ምሥጢረ ቁርባን ኣብቲ ጎይታ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ወንጌል ምሂሩ ዝዛዝመሉ ዝነበረ፡ ዜሮ ሰዓት፡ ንመዕጸዊ ትምህርቱን ተግባሩን ኣብ ምድሪ፡ ቀቅድሚ ሕማሙን ሞቱን ዝነበረት ሓሙስ ምሸት ንመስዋእቲ ኦሪት ዛዚሙ፡ ሓድሽ መስዋእቲ መስረተ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 27 ክሳብ ታሕሳስ 3 “መፃጎዕ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ይቤሉ እስራኤል። ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘዕውሩ ተወልደ ወተከሥተ አዕይንቲሁ በሰንበት።”(ይበል እስራኤል። ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ብሰንበት፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን።) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ በዚ መዓልታት እዚ ንዕውራት ብርሃን ተስፋ ንዝቀበጹ ተስፋኦም፡ መሕወይ ድውያን፡ ካብ እስራት ኣጋንንቲ ዘውጽእ ሓራ፡ ኣምላክ ብርሃን ፡ ዕውራትን ሕሙማትን ንዘድሓነን ንዘድሕንን ኣምላኽ ዝቀርብ መዝሙር ምስጋና ዝዝመረሉ እዩ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 20 ክሳብ ሕዳር 26 ምኵራብ ይባሃል።ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ኣምላክ ፍጹም በህላዌሁ”(ብህልውንኡ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፡ ገጾም’ውን ከቶ ኣይሐፍርን። እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፡ እግዚኣብሄር’ውን ሰምዖ፡ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።” ዝበሎ፡ ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ምጽባይ ክብረት እምበር ውርደት ከምዘይብሉ፡ ምክንያቱ ጽጉማት ኣእውዮም ቅድሚ ሕጂ ዘየሕፈረ ኣምላኽ ህላውነቱ ኣይተለወጠን ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ኣብ እግዚኣብሄር ምውካል መዓልቲ መዓልቲ ንዕኡ ክንረክብ ሃረር ምባል ዘለዎ በረኸት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 13 ክሳብ ሕዳር 19 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር "ሎቱ ስብሐት ወሎቱ ኣኵቴት። ለዘቀደሳ ለሰንበት።” (ንሰንበት ንዝቀደሳ ንዕኡ ፍጹም ምስጋና ይግብኦ) ኢላ ቤተ ክርስትያን መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይን ምድርን፣ ኣብ ባሕርን መዓሙቚን ዝደለዮ ዘበለ ይገብር እዩ” ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ፡ዕጉስ፡ ዝደለዮ ዘበለ ዝገብር፡ ዕብየቱን ከኣልነቱን እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረቱ ኣብ ዕድሜና እዚ ዕለት ዝሃበና፡ ካብ ፍቃዱ ከይንወጽእ፡ እቲ ንሱ ኣዳልዩልና ዘሎ በረኸት ከይንስእን፡ ግዳይ ዘልኣለማዊ ሞት ከይንኸውን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ርድኢት ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዘይምፍጻም፡ዘስዕቦ ሞትን ናይ ዘልኣለም ስቓይን ከምኡውን ንሞት ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ።
ሰላምታ ብምቕዳም፣ “ኣብ የማን ኣቦ ኮይኑ ስሌና የማልድ” ማለት እንታይ ማለት እዩ? ክብል ንዝሓተተ ሓውና ተኪኤ መልሲ እንሆ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንሮማውያን "እቲ ዚዅንንከ መን እዩ? ክርስቶስ ኢየሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ"(ሮሜ 8.34) ክብል ጽሒፍሎም። ከምኡውን ኣብ እብራውያን "ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኲሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ” (እብ 7.25) ዝብል ጽሑፍ ንረክብ።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ሕዳር 6 ክሳብ 13 ዘሎ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር “ኢተዘኪሮ ኣበሳ ዚኣነ” (በደልና ኣይትዘክሮ) ኢላ ቤተ ክርስትያና መዲባቶ ኣላ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “አዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡ ቀልጥፍ፡ ምሕረትካ ትቃባበለና።” ዝበሎ፡ኣብቲ ጐይታ ምሕረት፡ ለዋህ ፡ዕጉስ፡ ዝገበሮ ምሕረት እንዳዘከርና፡ ከም ምሕረትካ እምበር ከም ኣበሳና ኣይኹን፡ እዳበለት ምሕረት እግዚኣብሄር ክዝክሩ ትጽዋዓሉ ሰሙን እዩ። ኣብ ህይወትና ክህልዉ ዘለዎም መሰረታውያን ሓቅታት ምሕረት እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ምርኣይ እዩ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ