S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብዚ ሎሚ ዝተነበበ ወንጌል፡ (ማቴ 1፡1-18)  ማቴዎስ ኣብ ጽሑፍ ብዛዕባ ፍጻሜ ትንቢታት ኣዝዩ ዝተገደሰ ሰብ እዩ። ማለት ንብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን እናተሓሓዘ እዩ ጽሒፉ። እዚ ከኣ ነቲ መለኮታዊ መበቆል ናይቲ ጽሑፍ የረጋግጸልና። ማቴዎስ ኣብ ወንጌል ናይ 12 ትንቢታት ፍጻሜ ጠቒሱ ኣሎ (ማቴ 1፡22፣ ማቴ 2፡15,23፣ ማቴ 3፡1-5፣ ማቴ 4፡14፣ ማቴ 5፡17፣ ማቴ 8፡17፣ ማቴ 12፡17፣ ማቴ 13፡14,35፣ ማቴ 21፡4፣ ማቴ 27፡9)። ኣቐዲሙ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ዝገለጾ ትንቢት ነይሩ (ኢሳ 7፡14)። ኣብዚ ትንቢት እዚ ክርስቶስ ዝጽወዓሉ ካልእ ስም፡ ኣማኑኤል ዝብል፡ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣማኒኤል ማለት ኣምላኽ ምሳና ማለት እዩ። ክርስቶስ ማለት መድሓኒት ማለት ኮይኑ፡ ተግባሩ ክገልጸልና ከሎ፡ ኣማኒኤል ከኣ መለኮታዊ መንነቱ ይገልጸልና። ጐይታ ብዘይካ እዚኣቶም ኻልኦት ኣዝዮም ብዙሓት ዝጽወዓሎም ስማት ኣለውዎ። ብስሙ ሰባት ካብ ፍርዲ ይድሕኑ (ዮሃ 3፡18) ኣጋንንቲ ይወጹ (ማር 16፡17) መከራ ይቕበሉ (ግብ 5፡41) ድሌቶም ይረኽቡ (ዮሃ 16፡24)። ምኽንያቱ እዚ ስም እዚ ልዕሊ ዂሉ እዩ (ፊሊ 2፡9-11)።

ታሕሳስ 5ይ ሰንበት ዝንበብ ወንጌልን ስብከትን: (ዘመነ ስብከት፤ ካብ ታሕሳስ 7 - ታሕሳስ 26 ግእዝ)

እንተ’ቲ ታሪኹም ታሪኽ መበቈሉ

ቆሎ ተደሪርኩም ቤ/ክርስትያን  ክትተኽሉ

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 21 ክሳብ ታሕሳስ 27  “ኖላዊ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። “ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም ( ናብ ዓለም ዝመጸ ሕያዋይ ጓሳ) ማለት እዩ። እዛ ሰንበት እዚኣ ሳልሰይቲ ሰንበት ኮይና፡ ኖላዊ ማለት ሓላዊ ጓሳ ኮይኑ ነብያት ሓቀኛ ጓሳ ኮይኑ ወዲ እግዚኣብሄር ክመጽእ እዩ፡ ኢሎም ምንባዮምን፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሓቀኛ ጓሳ ምኳኑን እንዳዘከረት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ትዝምሮን፡ ትቅድሶን፡ ተመስግኖን መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ዎ ጓሳ እስራኤል፡ ጽን በል። ንዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሖ፡ ኣታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ፣ በሪህካ ተገለጽ።” እዚ ማለት እቲ ነብያት ዝተነበይዎ ትማልን፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኮነ፡ ሓቀኛን እሙንን ጓሳ ጐይታ፡ ብርሃንን ሓቅን ኮይኑ ይምርሓና፡ከምቲ ንህዝብካ ኣብ ዘመናት ዝመራካ ምርሓና፡ በሪህካ ተገለጽ ንምባል እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ሕያዋይ ጓሳ ኣነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

መን'ዩ እቲ ሰብ?

ብሊቀ ህሩያን ቀሺ ተኽለ ተፈሪ: መድሓኔ ዓለም ቶሮንቶ ካናዳ

(ካብ መጽሄት ተዋህዶ ቁጽሪ 4, 25 ታሕሳስ 2004 ዝተወስደ)

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ካብ ስደትን ፈተናን ዘዕረፈትሉ ዘመን ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን እዩ። ከመይሲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ነዓይ ኣይተቐበለትንን እሞ፣ ንኣኻትኩምውን ኣይትቐበለኩምን እያ፣ ክብል ብቅዱስ ቃሉ ነጊሩና ስለ ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዓለማውያን ነገስታትን መራሕትን፣ ደም ንጹሃት ክርስቲያናት እናኣፍሰሱ፣ ን2000 ዓመት ጸኒሖምን ይቕጽሉ’ዉን ኣለዉ። በብጊዚኡ ንሳቶም ክሓልፉ እንከለዉ፣ እታ ብደም ክርስቶስ ዝተሠረተት ቤተ ክርስቲያን ግን ገና ትቕጽል ኣላ እኳድኣ በርቲዓ።

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ  ታሕሳስ 14 ክሳብ ታሕሳስ 20  “ ብርሃን”  ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ዘብርሃን አቅዲሙ ነገረ በኦሪት” (እቲ ብርሃን ብኦሪት ኣቐዲሙ ተነግረ) ዝብል እዩ። እዚ ካብቲ ዘመነ ስብከት ተባሂሉ ዘሎ ካልኣይ ሰንበት እዩ። ኣብ ኦሪት ነብያት ናይ ነብሶም ብርሃን ዝኮነ ክወርድ ፡ ክውለድ እዩ ኢሎም ስለ ምስባኮም፡ ሓቀኛ ብርሃን ክመጽእ እዩ፡ ኢሎም ስለ ምንባዮም፡ ዝዝከረሉ መዓልቲ ኮይኑ ፡ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ብርሃን ሙዃኑ ብመዛሙር ይስብክን ይምስገን ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ “ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፡ ንሳተን ይምርሓኒ፡ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ። ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፡ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሰይን ክአቱ እየ።” እዚ ማለት እቲ ነብያት ዝተነበይዎ ትማልን ፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኮነ፡ ብርሃን ሓቂ ጐይታ፡ ብርሃንን ሓቅን ኮይኑ ይምርሓና፡ ናብቲ ሰማይ ዘእትዋ ንሳተን እየን እሞ ንምባል እዩ። ሎሚ እቲ ንዓና ዝተዋህበና ብርሃን ዝኾነ መሰል ውልድነት ነብያትን ሃዋርያትን ኩሉ ኣብ ዘመናት ዝሓለፉ ኣገልግልቲ ኣምላክ ዝመሃርዎ፡ ኣብ ህይወትና ከመይ ከም ዘሎ፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንሂወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ብዮፍታሄ ዝተመርሐ ጉጅለ ጳጳሳት ኤርትራ ማለት ኣባ ዲዮስቆሮስ፥ ኣባ ማርቆስ፥ ኣባ ሰላማ፥ ኣባ ጴጥሮስን ኣኸቲሉ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ

ብኣቛጻጽራ ግዕዝ ካብ ታሕሳስ 7 ክሳብ ታሕሳስ 13  “ስብከት”  ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ “ወልዶ መድኅነ ንሰብክ። ዘእምቅድመ ዓለም ሀሎ።” (ቅድሚ ዓለም ንዝነበረ፡ ምድሓን ወዱ ክነግር ኢና) ዝብል እዩ። ካብ ኦሪት ብሙሴ ብኩሎም ብነብያት ኣቐዲሞም ምውላድ ክርስቶስ ብስብከቶም ሰቢኮሞ ንዝነበሩ ሎሚውን ንሱ ህያው ምዃኑ ንምዝካር እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረቡ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።” እዚ ማለት ከኣ ኣታ ትማልን፡ ሎምን፡ ንዘልኣለም ህያው ዝኾንካ፡ ጐይታ ርድኣና ዘይንስኻ ክረድእ ዝኽእል የሎን ንምባል እዩ። ኣብ ህይወትና ሎሚ ዝያዳ ኩሉ ‘ኣበይ ትፈልጠኒ’ ንብሎ ከይንህሉው፡ ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ንህይወትና ምርኣይ ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ስብከትን ምንባባት ወንጌልን:- ታሕሳስ 4ይ ሰንበት

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div