S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ይዝከረኒ ኣብ ዓድና ከለኹ ንእሽተይ፡

ቀደም ክጻወት ምስ ኩሎም የዕሩኽተይ፡

ሻኲ ተወሰጥ ቃርሳ ምስ ያህለለይ:

ሸደድ ገበጣ እንተላይ ሓንዳይ፡

ሕንቂል ሕንቅሊተይ ሰሰናቢተይ፡

እንካ ኣዝግነኒ ሻነ ብምንታይ፡

ተባሂሉ ክጽወት ኣብ ዓደይ፡

ደስ ይብለኒ ክዝክር ባህለይ።

" ‘ንስኻ በጽሒ ኸለኻ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም ‘ተልዕል’ሞ፡ (ጐይታኻ) ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደለኻዮ’ውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።’ . . . ኵላቶም (ነቲ) ነናይ ርእሶም’ዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን።" ዮሃ21፡18 ፣ ፊል 2፡21

ንሕና ኤርትራውያን ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዝና፣ ሰላምን ሠናይን ዝኾነ ጥዑም ዜና ክንሰምዕ፣ ሃንቀው ኣብ ምባል እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። እቲ ተስፋናን ትጽቢትናን ግና፣ ካብቲ ሕያው ኣምላኽ ገና መልሲ እንጽበየሉ ዘሎና ደኣምበር፣ ኣብ ራህዋን ሰላምን በጺሕና፣ ተመስገን-!! እንብለሉ ሰዓትሲ፣ ገና ርሒቑና`ዩ ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ምድንጓይ`ዚ ግና ናቱ ምኽንያት ክህልዎ ከም ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ክውሰድ ዝኽእል ይመስለና። ከመይሲ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ፣ ናይ ሕዝብና ማኅበራዊ-ሕይወት እንተ-ተመልከትና፣ እግዚኣብሔር ክሕጎሰሉ ዝኽእል፣ ሥሩዕ ዝኾነ ሥነ-ምግባር ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን። ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ኣዚዩ ተበላሽዩ ከም-ዘሎ፣ እቲ ንሕና ከም ሕዝቢ ንነብሮ ዘሎ ሕይወት ባዕሉ ክምስክሮ ዝኽእል እዩ። ካብ መንገድን ሕግን እግዚኣብሔር ወጺእካ፣ እነብር ኣሎኹ ምባል ድማ፣ ትርጉም ዘለዎ ምንባር ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉ ዝምራሕ፡ ካብ ሠለስተ ኣኅጉረ ስብከታት ዝተዋጽአ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2021 ኣትሒዙ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ወግዓዊ ስራሑ ከም ዝጀመረ፡ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቈይሙ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ትማሊ 22 ግንቦት 2021 ንመላእ ኣባላት ሓለፍቲ ክፍልታት ኣኅጉረ ስብከታት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ሓቢሩ።

እስመ ኣልቦሙ ለኣግብርቲከ ሞት ኣላ ፍልሰት!” ኦ ጎይታ! ንኣገልገልትኻ ምግዓዝ እምበር ሞት የብሎምን፥ ዝብል ናይ ተስፋ ቃል፥ ኣብ ጸሎተ-ፍትሓት (እግዚኣ ሕያዋን) ብመንፈሳውያን ኣቦታትና ተጻሒፉ እንረኽቦ ጸሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ እዩ። በዚ መሠረት: 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ-ደም፥ ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርትን ተዓጊሶም፥ እምነቶም ኣጽኒዖም፥ መንፈሳዊ ገድሎም ወዲኦም፥ ካብ ምድራዊ ሰማያዊ፥ ካብ ጊዚያዊ ዘለዓለማዊ፥ ካብ ሥጋዊ መንፈሳዊ ክብርን ኣኽሊልን መሪጾም ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም፥ ብ9 የካቲት 2022 ዓ/ፈ እዮም ዓሪፎም።

ንኽብሪ ንዘክር ማዓልቲ ቅዱስ ዮውህንስ

ውላድ ካብ ኤልሳቤጥ ምስ ካህን ዘካርያስ

ቀረባ ቤተሰብ ንጎይታና እየሱስ ክርስቶስ

ህዝቢ ከጥምቕ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ

ብግፍዒ ተቐትለ ብንጉስ ሄረዶትስ።

"እቲ ኣነ (ኻብ ጐይታ) ዝተቐበልክዎ (ምህሮ እንታይ ምዃኑ) ቅድሚ ዅሉ ነጊረኩም’የ። ከም’ቲ’ቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ። ከም’ቲ’ቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ’ውን ተንስአ። . . . ‘ስለምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፡ ነቲ ዚናፍቖ’ውን ምድሓን ከምጽኣሉ’የ።’ ይብል እግዚኣብሄር።" 1ቈረ15፡3,4 ፣ መዝ12፡5

ዓመታዊ ርክበ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ንመበል 9ይ ዓመት ንሠለስተ መዓልታት ክካየድ እዩ። እቲ ካብ ረቡዕ 3 መጋቢት ክሳብ ዓርቢ 5 መጋቢት (March 3-5) 2021 ዓ.ም.ፈ ብናይ ርሕቀት መስመር ክካየድ እዩ። ኣብዚ መደብ ክትሳተፉ እትደልዩ ውሉደ ክህነት፥ ኣብዚ መመዝገቢ'ዚ [Form] ብምጥዋቕ ክትምዝገቡ ነዘኻኽር።

ብሊቀ ካህናት ምርካጽዮን ተኽለማርያም

ኣብ እምነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና፣ “ምምላድ” ወይ “ኣማላድነት” ዝብል ክፋል“ሥርዓተ-ኣምልኾ” ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቶም ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር፣ ኣማለድቲ ኮይኖም ንዓና ንደቂ-ሰብ፣ ምስ ኣምላኽ ንምትዕራቕ ዝግበር፣ ወይ ኣምላኻዊ ጸጋን በረኸትን ከውህብ ዘኽእል፣ ሥርዓተ-ኣምልኾ`ዩ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።

ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝምእከልን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ-ዲበኵሉ ዝመሓደርን ቀኖናዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ካብ ጥሪ 2021 ኣ.ፈ ብወግዒ ቆይሙ መንፈሳዊ ሥርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዚ ንምቛም ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተመደቡ ኣቦታት ካህናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ምስ ኩሎም ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ነበርቲ ካናዳ ዝኾኑ መንፈሳዊ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብርትዓዊ መገዲ ሰለስተ ኣባላት ዝሓዘት ጊዚያዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ብምምራጽ እዩ ብወግዒ ቆይሙ ዘሎ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div