S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓዋርያ ዝበሃል ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተማህረ፥ ሞቱ ዝነገረ ትንሣኤኡ ዘበሠረን እሙን ምስክር ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት እዩ። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉውን “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም

“ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትረኣዩ ኸይትገብሩተጠንቀቁ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።” ማቴ 6፡1

እዚ ናይዚ ዕለት ናይ ወንጌል ንባብ ካብ ፍቕዲ ሓሙሽተ ዚጅምር እኳ እንተ ዀነ መሰረትን ኣርእስትን ናይቲ መልእኽቲ ግና ኣብ ፍቕዲ ሓደ ዚጅምር። እዚ ኣርእስቲ እዚ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ከረን ስብከት ኣርእስትታት ሓደ እዩ።

ብኢየሱስ ክርስቶስ è ክውዳእ ዘይክእል ጸጋ-ምሕረት ረኺብና ኢና። ማቴ 5፡7

ናይዚ ዕለት እዚ ንባብ ወንጌል፡ ካብቲ ኣብ ወንጌል፡ ማቴ 6 ፍቕዲ 24 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ንኽልተ ጐይታት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን እዩዚብል ሓሳብ እዩ ዚብገስ። እቲ ገንዘብ ዝጐይታኡ ሰብ፡ ብዛዕባ ዚምገቦን ዚኽደኖን እዩ ዚጭነቕ። እቲ ኣምላኽ ዝጐይታኡ ድማ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ደኣ ይሓልይን ይግደስን እምበር ብዛዕባ ስጋዊ ድልየታቱ ኣይጭነቕን እዩ። እቲ ዜሕዝን ግና ንሓደ ጐይታ ጥራይ ምግዛእ ዕሽነት ኰይኑ ተሰሚዕዎም፡ ብሓንሳእ ንኽልተ ተጻረርቲ ጐይቶት ኣብ ሓደ ሰብነት ኬአንግዱ ዚደልዩ ሰባት ምብዛሖም እዩ።

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን:- ታሕሳስ 4ይ ሰንበት

ዕንጨይቲ እንተ ተወድአ ሓዊ ይጠፍእ፥ ሕሜት እንተ ዘየሎኸኣ ባእሲ ይውዳእ! ምሳ 2620

እዚ ናይ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ምስላ ሓረስቶት ኣታኽልቲ ወይኒተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እቲ ዋና እቲ ኣታኽልቲ ነቲ ሕርሻ ዜድልይ ኵሉ ድሕሪ ምድላው፡ ነቲ ኣታኽልቱ ዚከናኸኑ ሓረስቶት ረኺቡ፡ ብመገስ ሂብዎም ናብ መገሻኡ ኸደ።  መገስ ማለት ርብዒ ሲሶ ወይ ፍርቂ ናይቲ እቶት እናወሰዱ ኼገግልዎ ዚግበር ስምምዕ ማለት እዩ። እቲ ወይኒ ፍረ ዚህበሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ነቲ ብጽሒቱ ኼምጽኡሉ ባሮቱ እንተ ለኣኸ፡ እቶም ሓረስቶት ግና ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቶም ኪገብርዎ ስለ ዝደለዪ፡ ነቶም ልኡኻት ንገሊኦም ወቒዖም ስጐጕዎም ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም። እቲ በዓል ኣታኽልቲ፡ንወደይሲ ይሓፍርዎ ግዲ ይዀኑኢሉ እንተ ለኣኾ ድማ፡ እቲ ርስቲ ንሓዋሩ ናታቶም ኪኸውን ኢሎም፡እዚ እቲ ወራሲ እዩ።

“ኣምላኽ ክኣ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር።” ዘፍ 1፡26

ኣብቲ መስከረም 30 ዝነበረ ሰንበት፡መስቀል የልዕል እሞ ይስዓበኒዚብል ኣርእስቲ ምርኣይና ዚዝከር እዩ። ጐይታ ኣስዕብ ኣቢሉ መስቀልና ኣልዒልና ኽንስዕቦ ዘድለየሉ ምኽንያት ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ንሱ ድማ፡እቲ ንነፍሱ (ባዕሉ) ኼድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ኬድሕናምዃኑ ዚገልጽ እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣዝዩ ረቂቕ ብምዃኑ ብቐሊሉ ክትርድኦ ስለ ዜጸግም ምስቲ ዓውደ ንባብ ኣገናዚብካ ምርኣይ ዜድልዮ እዩ። እታ ነዚ ምስጢር እዚ ኽንርድኦ እተኽእለና፡ እታ ኣብ ፍቕዲ 923 ተጠቒሳ ዘላ፡ዝዀነ ሰብ ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ፡ (እንተሎ) ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ (ይቕበጽ) መዓልቲ መዓልቲውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒእትብል ሃይለ ቃል እያ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div