“እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም ዝተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺስድደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን።” ግብ 3፡19,20
ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱ’ውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው’ዩ ዝተራእዮም።
በስመ ሥላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ
"ዕረፍትን ትንሣኤን ድንግል ማርያም"
"እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኲሳ፡ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን እያ፧?" መኃልየ መኃልይ ዘሰሎሞን 8:5።
ብስም ክርስትና ካብ ዝጽውዓ ቤተ እምነታት (ርቱዕ መንገዲ) ዝብል ትርጉም ዘሎዎ እምነት ኦርቶዶክስ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስቲያናት ንቅዱስ ሓዋርያዊ ትውፊት (Holy Tradition) ዓቢይ ቦታ ኣሎወን::ቅዱስ ትውፊት እንብሎ ካብ ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ጀሚሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመኃላለፈ ዝመጽአ ኣስተምህሮን ሥርዓተ ኣምልኾን ኪኸውን ከሎ:መጽሓፍ ቅዱስውን ኣብ ዘመና ዝበጽሐ ብመንገዲ ሰንሰለት ቅዱስ ትውፊት እዩ::ነዚ እዮም ከኣ ኦርቶዶክሳውያት ኣበዋትና :-"መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ገረብ ቅዱስ ትውፊት ዝበቖለ ሠናይ ፍረ እዩ" ዝብሉ።
እቶም ብልኡኻት ዓፈና ህግደፍ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 ኣ.ፈ ዝተኣስሩ ገዳማውያን ኣቦታት ደብረ ቢዘን፡ ሕጂውን ገና ብዘይ ሓደ ክስን ፍርድን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕጊ-ኣልቦ ሥርዓት ህግደፍ ብኸቢድ ጸቕጥን ምስኣን ጥዕናን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ወላ’ኳ ብኣቦታት ደብረ-ቢዘንን ገለ ግዱሳትን ንኽፍትሑ ጻዕሪ እንተተግበረ፥ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ግና ተጋጊና ኢና ኢሎም ከይፈረሙን ንመሪሕነት ኣባ ሉቃስ ከይተቐበሉን ከምዘይፍትሑ እዮም ዝፍክሩሎም ዘለዉ። እቶም 5ተ ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደበረ ቢዘን፡-
መደባት መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ጉባኤ፥ ሓሙስ ሓምለ (July) 30 - ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ (August) 2020 ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live) ክዝርጋሕ እዩ። ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 ድ. ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ይመሓላለፍ።
Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch
Live https://www.facebook.com/tewahdoChurch
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
“ብተስፋ ተሓጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ” ሮሜ 12፡12
ዝርዝር መደባት ፕሮግራም- Program Detail
“ቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። .እቶም ጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት’ቲኦም ብጹኣን’ዮም፡ ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦም፡ ቀሪቡ’ውን ከም ዜገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” ሉቃ 12፡35,37
ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 13 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ)፡ ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።
ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ስዊድን ክካየድ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ብመደብ ተታሒዙ ዝጸንሐ ጉባኤ፡ “-እግዚኣብሔር ንመንን ብኸመይን እዩ ርእሱ ዝገልጽ-” ብዝብል ኣርእስቲ፣ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ27 ከምኡ’ውን 28 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተኻይዱ።
ብዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ፣ ዋሺንግቶን ዲሲ ሕመኣ።
ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ: ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት (ሉቃስ 2፡1-16)።
እቲ ወንጌላውን ሓኪምን ዝነበረ ግሪኻዊ ዝዓሌቱ ሉቃስ ዝተባህለ ወዲ መዝሙር፡ ናብ ሓደ ካልእ ቴዎፍለዎስ ዝተባህለ ግሪኻዊ፡ ታሪኽ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁዳውያንን ግሪኻውያንን ጥራይ ዘይኰነ፡ መድኅን ዓለም ኰይኑ ንምልእቲ ዓለም ከድኅን ከም ዝመጸ ከፍልጦ ምእንቲ ኢሉ፡ ብ65 ዓ.ም. ምስ ሓዋርያ ጳውሎስ እናተጓዕዘ ከሎ፡ እዚ ሕጂ ወንጌል ኢልና ነንብቦን ንመሃሮን ዘለና፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጥዑም ዜና ጸሓፈሉ።
በዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ምኽንያት: መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ (2020) ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ከምዘይካየድ ጉባኤ ካህናት ሰሜን ኣሜርካ ንምእመናን ብኣኽብሮት ይሕብር። ኣብ ክንድኡ ግና: ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ጉባኤ-ብርሕቀት (Virtual Conference) ክህሉ'ዩ። ምእመናን ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ ትምህርቲ ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። ጉባኤ-ብርሕቀት፥ ካብ ሓሙስ 30 ሓምለ - ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ ((July 30 - August 2) 2020 ዓ. ም ኣብቲ ዝተመደበሉ ዕለት ክካየድ እዩ።
እግዚኣብሔር ነዚ ዘሎ ሕማም-ለበዳ ይቐንጥጠልና። ኣሜን።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ