ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። እቲ ኣቦ ምሕረትን
“ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፡ ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ’ በለቶም። ...ኢየሱስ ከኣ፡ ‘ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ’፡በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፡ ‘ሕጂ ቕድሕዎ’ሞ ነቦ ዳስ ውሰዱሉ” በሎም፡ ንሳቶም ከኣ ወሰዱ።” ዮሃ 2፡5-8። ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ካብ ጥሪ 12 ክሳብ ጥሪ 18 “ኣስተርእዮ (ኤጲፋንያ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ሖረ ኢየሱስ ብትፍሥሕት ውስተ ከብካብ (ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓጐስ ናብ መርዓ ከደ) እዚ ከኣ ሕጊ ዝሰርዔን ዝማሃረን፡ በረከት ናይ ስጋን ነፍስን ከካፍለና ከምኡውን ነቲ ስራሕ ሰይጣን ከፍርስ እቲ ንደቂ ሰባት ዝፈጠረ አምላክ ኣማልክቲ ጐይታ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ምግላጹ ንምዝካር ዝተሰርዔ ዕለት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ አብ ጽዮን አብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።” (መዝ 84፡ 6, 7) ሎሚ እቲ ንዓና ብቅድስት ድንግል ማርያም ጌሩ ንሰብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ ዝተዋህበና ‘ንሱ ዚብለኩም ኵሉግበሩ’ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ …ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ (ኤፌሶን 6. 10-18) More...
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ 11 ጥሪ “ጥምቀት” ተባሂሉ ካብቶም ዓበይቲ በዓለት ቤተ ክርስቲያና ዝበዓሉ በዓላት እዮም እሞ፡ ርሑስ በዓል ጥምቀት ይግበረልና። "አንሶሰወ ገሀደ ወአስርአየ ከመ ሰብእ በበሕቅ ልህቀ በሠላሳ ክረምት በዮርዳኖስ ተጠምቀ" (ብግልጺ ተመላለሰ፡ ከም ሰብ ተራእየ፡ ከም ህጻን ዓበየ፡ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ አብ ዮርዳኖስ ተጠመቀ)። ኣብዚ ዕለት እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ኣብ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሐንስ መጥምቅ ፡ ምእንታና ክብል ምስቶም ዮሐንስ ዘጠምቆም ዝነበረ ተነሳሕቲ ተጠምቀ። እቲ ቅዱስ ዝኰነ ጐይታ ኣብ ማእከል ሓጥአተኛታት ምስረኣዮ እግዚኣብሄር ኣቦ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡” ዝብል ድምጺ ኣስመዔ፡ ኣብቲ ንሱ ዝተጠምቀሉ ሰዓት ከኣ ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፡ ብሓጥያት ኣዳም ዝተዓጽወ ማዕጾ ሰማይ ተከፈተ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእየ፡ ሚስጥር ሰለስትነቱ ተገልጸ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ ጌሩ ንኩላትና ብምሕረቱ ጠመተና፡ ጥምቀት ሰርዔ ፡ ብዝተከፈተ ሰማይ ምሕረት ናባና ፈሰሰ፡ ናይ ሓጥያት ዕዳና ተደምሰሰ። በዚ ክቡር ብዓል እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብስርዓት ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ኢየሱስ ሞይትና ንትንሳአሉን ንሓብረሉን ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ እቲ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ” ዝበሎ ጐይታና ኢየሱስ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
ናብ ኣዳለውቲ መጽሄት ብሥራት ኅብረት ወንጌላውያን።
መንፈሳዊ ሰላምታና ብምቕዳም፣
ኣስዒብና ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2011, ዝተሓትመት መጽሄት ብሥራት፣ ቁጽሪ 60 ኣብ ገጽ 22, ብመምህር ስብሓት ዘርኤ፣ እተጻሕፈት ዝምልከት ክንጽሕፍ ተገዲድና ኣሎና።
እቲ ጸሓፊ ንቅዱሳን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣመልኪቱ፣ “ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢይ ክብርታትን ኣምልኾን ዝግበረሎም ዝትረኸሎምን ቅዱሳን መዓርግ ዝለበሱ ልዕሊ ኣምላኽ ዝምለኹን ዝኸብሩን ዝፍርሑን እውን ሰባት እዮም። ካብቲ ናይ ፈጠራ ልቢወለድ ታሪኽ ዝደረስዎን ዝሰኣልዎ ስእሊ እስከ ገለ ንጥቀስ፣” ድሕሪ ምባል ቅዱስ ጊዮርጊስ፣ ኣቡነ ኣረጋዊ፣ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቂርቆስ፣ ዘይኮነን ዘይመስልን ታሪኾም ሰኒዑ፣ ኣስፊርዎ ይርከብ።
ብዓቢኡ ነቲ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተጠምቀን ብድኅነት ክርስቶስ ንዝኣምንን ዘምልኽን ብጀካ ሓደ ኣምላኽ ካልእ ንዘየምልኽን ሕዝቢ ከምዚ ዓይነት ድፍረትን ጣዖትን ሰባትን ከም ዘምልኹ ገርካ ኣብ ጽሑፍ ብመጽሄት ጽሑፋት ምዝርጋሕ፣ ብሓቂ ዘሕዝንን፣ ንዕቀት ነቲ ቅዱስ ሕዝቢን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብ ሓድሕድ ክርስቲያናት ህውከትን ጽልእን ዝጽሕትር ባእሲ ንምትካል ዝዓለመ ሓደገኛ እዩ።
ስለዚ ኣዳለውቲ እዚ መጽሄትን፣ ብፍላይ ድማ ጸሓፊ እዚ ምስናይ ይቕረታ ክእርሞን ኣብ ቀጻሊ መጽሄት ብግልጺ ምስናይ ይቕሬታኡ ብፍላይ ነቶም ብቅዱሳን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢልና ዝተቐበልናዮም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ምእመናን ይቕረታ ክሓትትን ጌጋኡ ክእርምን ብመንፈሳውን ኅውነታውን ፍቕሪ ብትሕትና እናሓተትና፣
እዚ ጽሑፍ እዚ ተኣሪሙ ምስ ዘይወጽእ ግን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣኅዋት ክርስቲያናት ንዝፍጠር ጽልኢ ተሓተቲ ኣዳለውቲ እዚ ጽሑፍ እዚ ምዃንኩም እናገለጽና፣ ብወገናውን ሓላፍነት ናይ ሃይማኖትና ስለ ዘሎና ዘይንደልዮን ዘይንምነዮን እኳ እንተ ኾንና፣ ናብ ምእመናንና ክንዝርግሕን ብጽሑፋትና ድማ መልሲ ክንህበሉ ምዃንና ኣቐዲምና ነዘኻኽር።
እግዚኣብሔር ሰላሙን ምሕረቱን የብዝሓልና።
ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 28 ክሳብ ጥሪ 10 “ዘመነ ልደት” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከኣ “ይሠርቅ ኮከብ እም ያዕቆብ። ወየአትት ኃጢአተ እምእስራኤል። (ካብ ያቆብ ኰዀብ ይወጽእ። ካብ እስራኤል ከኣ ሓጢኣት የርሕቅ።) ብፍላይ ከአ ካብ ታሕሳስ 29 ክሳብ 5 ጥሪ, “ልደት” እዩ ዝበሃል። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣነውን በዅሪ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፡ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ።” (መዝ 89፡27, 28) ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ዚመርሕ ኰዀብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።
“የሱስ ከአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን አፍቅሮ:: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ:: እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ::” እያ (ማቴዎስ 22:37-39)።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ