ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 16 ክሳዕ 25 ንዘሎ ቕንያት “መስቀል” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ነቲ ንግስቲ ኢለኒ ነቲ ጐይታ ዝተሰቕለሉ፡ ኣይሁድ ግና ኣዕሚቖም ዝቐበርዎ መስቀል ዝረኸበትሉ መዓልቲ ዚዝከረሉ መዓልቲ ዘጠቓለለ፡ ብዓብዩ ግን ነቲ ብጐይታ መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ድሕነት ክንዝክርን ነቲ ናትና መስቀል ኣብ ጸጽባሕ ነልዕሎ ምህላውናን ዘይምህላውናን ክንምርምርን ዝተሰርዓልና ቕንያት ድማ እዩ።
ዕለት 13 ጥሪ 2006 ጥልመት ናይ እምነት ዝተፈጸመላ ፈታኒት ዕለት እያ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ እምነት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሓደ ዓቢይ ናይ እምነት ጅግንነት ዝተፈጸመላ እትድነቕ ዕለት እያ። 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምእንቲ እታ ዝመሓሉላ ሃይማኖት ከም ሓዋርያ ጳውሎስ ‘’ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየኒ መን እዩ ? ጸበባዶ ?
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 9 ክሳዕ 15 ዘሎ ሳምንቲ፡ “ፍረ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙርን ምስባኽን ንባባትን ኵሉ’ውን ፍረ-ጠቀስ እዩ። ኣብ ዝሓለፋ ናይ ክራማት ንባባትና ብዛዕባ “ምስላ ዘርእን ዘራእን፡” ከምኡ ድማ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ከም ዝተመሃርና ዚዝከር እዩ። እዚ ኸም መሪሕ ጥቕስና ተጠቒሱ ዘሎ ኽፋል ጥራይ ዘይኰነ እቲ ልዕል ኢሉ ኣብ 4፡26-29፡ ተጠቒሱ ዘሎ፧ “መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ።
“ኣይሁድ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧ ... መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧’ በልዎ፡ ኣነስ...ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡” በሎም።” ዮሃ 1፡19, 22, 23።
“…ብኽፍኣቱ ዝጠዓስን ስለምንታይ ክፉእ ገበርኩ ዝብልን የልቦን፡፡ ንሕና ለባማት ኢና ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና ኣሎ ይብሉ።…ብምኽሪ ርእሶምን ናይ ህልኽ ልቦምን ይኸዱ። ክንዲ ንቕድሚት ናብ ሰናይ ምድፋእሲ ንድሕሪት ናብ ክፍኣት ተመልሱ።…ንድምጺ እግዚኣብሔር ኣምላኾም ዘይሰምዑ ተግሳጽ ዘይቅበሉ ምዃኖም ንገሮም ኢኻ። ሓቂ ጠፊኣ እያ፡ ብኣኣ ዝዛረብ’ውን ሓደ እኳ የሎን። ኤር 7፡24-28; 8፡4
ብንብዓት ዝተሰነየ ጸሎት ወትሩ ኣብ ቅድሚ ልዑል እግዚኣብሔር ኣዝዩ ቅቡል ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩና እዮም። እቶም ናይ እምነት መራሕትና ዝኾኑ ነቢያትን ሓዋርያትን ዝበዝሐ ጸሎቶም ብንብዓትን ውሽጣዊ ስምዒትን
ነዛ ቕድስትን ክብርትን ሰንበት’ዚኣ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ሕውየት ዓሰርተ ለምጻማትን፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ኣስፊሑ ዜስተምህር’ዩ። ጐይታና ንህዝቡን ንደቀ መዛሙርቱን እናመሃረ ኸሎ፡ እቶም ንምቅዋሙ ኵሉ ጊዜ ኻብ ከባቢኡ ዘይርሕቑ ፈሪሳውያን ቅርብ ኢሎም፡ ፍቕሪ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ኬምስሉ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ’ያ እትመጽእ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ካብ ኣፉ ንመኽሰሲ ዚኸውን ኣበር እንተ ረኸቡ ተተስፍዮም ደኣ ሓቲቶምዎ እምበር፡ ፍቕሪ መንግስቲ ኣምላኽ ሃልይዎም ዘልዓልዎ ሕቶ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ንሳቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ዚደፍኡዋን ዚዋግእዋን ቀንዲ ጸላእታ’ዮም ዝነበሩ። ጐይታና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደፋእታን ገፋዕታን ምዃኖም፦
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ