ድኻም ወዲ ሰብን ኃይሊ ኣምላኽን!
እምበኣርከስ ኣምላኽ ብምሕረቱ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ስለ ዝሃበና ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና። እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕልና ነፍስ ወከፍ ሰብ ብግህዶ እናተዛረብና፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስና ነማዕቍብ ኣሎና እምበር ብተንኮል ኣይተመላለስናን፥ ንቓል ኣምላኽ ኣየጋጌናን፥ ነቲ ብህቡእ ዚግበር
ነውራም ነገርውን ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና። እቲ እንሰብኮ ወንጌል ሥዉር እንተ ደኣ ኾይኑ ኣብቶም ዚጠፍኡ ጥራይ እዩ ዝተሠወረ።………….
ግናኸ እቲ ዓቢይ ኃይሊ፥ ናይ ኣምላኽ እምበር ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኪገሃድ እዚ ሃብቲ እዚ ኣባና፥ ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ እዩ።
ብኹሉ ወገን ንግፋዕ፥ ግና ኣይንሰዓርን ኢና፥
እንገብሮ ይጠፍኣና፥ ግና ተስፋ ኣይንቆርጽን ኢና፥
የሳድዱና ፥ ግና ኣይተረሳዕናን።
ይወቕዑና ግና ኣይንመውትን ኢና። ሕይወት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ምእንቲ ኽትገሃድውን ሞት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ኹሉ ሳዕ ንፀውር ኣሎና። ከመይ ሕይወት ኢየሱስ ኣብ መዋቲ ሰብነትና ምእንቲ ክትገሃድሲ ንሕና ብሕይወት እንነብር ዘሎና ምእንቲ ኢየሱስ ኹሉ ሳዕ ናብ ሞት ኣኅሊፎም ይህቡና ኣለዉ። ስለዚ ንሕና ንመውት ኣሎና፥ ንስኻትኩም ግና ብሕይወት ትነብሩ ኣሎኹም።
ስለዚ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፥ ብግዳም እኳ እንተ ማህመንና ብውሽጥናስ ኣብ ጸጽባሕ ኢና እንሕደስ። እዚ ቐልጢፉ ዚኃልፍን ፈኵሽ ዝኾነ ጸበባናን ከኣ፡ ካብ ኵሉ ዚበልጽን መዘና ዘይብሉን ዘለዓለማዊ ኽብሪ የጥርየልና ኣሎ። እቲ ዝርአ ኃላፋይ እዩ፥ እቲ ዘይርአ ግና ዘለዓለማዊ እዩ። ንሕና ኸኣ ኣብቲ ዚርኣ ዘይኮነስ ኣብቲ ዘይርኣ ኢና እንጥምት ዘሎና። 2 ቆሮ 4፡1-18።
መከራና ኣብ ምድሪ ዓስብና ኣብ ሰማይ
ደቂቀ እንጦንዮስ
ተመሃሮ መንፈሳዊ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ
ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ