S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዚተሰርዐ ናይ’ዚ ዕለት’ዝ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ ምጽኣትን ኣመጻጽኣን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። ነዚ ኣስተምህሮ’ዚ ዝሃበ ድማ ባዕሉ  ጐይታና’ዩ። ማእከላይ መልእኽቲ ናይቲ ኣስተምህሮኡ ድማ፡ መዓልቲ ምጽኣቱ መዓስ ምዃና ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ስለ ዘየልቦ፡ ኵሉ ሰብ ዘዝተዋህቦ ዕዮ ኣብቲ ምዱብ ጊዚኡ እናፈጸመ፡ ብንቕሓት ተዳልዩ ኺጽበይ ከምዝግብኦ ዘመልክተና እዩ። ብመንጽር’ዚ መልእኽቲ’ዚ ኣድማ ሰባት ኣብ ክልተ ዓይነት ጕጅለ ይኽፈሉ። እቶም ቀዳሞት፡ ነታ ዝተዋህበቶም ዕዮን ሓላፍነትን ከምዝግባእ እናፈጸሙ እሙናት ኰይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ኪዀኑ ኸለዉ፡ እቲ ነዚ ህይወት’ዚ ዘብቅዖም ድማ፡ እቲ “ጐይታና ቐልጢፉ ኺመጽእ’ዩ”ዝብል ምስትውዓል ንእምነት ንዝመልኦ ኣተሓሳስባኦም’ዩ። እቶም ካልኣይ ጕጅለ ግና፡ በቲ ምስትውዓሉ ዝተደፍነ ንዝጸልመተን ኣእምሮኦም ጐይታኦም ከም ዝድንጕይ ብምሕሳብ፡ ዘመን ህይወቶም ስጋዊ ተድላ (pleasure) ኣብ ምስትምቓር ኣቃጺሎም፡ ነቲ ኺሰርሕዎ ዝተዋህቦም ዕዮ ዘይፈጸሙ፡ አረ ብኣንጻሩ ዝስርሑ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ተልእኾ ዘፍርሱ ዝነበሩ እዮም።

  • እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ----> ፍቕሪ ኣሎ። 1ዮሓ 4፡16።
  • እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ----> ዓወት ኣሎ። 1 ቆሮ 15፡57።
  • እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ----> ሰላም ኣሎ። ዮሓ 14፡27።
  • እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ----> ጽጋብ ኣሎ። መዝ 65፡11።
  • እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ----> ተመስገን ኣሎ። ፊሊ 4፡11።
  • እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ----> ሕይወት ኣሎ። መዝ 36፡9።
  • እግዚኣብሔር ኣብ ዘለዎ----> ብርሃን ኣሎ። 1ዮሓ 1፡5።

ድሕሪ በኣተ-ክረምት (ምእታው ክረምቲ) እዚ ዕለት እዚ ኻልኣይ ሰንበት ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ምስላ ዘርእን ዘራእን’ ኢና ዝረኣና፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ብዛዕባ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ክንመሃር ተሰሪዑልና ኣሎ። እዚ ኽቡርን ረቂቕን ምስላ እዚ፡ ንውልቀ ክርስትያንን ብዓባያ ንቤተ ክርስትያንን ኣዝዩ ዓብዪ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ኺትርጕመሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታና ብደረጃ ዓለም’ውን ከም ዚትርጐም ኣብ ማቴ 13፡37-43 “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ (ክርስቶስ) እዩ።

ዜማ ወይ መዝሙር ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ፡ ንእግዚኣብሔር እተሞግሰሉ፡ ቅዱስን መንፈሳዊን ስነ ጥበብ እዩ። መዝሙር (ዜማ) ዚብል ቃል ንባዕሉ፡ ምስ ቋንቋታት ዕብራይስጥን፡ ኣራማይክን ዝተተሓሓዘ

ብዘይካ ክንሰቅል ክንስቀል ዘይብሉ!።

ወዮም ኣባ በእንተ ከርሱ በዓል ኣባ በእንተ ከርሱ

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብቲ ክረምቲ ዚጅምረሉ (በኣተ ክረምት) ሰነ 25 ክሳዕ ሓመለ 15 (ቂርቆስ) “ዘርዕ ደመና” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። በዚ መሰረት ድማ፡ እቶም ኣብዚ ቕንያት’ዚ ዚንበቡ ክፍልታት ሓድሽ ኪዳን ምስ ዘርኢ ዝተታሓሓዘ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም ዚዀኑ። ስለዚ ድማ ናይዚ ዕለት’ዚ ናይ ወንጌል ንባብ እቲ ጐይታ ዝመስሎ፡ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ምስናይ ትርጕሙ እዩ። ኣብዚ ምስላ እዚ፡ እዚ ዘራኢ ጐይታ ባዕሉን ኵሎም ልኡኻት ወንጌልን እቲ ዘርኢ ድማ እቲ ዚስበኽ ቃል ኣምላኽ እዩ። እቲ ነቲ ዘርኢ ዚቕበል ግራት ድማ ልቢ ሰብ እዩ።

ሃይማኖት ተዋህዶ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰረታ

ብሓሙሽተ የዕማደ ምስጢር ዝቆመት ምስ 7 ምስጢራታ

መራሒ 3 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ማሕዩር ብዘይ ገበን። 

ኣቱም ኣሕዋተይ እቲ ወሪዱኒ ዘሎ ነገር ንምስፋሕ ወንጌል ከም ዝኾነ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። ስለዚውን ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ከም ዘሎኹ በቶም ቤት መንግስቲ ዝሕልዉ ወተሃደራትን በቶም ኩሎም ዝተረፉን ተፈሊጡ ኣሎ።

“ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ዜፍቅረኒ እንተ’ሎ፡ ቃለይ ይሕልው’ዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡ’ውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” ዮሃ 14፡23። ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ነዚ ዕለት’ዚ ዝመደበትልና ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ኣባና ኣብ ድኹማት ፍጡራቱ ንዚገብሮ ግብሪ ሕያውነት ዜመልክተና እዩ። ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ እግዚኣብሄር ንሰብ ኪገብረሉ ዚኽእል ዝዓበየ ምሕረት፡ ነዚ መዋትን ሓጥእን ስጋና ማሕደሩ (መቕደሱ) ኺገብር ምፍቃዱ እዩ። ስለዚ ነዚ ኣርእስትና ዀነ፡ ብዓብዩ ነቲ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን መዳርግቲ-ኣልቦ ትዕድልቲ ኣቃሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። እግዚኣብሄር’ኳ ነዚ ውዱቕ ሰብ ማሕደሩ ኺገብሮ ፈትዩስ፡ ነገሩ ግርምቢጥ ኰይኑ ሰብ ማሕደር ኣምላኽ ናይ ምዃን ተገድሶ ዘይብሉ ዀይኑ ኺርከብ ከሎ፡ ኣዝዩ ዜሕፍርን ፍጻሜኡ ዜሰክሕን ምርጫ’ዩ ዚኸውን።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div