S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church of NY,
ቅዱስ ገብርኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ 

እቲ መስቀሉ ፀይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ! ማቴ10፡38

1ይ ትርጉም: መስቀል ማለት ሰላም እዩ። ኤፈ 2፡13-17

  • መስቀል ማለት ፍቕሪ እዩ። ሮሜ 5፡8
  • መስቀል ማለት ትዕግሥቲ እዩ።ዕብ 12፡2
  • መስቀል ማለት ፈውሲ እዩ። 1ጴጥ 2፡24

2ይ ትርጉም: መስቀል ማለት ኃይሊ ኣምላኽ እዩ።1ቆሮ 1፡18

  • መስቀል ማለት በጃ ምሕላፍ እዩ። ሮሜ 5፡6
  • መስቀል ማለት ኣሰር ጎይታ ምስዓብ እዩ። 1ጴጥ 2፡21
  • መስቀል ማለት ኣርማ ዓወት እዩ። ቆላ 2፡14-15

ክቡራት ህዝበ ክርስቲያን በዓል መስቀል ከነኽብር ከሎና ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዝረኸቦ ስቅያትን መከራን ቆጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ቆሲሉ ብክቡር ደሙ እዩ ካብ ግዝኣት ኃጢኣት ኣድሒኑና። እምበኣር ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ’’ ኣሕዋተየ ንዓይ ምሰሉ፡ ከመይ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝነገርኩኹም ሕጂ ኸኣ እናነባዕኩ እነግረኩም ኣሎኹ ‘’ብዙሓት ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ። ኣምላኾም ከብዶም እዩ። ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም። ሓሳቦም ከኣ ምድራዊ እዩ። ከምዝበሎ ከይንኸውን ሓሳብና ሰማያዊ ክኸውን ኣምላኽ ይደግፈና።

ብመስቀሉ ሰላም ይኹን ንኹሉ

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ  

በዓል መስቀል ኣብ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ብመንፈሳዊ ሓጎስን ልባዊ ጸሎት ተኸቢሩ ውዒሉ. ንኹልና ህዝበ ክርስቲያን እንቋዕ ኣብ ብሩኽ ብርሃነ መስቀል ኣብጽሓና እናበልና ንዓመታ ብሰላምን ቕሳነትን ከጽንሓና ኣምላኽ ፍቓዱ ይኹን።

ፍቕርን ሰላምን ንቤተ ክርስቲያንናን ሃገርና
ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div