝለበሙን ሰባት’ዚኣቶም፡ ነቲ ዳሕረዋይ ኣካላዊ ትንሳኤኦም ምእንቲ ኼጸብቑ፡ ኣቐዲሞም መንፈሳዊ ትንሳኤ ድሕሪ ምትንሳኦም፡ ነቲ ናይ ቅትለት ጥበብ ተጠቒሞም፡ ነቲ መንፈሳዊ ትንሳኤኦም ክሳዕ ዕለተ-ሞቶም ብጥንቃቕ ዚዕቅቡ ኣዝዮም ብልህታት ሰባት’ዮም።
ብመሰረቱ "ትንሳኤ ሙታን" ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧ ንምንታይ ኢናኸ "ካልኣይን ዳሕራይን" ትንሳኤ እናበልና ’ንሰምዮ፧ ትንሳኤ ሙታን" ’ንብሎ፡ እቲ ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታና፡ ካብ’ቲ ብኣካል ድሕረ ሙማትና ካብ ዝተነበርናሉ ቦታ ተንሲእና፡ ዳግማይ ስጋና ለቢስና፡ ህያዋን እንዀነሉ ትንሳኤ’ዩ። ሽዑ ዋላ ብሰሚንቶ ኣብ ዝተለሰን ብእምነ በረድ ኣብ ዝወቀበን መቓብር ዝነበረ ዅሉ ዝበስበሰ ስጋ፡ ህያው ኰይኑ መቓብሩ ኺተፍኦ’ዩ። ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዝበልዕዎ፡ ባሕርን ውቅያኖስን ዝወሓጥዎ፡ ሓዊ በሊዕዎ ሓሙዅስቲ ዝዀነ ዅሉ ሰብ ከካብ ዘለዎ ተኣኪቡ ምሉእ ሰብ ኰይኑ፡ በታ ዝተወልደላ መልክዕን ቍመናን ደው ኪብል’ዩ። እታ ብኣምላኽ ዝተዋህበቶ ለቢስዋ ዝነበረን ዝሞተን ስጋ’ምበር፡ ካልእ ስጋ ኣይለብስን’ዩ። ኣብ ጊዜ ሞት፡ ነፍስን ስጋን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ’ዩ ዚጸንሕ። ስጋ ኣብ መቓብር፡ ነፍሲ ድማ ኣብ ገነት ወይ ኣብ ሲኦል ይጸንሑ። ሽዑ ትንሳኤ ምስ ተኣወጀ፡ እቲ ሞት ፈላልይዎ ዝጸንሐ ናይ ስብእናና ኣካላት ዳግማይ ሓደ ይኸውን’ሞ፡ ህያው ኰይኑ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ጐይታ ይቐውም። ቃል እግዚኣብሄር ነዚ ሓቂ’ዚ ብንጹር ገሊጹልና’ዩ።
". . . ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ’ዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸኣ ቅድም ኪትንስኡ’ዮም። ብድሕሪ’ዚ ንሕና’ዞም ብህይወት ’ንጸንሕ፡ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡ ምስኣቶም ሓቢርና ብደበና ኽንልዓል ኢና።" 1ተሰ 4፡16,17ካ.ት
"ሽዑ ኸኣ ምልክት (ትእምርቲ) ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኣይ’ዩ እንሆ ድማ ኵሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ (ሰባት)፡ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብይ ክብርን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ምስ ርኣይዎ፡ ኪበኽዩ’ዮም። ንሱ ንመላእኽቱ ብብርቱዕ ድምጺ መለኸት ኪልእኮም’ዩ፡ ንሳቶም ድማ ንሕሩያቱ ካብ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ’ቲ (ኻልእ) ወሰን፡ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ኪእክብዎም’ዮም።" ማቴ 24፡30-31ካ.ት
"ብድሕሪ’ዚ ዓብይ ጻዕዳ ዝፋንን ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን (ኢየሱስ) ርኣኹ። ሰማይን ምድርን ካብ ገጹ ሃደሙ፡ ኣሰር ዘይብሎም’ውን ጠፍኡ። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝፋን ደዉ ኢሎም ርኣኹ። መጻሕፍቲ’ውን ተገንጸሉ።. . . እቶም ምዉታት ድማ፡ ከም’ቲ ኣብ’ቲ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለው ምዉታት ሃበት፡ ሞትን ሲኦልን’ውን ኣብኣቶም ዘለው ምዉታት ሃቡ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።" ራእ 20፡11-13 ካ.ት
ሓጥእ ይኹን ጻድቕ፡ ካብ’ዛ ትንሳኤ’ዚኣ ተረሲዑ ዀነ ተሓቢኡ ዚተርፍ ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። "ትንሳኤ ሙታን" ክንብል ከለና፡ ነዚ ትንሳኤ’ዚ ማለት’ዩ።
ነዚ ትንሳኤ’ዚ "ካልኣይን ዳሕራይን" ኢልና ’ንስምየሉ ምኽንያት፡ ነዚ ትንሳኤ’ዚ ዚቕድሞ ካልእ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ትንሳኤ ስለ ዘሎ’ዩ። ነዚ ትንሳኤ’ዚ ዅሉ ሰብ ኣይትንስኦን’ዩ። ስለ ዝተኸልከለ ዘይኰነስ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ብፍቓዱ ስለ ዘይደልዮን ስለ ዘይመርጾን’ዩ። በዚ ትንሳኤ’ዚ ዚትንስኡ እቶም ስማውያን ዘይኰነስ፡ እቶም ሓቀኛታት ክርስትያን ጥራሕ’ዮም። እቶም ምስ ክርስቶስ ዝተሰቕሉን ዝሞቱን ጥራሕ ዚትንስእዎ ትንሳኤ’ዩ። ሓጢኣት ንዘይምግባር ምዉታት፡ ጽድቂ ንምግባር ግን ህያዋን ዝዀኑ ሰባት’ዮም። ስጋ ዝለበሱ ድኹማት ስለ ዝዀኑ ወዝቢ ሓጢኣት እንተ ፈጸሙ ድማ፡ ብሓቀኛ ንስሓ ብደም ክርስቶስ ተሓጺቦም፡ ነቲ ሓጢኣትን ነቲ ናብ ሓጢኣት ዝደረኾም ፍትወትን ይሰቕልዎ። ዘመኖም ምሉእ ካብ ጐይታ ዘይፍለዩ፡ ገዛእ መስቀሎም ተሰኪሞም ደድሕሪኡ ዚኸዱ እሙናት ሰዓብቱ’ዮም።
"እቲ (ምስ ክርስቶስ) ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ’ሞ፡ እዚ (ሰብ’ዚ) ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስ (ክርስቶስ) ከም ዝተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣለና። . . ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞት’ውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ብህይወት ከም’ንነብር’ውን፡ ንኣምን ኣለና።. . . ከምኡ ድማ ንስኻትኹም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ (ንጽድቂ) ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቍጸሩ። እምበኣርሲ ንትምኒቱ (ምእንቲ) ኸይትእዘዙ፡ ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ።" ሮሜ 6፡6-9,11-12
"እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ)’ዮም።" ገላ 5፡24
"እታ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተማሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ቐደም ዝተመላለስኩምሉ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቁንጢጥኩም (ቀቲልኩም) በቲ ናይ ኣእምሮኹም (ኣተሓሳስባ ተሓደሱ’ሞ)፡ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።" ኤፌ 4፡21-24 (ቈሎ 3፡6-10)
እቲ በዚ ኣገባብ’ዚ ኻብ ሓጢኣት ሞይቱ ንጽድቂ ዝተንሰአ ሰብ፡ ነቲ ቐዳማይ መንፈሳዊ ትንሳኤ ተንሲእዎ ኣሎ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ኻልኣይ ትንሳኤ ሙታን ብፍሉይን ክቡርን ትንሳኤ ኺትንስእ’ዩ።
ንትንሳኤ ሙታንከ ፍሉይነት ኣለዎ ድዩ፧ ሓጥኣንን ጻድቃንን ዚትንስእዎ ትንሳኤ’ዩ ኣይተባህለናንዶ፧ ብቓላት ይኹን ብግብሪ፡ ከተነጻጽሮን ከተመሳስሎን ዘይክኣል፡ ኣዝዩ ዓብይ ፍሉይነት ኣለዎ። ሓንቲ ኸተመሳስሎ ’ትኽእል ነጥቢ እንተ’ልያ፡ ካብ ኣካላዊ ሞት ምትንሳኦምን ተመሊሶም ኣካላዊ ሞት ዘይሞቱን ምዃኖም ጥራሕ’ዩ። እቶም ብክርስቶስ ዝደሓኑ ጻድቃን፡ ብቕጽበት ዓይኒ ተለዊጦም ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ዚመስል ስጋ ኺለብሱ’ዮም። እዚ ስጋ’ዚ ንኽብርን ሓይልን ናይ’ቲ ሓዊ መለኮት ጸዊሩ ኺነብር ዚኽእል ስጋ’ዩ። ዝዀነ ፍትወት ስጋ ዘይብሉ ፍጹም ስጋ ዀይኑ፡ ከም ጸሓይን ከዋኽብትን ዚበርህ ስጋ’ዩ (1ቈረ 15፡49-53 ፣ ማቴ 22፡30 ፣ 13፡43 ፣ እብ 12፡28,29)። እቶም ሓጥኣን ግን ብዘይካ ንስቓይ ንኻልእ ዘይከውን ናይ ውርደት ስጋ ሒዞም’ዮም ዚትንስኡ። ነቲ ኸም ዚባላዕ ሓዊ ዝዀነ ክብሪ መለኮት ስለ ዘይበቕዕዎን ኪጾርዎ ስለ ዘይክእሉን፡ ካብኡ ርሒቖም’ዮም ዚቕጽዑ (2ተሰ 1፡6-10 ፣ ማቴ 13፡30,41,42 ፣ 3፡12 ፣ 7፡18 ፣ ዮሃ 15፡6)። ጐይታና ነዚ ኽልቲኡ ዓይነት ኣካላዊ ትንሳኤ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
"ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም (ምዉታት) ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ’ያ። ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ’ዮም’ሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።" ዮሃ 5፡28,29
ኵልኻ ካብ ሞት ስለ ዝተንሳእካን ካብ መቓብር ስለ ዝወጻእካን ጥራሕ፡ ንዅሉ ኸም ትንሳኤ ኽትቈጽሮ ዚግባእ ኣይኰነን። ካብ’ታ ናይ ሞት ድቃስ ድሕሪ ምብርባርካ ’ትነብሮ ናብራ’ዩ፡ ንትንሳኤኻ ሓቀኛ ትንሳኤ ወይ ከኣ ዝኸፍአ ዘለኣለማዊ ሞት ዚገብሮ። "ትንሳኤ" ዚብሃል እቲ ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ሓጐስን ዚወልድ ትንሳኤ ጥራሕ’ዩ። እዚ ዝዓይነቱ ትንሳኤ፡ ብልሳን ናይ’ቲ ንጉስ ትንሳኤ ዝዀነ ኢየሱስ፡ "ትንሳኤ ህይወት" ተሰምዩ ኣሎ። እቲ ናይ እኩያት ትንሳኤ ግን "ትንሳኤ ፍርዲ" ወይ "ትንሳኤ ኵነኔ" ዚብሃል’ዩ። በዛ ትንሳኤ’ዚኣ ኻብ ምትንሳእ፡ መንጸፍካ ሓሳኹ መደረብታኻ ሓሳኹ ጌርካ ኣብ’ታ መቓብር ምንባር ምተመርጸ (ኢሳ 14፡10)። ኣብ ልዕሊ’ቲ ቕዱስን ጻድቕን ወዲ ኣምላኽ ብሓጢኣትና ዝገበርናዮ ግፍዕን ዓመጻን ግቡእ ፍዳኡ ኺረክብ ዝበየነ ፍትሒ መለኮት ናይ ግድን ኪፍጸም ስለ ዚግብኦ ግን፡ እታ ንመዋእል ጸይራትና ዝጸንሐት መቓብር፡ ሓደ መዓልቲ ንወዲ ኣምላኽ ተኣዚዛ ከም ምራቕ ጡፍ ኢላ ኽትተፍኣና’ያ።
ካብ ከም’ዚ ዝበለ መሪር ፍርድን ተካል ጽሕፍቶንከ ብኸመይ ኢና ኸነምልጥ ’ንኽእል፧ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ክብሪ ንሕያውነቱ ይኹን፡ ካብ’ዛ መዓት’ዚኣ ንኼድሕነናን ናብ’ቲ ናቱ ኽብሪ ንኼግዕዘናን’ዩ ነዚ ዅሉ መከራ መስቀል ተቐቢሉ በጃና ዝሞተን ዝተንስአን። ካብ’ዛ መዓት’ዚኣ ዜምልጥ፡ እቲ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነ ሰብ ጥራሕ’ዩ (ኤፌ2፡1-7 ፣ ቈሎ 3፡9-13 ፣ 3፡1-4)። ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ናይ ምዃን ክብሪ ዝረኸበ ሰብ፡ ነቲ ግብሪ ድያብሎስ ዝዀነ ሓጢኣት ይጽየፎን ይዋግኦን የርሕቖን፡ ነቲ ግብሪ ክርስቶስ ዝዀነ ጻድቕ ባህርይን ግብርን ድማ የዘውትሮ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ናይ ምዃን ኣገዳስነት ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።
"እምበኣርሲ ሕጂ ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ዅነኔ የብሎም። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ሕይወት ዚህብ መንፈሳዊ ሕጊ፡ ብስጋ ስለ ዝደኸመ ኺገብሮ ዘይከኣለ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። እዚ (ዝገበረ) ኸኣ፡ እቲ ሕጊ ኣባና፡ ማለት ኣብ’ቶም ብመንፈስ’ምበር፡ ብስጋ ዘይንነብር፡ ምእንቲ ኺፍጸም’ዩ።" ሮሜ8፡1-4 ካ.ት
ካብ’ዛ ዅነኔ’ዚኣ ኣምሊጥና ኣብ’ታ ናቱ ዕረፍትን ሰላምን ድሕነትን ምእንቲ ኽንነብር፡ ጐይታና ኣብኡ ኽንነብርን ክንጸንዕን ደጋጊሙ ምዒዱናን ኣዚዙናን ኣሎ።
"ኣባይ ንበሩ ኣነ’ውን ኣባኻትኩም ክነብር’የ። ጨንፈር ኣብ’ቲ ጒንዲ እንተ ዘይነበረ ኻብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእል፡ ንስኻትኩም’ውን ኣባይ እንተ ዘይነበርኩም ከምኡ ኢኹም። . . . እቲ ኣባይ ዚነብር ኣነ’ውን ኣብኡ (ዝነብር) ንሱ’ዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ። ምኽንያቱ ብዘይካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትክእሉን ኢኹም። ኣባይ ዘይነብር ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ’ሞ፡ ይነድድ።" ዮሃ 15፡4-6 ካ.ት
ስለ’ዚ ኣብ ክርስቶስ ዘይነብር ሰብ፡ ካብ ዘለኣለማዊ ኵነኔን መዓትን ዜምልጠሉ ዝዀነ ይኹን ተስፋን ትጽቢትን የብሉን።
ኣብ ክርስቶስ ንነብር ምህላውናን ዘይምህላውናንከ ብኸመይ ኢና ’ንፈልጥ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ናብ’ዚ መሪሕ ጥቕስና ዘልዓሎ ኣርእስቲ’ዩ ዚመርሓና። ኣብ ክርስቶስ ኰይኑ፡ ምስኡ ዝሞተን ዝተንስአን ክርስትያን፡ ኣእምሮኡን ቀልቡን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማያት ዚጽበዮ ዘሎ ጐይታን ተስፋን’ምበር፡ ዝዀነ ኻልእ ዚጽበዮን ዚደልዮን የብሉን። ሓሳቡን ዘረባኡን ልክዕ ከም ናይ ነብዪ ኣሳፍ፦
"ኣብ ሰማይ ብዘይካኻ መን ኣሎኒ፡ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።" ዚብል’ዩ ዚኸውን (መዝ 73፡25,26)። በዚ መትከሉ’ዚ ጸኒዑ ኸይቅጽል ዚዋግኦን ዚቃለሶን ጸላኢ ግን ኣለዎ። ንሱ ኸኣ እዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋን ትምኒቱን’ዩ። ልክዕ ከም ስሕበት ምድሪ (Gravity) እናሰሓበ፡ ቀልብናን ኣእምሮናን በዚ ምድራዊ ናብራን ባህርያትን ስምዒታትን ከም ዚውሓጥ ንምግባር ብምሉእ ሓይሉ ይጋደል። ዕላማኡ ድማ ንኣና ስጋውያንን ደቂ ዅነኔን ምግባር’ዩ። ንመንፈሳዊ ህይወትና ንምቕታል ዝተላዕለ ደመኛ ጸላኢ’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ድማ ነዚ ቐታሊና ፍትወት ስጋ ኽንቀትሎ’ዩ ኣዚዙና። ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙ ነዚ ፍትወት ስጋ’ዚ "ኽንቅንጥጦን ክንቀትሎን" ኣዚዙና ኣሎ። ነቲ ኻልኣይ ሕቶና ንምምላስን ንምብራህን ዝተጠቐምናሎም ጥቕስታት ደጊምና እንተ ተመልከትናዮም፡ ነዚ ሓቂ’ዚ’ዮም ዚገልጹልና። እቶም ኣብ ክርስቶስ ዘለዉ ሓቀኛትት ክርስትያን፡ ንፍትወት ስጋን ሓጢኣትን ዚጻወሩሉ ትዕግስቲ የብሎምን። ልክዕ ከም ጐይታኦም፡ ኣብ ልዕሊ ስጋን ፍትወታቱን ጨካናት’ዮም። ጐይታ ኣሰሩ ኽንስዕብ ስለ ዚደልየና፦
"ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል’ሞ፡ ይስዓበኒ።" ብምባል ኣዘዘና (ሉቃ9፡23)። ነስተውዕል "መስቀሉ" እምበር፡ "መስቀለይ" ኣይበለን። ጐይታ ሓጢኣት ኵላትና ተሰኪሙ ናብ መስቀል ብምድያብ ኣብኡ ሸንኪሩ፡ ካብ ማእከልና ኻባና ኣርሓቖ (ቈሎ2፡14)። ስለ’ዚ ንሓጢኣት ካባና ኸነርሕቖ፡ ክንጽየፎ፡ ክንሕጸቦ ኸለና፡ ነቲ ሓጢኣትን ስጋዊ ፍትወታትን ካባና ቐንጢጥና ኣብ’ቲ መስቀልና ሰቒልናዮን ቀቲልናዮን ማለት’ዩ። ኣብ ናይ ዕንጸይቲ መስቀል ዚስቀል፡ ኣካላት ወይ ሰብነት ናይ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እዛ ንምርሓቕ ሓጢኣት ዝተገብረት ናይ ክርስቶስ ስቕለት-ስጋ፡ ብዝዀነ ኻልእ ኣካል ክትድገም ኣየድልይን’ዩ። ንሓጢኣት ካብ ሰብነትካ ኸም ዚርሕቕ ምግባር ግን፡ ዕለት መጸ ኣብ ጸጽባሕ ዚፍጸም’ዩ። ንሓጢኣትናን ነቲ ሓጥእ ፍትወታትናን ከምኡ ጌርና መዓልቲ-መጸ ምስ ’ነርሕቖን ምስ ’ንቐትሎን፡ ኣብ ክንድኡ ድማ በቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ቅድስናን ጽድቅን ባህርይ ምስ ’ንመላለስ፡ ዕለት መጸ ኣብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ስቕለትን ትንሳኤን ንሓብር ኣለና ማለት’ዩ። ንሓጢኣትና ኻባና ኸም ዚርሕቕ ብምግባርና ኣብ’ቲ ስቕለቱ፡ ጽድቂ ብምግባር ድማ ኣብ’ቲ ትንሳኤኡ ’ንሓብሮ። "ክርስትያን ምዃን" "ኣብ ክርስቶስ ምንባር" ማለት ከኣ ንሱ’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ ዕላማ ሞት ክርስቶስ እንታይ ምዃኑ፦
"ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ክርስቶስ) ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።" ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (1ጴጥ2፡24 ፣ ሮሜ 6፡2,6,10,11)። ስለ’ዚ ነቲ ሓጢኣትን ፍትወቱን ክንቀትሎ፡ ሓጢኣት ኪገብሩ ዘይክኣሎም ምዉታት፡ ብኣንጻሩ ግን ጽድቂ ንምግባር ህያዋንን ብቑዓትን ንኸውን። ብኸም’ዚ ኢና ኣብ ትንሳኤኡ ሓቢርናን ጸኒዕናን ክንነብር ንኽእል። ከምኡ እንተ ዘይገበርና ግን እቲ ሓጢኣትናን ፍትወትናን ይዕወተልናን ይቐትለናን’ሞ፡ ደቂ ትንሳኤ ዘይኰነ ደቂ ሞት ኳንና ንነብር። ስለ ዝተጠመቕና፡ ሰንበት መጸ ዋላ መዓልቲ መጸ’ውን ናብ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተመላለስና፡ ኣብ ቅዳሴኡን ውዳሴኡን ኣዘውቲርና ስለ ዝተሳተፍና ጥራሕ፡ ደቂ ክርስቶስሎ ደቂ ትንሳኤኡ ኢና ማለት ኣይኰነን። ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ፡ ብግብሪ ’ንሓብሮን ’ንገብሮን ናብራና’ምበር፡ ጽንብላዊ በዓላትናን ስርዓትናን ኣይኰነን። ነቲ ብጐይታና ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ብሓጢኣት ከተፍርሶን ክትዋግኦን እናወዓልካ፡ ንመስቀል ክትስዕሞን ክትሳለሞን እንተ ወዓልካ፡ ከም ክርስትያን ኬቝጽረካ ይከኣልዶ፧ ክርስትያን ምዃን ማለት ንጽልኢ ቐቲልካ ንፍቕሪ ኣብ ህይወትካን ኣብ ኵሉ ዝምድናታትካን ከም ’ትነግስን ሃልሃል ከም ’ትብልን ምግባር’ዩ። ንሓሶት ንየው ኢልካ፡ ሓቂ ጥራሕ ምዝራብ’ዩ። ካብ ዝሙትን ምንዝርናን ሃዲምካ ብንጽህናን ቅድስናን ምንባር ማለት’ዩ። "ኣብ’ዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ" ተባሂሉ ብንጹር ተነጊሩና ኼብቅዕ፡ ሓጢኣት ኣብ ህይወትናን ናብራናን ኣሳፊሑ ነጊሱ ይገዝኣናን የመሓድረናን እንተ’ልዩ ትንሳኤ ኵነኔ’ምበር፡ ንትንሳኤ ህይወትሲ ኣይክንረኽባን ኢና። ንሓጢኣትካን ፍትወትካን ዕለት መጸ ምቕታል፡ ትንሳኤ ህይወት ዝዓስቡ መንፈሳዊ ጅግንነት’ዩ።
እምበኣር ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣት መዓልቲ መጸ እናቐተልና፡ ሓቀኛ ናይ ትንሳኤ ናብራ ንንበር። ብሓጢኣት ዝረስሐን ዝሰብሐን ስጋ፡ ድራር ገሃነም ኰይኑ’ዩ ዚነብር። እቲ ንሓጢኣት ብኣጽዋር ጽድቂ እናቐተለ ዚነብር ብልሂ ክርስትያን ግን፡ ትንሳኤ ሙታን ምስ ክርስቶስ ዚነግሰላ መዓልቲ ኽትኰነሉ’ያ። ነዚ ንነብሮ ዘለና ዘመነ ትንሳኤ ንሓጢኣትና ብምቕታል ደቂ ትንሳኤ ዄንና ደኣ ንንበሮ’ምበር፡ ሓጢኣት ዝቐተሎም ደቂ ሞት ደቂ ገሃነም ኴንና ኣይነባኽኖ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
3 ግንቦት 2026 | ሚያዝያ 25, 2018 ግዕዝ (መበል 34 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፫፡፭,፮ "አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ። ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።" "ተገምሰስኩ ደቀስኩ’ውን፡ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ’ሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን’የ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ቈሎ 3፡1-11 |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 13፡26-42 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ሉቃ 24፡33-40 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ