S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝሓለፈ በደልና ኣይትዘክር

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን:- ሕዳር 2ይ ሰንበት

(ኣስተምህሮ፤ ካብ ሕዳር 6 - ታሕሳስ 13 ግእዝ)

ያሬዳዊ መዝሙር፡- ኢተዘኪሮ ኣበሳ ዚኣነ (ንኣበሳና ኣይዘከረን)
ምንባባት ወንጌል
1ይ ንፍቅ ዲያቆን:- ሮሜ 1፣ 10 -32----(Sub deacon) Romans 1: 10-32
2ይ ዲያቆን:- 1ይ ዮሃ 2፣ 1-18 -----------(Deacon) 1st John  2:1-18
2ይ ካህን:-  ግብ  22፣1-12 ------------------(Assistant Priest) Acts 22:1-12
1ይ ካህን:- ማቴ  6፡5-16 --------------------(Priest)  Matthew 6:5-16
መዝሙር ዳዊት፡- ኢትዝክር ለነ ኣበሳነ ዘትካት ፍጡነ ይርከበነ ሳህልከ እግዚኦ እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ። መዝ 78.8
መዝሙር ዳዊት፡- ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፣ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፣ ቀልጥፍ፣ ምሕረትካ ትቀባበለና። መዝ 79፡8
Psalms:- “Do not remember against us our former iniquities; let your compassion come speedily to meet us, for we are brought very low..” Psalms 79፡8
ቅዳሴ፡- ነኣኵተከ (ነመስግነካ)

ዝሓለፈ በደልና ኣይትዘክር

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዲያቆናት ዝዝምርዎ (ዘዝይምዎ) መዝሙር ዳዊት "ዝሓለፈ በደልና ኣይትዘክር ምሕረትካ ድኣ ቀልጢፉ ይርድኣና" ዝብል እዩ። እግዚኣብሄር ዝሓለፈ በደል ናይቶም ብንስሓ ዝምለሱ ኣይጽብጽብን እዩ፣ ኣበሳኦም ድማ ይሓድገሎም። ንጉስ ዳዊት ኣብ ካልእ ጽሑፉ፣ "እግዚኣብሄር በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ" ይብል። ቀጺሉ ድማ "እግዚኣብሄር መሓርን በዓል ብዙሕ ሳህልን እዩ። ምሕረቱ ድማ ካብ ቁጥዐኡ ይበዝሕ"። “እግዜኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ። ንኹራ ደንጓዪ፣ ብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኩሉ ጊዜ ኣይገንሕን፣ ንዘለኣለም ድማ ኣይቅየምን። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብል ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። ምዕራብ ካብ ምብራቕ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ካባና ኣርሓቖ። ከምቲ ወላዲ ንውልዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዜኣብሄር ንዚፈርሕዎ ይርሕርሓሎም እዩ።” እናበለ ነቲ ዓቢይ ምሕረት እግዚእብሄር እናዘከረ ዘመረ። ዘማራይ ያሬድ'ውን ምሕረት እግዜኣብሄር እናስተንተነ፣ ኣብዚ ናይ ዕለቱ መዝሙር "ኢተዘኪሮ ኣበሳ ዚኣነ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማስን ኄር እግዜኣብሄር።" ከይንጠፍእሲ ርሕሩሕ እግዜኣብሄር በደልናን ኣበሳናን ኣይጸብጸበን” እናበለ ከም ዳዊት ንእግዜኣብሄር ብመዝሙር ገይሩ የመስግኖ። እወ ብሓቂ ንበደልና ይቕረ ዝብለልና፣ ንኣበሳና ዝሓድገልና ከም እግዜኣብሄር ዝበለ መን ኣሎ? ንሱ ምሕረት ይፈቱ፣ ቁጥዓኡ ድማ ንዘለኣለም ኣይነብርን። ብኣፍ ነቢይ ሚክያስ ገይሩ ከምዝበሎ፣ "ከማኻ ዚበለ ኣምላኽ፣ ኣበሳ ዚሓድግ፣ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ? ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፣ ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዓቍርን። መሊሱ ይርሕርሓልና፣ ንኣበሳና ኣብ ቲሕቲ እግሩ ይረግጾ፣ ንኹሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ትድርብዮ።“ ሚክ 7፣ 18-19።   

ጎይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ሓጢኣትና ክንነብር ስለዘይደለየ፣ ነቲ ናይ ኣበሳና ኣድራሻ ደምሲስዎ። ንሱ ንኣበሳና ኣብቲ ናይ ትዕግስቱን ምሕረቱን ባሕሪ ብምድርባይ ረጊጽዎ። ንኣድራሻ ኣበሳና ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ጠቕሊሉ ብምጥሓል ኣጥፊእዎ።  በደልና ዝደምሰሰ ጎይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣  ኢዱን እግሩን ኣብ መስቀል ዝትሸንከረ ንበደልና ረጊጹ ከጥፍኦ ኢሉ እዩ። ንሱ ስሌና በጃ ብምሕላፍ ናብ ዕረፍቲ ኣእተወና። ምስ ዘማራይ ዳዊት ብናይ መንፈስ ሓቂ "ዎ እግዜኣብሄር ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ።” መዝሙር 25:7 " እናበልና ክንዝምር ይግባእ። ንምሕረቱ'ውን “ሓጢኣት እንተትጽብጽብሲ መንከ ኣብ ቅድሜኻ ደው ክብል ?” እናበልና ስለ ምሕረቱ ክነድንቖ፣ ብሓቂ "ኣበሳኡ እተሓድገሉ፣ ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።”(መዝሙር 32:1) ክንብል ይግባእ።

ምስጋና ንእግዚኣብሄር ይኹን። ኣሜን።

ትርጉም፡ ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ። ብፍቓድ ደራሲ መም. ልዑለቃል ኣካሉ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div