ቃል ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ: ወዲ ሰብ ዕለታዊ መነባብሮኡን መንፈሳዊ ሕይወቱን ኩሉ ኣብ ሕግን ስርዓትን ዝተመስረተ እዩ፡፡ እዚ ማለት ዝኾነ ሰብ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ክሳብ ዘሎ ንስግኡ ዝምልከት ብዓለማዊ ሕጊ-መንግስት፣ ንመንፈሳዊ ሕይወቱ ዝምልከት ድማ ብሕጊ እምነትን ባህላዊ ስርዓትን ክመሓደር ንቡር እዩ፡፡
ግዜን ዘመናትን፡ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ይለዋወጡ፡ እግዚኣብሔር ህዝቡ ንምድሓን ዝመደቦ፡ ስርሑ ዝገልጸሉ መስርሕ ግዜ ምዃኑ፡ ዕድመ ሰብ ድማ ከም ዕምባባ ተራእዩ ዝጠፍእ ምዃኑ ዘዘክር ዓቢ ኣምር’ዩ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ሰንበትን ሳምንትን እዚ “ገብር ሄር” ወይ ከኣ “ሕያዋይ ባርያ” ኢላ’ያ እትጽውዖ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋልን ምእመንን ብዛዕባ’ቲ ከከም ዓቕሙ ኻብ ኢድ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ዓይነትን መጠንን ናይ መክሊት ኬስተንትንን ርእሱ ኺምርምርን ዝተሰርዐ ኣገዳሴ ጊዜ ድማ እዩ። ኣብዚ ናይ ጾም ጊዜ ኣዚና ኽንሓስበሉ ዚግብኣና ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጾም እናጾምናዮ ኽነስና፡ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃበና መክሊት ርእስና ምምርማርን፡ ዘጉደልናዮ ምፍጻምን እንተ ረሲዕናዮ፡ ነቲ ጾምና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነትን ክብርን ከም ዜስእኖ ኸነስተውዕል ዝተመደበልና ጊዜ እዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡-
ኣኅዋተይን ኣኃተይን ጽቡቕ ዘመን ይግበረልና ንኹልና።
ንኣደ ስዉእ፥ ንሓፍቲ ስዉእ፥ ንሰበይቲ ስዉእ፥ ንጓል ስዉእ (ንስድራ ቤት ስዉኣት) ጽንዓት ሂቡ፡ ነቶም ስዉኣትና ከኣ መንግሥተ-ሰማያት የዋርሰልና። ነታ
እዚ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ንብባ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚርኸብ ደብረዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ኰይኑ ዝተዛረቦ እዩ። ስለዚ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነዚ ሰንበትን ሰሙንን፡ “ደብረ ዘይት” ኢላ ብምስማይ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና እንመሃረሉን እነስተንትነሉን ኪኸውን መዲባቶ ትርከብ።
ብሩኽ በዓል ንኹልና ህዝበ ክርስቲያን!
ዓመት መጸ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ከነብዕል ከሎና ነቲ ብበረኸቱ ኣጽጊቡ ብጸጋ ሓለዋኡ ኣዕቝቡ ኣብ 2001 ዓ.ም ግእዝ ዘብጽሓና ልዑል እግዚኣብሔር
እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 4, 2018፡ ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ። “መጻጕዕ” ተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ ን38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ