S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጐይታ፡ ኣብታ ዝተታሕዘላ ለይቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሒዝዎም፡ ናብቲ ኣዘውቲሩ ዚጽልየሉ፡ጌተሰማኔዝተባህለ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኸደ። ወንጌላዊ ማቴዎስን ማርቆስን ኣዘንትዮምዎ ኸም ዘለው፡ ናብቲ ስፍራ ጸሎት ምስ ወሰዶምነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ፡ ኣብዚ ዀኑ፡ ምሳይውን (ብጸሎት) ንቕሑኢሉ ተዛረቦም። እዞም ደቀ መዛሙርቲ ንጐይታኦም ከምዚ ዀይኑ ርእዮምዎ፡ ከምዚ ኺዛረብውን ሰሚዖምዎ ኣይፈልጡን እዮም።

ግዜን ዘመናትን፡ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ይለዋወጡ፡ እግዚኣብሔር ህዝቡ ንምድሓን ዝመደቦ፡ ስርሑ ዝገልጸሉ መስርሕ ግዜ ምዃኑ፡ ዕድመ ሰብ ድማ ከም ዕምባባ ተራእዩ ዝጠፍእ ምዃኑ ዘዘክር ዓቢ ዕለት’ዩ።

ግዜን ዘመናትን፡ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ይለዋወጡ፡ እግዚኣብሔር ህዝቡ ንምድሓን ዝመደቦ፡ ስርሑ ዝገልጸሉ መስርሕ ግዜ ምዃኑ፡ ዕድመ ሰብ ድማ ከም ዕምባባ ተራእዩ ዝጠፍእ ምዃኑ ዘዘክር ዓቢ ኣምር’ዩ።

ካብ ኣካላት ቅድስቲ ስላሴ ኽንመሃሮም ካብ ዚግብኣና ዓበይቲ ኣርኣያታት ሓደ፡ እዚ ከም መሪሕ ጥቕሲ ናይዚ ርእስናትና መሪጽናዮ ዘሎና ሓሳባት እዩ። ብመሰረት ምስጢረ ስላሴ ናይ ሰረተ-እምነትና፡ እግዚኣብሄር ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል ሰለስተ ኪኾኑ ከለው፡ ብመለኮት፡ ብፍቓድ፡ ብስልጣን፡ ብባህርይን ብህልውናን ሓደን ምብልላጽ ዘይብሎም ማዕረን እዮም። ስለዚ ነፍሲ ወከፎም ከካብ ርእሶም ኪዛረቡ ዀነ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዅሉ ነገሮም ሓደ ስለ ዝዀኑ ድማ ዚሓስብዎ ዚዛረብዎ ዀነ ዚገብርዎ ፍልልይ ኣይምሃለዎን ነይሩ።

                                             ጸሎት ቅድሚ ቁርባን ምቕባል

ጎይታ፣ ኣነ ሓጥእ ብምዃነይ ንስኻ ኣብ ልዕለይ ክትሓድር ብቑዕ ኣይኮንኩን ንነፍሰይ ክትፍወሲ ኢኺ፤ ሓጢአትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ በላ። ኣነ ብዘይካ እቲ ኣብ ደቂ ሰባት እትገብሮ ፍቕርኻን ምሕረትካን ርህራሄኻን ወላሓንቲ ነገር ዘይብለይን ካብ ኩሉ ሰናያት ደረቕን ጥራየይ ዘለኹን እየ። ንስኻ ካብ ክግለጽ ዘይከኣል ክብርኻ ካብ ሰማያት ናብ ድርቅናና ዝወረድካን ኣብ መብልዕ ማል ክትውለድ ዝመጻእካን።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡-

ኣኅዋተይን ኣኃተይን ጽቡቕ ዘመን ይግበረልና ንኹልና።
ንኣደ ስዉእ፥ ንሓፍቲ ስዉእ፥ ንሰበይቲ ስዉእ፥ ንጓል ስዉእ (ንስድራ ቤት ስዉኣት) ጽንዓት ሂቡ፡ ነቶም ስዉኣትና ከኣ መንግሥተ-ሰማያት የዋርሰልና። ነታ

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ሰፊረን ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ሃይለ-ቃላት ናይ ጐይታ፡ ሓንቲ እዛካብ ዓለም ኣይኰንኩምንእትብል ሓሳብ እያ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ተወሊዱስ ኣብኣውን ይነብር ንዘሎ ሰብ፡ካብ ዓለም ኣይኰንካንክትብሎ ኸሎኻ፡ እቲ ሰማዒ ብቐሊሉ ኸይርድኦ ይኽእል እዩ። ጐይታና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ መንነት ናይ ደቀ መዛሙርቱ እምበር ብዛዕባ ጂኦግራፍያዊ ህላዌኦም ይዛረብ ከም ዘየሎ ግና ኣብ መንፈሳዊ ብስለት ንዘሎ ኵሉ ሰብ ብሩህ እዩ። ካብ መንን ናይ መንን ምዃን በቲ ዘሎኻዮ ቦታ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ዘሎካ ኣካይዳ እዩ ዚውሰን።

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፣ ኣሜን።
ዝኸብርኩም ህዝቢ-ክርስትያን፣ ሰላም ንዓኹም ይኹን ክልተ ሕቶታት ኣለዋኒ።

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝ ዓለም፡ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 1129,30) ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 221)

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div