ጐይታና ነዚ መሪሕ ቃል’ዚ ዝተዛረበ፡ ንህዝቢ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ይህበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኪረክብዎን ኬዛርብዎን ኢሎም ናብኡ መጹ። ኣብ ምልእቲ እስራኤል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናዞረ ይምህር ስለ ዝነበረ ምስ ስድራ ቤቱ ዜሕልፎ ጊዜ ነይርዎ ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። መብዛሕትኦም ኣዝማዱ ብእኡን ብትምህርቱን ስለ ዘይኣመኑ፡ “ተጸሊሉ’ዩ” ዚብል እምነት ስለ ዝነበሮም፡ ካብቲ ዚምህረሉ ቦታ ሒዞም ኪወስድዎ ኸም ዝመጹ ወንጌላዊ ማርቆስ ኣዘንትዩልና ኣሎ (ማር 3፡21)። ሃዋርያ ዮሃንስ’ውን ኣብቲ ጊዜ እቲ እቶም ደቂ ዮሴፍ ኣሕዋቱ ብእኡ ኸም ዘይኣመኑ ነጊሩና ኣሎ (ዮሃ 7፡3-5)። ኣብዛ እዋን’ዚኣ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝመጹ ግና ኣይተገልጸን። ስድራኡ ከም ዝመጹ ኺንገሮ ኸሎ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ (ማቴ 12፡9)።
“…ብኽፍኣቱ ዝጠዓስን ስለምንታይ ክፉእ ገበርኩ ዝብልን የልቦን፡፡ ንሕና ለባማት ኢና ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና ኣሎ ይብሉ።…ብምኽሪ ርእሶምን ናይ ህልኽ ልቦምን ይኸዱ። ክንዲ ንቕድሚት ናብ ሰናይ ምድፋእሲ ንድሕሪት ናብ ክፍኣት ተመልሱ።…ንድምጺ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ዘይሰምዑ ተግሳጽ ዘይቅበሉ ምዃኖም ንገሮም ኢኻ። ሓቂ ጠፊኣ እያ፡ ብኣኣ ዝዛረብ’ውን ሓደ እኳ የሎን። ኤር 7፡24-28; 8፡4
ጐይታና ነቶም ሰብዓን ክልተን ኣርድእቱ በብኽልተ ድሕሪ ምምዳብ፡ እቲ ዚግባእ መምርሕን ስልጣንን ኣዕጢቝ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ” ኢሎም ኪሰብኩ ለኣኾም። በቲ ዝተኣዘዝዎ መሰረት ተልእኾኦም ፈጺሞም ኵላቶም ናብኡ ተመልሱ። ነቲ ዝለኣኾም ጐይታ ድማ ጸብጻቦም ኪህብዎ ጀመሩ። ካብቲ ዝፈጸምዎ ተልእኾ እቲ ብዝያዳ ዝመሰጦም ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዝተመከርዎ ስልጣን ነበረ። “ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለው፡” ኢሎም ብሓጐስ ነገርዎ። ጐይታ ድማ፡ ነቲ ሓጐሶም ዜዕዝዝ፡ “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ረኣኽዎ” ዚብል ብስራት ነገሮም።
ዝኸበርካ ክቡር ዮሓንስ: ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሰላምን ንኹልና ይኹን! ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዘቕረብካዮ መንፈሳዊ ሕቶታት ደንጕና ምምላስና
ጐይታና ኣብታ ተታሒዙ ዚስቀለላ ናይ መወዳእታ ፋሲካ ኣይሁድ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ጽባቐ ናይቲ ቤት መቕደስ ኬዛርብዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና ነቲ ሓሳባቶም ገና ብቓላት ከይገለጽዎ ኸለው ኣብ ልቦም ከሎ ኣስተውዒልዎ ነበረ። ከምቲ ቕዱስ ዳዊት፡ “ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒ’ውን ንምቕማጠይን ምትንሳአይን ትፈልጦ፡ ንሓሰበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይ’ውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።” ዝበሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ’ውን ከም ኵሉ ዚፈልጥን ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ፍጹም ኣምላኽን መጠን፡ ነቲ ኺብልዎ ዝደለዩ ሓሳብ ኣስተውዒልዎን ፈሊጥዎን ነበረ (መዝ 139፡1-4)።
ምሉእ ዕድሜኻ ንኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ምውፋይ፡ ዅሉ ክረኽቦ ዝኽእል ዕድል ኣይኮነን። ብዘይ ኣምላኻዊ መጸዋዕታ ኸኣ፡ ዝኽየድ መገዲ ወይ ኪብጻሕ ዝኽእል ምዕራፍ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይ’ሲ፡ “ኣብ ከብዲ ኣዴኻ
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ