ቃለ መጠይቕ ምስ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ
ክብረ በዓለ-መስቀል፡ ምስ ምውላዕ ዳሜራን ምብራህ ሆየ፡ ሆየን ዘለዎ ዝምድና
እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ካብ ዝደሊ፡ ነዊሕ እዋን ኮይኑ። ንኣጀማምራኡ ዝምልከት፡ ምስ ንግስቲ እሌኒ፡ ኣደ እቲ “ዓቢ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ቈስጠንጢኖስ፡ ከምዝተኣሳሰር ሰሚዐ ነበርኩ። ናይ መወዳእታ ርጡብ ሓበሬታ ክረክብ ስለዝነበረኒ ግን፡ ናብ መንበረ ፓትርያርክ ብምኻድ ምስ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዘውገ ምሁራን መሪጌታ ይትባረኽ በርሀ ተራኸብኩ። ንመሪጌታ ኣቐዲመ ተለልየዮም ስለዝነበርኩ፡ ኣብ ቤትጽሕፍቶም ኣይተጋየሽኩን። (እዚ ቃለ መጠይቕ እዚ፡ ኣብ 2002 ዝተገብረ እዩ)
*** ዘውገ ምሁራን መሪጌታ ይትባረኽ በርሀ፡ ካብቶም ሒደት ኣዒንቲ ቤተክርስቲያን ዝኾኑ መምህራን ሓደ እዮም። ንሶም “ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ” ዝብል ብዓይነቱን ትሕዝቶኡን ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ መጽሓፍ ዘዳለዉ እውን እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ግን፡ ብምኽንያት ኦርቶዶክሳዊ እምነቶም ምስቶም መከራ ዝጸግቡ ዘለው ናይ እምነት ጀጋኑ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ***
“ብዛዕባ መስቀል ዶ ገለ ከተዕልሉኒ መሪጌታ?”
መሪጌታ ነዛ ሕቶ ዝተጸበይዋ መሰሉ። ጋዜጠኛ ናብኦም እናጠመተ ምሕታቱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ቅንያቱ’ውን ቅንያት በዓለ መስቀል ስለዝነበረ ድማ እዩ። ንሕቶይ ብሕጉስ መንፈስ እናመለሱ ድማ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ን 300 ዓመታት ዝኣክል ጠፊኡ ከምዝነበረ ብምጥቃስ ዘረባኦም ጀመሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ኣመንቲ ክርስትና ኸኣ፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ነቲ ዝጠፍአ መስቀል ንምርካብ ይደልዩ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ግን ንግስቲ እሌኒ ነቲ መስቀል ንምርካብ ምስ ወዳ ቈስጠንጢኖስ-ዓቢ ተማኸረት እሞ ፍታሕ ናይቲ ጸገም ድማ ኮነ። ኣብቲ እዋን እቲ ቈስጠንጢኖስ-ዓቢ፡ ኣማኒ ክርስቶስ ኣይነበረን።
“ስለምንታይ ግን ንግስቲ እሌኒ ንወዳ፡ ቈስጠንጢኖስ-ዓቢ፡ ቅድም ናብ እምነት ክርስትና ዘየእተወቶ መሪጌታ?”
ኣቦኡ ዘይኣማኒ ጥራይ ዘይኮነስ ኣዝዩ ዕሉል ስለዝነበረ፡ ኣደ ቈስጠንጢኖስ-ዓቢ፡ ንበዓል ቤታ ፈሪሓ እያ ንወዳ ናብ እምነት ክርስትና ዘየእተወቶ
“ስለምንታይ ደኣ እሞ ቈስጠንጢኖስ-ዓቢ፡ ኣማኒ ዘይክነሱ መስቀል ንምድላይ ምስ ምኽሪ ኣዲኡ ተሰማሚዑ?”
ምኽንያቱ ቈስጠንጢኖስ-ዓቢ ኣብ ሓደ ናይ ኲናት እዋን፡ ኣብ ሰማይ “በዚ ምስሊ እዚ ኢኻ እትዕወት” ዝብል ናይ መስቀል ምልክት ርእዩ ኔሩ እዩ። ድሕሪ እቲ ዝረኣዮ ምስሊ፡ ቈስጠንጢኖስ-ዓቢ ኣብቲ ኲናት ተዓዊቱ። ድሕሪዚ ድማ ንእምነት ክርስትና ዓቢ ክብሪ ክህብ ጀሚሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንእምነት ክርስትና እውን ኣብቲ ንሱ ዘመሓድሮ ዝነበረ ግዝኣቱ፡ ወግዓዊ ሃይማኖት ከምዝኸውን ገበሮ። ስለዚ ድማ እዩ ምስ ኣዲኡ ዝተሰማምዐ።
ድሕሪ’ዚ ንግስቲ እሌኒ ንወዳ ኣእሚና መስቀለ ክርስቶስ ንምድላይ ጉዕዞኣ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቕንዐት። ኣብ ጐልጐታ ብምብጻሕ ድማ ነቲ መስቀል ንምድላይ ተተሓሓዘቶ። ነቲ መስቀል እናደለየት እንከላ፡ ቂራቅዮስ ዝተባህለ ዓቢ ሰብኣይ በቲ ከባቢ ክሓልፍ ድንገት ረኣየት እሞ፡ ንግስቲ እሌኒ እቲ ሰብኣይ ዝፈልጥ እንተኾነ ክትተሓባበራ ሓተተቶ። ንሱ ድማ ብኹምራታት ሓመድን ካልእን ዝበረኸ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ቦታ ኣርእዩ፡ እቲ መስቀል ኣብ ሓደ ካብዘን ሰለስተ በረኽቲ እዩ ዘሎ በላ።
ንግስቲ እሌኒ ኣበየናዩ ከምዘሎ ንምፍላጥ ብሓሳብ ተዋጢራ ከላ፡ ብሕልሚ ሓደ ነገር ተገልጸላ። ኣዕጫው ኣኪባ ዕጣን ብምንስናስ ድማ ከምቲ ብሕልማ ዝረኣየቶ ነቲ ዕጣን ዝተነስነሶ እኩብ እዕጫው ኣቃጸለቶ። ከምዚ ሕጂ ዳሜራ እንገብሮ ማለት እዩ። ካብቲ ዳሜራ ዝተበገሰ ትኪ፡ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ናብ ምድሪ ክምለስ ከሎ፡ ናብ ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ቦታ ዓረፈ። ንግስቲ እሌኒ እቲ መልእኽቲ ተረድኣ እሞ፡ ነቲ ቦታ ኣዅዓተቶ። ንኹሉ ብዘገረመ ተኣምር ድማ ንመስቀል ጐይታ ኣብ ከርሲ እቲ ምድሪ ተቐቢሩ ረኸበቶ። ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ካብ ሓጐሶም ዝተላዕለ ሽግ ወሊዖም ዘመሩን ኣመስገኑን። እቲ ንሶም ዝወልዕዎ ሽግ፡ ሕጂ እዚ ንሕና ሆየ ሆየ ንብለሉ ዘለና ናቱ መዘከሪ እዩ።
“እቲ ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐ መስቀል ግን መሪጌታ፡ ከመይ ጌሩ ን300 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ከይበስበሰን ከይበረሰን ክጸንሕ ይኽእል?”
ኣበሃህላኻ፡ ብስነፍልጠታዊ ኣዘራርባ ቅኑዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ግን ተኣምር እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ገለ ዓይነት ሓመድ ንምዕቃብ ኣዕጫው ምቹእ ዝኾነ ድማ ኣሎ። ድሕሪዚ እቶም መሪጌታ እቲ መስቀል ጌርዎ ዝብልዎ፡ ህይወት ብዙሓት ከም ዘድሓነ፡ ሕሙማት ከምዝፈወሰ፡ ድውያት ከምዘጥዓየ ወዘተ ዝነግር ተኣምር እዮም ኣዕሊሎሙኒ። ኣነ ግን ሕቶይ ኣይወዳእኩን ነበርኩ።
“ንመስቀል ናይቲ ብጸጋም ተሰቒሉ ዝነበረ ከታሪ፡ ገለ ሰባት ረኺቦሞ እንተዝኾኑ ኸ ንሳቶም’ውንዶ ነቲ መስቀሉ ኣብ ሰይጣናዊ ተግባራት መውዓልዎ?” ሓቲተዮም ንመሪጌታ።
ሰይጣን ከመይ ጌሩ ንዝኸምኡ ሰይጣን ከባርር ይኽእል? እዚ ምስ በሉኒ ግን ሕቶታተይ ወዳእኩ። መሪጌታ ይትባረኽ ከምዝብልዎ መስቀል፡ ብኹዕታ ናይ ንግስቲ እሌኒ ዝተረኽበሉ 19 መጋቢት 326 ዓ.ም (ብግእዝ 10 መጋቢት) እዩ።
ስለምንታይ ደኣ’ሞ ኣብ መስከረም 27 (ብግእዝ 17 መስከረም) ነብዕሎ ኣለና? ዝብል ሕቶ ከስዕብ ናይ ግድን ነበረ። መሪጌታ መልሲ ኣለዎም።
ንግስቲ እሌኒ ነቲ መስቀል ኣብ መጋቢት ምስ ረኸበቶ፡ እቲ ዝሃነጸቶ ቤተክርስቲያን ግን ኣብ መስከረም ስለዝተመረቐ እዩ። ድሕሪ’ዚ መሪጌታ ሓደ ዓቢ መጽሓፍ ገንጺሎም ብቛንቋ ግእዝ ኣንበቡለይ። እቲ መጽሓፍ፡ መጽሓፈ ስንክሳር ከምዝበሃል ድማ ሓበሩኒ። ኣቦታት፡ ንኣከባብራ በዓል መስቀል ዝምልከት ዝሃብዎ መምርሒ ኸኣ ኣብኡ ኣሎ። ንሳቶም ክብረ በዓል መስቀል ኣብ ክንዲ ኣብ መጋቢት፡ ኣብ መስከረም ክኽውን እዮም ኣዚዞም። ምኽንያቱ ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ እቲ ዓቢ ጾም (ጾመ ኣርብዓ ስለዘሎ) እቲ እዋን ናይ ጾም እዋን ብምዃኑ እዩ።
“ክብረ በዓል መስቀል ግን ካብ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ዝያዳ ዓዚዙ ዝኸብር። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?”
መሪጌታ ይትባረኽ ዝሃቡኒ መልሲ እንሆ። ኣብ መብል 14 ክፍለዘመን እስጢፋኖስ እተባህለ ሰብ ኣንጻር ምኽባር መስቀልን ምኽባር ድንግል ማርያምን ዝጻረር ምንቅስቓስ ኣልዒሉ ነበረ። ነቲ ንሱ ዘልዓሎ ምንቅስቓስ ጽልዋታቱ ንምህሳስ ተባሂሉ ኣምበኣርዩ ዝያዳ ገኒኑ ኣብኡ ዝኸብር።
“ብገለ መዳዩ፡ ናይ እስጢፋኖስ ምንቅስቓስ፡ ምስ ናይ ማርቲን ሉተር ይመሳሰል እዩ ክንብል ንኽእል ዶ?”
ነቲ ቅቡል ስርዓት ብምቅዋሙ፡ ምስ ናይ ማርቲን ሉተር ምንቅስቓስ ክመሳሰል ይኽእል እዩ እወ። እቲ ሽዑ ዝገዝእ ዝነበረ ንጉስ ዘርኣያእቆብ ንምንቅስቓስ እስጢፋኖስ ድሂኹ ብሓይሊ ኣለዮ። ነቲ ጽልዋ ንምህሳስ ተባሂሉ ድማ ኣመንቲ ክርስትና፡ መስቀል ዘለዎ ማዕተብ ክገብሩ ዘርኣያእቆብ ኣገደደ። ክብረ በዓል መስቀል ብድምቀት ክኸበር ድማ ኣወጀ። ሽዑ ሰባት ንመስቀል ኣብ ኣካላቶም ከይተረፈ ክውቅጥዎ ጀመሩ። ኣዴታት ኣብ ግንባረን ንስልማት መስቀል ተወቀጣኦ ወዘተ።
“ንምውዳቕ ኣንፈት ዳሜራ ብዝምልከት ዝወሃብ ትንታነታት ከ?”
ናብ ምብራቕ ገጹ እንተወዲቑ ጽቡቕ ፋል እዩ ኢና ንብል።
“ስለምንታይ?
ምኽንያቱ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ጐይታና ተመሊሱ ዝመጽኣሉ ኣንፈት ብወገን ምብራቕ ስለዝኾነ።
30 መስከረም 2002
ኣምላከ ሰላም ልዑለ ባህርይ እግዚኣብሄር፡ ንሃገርና፡ ህዝብናን ቤተክርስቲያንናን ይባርኽ!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል
ሓበሬታ፡-
እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሻዕብያ ዶት ኮም ብጋዜጠኛ ኣማኑኤል ሳህለ ተጻሒፉ ዝነበረ እዩ። ነቲ በዅሪ ጽሑፍ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ