ወዮ ማዕከን ፍልጠት ሰፊሕ ሓንጎል
ኣብ ሓቂ ዝጸንዐ ንክሕደት ዘይቅበል
ከይዱ ናብ ጎይትኡ ኣኽሊል ዓወት ክቅበል
ናይ ብሓቂ ድዩ ግን ካብ ዓይኒና ክኽወል
እምበኣር ካብ ኮነስ ነፍሲ የዕርፍ ፈጣሪ ይቀበል
መምህር ዓምደብርሃን መሓዞ ቀዳሞት
መጋቤ ምሥጢር ገላጺ ምሥጢራት፡
መምህር ተወልደብርሃን ኣቦ ገዳማት፡
መጋቤ ካህናት በርሀ፡ መዝገብ ጽሑፋት
ምስ መን ገዲፍኩማ ዛ'ሃይማኖት
ምዕራፍ ይሕሸኒ ዶ ኢልኩም መሪጽኩም ሰማያት
መዝሙር ሓጎስ ክትዝምሩ ምስ ቅዱሳን ነፍሳት
ሓቅኹም ኢኹም ከኣ ገሪሙኩም ብኡነት
ንበይንኹም ኮንኩም ኮይኖም ዝራብዓት
ገሊኦም ከዳዓት ገሊኦም ፈራሓት
ንፈርዖን ዘምለኹ ካብ ኣምላኽ ሰማያት
በዚኁ እቲ ዓገብ ምንባር ዶ ኣጽሊእኩሞ
ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ እቲ ርኹስ ክቅመጥ ምስ ረኣኹም
ካብ ምንባር ምስቶም ከም ይሁዳ ዝሸጡ ኣበኦም
ናብ ኣምላኸይ ምእካብ ዶ ይሕሸና ኢልኩም
እንተ ንዓና ግን ጽቡቅ ነሩ ክትጸንሑ ሓንሳብ
ካብቲ ትምህርትኩም ንእሽቶ ክንከስብ
ካብ መኣዲ ፍልጠትኩም ክንምገብ።
እንተ ጸናዕኩም ከም ክርስቶስ ንሓቂ
ወንገል ተመሃርኩም ትመገዱ ጽድቂ
ሽምኩም ጸሊሙ ተባሂልኩም ናፋቂ
ክርስቶስ ግን ጸዊዕኩም ከልብሰኩም ጽድቂ
ኣብ የማኑ ክትቅመጡ ወጺእኩም ካብ ቆይቂ
ኣስመራየ ክንደይ ከይትስሕቂ
ሰባት እንበላዕኪ ኣሲርኪ ሓናቂ
ወያ ሰዓት ዕረፍትኹም ኣኺላ ፈሊጥኩማ
ናይ ሓዋርያ ጳውሎስ ቃሉ ዘኪርኩማ
ጉያይ ወዲአ እየ ፈጺምመዮ ትዕላማ
ተዳለወይ ኣኺሊል ዓወት ተነቡሩለይ ኣሎ ኢልኩማ
መንፈስ ቅዱስ ተዛሪቡኩም ከም ዘለኹም ኣብ ናቱ ዕላማ
ርሓቒ ኣምሊጠየ ክእከብ ናብ ኣቦይ ንዓለም ኢልኩማ
ኣንቢበዮ እቲ ደብዳበ ዝጸሓፍኩሞ ስመይ ይተሓደስ ኢልኩም
ኣቦታትና ኣብዚኣ ጥራሕ ረሲዕኩማ ሓዋርያውያን መሲሎሙኹም
እንተዝኾኑ ሓዋርያትሲ ኣይምተጸበዩን ንዓኹም
ንስኹም ጥራሕ ኣፈጸመኩም ጽቡቅ ጉዕዞ ተዓዊትኩም
ዝተረፍና ደቅኹም ጸልዩልና ከምስለና ንኣኹም
ን ክርስቶስ ኣኽቢርና ክንእከብ ኣብ ሕቅፍኹም
ኣቦታትና ካብ ጭዋ ደኣ እንታይ ሠናይ ክመጽእ
ሰራቂ ኮ ካሊእ የብሉን እንትርፊ ክዕምጽ ከጥፍእ
ኢዋእ ጥራሕ እቶም ኣኽሊል እሾኽ ሰቒሎም ዝስዕቡ ንኽፉእ
ንምኹናን ቅዱሳን ዘየርእዩ ምምታእ
እምበር ክርስቶሲ ኢሉዩ ስለ ስሙ ከም ንጽላእ።
ኣስመራየ ተቀይርኪ እኮ ናይ ኣፍሪቃ የሩሳሌም
ንተወልዱ ሊቃውንቲ ሃህ ኢላ ትውሕጦም
መምህር ዓምደብርሃን ዝቀዳማዮም
መጋብኤ ምሥጢር እካ ሲዒቡም ደድሕሪኦም፡
መምህር ተወልደብርሃን ተኸቲሎም እግሮም፡
መጋቤ ካህናት በርሀ’ውን ኣንቢሮም መጽሓፎም
ግን ተዛሪቦም እዮም ዓው ኢሎም
ወዮ ዘይነበርኩም ህጂ ግን ይኾኑ የዕሊለሙኹም
ኣብ ቅድሚ ፈርዖን ኣዊጆም ትብደል ኣላ ቤት/ኣምላኽ ኢሎም
ንዓኣ ተኪሾም ግን ናባኹም መሪሾም
እወ ብላሽ ዓለም ምስ መን ምስ እንዳ ሕራይ ኢሎም
ኣየ ጉያ ጽቡቅ ጉዕዞ
በሉ ጸልዩልና ትናትኩም ክንሕዞ
ኣፎም ከነትሕዞም ንወንጌል መራዞ
ሎቱ ስብሓት።
ቀሺ ሙሴ
ነሓሰ 2011
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ