S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ፥ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ከም ዝግባእ ሓቢሩና እዩ። ብዙሕ ኣማኒ ክርስቲያን ድማ ነዛ ኣገዳሲት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳ ኣንበባን እንዳ ፈለጣን ከሎ እዩ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብታ ጸባብ መገዲ ሓቂ ከንደልህጽ ዝርአ።

 ኣብዚ እዋን' ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ኣብ ሕዝብን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ጸገምን ኣደራዕን፥ ይትረፍዶ ዓሚጽካን ገፊዕካን፥ ሓደ ኮንካውን ምስጋሩ ከቢድ ኮይኑሉ ዘሎ እዩ።

ንድኻ ዚሓልየሉ ሰብ ብጹእዩ። እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ፡ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን፡ ናብ ፍቓድ ጸላእቱ (ኣሕሊፉ ኣይህቦን) ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ይድግፎ፡ ንስኻ (ኣብ ጊዜ) ሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።ጐይታየ፡ በዲለካሞ፡ ምሓረኒ፡ ንነፍሰይ ኣሕውያበልኩ።መዝ 411-4

ድኻ ኮይና ንግሥቲ

ዘይኮነ ብዋርሳ፡ ንግሥቲ

ግናኸ ብምዃን ንጽሕቲ

እወ እንብዛ ቅድስቲ

ስለኡ ኾይና ኅርይቲ፥

 ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ግዜ፥ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክዛዘም ምዃኑ ንሕብር። ፈተና ዝወሃበሉ እዋን ካብ 15 ጥሪ ክሳብ - 30 ጥሪ 2021 እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር። 

ምዝገባን መምርሕን ትምህርቲ 2021 ዓ.ም

ቅዱስ-ዳዊት ኣብ መዝሙሩ፣ ንትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣመልኪቱ፣ ብመንፈስ ትንቢት ተመሊኡ ክዝምር ከሎ፣ “-እግዚኣብሔር ኣብ ድቃስ ከም-ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ተንሥአ ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። እወ እቲ ሕያው ዝኾነ ዘለዓማዊ ኣምላኽ፣ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ዝኽእል ስለ-ዘይነበረ፣ ክትንሥእሲ ናይ ግድን` ነይሩ። ንምዃኑኸ ስለምንታይ` ክመውት ዝኸኣለ-?  ንዝብል ሕቶ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ብኸምዚ ዝስዕብ መሊሱዎ ኣሎ። “-ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና፣ ክርስቶስ ክንዳና ሞይቱ እዩ`ሞ፣ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። (ሮሜ-5/8)

  • በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ ኣሜን!
  • መላእ ገዳማውያን ኣቦታት፡ ውሉደ ክህነትን ማኅበረ ማእመናንን ምእመናትን ብኃበራ፡

ሕጋውን ቀኖናውን ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ኣብታ ቅድስቲ መንበሮም ይምለሱ እሞ፡ ዕርቀ-ሰላም ክወርድ፥ ብተስፋ ንብዙሕ እዋን ክጽበ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ብወገን ኣሥመራ 13 ግንቦት 2021 .. ዝተኣወጀ፡ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ዝጠሓሰ፡ ምርጫ ዘይሕጋዊ 5 ፓትርያርክ፡ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብትሪ ከም ዝነጽጎን ከም ዝቃወሞን እናሓበረ፡ ኣብ ደረት ሓቅን ሕግን ቈይሙ ኸኣ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሓዋርያዊ መሪሕነት 3 ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጥራይ ከም ዝቕበል፡ ንመላእ ማኅበረ ምእመናን፡ ውሉደ ክህነት፥ ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ጽኑዕ መርገጺኡ የፍልጥ።

ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ምንዝርናን ኽትርሕቁንዩ። ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ (ኣረማውያን) ኣህዛብ ድማ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ። . . . ከም ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘስማዕናኩምን፡ ናይ ዅሉ ነገራት ፈዳይ ሕነ ኣምላኽዩ። (ምኽንያቱ) ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር ጸዊዑና። እምበኣር እቲ ነዚ ዘይቅበል፡ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዚህበኩም ኣምላኽምበርን ንሰብ ኣይኰነን ምቕባል ዚኣብይ ዘሎ።” 1ተሰ 43,5-8 .

በዓል---------ዕለት ብግእዝ------------- Fast or Feast--------------------Date

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div