S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌልን ካልኦት ንባባትን ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘብዓልናዮ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዚምልከቱ እዮም። እቲ ንምእመናንን ኣገልገልትን ዚወሃብ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ዓለም ብህይወት ክሳዕ ዘሎና ጥራይ ዘይኰነስ ኽሳዕ ዘለኣለም ምሳና ዚነብር እዩ። እዚ መንፈስ ድማ ብክርስቶስ ንዚኣምንን ንዚስዕብን ኵሉ ዚወሃብ ምዃኑ ቓሉ ኣረጋጊጹልና እዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ዚነብር ቅብኣት (መንፈስ ቅዱስ) ኵሉ ጊዜ ይምህረናን ይመርሓናን እዩ።

ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለተ ትንሳኤ ጀሚርና ኽሳዕ እዚ ዕለት እዚ ንኣስታት ሾብዓተ ሰናብቲ ኽንዝኽሮን፡ ንእኡ ዚምልከቱ ንባባት ኸነንብብን፡ ከምቲ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ድማ፡ክርስቶስ ተንስኣ እምሙታንእናተባሃሃልና ክሳዕ እዛ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ብእኡ ሰላምታና ኽንለዋወጥ ኢና ጸኒሕና። ምኽንያቱ እቲተስፋ ኣቦዝተሰምየ መንፈስ ቅዱስ ኽንቅበል ዘብቅዓና ትንሳኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌልን ግብሪ ሃዋርያትን ብዛዕባ ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ እዩ። ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ነርብዓ መዓልታት ደጋጊሙ ኺረኣዮምን ህያውነቱ ኼረጋግጸሎምን ድሕሪ ምቕናዩ፡ ናይ ዕርገቱውን ምስክር ምእንቲ ኪዀኑ፡ እናረኣይዎ ኺዓርግ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ወሰዶም። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ንባብና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሳ እናገፈፉ ኸለው ዝተራእዮም።

ጐይታና ደጊሙ፡ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ናብ ምግፋፍ ሰብ ምስ መለሶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብስሙ ረቝሑ ኣዝዩ በዳሂ ሕቶ ሓተቶ። ነቲ ሕቶ ብውክልና ናይ ኵላቶም፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ፈልዩ እንተ ኣቕረበሉ እኳ፡ ንዅላቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን፡ ብድሕሪኦም ንዝመጹ ዅላቶም ወለዶታትን ዚምልከት እዩ ዝነበረ። በእምሮና፡እዚ ሕቶ ንጴጥሮስ ጥራይ ዝተሓትተ ሕቶ እዩኢልና ዘይንሓስብ እኳ እንተ ዀንና፡ ብግብሪ ግና መዓልታውን ምሉእ ዕድሜናን ኸም ዘይምልከተና ጌርና ኸም እንርእዮ ኣሉ ኺበሃል ዘይከኣል ሓቂ እዩ።

እዚ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል፡ ኣብ ምድሪ ገሊላ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ዝተፈጸመ ኣስተርእዮ (ግልጸት) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እቲ ኽሳዕ እዚ እዋን ብእኩባቶም ክልተ ሳዕ ዝተራእዮም፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዝነበረ። በቲ፡ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየዝበሎም መሰረት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ነበሩ።

ጐይታና፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ብፍርሃት ተዋሒጦም፡ ነቲ ዝነበሩሉ ገዛ ኣጽንዖም ሸጒሮም ይነብሩ ኸም ዘለው ምስ ረኣየ፡ ካብዚ ሳቓዪ ፍርሃትን ዘይምእማንን ምእንቲ ኼናግፎም ኪረኣዮም ወሰነ። ከምቲ ዝነበሮም ፍርሃትን ምጥርጣርን፡ ኣብ ኣፍደገ ማዕጾ ደዉ ኢሉ ብምዅሕኳሕ ኪኸፍትዎ እንተ ዚሓትቶም ኪኸፍትዎ ምተጸገሙ ነይሮም።

እዚ ናይዚ ዕለት ወንጌል ንባብ፡ ብዛዕባ  ኤማሁስ ገጾም ዚኸዱ ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርትን ጐይታን መድሃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ ዝርርብ ዚገልጽ እዩ። ካብዞም ክልተ እቲ ሓደ ቀለዮጳ እዩ ዚበሃል። ናብ ኣማሁስ ገጾም ዚኸዱ ዘለዉ ድማ ምስክርነት ናይተን መላእኽቲ ዝተራእይወን ቅዱሳን ኣንስትን፡ ናይቶም ናብ መቓብር ከይዶም ስጋ ክርስቶስ ዝሳኣኑ ክልተ ሃዋርያትን ድሕሪ ምስምዖም እዩ። ነቲ ክርስቶስ ዝነገሮም ቃል ምዝካር፡ ነቲ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ድማ ምእማን ሓዲጎም ኪዘራረቡን ኪመራመሩን ዝመረጹ ሰባት ነበሩ።

እዚ ዳግማይ ትንሳኤኢልና ነብዕሎ ዘሎና መዓልቲ እቶም ደቂ መዛሙርቱ ብሓደ ኣብ ሓንቲ ገዛ ተኣኪቦም ከለዉ ንመጀመርታ ጊዜ ዝተጋህደሉ መዓልቲ ንምዝካር ዝዓለመ በዓል እዩ። ቅድሚ ንኣታቶም ምርኣዩ፡ ንሒደት ቅዱሳት ኣንስትን ንሰብ ኤማሁስን ተራእይዎም እዩ። እተን ኣንስቲ መጺአን ከም ዝረኣያኦ ምስ ነገራኦም፡ እቲ ዘረባ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ፈጺሞም ኣይኣመንወንን ነበሩ። ጐይታ ድማ ነዚ ዘይምእማኖም እዚ ምእንቲ ኺፍውስ፡ ንዅሎም ኪረኣዮም መረጸ። ምኽንያቱ ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ኰይኖም ንምልእቲ ዓለም ዚሰብክዋ ንሳቶም እዮም።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div