S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ርሑስ በዓል መስቀለ

ንቀይሕ ንብጫ ንጸሊመ

ንከደር ጻዕዳወ ንጸሊመ

ንወለት ሔዋን ኣዳመ

ንወዲ ሔዋን ኣዳመ

ኢዩ ዝተሰቕለ ንብዓለመ፥

ሰንበት 4 ጥቅምቲ 2020 ንዝኽሪ  ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ። እዚ ጸሎት ፍትሓት': ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን' ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ኮይኑ፡ ስለቶም ድሕሪኡን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ተኻይዱ።

(ንሳኦል ካብ ስልጣኑ) ምስ ሰዓሮ ድማ፡ ንጉስ ኪኸውን ንዳዊት ኣተንስኣሎም፡ዳዊት ወዲ እሴይ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩኢሉ ኸኣ መስከረሉ። . . . ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ፡ . . . ግብ 1322,36

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፤ ብውሽጢ ከቢድ ነውጽን ምፍልላይን፡ ብግዳም ድማ ተነጽሎ ካብ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣብያተ ክርስቲያናትን ካብ ኣሓት ኦርቶዶክሳውያን ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣጋጢምዋ ትርከብ። ጠንቂ ናይዚ ፍጻመ እዝን ካልእን ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጽሑፍ በኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ኣሎ

ሰንበት ትንሳኤ - Resurrection Sunday Service Schedule

ቀዳማይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ምብራቓዊ ኣቆጻጽራ ) 


 

ካልኣይ መደብ (ቀዳም ምሸት ካብ ሰዓት 7:00 - 1:00 ሰንበት ንግሆ ምዕራባዊ ኣቆጻጽራ - Pacific Standard Time)

ዝኽትምና ቀዳምነት ኣብ ሕጻናት ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘስዕቦ ሥነ-ኣእምሮኣዊ ይኹን  ማኅበራዊ ጉድኣት ቀሊል ኣይኮነን። ብሞት ወለዲ ንዝመጽእ ዝኽትምና ከኣ ግደፍዶ ክትምነዮስ ወሪዱካ ክትጾሮውን ከቢድ መስገደል ምዃኑ እቲ ዘይበጽሖ ሰብውን ዘይርድኦ ኣይኮነን። ከምቲ ሥጋውያን ወለዲ ዘለዉና፥ መንፈሳውያን ወለዲ ከም ዘለዉና ድማ ኩልና ክንስሕቶ ኣይግባእን። ዝኽትማና እምበኣር ሰብ ብዝሰርሖ ይኹን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ከጋጥም ዝኽእል መሪር ዕዳ ምስኣን ወለድን ኩሉ ሓልዮቶምን መሪሕነቶምን ማለት እዩ።  ስለ ዝኾነ ድማ ዝኽትምና ብምስኣን ሥጋውያን ይኹኑ መንፈሳውያን ወለድና ከጋጥም ከም ዝኽእል ክንርዳእ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። እቲ ንቡር ብዘይ ንቡር ኣብ ዝተተክኣሉ፥ ጥልመትን ጭካነን ኣብ ዝበዝሖ መወዳእታ ዘመን 8 ሺሕ ንነብር ብምህላውና ድማ እንሆ ኣብ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራውን ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝኣክል ክትኣምኖ ብዘጸግም ኵነታት መንፈሳዊ ዝኽትምና ወሪዱናስ ብከቢድ ሓዘንን ጓህን እናነባዕና ንነብር ኣሎና።

ዓሚ ልክዕ ከምዛ ሎሚ 13 ሰነ 2019 . 5 ገዳማውያን ኣቦታት ብዘይ ፍትሕን ትእዛዝ ቤት ፍርድን ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን ብኃይሊ ህግደፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጊንዳዕ ዝኣተውሉ ዕለት እዩ። እወ! ዓመት ከም ሓንቲ ዕለት ብቝርን ሃሩርን ብጥምየትን ጭንቀትን፥ ብሕማምን ስቅያትን ብጸርፍን ውርደትን 365 መዓልታት ብእህህታን ሓዘን ኣብ ጸልማት ማሕዩር ተዳጕኖም ኣለዉ።

3ይ ክፋል ቃለ መሕትትን ዘተን ምስ ኣቦታት ካህናት ቀሲስ ዲበ ገብረወልድን ምስ ቀሲስ / ቴድሮስ ተስፋይን

ዕለት፥ቀዳም 26 መስከረም 2020 

ሰዓት፥5:00 ድ.ቀ ብኣቆጻጽራ ምብራቓዊ ዞባ ኣሜርካ

ዛዕባ፥ኣመሰራርታ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካን ሕጂ ዝርከበሉ ዘሎ ኩነታትን።

መስኮት መራኸቢ፥ ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ገጽ ንገጽ ኣብ 

1.     https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch

2.     https://www.youtube.com/c/TewahdoTV

3.     ኣብዚ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ

ተኸታተልቲ ንዘቕርቡዎም ሕቶታት`ውን ኣቦታት መልሲ ክህቡሎም እዮም።

ክፍሊ መራኸቢ ብዙሓን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ። 

ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት። ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብ መርዓ ተዓደመ።ዮሃ 21-2

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 09/03/2020 ኣትሒዞም፥ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ፥ ሓዋርያዊ ዑደት ፈኢሞም። እዚ ዑደት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ብእስራኤል ዝጀመረ ዑደት ኮይኑ። ኣብ ከተማ-ማንችስተር ምስ በጽሑ ድማ፥ እቶም ናይ እንዳ መድሃኔ-ዓለም ቤተ-ክርስቲያን ማኅበረ-ምእመናን፥ ብዓቢይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div