S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቃለ መጠይቕ ምስ ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ

ክብረ በዓለ-መስቀል፡ ምስ ምውላዕ ዳሜራን ምብራህ ሆየ፡ ሆየን ዘለዎ ዝምድና

ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡መምህር፡ ዕውር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ኢሎም ሓተትዎ።ኢየሱስ ከኣ፡ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ፡ . . . ኢሉ መለሰሎም።ዮሃ 92, 3.

እግዚኣብሔር ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ'ሞ ንመልከቶ! ብመልእኽተኛ: ብጻድቕ:  ወይ ብቕዱስ ዘይኮነስ: ባዕሉ ኣምላኽ'ዩ ስጋና ለቢሱ በጃ ኪኾነና ዝመጸ። "ስለዚ ኣቱም ኣሕዋተይ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ካብ ኣፍቀረና ንሕናውን ንሓድሕድና ክንፋቐር ይግብኣና እዩ።"
ብመልኣከ ገነት ቀሺ ዮሃንስ ነጋሲ ቅ. ማርያም ቤ/ክ ቺካጎ
(ካብ መጽሄት ተዋህዶ ቁጽሪ 4, 25 ታሕሳስ 2004, ዝተወስደ) READ MORE...

ወዮ ማዕከን ፍልጠት ሰፊሕ ሓንጎል

“እንሆ ኸኣ [እቶም ኣጋንንቲ]፡ “ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጺእካ፧” እናበሉ ጨደሩ።...እንሆ ድማ ብዘላ እታ ዓዲ ንኢየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ።” ማቴ 8፡29; 34.

ዓመት መጸ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ብ5 ነሓሰ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኣቡነ ፊልጶስ እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም ደብረ ቢዘን እዚ ዕለት እዚ ክቡርን ዓቢይን በዓል ንግደት እዩ። በረኸት ኣቡነ ፊልጶስ ጻድቕ ንምክፋል ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ርሑቝን ቀረባን ብዝመጹ ብዙሓት ኣቦታት

ታሕሳስ 5 ሰንበት ዝንበብ ወንጌልን ስብከትን(ዘመነ ስብከት፤ ካብ ታሕሳስ 7 - ታሕሳስ 26 ግእዝ)

ጐይታና ነዚ ኽፍሊ ወንጌል እዚ ዝመሃረ፡ ነቲ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ዚኣክል መጽጕዑ ዝነበረ ሰብኣይ ኣብ ሰንበት መዓልቲ ፈዊሱ ዓራቱ ጸይሩ ኪኸይድ ምስ ኣዘዞ እዩ። በቲ ግብሩ ሓሪቖም ክሳዕ ንምቕታሉ ሓሰቡ። ጐይታ ድማ ነዚ ሓሳቦም እዚ ስለ ዝተረድኦ፡ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ዝገበሮ ኸም ዝገበረ ኣስፊሑ ገለጸሎም። ኣብዚ ትምህርቱ እዚ ድማ ብዛዕባ ሰለስተ ዓይነት ሞት ዜገርም መግለጺ ሃበ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሞት ገና ብኣካለ-ስጋ ብህይወት ከለኻ እትሞቶ ናይ ልዕሊ መቓብር ሞት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ድማ ብኣካል ስጋ ሞይትካ ናብ መቓብር እትወርደሉ ሞት እዩ። እቲ ሳልሳይ ሞት ግና፡ በቲ ልዕሊ መቓብር ከለኻ እትምቶ መንፈሳዊ ሞት እዩ ዝውሰን።

መን'ዩ እቲ ሰብ?

ብሊቀ ህሩያን ቀሺ ተኽለ ተፈሪ: መድሓኔ ዓለም ቶሮንቶ ካናዳ

(ካብ መጽሄት ተዋህዶ ቁጽሪ 4, 25 ታሕሳስ 2004 ዝተወስደ)

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div