S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ወዮ ማዕከን ፍልጠት ሰፊሕ ሓንጎል

ኣቕሊብናሎም እንተ’ሊና፡ ናይዚ ዕለት እዚ ንባባትና ብዘይካ ግብረ ሃዋርያት፡ ኵላቶም መርዓዊ-ጠቀስ እዮም። መዝሙር ሊቃውንትና’ውን “ትዌድሶ መርዓት” ዚብል’ዩ። መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ፡ “መርዓዊ” ዚብሎ ዘሎ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። “መርዓት” ዚብላ ዘሎ ድማ ንቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንገዛእ ርእሱ ድማ “ዓርኪ መርዓዊ” ብምባል ገሊጽዋ ኣሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ዓብይ መልእኽቲ እዚ ዚዛረቦ ዘሎ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ንኣታቶም “ኣሻቓሊ” ዀይኑ ዝረኸብዎ ዜና ምስ ነገርዎ እዩ።

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን:- ሕዳር 3ይ ሰንበት

ዓመት መጸ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ብ5 ነሓሰ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኣቡነ ፊልጶስ እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም ደብረ ቢዘን እዚ ዕለት እዚ ክቡርን ዓቢይን በዓል ንግደት እዩ። በረኸት ኣቡነ ፊልጶስ ጻድቕ ንምክፋል ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ርሑቝን ቀረባን ብዝመጹ ብዙሓት ኣቦታት

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ጥቅምት 18 ክሳብ 23 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “በጊዜሁ ኃለፈ ክረምት” (ጊዜኡ ሓልዩ ክረምቲ ሓሊፉ) ኢላ  ቤተ ክርስትያና  ትሰምዮ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ነቲ ዕቤቱ ብኣሰር ኣሰር ዘይብጻሕ ዕቤቱ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ እቲ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ኣብ ጊዜ ክረምት ብዝናብ ንመሬት ዘጥልል፡ ኩሉ ኣብ ኢዱ ሙኻኑ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ “መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲውን ናትካ እያ። ንብርሃን ንጸሓይን ገበርካየን። ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፡ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም።” ግብሩ ክንጥምት ኢዩ። ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላክ ኣብዚ ጽሑፍዚ ሓቢርና ንርእዮ፡ ነቲ ዘፍርሕ ዝነበረ፡ ክረምቲ ወቅቱ ሓልዩ ክሓልፍ ካብ ገበሮ፡ ነቲ ኣብ ማዕልታዊ ህይወትና ዘይሓልፍ ዝመስል ዝገጥመና ዘሎ ጭንቀት፡ከመይ ኢልና ክንሰግሮ ከም ዝግባእና ክንርኢ ኢና።

Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church of NY,
ቅዱስ ገብርኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ 

ሓዋርያ ዝበሃል ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተማህረ፥ ሞቱ ዝነገረ ትንሣኤኡ ዘበሠረን እሙን ምስክር ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት እዩ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉውን “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም

“እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።” ማርቆስ 2፡28።

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዕለት 25 መስከረም ግእዝ ናይ ክረምቲ መወዳእታ ናይ ሓጋይ መጀመርታ ብክብሪ ውዕለት እግዚኣብሄር ትዝክሮሉ ዕለት እዩ። ዘመነ ክረምቲ ዘብቅዓሉ መስከረም 25  ስለዝኮነ ኣብዚ ብኣቦታት ሊቃውንቲ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝዝመር መዝሙር “ ትብሎ መርዓት ለመርዓዊሃ ወልድ እኁየ ነዐ ኀቤየ፡ ወሪደ ኢታጐነዲ” እዚ ማለት ከኣ መርዓት (ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን) መርዓዊ  (ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ) ኦ ፍትወይ ናባይ ንዓ እትብሎ። ናይዚ ምሥጢሩ ከኣ ሃዋርያት ብቃላቶም ዘይሰበክዎ ስብከት ዘይመሃርዎ ትምህርቲ፡ የሎን፡ ነቢያት’ውን ብቃሎም ዘይተነበይዎ ፡ትንቢት የሎን። ናይ ነቢያት ትንቢት ናይ ሃዋርያት ስብከት ናብ ኣርባዕተ መኣዝን ዓለም በጽሐ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ማር 2፡23-28 ጐይታ ሰንበት ሙዃኑ ነብያት ዝተነበይዎ ጉይትነትን ሃዋርያት ዘረጋገጽዎ ምስ ህይወትና ኣረጋጊጽና ክንርኢ ኢና።

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን:- ሕዳር 2ይ ሰንበት

ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክውዳእ ዘይክእል ጸጋ-ምሕረት ረኺብና ኢና። ማቴ 5፡7

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div