በዓል---------ዕለት ብግእዝ------------- Fast or Feast--------------------Date
ናይ ሎምዘመን እምነት
ገዲፍካ ንኣቦታት ቀዳሞት
ናየቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት
ተተኃየሰ ናይ እንዳ ጐረቤት
‘ወ እንዳ ኣብሻይ° ጐረቤት።
“ቦ ጊዜ ለኩሉ” ከም-ዝበሎ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት፣ እቲ እግዚኣብሔር ዝመደቦ ግዜ ስለ-ዝኣኸለ፣ እንሆ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ናይ ሃገረ-ስዊድን ዝኾነት ስቶኮልም`ውን፣ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝቖመ፣ “ደብረ-ኣማኑኤል” ተባሂሉ ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ቤተ-ክርስቲያን፣ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ ክርከብ፣ ናይቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ሕያው ኣምላኽ፣ ቅዱስ-ፍቓድ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ስለ`ዚ ከኣ`ዮም እቶም ነዚ ቅዱስ ራእይ`ዚ ተግባራዊ ንምግባር፣ ካብ ነዊሕ እዋን ክደኽሙን ክጽዕሩን ዝጸንሑ ማኅበረ-ምእመናን፣ ንሓጎሶም ወሰን ዘይረኽቡሉ።
ንሕና ኤርትራውያን ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዝና፣ ሰላምን ሠናይን ዝኾነ ጥዑም ዜና ክንሰምዕ፣ ሃንቀው ኣብ ምባል እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። እቲ ተስፋናን ትጽቢትናን ግና፣ ካብቲ ሕያው ኣምላኽ ገና መልሲ እንጽበየሉ ዘሎና ደኣምበር፣ ኣብ ራህዋን ሰላምን በጺሕና፣ ተመስገን-!! እንብለሉ ሰዓትሲ፣ ገና ርሒቑና`ዩ ዝርከብ ዘሎ።
እዚ ምድንጓይ`ዚ ግና ናቱ ምኽንያት ክህልዎ ከም ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ክውሰድ ዝኽእል ይመስለና። ከመይሲ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ፣ ናይ ሕዝብና ማኅበራዊ-ሕይወት እንተ-ተመልከትና፣ እግዚኣብሔር ክሕጎሰሉ ዝኽእል፣ ሥሩዕ ዝኾነ ሥነ-ምግባር ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን። ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ኣዚዩ ተበላሽዩ ከም-ዘሎ፣ እቲ ንሕና ከም ሕዝቢ ንነብሮ ዘሎ ሕይወት ባዕሉ ክምስክሮ ዝኽእል እዩ። ካብ መንገድን ሕግን እግዚኣብሔር ወጺእካ፣ እነብር ኣሎኹ ምባል ድማ፣ ትርጉም ዘለዎ ምንባር ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ አምላክ ኣሜን!
ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ንዝርከቡ፡ ኩሎም ደቂ-ቤተ-ክርስቲያንን ደለይቲ ጽቡቕን፡ ብፍላይ ድማ ንኣበው ገዳማውያን፡ ንኣቦታት ካህናትን ዲያቆናትን፡ ንመላእ ማሕኅበረ ምእመናንን ምእመናትን፡ ከምኡውን ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ መንፈሳዊ ሰላምታኡ የቕርብ።
“እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም ዝተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺስድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።” ግብ 3፡19,20
ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኻትኩም ይኹን።
ብምኽንያት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘመነ ጾመ ፍልሰታ፥ ካብ ፩ ነሓሰ ክሳብ ፲፭ ነሓሰ (7 August - 21, 2020) እዉጅ ጾም እዩ።
ርሑስ በዓል መስቀለ
ንቀይሕ ንብጫ ንጸሊመ
ንከደር ጻዕዳወ ንጸሊመ
ንወለት ሔዋን ኣዳመ
ንወዲ ሔዋን ኣዳመ
ኢዩ ዝተሰቕለ ንብዓለመ፥
“ሰብ ኣብ ውግእ እተዓጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዓለሰ ኽዳንን ኪነድድ፡ ሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ (ኢሳ. 9፡5)።
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት
25 የካቲት 2021 (የካቲት ፲፰, ፳፻፲፫ ዓ.ም ግእዝ)
ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፩ደ ኣምላኽ ኣሜን።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመንግሥቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፥ “ውግእ ሰብ እዩ ዝቕለብ፥ ስለዚ፥ ኲናት ደው ክብል፥ ብምርድዳእን ልዝብን ክፍታሕ፡ መንግሥቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ዘይምልከቶ ዶብ ተሳጊሩ ምስ ኃዉ ዝኾነ ሕዝቢ ትግራይ ውግእ ከይገብር መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ [Link]።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ