S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጐይታ፡ ኣብታ ዝተታሕዘላ ለይቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሒዝዎም፡ ናብቲ ኣዘውቲሩ ዚጽልየሉ፡ጌተሰማኔዝተባህለ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ኸደ። ወንጌላዊ ማቴዎስን ማርቆስን ኣዘንትዮምዎ ኸም ዘለው፡ ናብቲ ስፍራ ጸሎት ምስ ወሰዶምነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ፡ ኣብዚ ዀኑ፡ ምሳይውን (ብጸሎት) ንቕሑኢሉ ተዛረቦም። እዞም ደቀ መዛሙርቲ ንጐይታኦም ከምዚ ዀይኑ ርእዮምዎ፡ ከምዚ ኺዛረብውን ሰሚዖምዎ ኣይፈልጡን እዮም።

ምሥጢረ ክህነት

ሕድገት

ጸጋ ቅዱስ ቁርባን

  1. ዕላማ ጸጋ ምሥጢረ ቁርባን ሕይወት እዩ
  2. ዘይብላዕ በሊዕና ሞትና፡ ዝብላዕ በሊዕና ድማ ሕይወት ረኸብና
  3. እታ ሕይወት እትህብ ኦም ፈውስና ነበረት
  4. ኢየሱስ ሓቅኛ ኦም ሕይወት እዩ: ፍጹም ሊቀ ካህናት ሕይወት'ን እዩ
  5. ትርጉም ቁርባን ዝብል ቓል
  6. ተጠራጠርቲ: ሥጋን ደምን ክርስቶስ ምስልን መዘከርታን እዩ ይብሉ
  7. ድሕረ ባይታ ምሳሌ ቅዱስ ቁርባን
  8. ኣመሰራርታ ቅዱስ ቁርባን ብክርስቶስ
  9. ምሥጢረ ቁርባን ዘድሕን ጸጋ እዩ
  10. ቅዱስ ቁርባን ሓቀኛ መሥዋእቲ እዩ
  11. ድሕረ ባይታ መዘከርታ ፋሲጋ
  12. ሥርዓት ኣከባብራ በዓል ፋሲጋ ብላዕ፡ ኣይትብላዕ
  13. መዛዘሚ

ሜሮን

  1. ጸጋ ድሕነት ብሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ይዕደል-->7ይ ክፋል
  2. ሜሮን ህላውነት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ማለት እዩ-->-->8ይ ክፋል
  3. ምሁራት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሜሮን እንታይ ይብሉ-->9ይ ክፋል
  4. ዅሉ ኣሚኑ ዝተጠምቀ ዘበለ ብመንፈስ ክሕተም ተገብኦ-->10ይ ክፋል

ድሕነት ብጸጋ
  1. ሕጊ ሙሴን ጸጋ ክርስቶስን-->1ይ ክፋል
  2. ድሕነት ብጸጋ-->2ይ ክፋል
  3. ዓሰርተ ትእዛዛት ዘለኣለማዊ ሕጊ እግዚኣብሔር እዩ፡ ሕጊ ሙሴ ግና ጊዝያዊ ነበ-->3ይ ክፋል  
  4. መለኮታዊ ጸጋ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን እዩ--> 4ይ ክፋል 
  5. መለኮታዊ ጸጋ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን እዩ-->5ይ ክፋል
  6. ሓድሽ መቓልሕ ብሉይ ኪዳን--> 6ይ ክፋል
  7. ጸጋ ድሕነት ብሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ይዕደል--> 7ይ ክፋል
  8. ምሳሌኣዊ ድሕረ ባይታ  ጥምቀት ካብ ብሉይ ኪዳን--> 8ይ ክፋል
  9. ብሓድሽ ህይወት ምስኡ ክንመላለስ ናብ ሞት ምስኡ ተቐበርና--> 9 ክፋል

ጥምቀት
  1. ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ -->1ይ ክፋል
  2. ጥምቀት ኣብ ሓድሽ ኪዳን -->2ይ ክፋል
  3. ትርጉም ምሥጢረ ጥምቀት -->3ይ ክፋል
  4. ኣድላይነት ጥምቀት ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን -->4ይ ክፋል
  5. ጥምቀት ኣብ እዋን ሕጻንነትን ኣብ እዋን ዕቤትን -->5ይ ክፋል
  6. ጥምቀት ሓንሳብ ጥራይ ድኣ ይወሃብ እምበር ኣይደጋገምን-->6ይ ክፋል

ወንጌል ሓዋርያዊ ትውፊት(Paradosis)
  1. ሓዋርያዊ ትውፊት (PAR ADOSIS)-->1ይ ክፋል
  2. ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ትውፊት እንታይ ይብል-->2ይ ክፋል
  3. ጽሑፋትከ ብዛዕባ ትውፊት እንታይ ይብሉ?-->3ይ ክፋል
  4. ንሓዋርያት ክንመስል ይግብኣና -->4ይ & 5ይክፋል
  5. እዋናውያን መማህራን ትውፊት--> 6ይ ክፋል
  6. ነታ ማሕበር ጐይታ ክትጓሰዩ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ሸመኩም--> 7ይ ክፋል
  7. ወንጌል ትውፊት ሓዋርያት እዩ--> 8ይ ክፋልን መወዳእታን

ኣብ መንግሥተ ሠማያት መን ይዓቢ
  • ኣብ መንግሥተ ሠማያት መን ይዓቢ-->1ይ ክፋል
  • ኣብ መንግሥተ ሠማያት መን ይዓቢ-->2ይ ክፋል

ጸብጻብ ጲላጦስ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ
  • ጸብጻብ ጲላጦስ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ-->2ይ ክፋል

ካብ ኣካላት ቅድስቲ ስላሴ ኽንመሃሮም ካብ ዚግብኣና ዓበይቲ ኣርኣያታት ሓደ፡ እዚ ከም መሪሕ ጥቕሲ ናይዚ ርእስናትና መሪጽናዮ ዘሎና ሓሳባት እዩ። ብመሰረት ምስጢረ ስላሴ ናይ ሰረተ-እምነትና፡ እግዚኣብሄር ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል ሰለስተ ኪኾኑ ከለው፡ ብመለኮት፡ ብፍቓድ፡ ብስልጣን፡ ብባህርይን ብህልውናን ሓደን ምብልላጽ ዘይብሎም ማዕረን እዮም። ስለዚ ነፍሲ ወከፎም ከካብ ርእሶም ኪዛረቡ ዀነ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብዅሉ ነገሮም ሓደ ስለ ዝዀኑ ድማ ዚሓስብዎ ዚዛረብዎ ዀነ ዚገብርዎ ፍልልይ ኣይምሃለዎን ነይሩ።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ጸዊዑ ርኹሳት መናፍቲ ኬውጽኡን ንብዘሎ ሕማማት ኬሕውዩን ሥልጣን ሂቡ ክልእኮም ከሎ ‘’እንሆ ኣነ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፡ ደጊም ብልህታት ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኩኑ’’ (ማቴ 10፡16) ኢሉ ኣጠንቀቖም። ሓዋርያት ድማ ቅዱስ ማዕዳ ናይ ክርስቶስ ስለ ዘጽንዑ ኣብ ዕዮ ወንጌል ዕዉታትን ንቑሓትን ብምዃን ሰላሳ፡ ሱሳ፡ ሚእቲ እናፈረዩ ግብኦም ፈጺሞም ሓሊፎም እዮም።

ኣዳም ዝሞተ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተፈጸመ ምእማንን ዘይምእማንን ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንሕናውን ብዘይ ግብሪ ኣሚነ ጥራይ ኢልና ምደሓንና ኔርና። እንተዀነ ኣዳም ብግብሪ ካብታ ዘይትብላዕ ኦም ስለዝበልዔ ክሕደቱ ብግብሪ ኣርኣየ። ሕጂውን ሰብ ኣሚነ ክብል እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብቲ ህይወት ዝህብ ሥጋ ክርስቶስ እንተዘይበልዐ፡ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝፍጸም ምእማን ጥራይ ህይወት ክረክብ እዩ ማለት ኣየስምዕን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ክርስቶስ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፥ (ዮሃ፡ 655-56) ኣይምበለን። Read more...

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ሰፊረን ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ሃይለ-ቃላት ናይ ጐይታ፡ ሓንቲ እዛካብ ዓለም ኣይኰንኩምንእትብል ሓሳብ እያ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ተወሊዱስ ኣብኣውን ይነብር ንዘሎ ሰብ፡ካብ ዓለም ኣይኰንካንክትብሎ ኸሎኻ፡ እቲ ሰማዒ ብቐሊሉ ኸይርድኦ ይኽእል እዩ። ጐይታና፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ መንነት ናይ ደቀ መዛሙርቱ እምበር ብዛዕባ ጂኦግራፍያዊ ህላዌኦም ይዛረብ ከም ዘየሎ ግና ኣብ መንፈሳዊ ብስለት ንዘሎ ኵሉ ሰብ ብሩህ እዩ። ካብ መንን ናይ መንን ምዃን በቲ ዘሎኻዮ ቦታ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ዘሎካ ኣካይዳ እዩ ዚውሰን።

ሰላም ዝኽበርኩም አዳለውቲ እዚ መደብ ነዚ መንፈሳዊ መደብኩም ምስ ረኽብክዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ደስ ኢሉኒ መንፈሳዊ ሰላምታይ ተቕበሉኒ ይብለኩም። ንቐፃሊ ድማ ዘሎኒ ሓበሬታን ርኢቶን ከምዝሰደልኩም ቃል ይአትወልኩም ሰላም ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራን!

/ ብርሃነ /ሚካኤል ካብ መቐለ-ኢትዮጵያ

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ፡ ኣርኣያ ክርስቶስ ኣድሚቝ ዜርእይ ቃል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዛ ጸልማትን ውረድ ደይብን ዝበዝ ዓለም፡ክትክተሎ ዚግብኣካ ኣሰርን ኣርኣያን ካብ ምስኣን ዚኸፍእ ፈተና ኣሎ፡ኪበሃል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና፡ ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይኹን፡ ብዘይ ኣርኣያ ኪሓድገና ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ፡ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም።ብምባል ክቡር ጽውዓ ኣቕረበልና (ማቴ 1129,30) ቅዱሳን ሃዋርያት ድማ፡ ነቲ ዝተዋህበካ ኣርኣያ ምኽታል ከም ዚግባእ ንምስትምሃር፡ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገብ።ኢሎም ምዒዶምና ኣለው (1ጴጥ 221)

ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ኣሕዋትን ወለድን። ከመይ ኣለኹም? ኣብ ስራሕኩም እግዚኣብሄር ክሕግዘኩም ናይ ወትሩ ጊዜ ጸሎተይ እዩ። ኣነ ካብ ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ትቕመጡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሩህ ተስፋ ክጽበ እየ ጸኒሐ። እንሆ ብሩህ ተስፋይ ሓደ ኢሉ ጀሚሩስ ድሮ እኳ ፕሮፈሶር ብክህነት ክቕባእ ሰሚዐ ኣለኹ እሞ ሓጎሰይ ወሰን ስኢነሉ ብሓጎስ ነቢዐ። እሞ ንኹልኹም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ እንቋዕ ሓጎሰኩም። ኣምላኽ እምነትና ይባርኽ። ንስኹም ከኣ ኣጆኹም ኣሕዋትን ወለድን እናበልኩ ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን።

ሰላም, ቻው።
ናትናኤል

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌልን ካልኦት ንባባትን ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘብዓልናዮ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዚምልከቱ እዮም። እቲ ንምእመናንን ኣገልገልትን ዚወሃብ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ዓለም ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ጥራይ ዘይኰነስ ኽሳዕ ዘለኣለም ምሳና ዚነብር እዩ። እዚ መንፈስ ድማ ብክርስቶስ ንዚኣምንን ንዚስዕብን ኵሉ ዚወሃብ ምዃኑ ቓሉ ኣረጋጊጹልና እዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ዚነብር ቅብኣት (መንፈስ ቅዱስ) ኵሉ ጊዜ ይምህረናን ይመርሓናን እዩ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div