S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘን

ዓመት መጸ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ብ5 ነሓሰ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኣቡነ ፊልጶስ እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም ደብረ ቢዘን እዚ ዕለት እዚ ክቡርን ዓቢይን በዓል ንግደት እዩ። በረኸት ኣቡነ ፊልጶስ ጻድቕ ንምክፋል ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ርሑቝን ቀረባን ብዝመጹ ብዙሓት ኣቦታት
መነኮሳት፥ ካህናት፥ ሊቃውንቲ መዘምራን፥ ዲያቆናት፥ ምእመናን ሰብኡትን መንእሰያትን ነጋድያን ኣብቲ ቅዱስ ገዳም ደብረ ቢዘን ተኣኪቦም ብሓባር ንእግዚኣብሔር ብጸሎተ ቅዳሴ ክምህለሉን ብመዝሙር ከመስግኑን ክትርኢ ከሎኻ ብሓቂ መንፈሳዊ ሓጎስን ወሓዚ ጸጋን ኣብ ልብኻ ይመልኣካ። 
 
ኣቡነ ፊልጶስ ጻድቕ ካብ ብሩኻት ወለዲ ኣቦኦም ይርድኣነ-እግዚእን ኣዲኦም ከኣ መግደላዊት ዝበሃሉ ብ20 ጥቕምቲ 1326 ኣ.ፈ ኣብ ዓዲ ኣርባዕተ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ጎልጎል ኣንከረ-ባርኳ ኣብ ትግራይ ተወልዱ። ወለዶም ወላኳ በቲ እዋን’ቲ መኳንንቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ ርኹባት እንተነበሩ ቅዱሳን ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ ብሥነ ሥርዓትን ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባርን ኮስኪሶም ብመገዲ ኣምላኽ ኣዕበይዎም። በዚ መሠረት ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ 12 ዓመት ዕድሜኦም ካብ ኣቡነ በኪሞስ ብመንፈስ ወዲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ማዕርገ ምንኵስና ተቐበሉ።ብድሕሪ እዚ ኣብ ተልእኮ ወንጌል ተጸሚዶም እምነት ክርስትና ንምስፍሕፋሕ 30 ዓመት ዝኸውን ብሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኤርትራ ዓቢይ ዕዮ ፈጸሙ።  ኣብ መበል 42 ዕድሜኦም ድማ ነዚ ስሙይን ትእምርቲ ጽንዓት ኦርቶዶክሳውያን ዝኾነ ገዳም ደብረ ቢዘን ብ1368 ኣ.ፈ (ብ1361 ዓ.ም ግእዝ) መሥረቱዎ።
 
ገዳም ደብረ ቢዘን ካብ ከተማ ኣሥመራ 25 ኪሎ ሜትር ብወገን ምሥራቕ ኣብ 2500 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዝተደኮነ ሓበን ኩሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ዝኾነ ጥንታዊ ገዳም እዩ። ካብ መጀመርታኡ ብዱርን ኣራዊት ምድርን ተኸቢቡ ከሎ ብእግዚኣብሔር ተመሪሖም ኣቦና ጻድቅ ኣቡነ ፊልጶስ ንሰዓብቶም መነኮሳትን ኣርድእቶምን ኣኸቲሎም ፍሉይ ናይ ጸሎትን ብሕትውናን ቦታ ምናኔ ምእንቲ ክኸውን ኢሎም ከም ሥርዓት ጳጉሚስ ነባሪ ሥርዓተ-ማኅበር ኣቝሞም ነዚ ጥንታዊ ገዳም ደብረ ቢዘን መሥረቱዎ። ወላኳ ብዙሕ ፈተናን ሽግርን እንተ ኣጋጠሞም “ከይሠራሕካ ዋጋ፡ ፈተና ከየሕለፍካ ጸጋ” ብኸምኡ ስለ ዘይርከብ ንኹሉ ብጸሎትን ምስጋናን ኣሕለፍዎ። ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብቲ እዋን ልዕሊ 3500 ዝኾኑ መነኮሳትን መነንቲ ኣርድእትን ከም ዝነበሩዎ ታሪኽ እቲ ገዳም የዘንቱ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናቱ መንፈሳዊ ዕዮ ተዋሂብዎ ድማ ብስምምዕን ምክብባርን ብትሕትናን ፍቕርን ንኣምላኽ የገልግሉ ነበሩ። ገሊኦም ብሥነ ጽሑፍ፥ ገሊኦም ብጸሎትን ስብሓታትን፥ ገሊኦም ብምምሃርን ምምሕዳርን፡ ገለውን ብሕርሻን ህንጻን ከከም ክፍሎም ብትግሃትን ተኣዝዞን ንገዳሞም ይገልግሉ።
 
ኣቡነ ፊሊጶስ ዝተፈላለየ ተኣምራት ዝገበሩ ጻድቕ ኣቦ እዮም። ብዙሓት ነቢያትን ሓዋርያትን ብሓይሊ ክርስቶስ ብዙሕ እጹብ ድንቂ ዝኾነ ተኣምራት ከም ዝገበሩ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንረኽቦ መንፈሳዊ ሓቂ እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉውን እቶም ንዓይ ዝኣምኑ ካብዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ዝዓቢ ተኣምራት ክገብሩ እዮም ከም ዝበለ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተጠቂሱ ኣሎ። ጻድቕ ኣብነ ፊሊጶስ ድማ ብዛዕባ ምኽባር ቀዳመ-ሰንበት ዝምልከት ክርክር ስለ ዝነበረ፡ ብትእዛዝ መንግሥትን ብሓለዋ ወተሃደራትን ኣብ “ሓይቀ እስጢፋኖስ” ዝበሃል ቦታ ኣብ ወሎ ዓደምሓራ ብዘይ ፍርዲ ን4ተ ዓመት ዝኣክል ተኣሲሮም ስለ ዝነበሩ እሞ “ወክሎ ዘትገብሩ በስመ ዚኣየ ግበሩ፡ ወዘእንበሌየሰ ኣልቦ ዝትክሉ ገቢረ’’ ማለት “እቲ ትገብርዎ ዘበለ ኩሉ ብስም ጎይታ ግበርዎ፡ ብዘይ ብኣይሲ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ዮሓ 15፡5፡ ከም ዝበለ ወንጌል፡ በቲ ዝወርዶም ዝነበረ ግፍዒ ናብ ኣምላኽ ተማህሊሎም ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ቅድሚ ሓጸይ ዳዊትን ጳጳስ በርቶሎሜዎስን ክሳብ ነቲ ቀላይ ብሓዊ ከም ዘንደድዎ ገድሎም የዘንቱ።
 
እዝከረኒ ኣብቲ ገዳም ገና ነኣሽቱ ተመሃሮ ከሎና ንዓመታዊ ክብረ በዓል ኣቡነ ፊሊጶስ ብሓጎስን ተስፋን እንጽበዮ ዓቢይ በዓል ኮይኑ፡ ንዕኡ ዝግበር ምድላዋት ከኣ ናይ መግቢ፡ መስተ፡ ምቕባል ኣጋይሽን መደቀሲ ቦታን እዩ። እቶም ነጋዲያን ድማ ብወገኖም ብዛዕባ ዝካየድ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ካብቲ ታሪኻዊ ዑደት በረኸት ናይ ኣቡነ ፊሊጶስ ንኽቕበሉ ብሃረርታ ቅድሚ ሣልስትን ብድሮን ይውሕዙ ነበሩ። ብፍላይ ድማ ኦርቶዶክሳውያን መንእሰያት ካብ ኩሉ ኵርንዓት ኤርትራን፡ ገለውን ካብ ክፍለ ሃገራት ኢትዮጵያ ነዊሕ ተጓዒዞም ናብቲ ክብረ በዓል ንምስታፍ ይመጹ ነበሩ። ኣብዚ ብዝያዳ ክጥቀሱ ዝግብኦም “ከምዚ ሎሚ ሰብ ከይሓሰመ፡  ዘመን ብደሓኑ ከሎ” ብዙሓት መእሰያት ኣሥመራ ገለ ብእግሪ ገለውን ብመኪና ክሳብ ነፋሲት ተጓዒዞም ነቲ ተሪር ዓቐበት ብጉያን ታህዋኽን ወጺኦም ናብ ገዳም ደብረ-ቢዘን ተኣኻኺቦም እዮም ዝመጹ ኔሮም። ኣብቲ ገዳም ምስ በጽሑ ድማ ኣብተን ኣብያተ ክርስቲያናትን ፈቐዶ በዓትታትን እናኸዱ ንታሪኽ ዝኾኖም ስእልታት ንመዘከርታ ይወስዱ ነበሩ። ብፍላይ ደቂ ዓባይ ኣሥመራ ነታ “ኣደይ ቅበጽኒ” ተባሂላ ትፍለጥ ኣብ ገምገም ዓቢ ገደል (ጸድፊ) ዝበቖለት ጎባጥ ኣውሊዕ ብእግራ ጀሚሮም ክሳብ ጫፋ ብምሕኳር ንበረኸት ቆጽሊ ቀንጢቦም ክመጹ ከለዉ ዘለዎም እምነትን ቕልጣፈን ርኢካ ብጣዕሚ ይገርመካ እዩ።
 
ብሓፈሻ እምበኣር ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ታሪኽ ክርስትና ሃገርና ዓቢ ናይ ክብሪ ቦታ ዘለዎ ገዳም ከም ምዃኑ መጠን እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሕልፎ ዘሎ ፈተናን ኩነታትን ንኹሉ ኣማኒ ዘየሻቕል ኣይኮነን።ምኽንያቱ ኣብዚ ሕጂ እዋን መነኮሳት ደብረ ቢዘን ገለ ብስደት፡ ገለ ብማእሰርቲ ገሊኦምውን ብሞትን እናወሓዱ በጀካ እቶም ሸምጊሎም ዕድመ ዝደፍኡ መነኮሳትን ቁንጣሮ ዝኾኑ ማእከላይ ዕድመ ዘለዎም ኣቦታትን እንተ ዘይኮይኑ ብዋሕዲ ዓቅሚ ሰብ ኣብ ፈተና ከም ዘሎ፡  ከም ቀዳምውን ተካእቲ መነንትን ተመሃሮ መእሰያትን ስኢኑ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቁ ምህላዉ እቶም ዝተወከስናዮም ኣቦታት ዘረጋገጹልና ሓቂ እዩ። ስለዚ እምበኣር ብፍላይ ነዚ ሃብታም ታሪኽን ብዋጋ ዘይሽነን ጥንታዊ ቅርስን ዓቂቡ ዝጸንሐ ገዳም ደብረ ቢዘን ብሓፈሻ ድማ በዚ ህልው ኩነታት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ንኹለን ኣብ ጸገም ወዲቀን ዘለዋ ኦርቶዶክሳውያን ገዳማት ኤርትራ ኣብ ምዕቃበንን ምሕብሓበንን ዓቅምና ዝፈቕዶ ኣበርክቶ ክንገርብ በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽር ይፈቱ። ብዝያዳ ድማ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝተመሃርና ከምኡውን ብንግደትን ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ኣብቲ ገዳም ዝተመላለስና ውሉደ-ክህነትን ህዝበ ክርስቲያን ደቂ ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራትን ኵርንዓት ዓለምን ዘሎና ጾርን ሓላፍነትን ተሰሚዑና ብብክእለትና ብጸሎት፡ ብምኽሪ፥ ብወፈያ ገንዘብን ንብረትን ነዚ ስሙይ ገዳምና እጃምና ከነበርኽት ብኣኽብሮት ከዘኻኽር ይደሊ። ልዑል እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ገዳማትናን ይባርኽ።
 
ፊሊጶስ ዘደብረ ቢዘን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div